ኣስታት 75 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጢሒሎም።
እቶም ዝተረፉ 5 ብናይ ጥልያን ናይ ባሕሪ ሓይሊ ዲሒኖም ናይ ሕክምና ክንክን ይግበረሎም ኣሎ ክብሉ ሰለስተ ናይ ዜና ማዕከናት ቢቢሲ፡ ኣንሳ.ኢትን ኤርዝ ሓቢረሮም። እዚኣቶም ብሓደ ጀልባ መሳሊ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክጓዓዙ እንከለዉ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ ይብሉ እቶም ጸብጸባት። ናይ ጥልያን ናይ ባሕሪ ሐለዋ ነቶም ውጻእ መዓት ዝኾኑ ሓሙሽተ ኤርትራውያን (ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ቆልዓን ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን) ኣብ መንጎ ማልታን ላምፓዱዛን ዝርከብ ማያት ከንሳፍፉ እንከለዉ እዮም ረኺቦሞም። እዚእቶም ሰለስተ ቕነ ይገብር ካብ ሊብያ ምስነቐሉ መግብን ማይን በንዚናን ብምስኣኖም ኣብ ሽግር ከምዝወደቑ ነጊሮም። እዚ ቐጻሊ ብዘይ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ዝካየድ ናይ ሰባት ምምልላስ ሸቐጥ ደው ምእንቲ ከብሉ ናይ ሊብያን ጥልያንን ሓይሊ ባሕሪ ንባሕሪ መዲተራንያን ኣብዚ ዓመት መጀመርታ ምክትታትል ይገብሩ ኔሮም።
እቶም ዝተረፉ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ብጾቶም ብዙሓት ማይ ባሕሪ ምስሰትዩ ከምዝሞቱን ሬሳኦም ድማ ናብ ባሕሪ ከምዝተሰንደወ ገሊጾም። ናይ ጥልያን ፖሊስ ነዚ ነገር ኣሻብኡ እኳ ከረጋግጽዎ እንተዘይከኣሉ ክእመን ዝከኣል ነገር ምዃኑ ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ሰብ ህይወት ምጥፋእ ብቐጻሊ ዝርእ ነገር እዩ ይብሉ እቶም ምንጭታት።
መንግስቲ ጥልያን ኣብዚ ቐረባ እዋን ናብ ሃገራ ምእታው ብማእሰርትን መቕጻዕትን ድሕሪኡ እውን ናብ ምጥራዝ ዘብጽሕ ዘይሕጋዊ ገበን እኳ እንተገበረቶ ነቲ ቐጻሊ ዋሕዚ ስደተኛታት ጠጠው ከትብሎ ኣይከኣለትን።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ጌና ናብ ኤውሮጳ ንምምጻእ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ግደኦም ይጽበዩ ከምዘለዉ ይሕበር።

