ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ኣብዝካየድ ዘሎ መበል 12 ዓለማዊ ውድድር ኣትለቲክስ፡ ኤርትራዊ ኣትለት ዘርኢሰናይ ታደሰ፡ ቀንዲ ኣንቀሳሲ ናይ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ኮይኑ ኣብርእሲ ምምሳዩ፡ 2ይ ኮይኑ ብምፍጻም ተሸላሚ መዳልያ ብሩር ኮይኑ።

እቲ ሎሚ ሰኑይ 17 ነሓሰ ምሸት ካብ ሰዓት 21፡00(ኣቆጻጽራ በርሊን) ዝተኻየደ ውድድር፡ ኣቐዲሞም ንመምዘኒ ውድድር ዝሓለፉ 31 ጎየይቲ ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፡ ኣትለት ዘርኢሰናይ ታደሰ ን13 ዙርያታት ነቲ ውድድር ብናህሪ መሪሕዎ። ኣብ መወዳእታ ድማ በቲ ውድድር ንክፍጸም ሓደ ዙርያ ክሳብ ዝተርፎ እግሪ እግሩ ዝስዕቦ ዝነበረ ውሩይ ኢትዮጵያዊ ኣትለት ቀነኒሳ በቀለ ተቐዲሙ፡ ዘርኢሰናይ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ብምፍጻም ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ኮይኑ። ዘርኢሰናይ ውድድር ክሳብ ዝፍጸም ምስ ምሉእ ሓይሉ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መዛዘሚ ናይ ናህሪ ጉያ(finishing) ወይ ቮላታ ግን፡ ብቀነኒሳ ስለዝተበለጸ ኢዩ ብኣስታት ኣርባዕተ ካልኢታት(seconds)ተቐዲሙ። ብዘይካዚ፤ ኪዳነ ታደሰ 9ይ፡ ተክለማርያም መድሂን ከኣ መበል 12 ኮይኖም ውድድሮም ፈጺሞም።

ኤርትራውያን ተንተንቲ ብዛዕባ’ቲ ውጽኢት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ “እዚ እኳ እዝጊ ይግበረሎም ኣዝዮም ነፊዖም ’’ ይብሉ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ “ሰፍነጋዊ መጉየዪ’’ (Track) ፈጺሙ ስለዘየለ፡ እቶም ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ዓለማዊ ውድድራት ዝሳተፉ ኣትለታት፡ ልምምዶም ኣብ ሌጣ ጎልጎል ኢዮም ዘካዪዱ። ስለዚ ድማ፡ እቲ ሰፍነጋዊ መጉየዪ ይኹን እቲ ንዕኡ ተባሂሉ ዝዳሎ መዋስብቱ ኣሻዂ ጫማ ወትሩ ኢዩ ዝሕደሶም። ንኤርትራ የመሓድራ ኣለኹ ዝብል ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚ ብሓደ ውልቀ ሃብታም’ኳ ክግበር ዝኽእል ሰፍነጋዊ መጉየዪ(Track) ን18 ዓመታት ዘይገበረሉ ምኽንያት፡ ኣብ ምህናጽ ስፖርታዊ ወለዶ ፋዕራ ከምዘይብሉ ዘረጋግጽ ከምዝኾነ፡ እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ ይሕብሩ።

{youtube autostart="true" width="270" height="280"}TRCB-wrPIUY{/youtube}
ኤርትራ ኣብ ልዑል ብራኸ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ(high altitude) ከምምህላዋ መጠን፡ ኣዝዮም ብዙሓትን ዕዉታትን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጎየይቲ ከተፍሪን ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ከተወዳድርን ዝግባኣ’ኳ እንተኾነት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ናይ ስፖርት ኣምርን ኣፍልጦን ዘይብሎም መጸግዒ ዝሰኣነሎም ኣገልገልቱ ከም ሓለፍቲ ስፖርት ስለዝመዝዝ ብሓደ ሸነኽ፤ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ንመንእሰያት ኣብ ክንዲ ኣብ ስፖርት፡ ኣብ ምትኳስ ብረት ከድህቡ ስለዝጽዕር፡ ኤርትራ ዛጊት ነቲ ብኣድማዕነት ክትዕወተሉ ዝነበራ ዓውዲ ከምዘይተጠቕመትሉ፡ እቶም ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈት ዝግደሱ ዜጋታት የረጋግጹ።

ህግደፍ፡ ኣብ ኮሚሽን ስፖርት ይኹን ኣብ’ቲ ካብ ተጽዕኖ መንግስቲ ናጻ ኪኸውን ዝግብኦ ፈደረሽናት፡ ስፖርታዊ ኣፍልጦ ዘይብሎም ደቂ ጃንድኡ ዝምድበሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ካብ ዝተፈላለያ ዓለማዊ ፈደረሽናትን ኮንፈደረሽናትን፡ ንመነጣጠፊ ስፖርት ተባሂሉ ንኤርትራ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዛት፡ ኣብ ዝድላዩ መዓላ ንኸውዕሎ ምእንቲ ምዃኑ ድማ ይንገር።

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...