ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝነበሩ፡ ኣማኢት ገዳይም ተጋደልቲ፤ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ህዝባዊ ሚሊሽያን፡ ብረቶም ኣንጻር’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣቕኒዖሞ ከምዘለዉ፡ ገዲም ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. እድሪስ ዑመር(በሪራይ) ንኣዝማሪኖ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ገዲም ተጋዳላይ እድሪስ፡ እቶም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣትሒዞም ካብ ቁጽጽር ስርዓት ህግደፍ ብምውጻእ መሰል ህዝቦም ንምኽባር ዝቃለሱ ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ ዝሓለፈ 29 ነሓሰ፡ ኣብ ኣጽሰት ዝተባህለ ኣብ መንጎ ፎሮን ኢራፋይለን ዝርከብ ቦታ ስርሒታት ኣካይዶም። ሰበስልጣን ህግደፍ ድማ ንህዝቢ ፎሮ ኣኪቦም ሃዲዶሞ።

ብኸመይ ግን እዚ ዝበሃል ዘሎ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክህሉ ይኽእል፧ ዝብል ሕቶ፡ ኣዝማሪኖ ንገዲም ተጋዳላይ እድሪስ ዑመር በሪራይ ኣቕሪባትሉ። ተጋዳላይ በሪራይ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቶም ገዳይም ተጋደልቲ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ህዝባዊ ሚሊሽያን ዝነበሩ ልዕሊ 600 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቦምን ሃገሮምን፡ ገዛእ ርእሶምን ቤተሰቦምን ዝወርድ ዘሎ በደል ኣመና ብምጽንካሩ፡ “ሕሱም ሕማም ካብ ሞቱ ነይሓልፍ’’ ብዝብል ድርኺት ነቲ ናይ ምቅላስ ምርጫ ከምዝወሰዱ ኣፍሊጡ።

ቀጺልና ንገዲም ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. እድሪስ ዑመር(በሪራይ) ዘቕረብናሉ ሕቶ፡ ህግደፍ ርእይቶን ፍሉይ ሓሳባትን’ኳ ዘይጻወር ስርዓት ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ኣገዲዱ ዘዐስከሮም ኣማኢት ኣሽሓት ሰራዊት እውን ኣለውዎ። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ምፍሳስ ደም ከይፍጠር ዝብል ለባም ኣተሓሳስባ ዝውንን ስርዓት’ውን ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ልዕሊ እዞም ብረቶም ናብኡ ኣቕኒዖም ዝበልካዮም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ’ዶ ኣይምወሰደን፧ ዝብል ኢዩ። በሪራይ ብዛዕባ’ዚ፡“ሎሚ ኩሉ መሪርዎ ኢዩ። ብግናይ ተግባራት ህግደፍ ዘይሰክሐን ዘየማረረን የለን። ናይ’ቶም፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ፤ ኣብ ጉዳይ ዶብ፤ ኣብ ሓኒሽ፤ ሱዳንን ካልእ ቦታታትን ዝተሰዉኡ፡ ስድራቤታቶም ተደርብዮም ኣለዉ። ዓይኖም ዝዓወሩ ወለዲ ስዉኣት ናብ ሕክምና ዘብጽሖም ወይ ማይ ቀዲሑ’ኳ ዘስትዮም የብሎምን። መግለጺ ዘይርከቦ ሕሱም ናብራ ድማ የሕልፉ ኣለዉ። ብኣንጻሩ ዉሑዳት ጀነራላት ህግደፍ፡ ክሳብ ሸሞንተ ሽሕ ዶላር ንሓደ ሰብ እናኽፈሉ ብመካይኖም ናብ ከሰላ ሰባት ከስግሩ ይውዕሉ ኣለዉ። ስለዚ ምእንቲ እዚኣቶም ኢሉ ዝስዋእን ዝዋጋእን የለን። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ ሜዳ ይኹን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተሞክሮ ዝነበሮም፡ ተረፍ’ቶም ዝተሰዉኡን ዝሰንከሉን ናብ ስደት ውሒዞም ኢዮም። ህግደፍ ነዚ ሓቂ’ዚ ይፈልጦ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ’ዚ ምንቅስቓስ ውግእ ክኸፍት ዓቕሚ ይኹን ሓቦ የብሉን። ዝገደደ ሳዕቤን ክመጽኦ ከምዝኽእል’ውን ከይተሰቆሮ ኣይተርፍን። በዚ ምኽንያት ድማ ህግደፍ ናብ’ዞም ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ብረቶም ናብኡ ዘቕንዑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ንሓደ ወዲ’ቲ ከባቢ ዝኾነ ሽፋ ዝተባህለ ቅድም ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረ ሕጂ ናይ ስለያ ኣባሉ ልኢኽዎ ነይሩ። ንሱ ምስ ሽዱሽተ ጠርነፍቲ ናይ’ቶም ተቓለስቲ ተራኺቡ ነይሩ፡ እንተኾነ ንሳቶም “መሰልናን መሰል ህዝብናን ስለዝተጋህሰ፡ ኣይንሰምዓካን ኢና’’ ስለዝበልዎ፡ ብዘይፍረ ናብ ለኣኽቱ ተመሊሱ። ብድሕሪ’ዚ ህግደፍ ካብ 29 ነሓሰ ጀሚሩ ኣስታት 2000 ካብ ወተሃደራቱ ናብ'ቲ ከባቢታት ንዳህሳስ ኣውፊሩ። ስለ’ዚ ድማ ኣብ ከባቢታት ደግዓን ዲዖትን ብረታዊ ረጽሚ ተፈጢሩ፡ ገና ሕጂ እውን ሓሓሊፉ ይካየድ ኣሎ። እዚ ከኣ ንህግደፍ ዘዋጽኦ ኣይኮነን።’’ ኢሉ ገዲም ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣቶ እድሪስ ዑመር(በሪራይ)።

እዞም ትጠቕሶም ዘለኻ ብረቶም ናብ ህግደፍ ዘቕንዑ ሰባት፡ ብመሰረት መግለጺኻ ካብ ቁጽጽር ህግደፍ ካብ ዝወጹ ድሮ ሰለስተ ኣዋርሕ ገይሮም ኣለዉ። ሎጂስቲካዊ ቀረብ ደኣ ካበይ ይረኽቡ ፧ ንዝብል ሕቶ ድማ፡ በሪራይ፡ “ዕላማ እንተሎ ኩሉ ኣሎ’’ ዝብል መልሲ ኢዩ ሂቡሉ።

መወዳእታ ናይ’ዚ ምንቅስቓስ’ከ እንታይ ኪኸውን ኢዩ ፧ ዝቐጸለ ሕቶ ኣዝማሪኖ ንገዲም ተጋዳላይ በሪራይ ኢዩ ነይሩ። ንሱ “ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣዝዮም ዉሑዳት ምስ ህግደፍ ረብሓዊ ምትእስሳር ዘለዎም እንተዘይኮይኖም፡ ዘይተወጽዐ ኣካል ሕብረተሰብ የለን። ኣብ ኤርትራ ’ኣነ ርቡሕ ኢየ’ ዝብል ክህሉ ኣይክእልን። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ጸገሙ ከብቅዕን መዓልቲ ራህውኡ ከቀላጥፍን ነዚ ምንቅስቓስ ክጽንበሮ ኣለዎ። መወዳእትኡ ድማ ውድቀት ዲክታቶር ህግደፍን ምብሳር ራህዋ ህዝብን ኪኸውን ኢዩ’’ ዝብል መልሲ ሂቡ።  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...