ጺ  ዜና 

ዊ ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ

ኣንባቢት: ፡  ራሄል ሰሎሙን

10 ታሕሳስ፣ 2014

መደረ ኣምባሳዶር ግርማ ኣስመሮም ኣብ ዋዕላ ጉጅለ-77 ሃገራትz

ኣምባሳደር ስርዓት ኣስመራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ግርማ ኣስመሮም፡ ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ‘ታሪያ’ ናይ ቦሊቭያ ክቃናዕ ዝቐነየ ፡ ንጉዳይ ምሕደራ ሃገራዊ ግምጃን ኢዱስትሪን ዛዕባ ዝገበረ ዋዕላ ጉጅለ-77 ሃገራት ዘስምዖ መግለጺ፡ ባይታ ዘይምስክሮ  ጥምዙዝ ሓበሬታ ምንባሩ ፥ ነቲ ዋዕላ ብቐረባ ዝተኸታተሉ ተዓዘብቲ ኣመልኪቶም።

ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፥ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዕቃቤን ምቕረሐን ርኽበት ጸጋታት ንዜጋታት ብኣንክሮ ይሰርሕ ከምዘሎ”፥ “ዝበዝሐ ሓፋሽ ተረባሒ ጸጋታቱ ክኸውን ኣብ ዘኽእል ምምሕዳራዊ ትሕተ ቅርጺ  ድማ ብልዑል ዓቕሚ ይጽዕት ምህላዉ” ምሕባሩ፥  መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ’ቲ - ቊንጣሮ ዕንጋለ ሃገራዊ ግምጃኡ’ኳ ተሓሪምዎ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ዘርእዮ ዘሎ ንዕቀት ቀይዱ በቲዂ ምህላዉ ዘርኢ ከምዝኾነ እቶም ተዓዘብቲ ኣገንዚቦም።

ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፥ መንግስቲ ኤርትራ ጥጡሕ ባይታን ስርዓተ-ወፍርን ኣዋዲዱ፡ ንወጻእተኛታትን ደቂ-ሃገርን ማሎም ኣብ ኤርትራ ንኸውፍሩ ልዕሊ ካልእ እዋን ይጒስግስ ምህላዉ፥ ማላዊ ተረኽቦ ሃገራዊ ግምጃ  ኣብ ምምዕባል  ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብ ይውዕል ከምዘሎ፥ ጸጋታት ሃገር ኣብ ምስዋድ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ምኩዋን ድልዱል ትካላዊ ትሕተ-ቅርጽን ይምእዘን ምህላውን ካልእን ዝብሉ ባይታ ዘይምስክሮም መግለጺታት’ዩ ክህብ ተሰሚዑ።

ህዝቢ ኣብ’ዚ እዋን ዝሓልፎ ዘሎ ሕርቱም መንብሮ፡ ብመቓን እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ጸቢብ ምሕደራ ክዕየር እንተተፈቲኑ ፥ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም -መግለጺኡ ክሳብ ክንደይ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ምንባሩ ንምግማቱ ከምዘየሸግር ዘመልከቱ ጸብጻባት፥ ሃገራዊ ግምጃ - ንረብሓ ዝበዝሐ ሓፋሽ ብዝሰርሕ መንግስቲ ክሳብ ዘይተማሕደረ ክመጽእ ዝኽእል እወታዊ ፋይዳ ከምዘይህሉ ኣተሓሳሲቦም።

ዝተፈላለዩ ምስ ስርዓት ኣስመራን ኣካይዳታቱን ቅርበት ዘለዎም ወገናት ከምዝሕብርዎ፥ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር፡ ናበየ-ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ዝዙቆቕ ዘሎ ጸጋታት፡ ኣብ ምምሕያሽ ማሕበረ-ቊጠባዊ ሂወት ዜጋታት ዘመዝገቦ ንኡስ ይኹን  ርኡይ ለዉጢ ዛጊት ከምዘየለ፥ ናይ’ዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ሃገርና ክፉትነት ዝለበሰ ባጀታዊ ስርዓት ብዘይ ምህላዉ ከምዝኾነ ክርዳእ ይከኣል።


መንግስቲ ኤርትራ ንዘቤታዊ ዘይምርግጋእ ሃገረ የመን፡ ጽልዋኡ ኣብ ማያዊ ከባቢታት ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ምብራቕን ንምብራኽ ክጥቀመሉ ይህቅን።

መንግስቲ ኤርትራ ንዘቤታዊ ዘይምርግጋእ ሃገረ የመን፡ ንምብራኽ ጽልዋኡ ኣብ ማያዊ ከባቢታት ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ምብራቕን ክጥቀመሉ ይህቅን ከምዘሎ ፖለቲካውያን ተንተንቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም።

እቶም ዞባውያን ክኢላታት ኣብ ሓበሬታኦም፥ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሩ ናብ መጻብቦ ባብ-ኤልመንደብ ዘምርሕ ዘሎ የመናዊ “ዕጡቕ ጉጅለ ሖቲ”፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ጸጥታዊ ስግኣት ክነግስ ጠንቂ ክኸውን ይረአ ከምዘሎ፥ ፕረዚደንት ኢሳያስ ነዚ ተርእዮ እዚ  ናብ ረብሓኡ ንምጥምዛዝ ከኣ - መሪሕ ተራ ንምሓዝ ይህቅን ምህላዉ ኣገንዚቦም።

መንግስቲ ግብጺ በቲ እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ “ዕጡቕ ጉጅለ ሖቲ” ስክፍታታቱ የርኢ ምህላዉ ወሲኾም ዝጠቐሱ እቶም ተንተንቲ፥ ምስ ግብጺ ጥቡቕ ዝምድናታት ከመስክር ዝደሊ ዘሎ ስርዓት ኣስመራ ኣብ’ቲ ጉዳይ እቲ ተራኡ ንኸዕዝዝ ይሃልኽ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣብ ግብጺ ኣቶ ፋሲል ገብረስላሴ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ምስ ግብጻውያን ምሁራት ኣብ ከተማ ካይሮ ተራኺቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ “ኣብ ማያት ቅይሕ ባሕሪ ጸጥታን ምርግጋእን ንኽሰፍን ምስ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ እናሐየለ ዝኸይድ ዞባዊ ውህደት ክፍጠር ቀጥታዊ ድሌት መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኾነ፥ ኣብ’ዚ ውህደት እዚ ከኣ እስራኤል ተሳታፍነት ከይወሃባ ድሌት ከምዘሎ ኣነጺሩ ምንባሩ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ካብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዝመጾ ዘሎ ኩሉንትናዊ ጸቕጢ ንምፉዃስ፥ ምስ ግብጺ ንጉዳይ ፈለግ ኒል ኣመልኪቱ ኣብ ግጉይን ህዉኽን ዝመስል ምርድዳኣትን ምድንጋጻትን ከድህብ ምጽንሑ ዘመልከቱ እቶም ተንተንቲ ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ነቲ ከከራኽሮም ዝጸንሐ ጉዳይ ማይ-ኮዖ ፈለግ ኒል ንምፍታሑ ፡ ዲፕሎማስያዊ ኣማራጺታት ኣብ ምንዳይ የአንፍቱ ብምህላዎም፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነዚ ናይ የመን ኩነታት ከም ሓድሽ ኣማራጺ ወሲዱ ምስ ግብጺን ሃገራት ዓረብን ዘለዎ ምቅርራባት ከይከስሮም ይሰርሕ ምህላዉ ኣስሚሮምሉ።

የመናዊ “ዕጡቕ ጉጅለ ሖቲ”፥ ናብ ከባቢታት መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ይግስግስ ከምዘሎ፥ ኣብ’ቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ህላዌኡ ከመስክር እንተኽኢሉ ድማ እቲ ኣብ ማያዊ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ንዝርክባ ሃገራት ዝምግብ መጻብቦ  - በቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከይዕገት ዝብል ስግኣት ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።


 

Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...