ጺ  ዜና 

ዊ ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ

ኣንበብቲ፡  ኤፍረም መሓሪን፡ ግርማይ ተወልደን

8 ታሕሳስ፣ 2014

ዉሽጣዊ ኮሚቴ ሃገራዊ ባይቶ እስራኤል ፡ ዋሕዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ንምግታእ “ተሪር” እማመ ከቕርብ’ዩ።

ዉሽጣዊ ኮሚቴ ሃገራዊ ባይቶ እስራኤል ፡ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን  ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ንምግታእ፡ ዝተረረ ምዃኑ ዝተነግረሉ ዛዛሚ እማመ ናብ ፓርላማኡ ማለት “ክነሰት” ከቕርብ ስራሑ ኣጻፊፉ ምህላዉ፡  ጋዜጣ “የሩሳሌም ፖስት” ሓቢራ።

ብመሰረት ሓበሬታ እታ ጋዜጣ፥ እቲ ውሽጣዊ ኮሚቴ ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ ዜጋታት ሃገራት ሰሜና ኣፍሪቃ ከኣ ብፍላይ ፡ መጠን ዋሕዞም ናብ ዝተሓተ ብርኩ ክወርድ ኣብ ዘኽእሉ ተረርቲ ናይ ስደተኛነት መምሪሒታት( immigration law) ክጽዕት ከምዝጸንሐ ፥ እዚ ኣብ ቀረባ መዓልታት ናብ ፓርላማ’ታ ሃገር ከቕርቦ መዲቡ ዘሎ ሓድሽ እማሜ ከኣ ናቱ መርኣያ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳት እስራኤል ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝተራቐቚ ተጽዕኖታት ክውን እናገበረ ፥ ካብ ሃገሩ ንምእላዮም ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ዘመልከተት ጋዜጣ “ የሩሳሌም ፖስት”፥ ብፍላይ እቲ ሚኒስትሪ ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛነት ተሪሪ መርገጺ ብዘለዎም ሰበስልጣን ተጎቢኡ ብምህላዉ፡  ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተሓላለዂ ጸገማት ከምዝርከቡ ኣፍሊጣ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ናይታ ሃገር ኣቶ ጊልዳ ኤርዳን፥ ነዚ ውሽጣዊ ኮሚቴ ፓርላማ ሃገሩ ከቕርቦ ዝኾነ ተሪር እማመ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ መግለጺ፥ እቲ እማመ ኣብ ሞንጎ’ቶም እስራኤል ንዜጋታታ ጥራይ ዝተባሕተት ሃገር ምዃና ዝኣምኑንን ዘይኣምኑን ፖለቲከኛታት ዘይምርድዳኣት ከስፍን ከምዝኾነ ኣሚቱ ኣሎ።

ላለዋይ ባይቶ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ነቲ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ተዳጒኖምሉ ዝነበሩ ቃልዕ ቤት ማእሰርቲ “ሓሎት”፡ ስርሑ ደዉ ከብልን ኣብኡ ዝርከቡ ስደተኛታት ድማ ጉዳዮም ክሳብ ዝጻረ ኣብ ካልኦት ማእከላት ክጸንሑ ወሲኑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፥ እዚ ዉሳኔ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣሉታዊ መርገጺ ብዘለዎም ፖለቲከኛታትን ሰበስልጣንን እታ ሃገር ክዳኸምን ክጥምዘዝን ይረአ ከምዘሎ’ዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘገንዝቡ።

እዚ ናብ ባይቶ’ታ ሃገር ክቀርብ ተወሲኑ ዘሎ ሓድሽን ዝተረረን ውሳኔ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝበኣሰ ስጒምትታን ንኽውሰዱ ዘኽእል ከምዝኾነ ዘመልከቱ ጸብጻባት’ውን፥ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብሓፈሻ ኣህጉራውያን ተሓለቕቲ ሰብኣውነት ከኣ ብፍላይ እወታውን ቀጥታውን ጽልዋአን ከበርኻ ከምዝግባእ ይምሕጸኑ ኣለው። 


መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሩስያ ክኽስቦ ደልዩ ዝጸንሐ ኩሉንትናዊ ምቅርራባት ከይስእኖ ይሻቐል!።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሩስያ ክኽስቦ ደልዩ ዝጸንሐ ኩሉንትናዊ ምቅርራባት ከይስእኖ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ነውጺ ከምዝርከብ ተገሊጽ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላፕሮቭ ኣብ ፈለማ መዓልታት ናይ’ዛ ሒዝናያ ዘለና ወርሒ ታሕሳስ፡ ናብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ መዘናኡ ሚኒስተር ዓሊ ኻርቲ ተራኺቡ ፥ ሃገሩ ምስ ሱዳን ክትድርዖ ኣብ እትደሊ ፖለቲካዊ ፡ወተሃደራውን ቊጠባውን ዝምድናታት ብሰፊሕ ከምእተዘራረበ ድሕሪ ምግላጹ፥ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝበኣሰ ፖለቲካዊ ተነጽሎ ከይወድቕ ሰጊኡ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ኣተሓሳሲቦም።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጾ ዘሎ ኩሉንትናዊ ጸቕጢ ንምዝላቕ፥ ምስ መንግስቲ ሩስያ ህዉኽ ጸጥታዊ ስምምዓት ክውን ኣብ ምግባር ክጽዕት ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ሩስያ ኣብ ገማግማዊ ማያት ቀይሕ- ባሕሪ ናይ ኤርትራ ፡ ዝተወሃሀደ ናይ ባሕርን መሬትን ወተሃደራዊ ልምምዳት ንኸተካይድ ባይታ ኣብ ምፍጣር ክጓየ ከምዝጸንሐ’ዮም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት ክገልጹ ጸኒሖም።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላፕሮቭ ነቲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበሉ ወግዓዊ ናይ ምብጻሕ ዕድመ ብምጒሳይ፡  ዑደቱ ናብ ከተማ ካርቱም ከምዝጠምዘዞ ዘመልከቱ እቶም ወገናት፥ እቲ ሩስያዊ በዓል ስልጣን ሃገሩ ምስ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዳያት ሓቢራ ክትሰርሕ ምዃና ከምዝገለጸ፥ እዚ መግለጺ እዚ ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ጽፍዒት ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ሩስያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማያት ቀዪሕ ባሕርን ህላዌኣ ንምስማር ትሰርሕ ምህላዋ ድሕሪ ምጉዋሑ፥ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ክዕወተሉ ብምባል፥ ንመንግስቲ ሩስያ ሰፊሕ ናይ ዕደናን ኢንዱስትሪን ወፍርታት ኣብ ኤርትራ ንምክያድ  ዘይዉዱን  ዕድላት ክነስእ ከምዝጸንሐ ፥ ካብዚ ብዝሓለ’ፈ ከኣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህ/ግ/ደ/ፍ ኣቶ የማነ ገብራኣብን ንልዑላዊ ጥምረት ሃገረ ዩክሬን ብምጥሓስ ናብ’ታ ብሩስያ ወተሃደራዊ ምትእትታዋት ዝተግብረላ “ክሬሚያ” ወግዓዊ ምብጻሕ ምክያዶም ይዝከር። 


 ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝተነግረሎም ኣስታት 70 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ገማግም የመን ጥሒሎም።

መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝተነግረሎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ኣብ ገማግማዊ ማያት የመን ብምጥሓላ ኣስታት 70 ሰባት ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ካብ’ቲ ከባቢ ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ገማግም “ሞካ” ናይ የመን ኣብ ዝበጽሑሉ ህቦቡላዊ ማዕበል ከምዝጎኖፎም፥ ቅልጡፍ ረድኤት ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ድማ ቊጽሪ ምውታት ክብርኽ ከምዝኸኣለ ዝሓበሩ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ፥ ዛጊት ንመንነት ናይ’ቶም ግዳያት ቅልጡፍ ሓበሬታ ካብ ምሃብ እኳ እንተተቖጠቡ ፥ ዝበዝሑ ካብኣቶም ዜጋታት ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም ኣለው።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ሓበሬታን የመን ነቲ ፍጻሜ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፥ ዝበዝሑ ካብ’ቶም ዜጋታት ኢትዮጵያዊ ወረቐት መንነት ዝሓዙ ከምዝኾኑ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብመሰረት መግለጺ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ሓበሬታን የመን ፥ ኣብዘን ውሑዳት ዓመታት ካብ ኤርትራን ሃገራት ኣፍሪቃን - ቀይሕ ባሕሪ ሰንጢቖም ናብ የመን  ናይ ዝኣተዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ቊጽሪ  ናብ ልዕሊ 100 ሽሕ ከምዝገማገ፥ ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ዝነጥፉ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ደቂ-ሰብ ዝጥቀሙለን ጀላቡ ናእሽቱን ዝኾነ ናይ ድሕነት ትሕተ-ቅርጺ ዝተሓረመንን ብምዃነን ድማ ሓደጋታት ምስ ዝኽሰት ሓያሎ ስደተኛታት ሂወቶም ክስእኑ ከምዝረኣዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።


ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር፣ ምስ ዶክተር ኣኦማ ኦባማ (ሓብቲ መራሒ ሃገር ኣመሪካ፣ ባራክ ኦባማ) ተራኺቡ ተመያይጡ

ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ክፍሊ ወጻኢ ዝምድናታት ሎሚ ብምኽንያት እቲ ዝመጽእ ሮቡዕ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝኽበር መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ዓለም፣ ምስ ዶክተር ኣኦማ ኦባማ (ሓብቲ መራሒ ኣመሪካ ባራክ ኦባማ) ተራኺቡ፣ ብኹነታት ኤርትራን ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ተዘራሪቡ። 

ዶክተር ኣኦማ ኦባማ ቃል ብቓሉ ንተቓለስቲ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ዝሃበቶ ምኽሪ ነዚ ይመስል " ኣፍሪቃ ሕማም ኣይኮነትን። ኣፍሪቃ ድኻ ኣይኮነትን። ሃብታም ኣህጉር ኣላትና፣ ኣፍሪቃውያን ግን ንዘለና ዕድላት ከይንጥቀመሉ ብብዙሕ ማሕለኻታት ተታሒዝና ኣለና። ኩለን ሃገራን ኣፍሪቃ ብሓደ ዓይኒ ክጥመታ ጌጋ እዩ። ምኽንያቱ ገለ ሃገራት ሕልፍ ዝበለ ሽግራት ስለ ዘለወን። ንኣብነት ኤርትራውያን ኣጋጢምኩም ዘሎ ሽግር ንህላውነትኩም ዝፈታተን ስለዝኾነ፣ ብህጹጽ ንሓድሕድኩም ክትላዘቡ የድልየኩም ኣሎ። ሃገርኩም ትመውት'ያ ዘላ። ጸገምኩም ኣብ ኣተሓሳስባኹም'ዩ። ስለዚ ተበጊስኩም ኣለኹም'ሞ ንኣተሓሳስባ ህዝብኹም ክትቅይሩ ተቓለሱ። ሓሳብኩም ሰናይ ስለዝኾነ ምሳኹም ኣብ ጎድንኹም ኣለኹ።" 

ኣብ መወዳእታ ዶክተር ኣኦማ ኦባማ ንስምረት ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር፣ ንኣፈታትሓ ሽግራት ሂወት ኣመልኪታ ብቋንቋ ጀርመን ዝደረሰታ መጽሓፍ ከም ህያብ ኣበርኪታ። ንኹነታት ኤርትራ ብዝግባእ ንኽትርዳእ ድማ መጀመርያ ብቋንቋ ጀርመን ሕጂ ድማ ብእንግሊዝኛ ተቶርጊማ ኣብ ዕዳጋ ዊዒላ ናይዘላ መጽሓፍ ዘካርያስ ክብርኣብ ብሽም ስምረት ብያብ መልክዕ ተዋሂብዋ። 

በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ርክብ ክዉን ክኸውን ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ትካል ኣምነስትይ ኢንተርናሽናል ልዑል ምስጋና ይኹኖም።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...