{autoremote linkfromdisplay="false" shuffle="false" autostart="true" width="320" height="20"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-TesfaDelinaFoundationIncSept182007Message794.mp3{/autoremote}

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡-

ሎሚ 18 መስከረም፡ 2007 ኢዩ፡፡ ከም ንቡርስ፡ ቅነ ሃንሰ መስቀለ ብምዃኑ፡ ዕልልን መዝሙርን ክንሰምዓሉ ዝግባእ እዋን ኢዩ ኔሩ፡፡ እንተኾነ ግን፡ ንቡር ዘይፈልጡ ሓሳዳት ስለዝረኸብና፡ ኣብ ዘበን ህግደፍ፡ መስከረምን ሰነን ተሓዋዊሱና፡ ጥሪን ጾመ ኣርብዓን ተደናጊሩና፣ጥሜት ለሚድናዮ፡ ዕርቃን ናትና ኢልና ሒዝናዮ፡፡ ሞት ተመሓዝዩና፡ ከልበትበት ተዛሚዱና፡ ስደት ተዋሲቡና፡ ብውርደት ደንዚዝና፡ ንህይወት፡ ከም መገዲ ጸልማት፡ ብደርገፍገፍ ንሰግራ ኣለና፡፡

ጠንቁ መን ኢዩ? ህግደፍ!

ህግደፍ ማለት ከ፡ መን ኢዮም? ህግደፍ ማለት፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ውሑዳት ደቀ መዛሙርቱን ኢዮም፡፡

ህግደፍ ማለት፡ ህዝባዊ ግንባር ዶ ኣይኮነን?

ኣይኮነን! ህግደፍ ማለት፡ ንህዝባዊ ግንባር ኣሕቂቑ ናብ ስልጣን ዝመጸ ጉጅለ ኢዩ፡፡ ዕላማታቱ ድማ፡ ምስ ዕላማ ህዝባዊ ግንባር ፈጺሙ ኣይቃዶን ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ማለት፡ ተጋደልቲ ኢዮም፡፡ ህግደፍ ማለት፡ ንተጋደልቲ ከም መሳርሒ ተጠቒሞም ንዕላማ ብረታዊ ተጋድሎ ናይ ዝጨወዩ ውሑዳት ተበለጽቲ፡ ዕቁብ ኢዩ፡፡  ንርስቲ ደቂ ሃገር፡ ንመሬት ዓድታት ሃጊሮም፡ ብዶላር ናይ ዝሸጡ ማሕበር ኢዩ፡፡ ንስንኩላን ኣብ ፈቐዶ ደርብዮም፡ ቪላታት ክግብቱ ናይ ዝጓየዩ ሃርጓማት ጃንዳ ኢዩ፡፡

ንሕልናና ንፍረድ፡፡ ቅኑዓት ተጋደልቲ እንተዝነበሩ፡ ከምዚዶ ምገበሩ? ንስድራ ሰማእታት ምረስዑዶ? ንመንእሰያት ኣብ በረኻ ኣስፊሮም፡ ህይወት ተስፋ ስኢኖምሉ ናብ ስደት እንዳወሓዙ፡ ንሶም ምሳዕስዑዶ?

ህግደፍን ህዝባዊ ግንባርን፡ ኣዝዩ ብዙሕ ፍልልያት ኣለዎ፡፡ እዚ ቁሩብ ኣብነታት'ዚ ጥራይ ግን፡ ህግደፍን ህዝባዊ ግንባርን ክንዲ ሰማይን መሬትን ርሕቀት ከም ዘለዎም፡ ብመሰረቱ'ውን ከም ዘይራኸቡ፡ ጭቡጥን እኹልን መርትዖ ኢዩ፡፡

ህግደፍን ህዝባዊ ግንባርን ነንበይኑ ስለዝኾነ ድማ፡ ኣቶ ኢሳያስ፡ ምስቶም ንህዝባዊ ግንባር ከሕቅቑ ዝመልመሎም ጉጅለኡ ተሻሪኹ፡ ነቶም ንዕላማታት ህዝባዊ ግንባርን ሕድሪ ሰማእታትን ወኪሎም፡ "ህዝቢ ክግፋዕ የብሉን! ፍትሒ ይንገስ! ቅዋም ይተኸል! መሰል ይተሓሎ!" ብምባል ምእንቲ ህዝቢ ዝመደሩ፡ ንሓቂ ዝነገሩ ኣናብስ ተጋደልትን መንእሰያትን፡ ክስታናይ ኣይገድፍ ኣስላማይ፡ ቆላ ኣይገድፍ ከበሳ፡ ብጽሉቕ ምሉቕ፡ ጸልማት ተጎልቢቡ፡ ኣሕቂቑዎም፡፡

ብምኽንያት 18 መስከረም፡ 2007፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፡ 11 ካብቶም ኣብዚ ዕለት'ዚ እንዝክሮም ሓርበኛታት፡ ኣብ ነንበይኑ መዓልቲ፡ ብስርዓት ህግደፍ ከም ዝተቐትሉ፡ ተሓቢሩ ኣሎ፡፡ ኣስማቶምን፡ ዝተቐትሉሉ ዕለትን ቦታን፡ ብተርታ ዕለተ ሞቶም፡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፡-
1. ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ፡ (ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ)፡ ሓምለ 13፡ 2002፡    ኣብ እምባትካላ፣
2. ፍስሃየ ዮሃንስ፡ (ጆሽዋ፡ ደራስን ጋዜጠኛን)፡ ጥቅምቲ 12፡ 2002፡ ኣብ እምባትካላ፣
3. ማሕሙድ ሸሪፎ፡ (ሚኒስቴር ዞባዊ ምምሕዳር)፡ ሰነ 5፡ 2003፡ ኣብ እምባትካላ፣
4. ሳልሕ ኬክያ፡ (ሚኒስቴር መጎዓዝያ)፡ ሰነ 9፡ 2003፡ ኣብ ዒራዒሮ፣
5. ኣስቴር ፍስሃጽዮን፡ (ሓላፊት ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ዓንሰባ)፡ ሰነ 13፡ 2003፡ ኣብ         ዒራዒሮ፣
6፡ ዩሱፍ መሓመድ ዓሊ፡ (ጋዜጠኛ)፡ ሰነ 13፡ 2003፡ ኣብ ዒራዒሮ፣
7. ሓምድ ሕመድ (ኣብ ሚ/ኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሓላፊ ማእከላይ ምብራቕ)፡ መስከረም 22፡    2003፡ ኣብ ዒራዒሮ፣
8. ተኽለገርግሽ ሓጎስ ቁስሙ፡ (ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጾሮና)፡ መጋቢት 16፡ 2004፡ ኣብ       ዒራዒሮ፡
9. ሳህለ ጸጋዝኣብ (ኣኽባሪ ሕጊ)፡ ጥሪ 1፡ 2005፡ ኣብ ዒራዒሮ፣
10. ስዒድ ዓብደልቃድር (ጋዜጠኛ)፡ መጋቢት 3፡ 2005፡ ኣብ ዒራዒሮ፣
11. መድሃኔ ሃይለ (ጋዜጠኛ)፡ ሓምለ 2፡ 2006፡ ኣብ ዒራዒሮ፣ 

ብተወሳኺ፡ እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣገልጋሊ ማርያም ዓይላ ዝነበሩ ሽማግለ ፈላሲ ኣባ ኪዳነማርያም፡ ንምትእትታው ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምምሕዳር ቤተክርስትያን ተዋህዶ ስለዝተቓወሙ፡ ሓምለ 2002፡ ከም ዝረሸኑዎምን፣ኣባ ገብረእግዚኣብሔር ዝተባህሉ ፈላሲ ናይቲ ገዳም፡ ሽዑ ምስ ተሰወሩ፡ ዛጊት ድሃይ ከም ዘይብሎምን ተገሊጹ፡፡ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ድማ፡ ኣባ ዮሃንስ ዝተባህሉ ባሕታዊ ገዳም እንዳ ገብርኤል ኣምበሰት፡ ሰነ 2004 ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ተጨወéዩ፡ ድሃይ ዘይብሎም ተሸሪቦም ከም ዘለዉ፡ እቲ ጸብጻብ ይሕብር፡፡ 
በዚ ኣጋጣሚ፡ ኩልና ኤርትራውያን፡ ማእሰርቲ ኮነ ሞት ናይ እተፍቅሮ፡ ኣቦኻ ወላዲኻ፡ ናባይኻ፡ ኣዴኻ፡ ኣፍቃሪኻ፡ ኣመና ከቢድ ከም ዝኾነ ብምዝካር፣ ንስድራ ቤት እዞም ሓርበኛታት፡ ኣብ ጸሎትና ክንዝክሮም፣ ብግብሪ ድማ፡ ነቲ ምእንቲ ኩልና ተሰኪሞሞ ዘለዉ ኣመና ከቢድ ጾር ዘቃልል፡ ንማእሰርቲ ካልኦት ዝዓግት፡ ንሞት ካልኦት ንጹሓት ኤርትራውያን ዝገትእ ተበግሶ ክንወስድ፡ ሓደራ ንብል፡፡

ብርግጽ፡ ህግደፍ ካብ ዝፍጠር፡ ኣብ ኤርትራ ግፍዒ ሰሲኑ ኢዩ፡፡ ኣብ ብዙሕ እዋናት፡ ኣዝዩ ብዙሕ ግፍዕታት ተፈጺሙ፡፡ ካብቲ ብዙሕ ሓንቲ፡  መስከረም 18 2001 ኢያ፡፡ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ህግደፍ፡ ከም ማሕበር ዓመጸኛታት ጉልባቡ ዝቐልዓላ፡ ተጋዳላይን ተበላጽን ዝተመመዩላ ዕለት ብምዃና፡ ንኩሎም ብግፍዒ ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉን፡ ከም ጨው ዝሓቐቑን ኣሽሓት ሰብ ሕልና ኤርትራውያን እንዝክረላ ዕለት እንተኾነት፡ ዘይግባኣ ኣይኮነን፡፡

ኣብዛ ዕለት'ዚኣ፡ ብተጋድሎና ዳግማይ ኣብ ዝወነንናያ ናጻ ሃገርና፡ ንቡር ቀደምና መሊሱ ክጽብቐልና፡ ብሰላም ክንሓርሶ'ሞ፡ ግራትና ካዕበት ክሕፈስ፣ ኣብ ክንዲ ንምጉት፡ ክንፋቐርሞ፡ ሽሻይና ክምእኩት፣ክንመሃርሞ፡ ንፍልጠት ክንቀስሞ፡ ክንመራመር፣ክንሽቅል'ሞ፡ ድኽነት ክንስዕሮ፡ መከራ ክንሰግሮ ተመኒናስ፡ ጀሚርናዮ'ውን፡፡ ጉዕዞ ምዕባሌና፡ ከቢድ ወላ እንተኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ባና ሽምዓ ሓርነትና ኮይንና፡ ብሰላም ክንጎዓዝ ጀሚርና፡፡ ኣይከም ዝሓሰብናዮን ግን፡፡ ድምቕቲ ፋኑስና፡ ደጓሒት ሽምዓና፡ ብርህቲ ጥዋፍና፡ ብሰራም አïድ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተመንጢላ፡ ኣብ ቦኹራ ህግደፍ ተደፊና፡፡  

በዚ ተርእዮ'ዚ፡ ኩልና ክንሓዝን፣ኩልና ክንጉሂ፡ ባህርያዊ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ፡ ትጽቢትና ገነተ ሰማይ ዝነበረ፣ጃንዳ ህግደፍ፡ ብታሕቲ ታሕቲ ፈኸም ከብሉዎ ንዝጸንሑ ድጉል መድፈና እከይ ከፊቶም፡ ኣብ ረመጽ ሓሳረ መከራ ክጠብሱና፡ ኣብ ገሃነም ባርነት ክልብልቡና ዝጀመሩላ ዕለት አïያ፡፡ 

በቲ ሓደ ግና፡ መስከረም 18፡ ናይ ተስፋ ዕለት'ውን ኢያ፡፡ እቲ ምንታይ፡ ብሳላ ተስፋ ህዝቢ ክመክን ዘይደለዩ ተባዓት ደቂ ሃገር፣ እንታይነት ኣቶ ኢሳያስ ብግብሪ ዝተረጋገጸላ፣ ተንኮሉን፡ ውዲቱን ግናይ ኣመሉን ዝተኸሻሓላ ዕለት ኢያ፡፡  ምእንቲ'ዚ ድማ፡ ነቶም ካብ ኣምልኾ ከምዚ ዝበለ ምስሊ ሰብ ዝለበሰ ኣረሜን ግልል ኢልና፡ ብናይ ሓሶት መብጸöዓታት ምህማል ከነቋርጽ፣ ናብ ልብና ንውሽጢ ኣቋሚትና፡ ብርእስና መታን ክንሓስብ፣ ብሓንጎልና መታን ክንመራመር፡ ካብ ድቃስና ዘበራበሩና ኣሕዋትና፡ በቲ ተባዓት፡ በቲ ድማ፡ ደቂ ሰብ፡ ክቡራት ከማና ከም ምዃኖም መጠን፡ ድሃይ ዘይብሎም ስለዝተሸርቡ - ብሓዘን፣ መራሕቲ መንገዲ ስለዝኾኑና ድማ፡ ብኣድናቖትን፡ ክብርን፡ ክንዝክሮም ይግባእ፡፡ ብሳላኦምን፡ ብሳላ ብዙሓት ቅድሚኦምን ድሕሪኦምን ንሓቂ ዘቃልሑ ሰብ ሕልና ድማ፡ መስከረም 18፡ ኤርትራውያን፡  እንዳሞትና እንዳተቐዘፍና፡ ክብረት ኢሳያስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ክንዲ ዝዓጠና፣ ክብረትና፡ ፍትሕና፡ መሰልና፡ ሪምና መታን ክንብል፣ ብሓፈሻ ድማ፡ ህይወትና መታን ክንውንን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 1961 ዓዋተ ዝፈለሞ ሰውራ ንናጽነት፣ በብውልቅና፡ ኣብ ገገዛና፡ ምስ ስድራና፡ ምስ ጎሮቤትና፡ ሰውራ ሓርነትና ዝጀመርናላ ዕለት ኮይና፡፡ 

ብሳላ እዚ መንቋሕቋሕታ'ዚ ድማ፡ እንሆ ሎሚ፡ ወያ ህግደፍ ንሓዋሩ ህልም ከብሉዋ ዝሓሰቡ ሽምዓ፡ በንጻር ትጽቢት መደናገርቲ፡ ንቦኹራ ህግደፍ፡ ከም ገልዒ በሰሮ ፈጋዕጋዕ ከተብሎ፣ ብውሽጢ፡ ብኣብያን፡ ብምሕካልን፡ ብስደትን፣ ብወጻኢ ድማ ብተቓውሞን፡ mበኣኼባን፡ ብጎስጓስን እናተንበድበደት፡ ውልዕ፡ ኩልዕ እንዳበለት፡ ባና ትውስኽ ኣላ፡፡ ውዒላ ሓዲራ ድማ፡ ጸዳላ፡ ዳግማይ፡ ካብ ጻት ንጻት ዓለም ከብርህ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ፡ ሽሕ እንተነውሐ፡ ዕምሪ ርጉም መንግስቲ፡ ልክዕ ከም ዕምሪ ሽፍታ ኢዩ፡፡ ሓደው ዝነደረ ብዱል፡ ሓደው ዝመኸረ ብልሂ፡ ንዓዶም ኣበራቢሮም፡ ንሰቦም ኣስሚሮም፡ ተሓባቢሮም፡ ሕነ ዝፈድዩላ፡ ሓንቲ መዓልቲ ኣላ፡፡

እታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኣብዛ ሎሚ ዕለት ብእንወስዶ ተበግሶ ክትሓጽር፣ብረስዓ ወይ ብዕሽሽ ስቕ እንተመሪጽና ድማ፡ ክትነውሕ ትኽእል፡፡ ምእንቲ ክትሓጽር ድማ፡ እቶም ኣብዚ ዕለት እዚ ዝዝከሩ ጀጋኑ ኤርትራውያን ብዓውታ ዝደርጉሑዎ ጭርሖ ኣልዒልና፡ "ብመደናገርቲ ኣይታለልን! ዳግማይ ኣይግራህን! ይኣኽለካ፡ ብዋሕስ ተዓገት! ይኣኽለካ ብሕጊ ተረታዕ! ክፈዲ ኢየ ሕነይ!" ክንብል፡ ቃል ንእቶ፡፡

እቲ ሕነ ኸ፡ እንታይ ኢዩ?

እቲ ሕነ፡ ሰላም ኢዩ! ፍትሒ ኢዩ! ራዕዲ ዘይብሉ ህይወት ኢዩ! ተመሃራይ ናብ ትምህርቱ፡ ሸቃላይ ናብ ስርሑ፡ ዓዃይ ናብ ግራቱ፡ ኣማኒ ናብ ጸሎቱ ዝወፍርሉ፡ ንቡር ሰላማዊ ህይወት ኢዩ፡፡

እዚ በብወገናክ ዝካየድ ዘሎ ጥርኑፍ ቃልስን፡ ናይ ተናጸል ተበግሶን ድማ፡ ነዛ መዓልቲ'ዚኣ ንምቅልጣፍ ልዑል ኣበርክቶ ዘለዎ ቃልሲ ኢዩ፡፡  ብርግጽ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንተዝሰምር፡ ከም ርእሲ ኩናት፡ ከይተደናጎየ፡ ንድርዒ ህግደፍ ምተርብዖ፡፡ እቲ መድረኽ'ቲ ድማ፡ ምምጽኡ ኣይተርፎን ኢዩ፡፡ ብርግጽ ኣይተርፎን ኢዩ፡፡ ክሳብ ሽዑ ግን፡ ንሓያል ጸላኢኻ፡ ሓይሊ ኣደልዲልካ ፊንኪሊው ክሳብ እተብሎ፣ ኣጽኒዕካ ሒዝካ ራዕ ክሳብ እተብሎ፡ ብዝረኸብካዮ ክትከላኸሎ፡ ንቡር ኢዩ፡፡ ንዘረባ ብዘረባ፡ ንተንኮል ብሜላ፡ ንውዲት ብጥበብ ክትምክቶ፡ ግድን ኢዩ፡፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ዝነዓቕ ኣበርክቶ ድማ የለን፡፡ ኣጆኻ ዝበለ፡ ነቲ ሓደ ተስፋ ይኾኖ፡፡ ሓደ ነቲ ሓደ፡ መብረ ይኾኖ፡፡ ሓንቲ ነታ ሓንቲ፡ ፍናን ትውስኸላ፡፡

ስለዚ፡ ነዚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እግሩ ረጊጹዎ ዘሎ መርዛም ጸላኢና ንምድኻም ዝካየድ ዘበለ ጻዕሪ፡ ኩሉ ቅዱስ፡ ኩሉ ድጉፍ፡ ኩሉ ህዝባውን ፍትሓውን ከም ዝኾነ ተገንዚብና፣ ኣብ ክንዲ ንነዓዓቕ - እንዳተኣራረምና ክንስጉም፣ ኣብ ክንዲ ንዘላለፍ፡ እንዳተነቓቐፍና ክንምርሽ፣ኣብ ክንዲ ንረሓሓቕ፡ እንዳተጸዋወርና፡ እንዳተመዓዓድና ክንግስግስ፡ ኣማራጺ ዘይብሉ ግቡእ ኢዩ፡፡ ተንኮል ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ክንዲ ዘልምሰና፡ ሕድሪ ሰማእታትና ኣብ ዝተናውሐ ከነተግብሮ፡ ሕነ ናይዞም ኣብዚ ዕለት'ዚ ዝዝከሩ ዘለዉ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት፣ ሕነ ናይቶም ኣብ እምነቶም ዝጸንዑ ተባዓት ኣቦታትን፡ ኣሕዋትን ንጹሓት ኣሓትን፣ ኮታ ብሓጺሩ ሕነ ኩሎም ግፉዓት፡ ዓድና ዓዲ ፍትሕን ርትዕን መታን ክትከውን፡ ኩሉ ዝከኣለና ክንገብር፡ መድረኽ ዝጠልቦ፡ ኩነታት ህዝብናን ህይወትናን ግድነት ዝገብሮ፡ ንኩልና ዝጸሉ፡ ደንጉዩ ቀልጢፉ ዘረኻኽበልና፡ ዘይተርፈና፡ ናይ ውልቅን ናይ ሓባርን ውራይ፡ ናይ ኩልና ጉዳይ ኢዩ፡፡

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ናብ መንግስቲ ኣመሪካ ክለኣኽ፡ ብተስፋ ደሊናን ተሓባበርታን ንዝተዳለወ ጥርዓን ንጠቅስ፡፡ እዚ ጥርዓን'ዚ፡ ኤርትራ ሃገርና፡ ሃገር ከይሰ መይሲ፡ ሃገር ፈጠርቲ ሁከት፡ ዓዲ በላዕቲ ሰብ፡ ክትብሃል ስለዘብህገና ኣይኮነን፡፡ እንታይ ድኣ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንነብሱ መታን ክጥዕሞ፡ ሃርጋፍ ሽውሃቱ መታን ከርዊ፡ ናይ ውግእን ወረ ውግእን ሃዋህው ፈጢሩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባርነት ምቑራኑ ከይኣኽሎ፣ ተተመጣጢርካ ኣብ ዘይዓድኻ፡ ኣብ ዘይዓቕምኻ  ኣብ ዝግበር ዘሎ ናይ ዕቡዳት ወጠምጠም፡ ህይወትን ሃmበትን ኤርትራ የብርስ ስለዘሎ፡ ነቲ ንዕኡ ጸይሩ ዘሎ ኳና ስርዓት ህግደፍ ንምድኻም ዝዓለመ ኢዩ፡፡ ንህግደፍ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብምንጻል፡ ፊናንሲያዊ ሓገዛቱ ከም ዝንኪ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታቱ ከም ዝድስክል ብምግባር፣ ኣርዑት ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝዘልቕ ንምግባር ኢዩ፡፡ እሱራት ዝፍትሑሉ፡ ብዱላት ዝድበሱሉ፡ ኣብ ኤርትራና ንቡር ህይወት ዝምለሰሉ፣ መስከረም ከምዚ ሎሚ፡ ቅነ ሃንሰ መስቀለ ከምዚ ሎሚ፡ ግፍዕን ዓመጽን እንዝክረሉ ቅንያት ዘይኮነ፣ ድርብ ኮቦሮ ሒዝና፡ ኣብ ዓድን ኣብ ከተማን፡ ተሓምበለ እንብለሉ መዓልቲ ንምቅልጣፍ ኢዩ፡፡ በዚ ምኽንያት'ዚ፡ ኩሉ ብህዝቡ ዝሓምም ክታሙ ከንብረሉ፣ ኩላ ብሃገራ እትግደስ ኢዳ ክትሕውሰሉ፣ ኩሉኹም ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ብሓንቲ ፌርማ፡  ምእንቲ ግፉዕ ህዝብኹም ዓው ዝበለ ድምጽኹም ከተስምዐê፡ ብትሕትና ንምሕጸን፡፡

ህግደፍ'ውን፡ ከም ኢሰፓ፡ ወዳቒ ኢዩ!
ዝኽሪ ንኩሎም ሕዩራት ኤርትራውያን!
ዘልኣለማዊ ክብሪ ንሰማእታትና!

ተስፋ ደሊና
ካሊፎርኒያ፡ ኣመሪካ
መስከረም 18፡ 2007

     

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...