ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡-

ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ካብ ትጅመር ዓሰርተ ክልተ መሊኣ፡፡ ብምኽንያት ናይዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ናብ ኩሉኹም ተኸታተልቲ ኣዝማሪኖ ዳት ኮምን መሓዙታን ዝቐንዐ መዘኻኸርን፡ ናብቶም ብስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዝስሕቁ ዘለዉ ዘተኮረ ሕጽር ዝበለ መልእኽትን ከነመሓላልፍ፡ ምኽኑይ ከም ዝኾነ ስለ ዝኣመንናሉ፡ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልባዊ ሰላምታና ድሕሪ ምቕራብ፡ ንመልእኽትና ምኽኑይ ዝገብሮ ሓቂ እንታይ ከም ዝኾነ ክንገልጽ፡፡

ንመልእኽትና ምኽኑይ ዝገብሮ፡ ግዜ ኢዩ፡፡ ግዜ ማለት ድማ፡ ዕድመ ደቂ ሰብ፡ ህይወት ደቂ ሰብ ማለት ኢዩ፡፡ ካብዚ ሓቂ'ዚ ብምብጋስ፡ እስከ ነዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ክልተ ዓመታት፡ በዚ መንጽር'ዚ፡ ማለት፡ ብህይወት ደቂ ሰብ ንገምግሞ፡፡

ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣዝማሪኖ ዝተወልደ ሕጻን፡ ሎሚ፡ ሻብዓይ ወይ ሻምናይ ክፍሊ በጺሑ ኣሎ፡፡ ሸሞንተ ዓመት ጸኒሑ፡ ገለ ዶክተር ክኸውን ኢዩ፡፡ ገለ ተመራማሪ ጠፈር ክኸውን ኢዩ፡፡ ገለ፡ ሊቕ ስነ ቁጠባ፡ ገለ መሃንዲስ ክኸውን ኢዩ፡፡ ኮታ ኩሉ፡ ከከም ሞያኡ፡ ክስልጥን ክምዕብል ኢዩ፡፡ ወለዱ ድማ፡ ነዚ ዘይተርፍ ጉዳይ ውሉዶም ምድላዋት ክገብሩ፡ ኣበየናይ ዩኒቬርሲቲ ከም ዘምህሩዎ፡ የዋድዱ፡ ይውጥኑ ኣለዉ፡፡

ኣቤት ተዓዲሉ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝተወልደ! ኣቤት ተዓዲሉ ኣብ ምዕቡል ዓለም ዝወለደ!

ኣብ ኤርትራ ምስ ኣዝማሪኖ ዝተወልደኸ?

ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ዝተወልደ ሕጻንስ፡ ተሰካሚ ጠበንጃ፡ ፈላጺ እምኒ፡ ፈሓሪ ባይታ ክኸውን፡ "ዋርሳይ" ተጠሚቑ፡ ወራሲ ውርደትን መከራን ባርነትን ክኸውን፡ ዓርባዕተ ሓምሽተ ዓመት ተሪፉዎ ኣሎ፡፡ ኣብ ዓውደ ኩናት ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ምድረ በዳ ወይ ኣብ ውቅያኖስ ሓደጋ ሞት ከንጸላልዎ፡ ይቀራረብ ኣሎ፡፡

እዚ ሕጻን'ዚ፡ ንፉዓት ኣያታት፡ ሰብ ንያት ዓበይቲ ኣሕዋት እንተረኺቡ፡ ክድሕን ኢዩ፡፡ ኣያ እንተስኢኑ ግን፡ ብርግጽ፡ እወ ርግጽ፡ ሓደው ምንጋጋ ሳዋ፡ ሓደው ምንጋጋ ውቅያኖስ፡ ከይቁርጦሞ፡ ኣስጋኢ ኢዩ፡፡

እዚ ኩነታት እዚ፡ ናብዚ ዘለዎ ኣስካሕካሒ ደረጃ፡ ማለት ኣብ ኣፈርክቡ ከይተበጽሐ፡ ገለ መስተውዓልቲ፡ ፍታሕ ክረኽቡ ፈቲኖም፡፡ እንተኾነ ግን፡ እዚ መን ምዃኑ ብግብሪ ዝመስከርናዮ ኣቶ ኢሳያስ፡ ብስራሕ ዘይኮነ፡ "ሰልዲ ሃቡ፡ መንእሰያት ሃቡ፡ መሬት ሃቡ፡" እንዳበለ፡ ንብረት ህዝቢ እንዳዘረፈ ኣብ እንግድዓ ህዝቢ ኤርትራ ኣራጢጡ ንክነብር፡ ነቲ ዕድል፡ ኣምኪኑዎ፡፡ ኤርትራውያን ድማ፡ ሽርሑን ጉርሑን፡ ተንኮሉን ተግባሩን ኣስተብሂልና ንመሰልና ኣብ ክንዲ ነድምጽ፡ ተደናጊርናሉ፡፡ ኣጣቒዕናሉ፡፡

ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ጸገም ኤርትራውያን፡ ኣብ ኣተሓሳስባና ከም ዝኾነ፡ ብንጹር ተፈሊጡ፡፡ ነሕዋትና ኣሲሩ፡ ንምሉእ ህዝቢ ሓይሩ ክንሱ፡ "ስምዑኒ!" ንዝብል ሰብ ከነጣቕዕ ካብ ደፈርና፡ ራህዋ ኤርትራውያን ብቀሊሉ ከም ዘይርከብ በሪሁ፡፡ ኣብ ኣተሓስባ ኤርትራውያን ለውጢ ንምምጻእ ከቢድ ጻዕሪ ከም ዘድሊ፡ ተነጺሩ፡፡

ንሕና ኣካየድቲ ኣዝማሪኖ ድማ፡ ኣብ ጎድኒ'ቶም ነዚ ሓቂ'ዚ ዝተገንዘቡ መሓዙት ብምዃን፡ ነዚ ዕላማ'ዚ፡ ከም መደብ ሒዝና ክንሰርሓሉ፡ ዝከኣለና ከነበርክት ኣድላዪን ቅዱስን ኮይኑ ስለዝረኸብናዮ፡ እንሆ፡ እቲ ዕድል ኢንቴርኔት ዘለዎ ብኮምፕዩተር፡ እቲ ዝተረፈ ድማ፡ ብድምጺ ሬድዮ ንጉዳይ ሃገሩ ክከታተል፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝፍኖ መናፍሕ ሓሶት ዝብድህ ጎስጓስ ከነካይድ ግድን ኮይኑ፡፡

ኣብ ዕማምና፡ ካብ መፈለምታኡ፡ ምድግጋፍ ኣሕዋት ስለዘይተፈልየና፣ ኣዝማሪኖ፡ ከምቲ ዝተመነናዮን ዝጸዓርናሉን፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ኤርትራውያን ለውጢ ከተምጽእ እትኽእል ሓይሊ ኾይና፡፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ተግባራት ህግደፍ ባዕሉ ስለዝመሃሮን፡ ብዝተፈላለየ መዳያት ብዙሕ ጎስጓሳት ስለዝተኻየደን፡ ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቱን ፈተውቱን ብንጹር ኣለልዩ ኢዩ፡፡ ጸላኢኻ ከየለለኻ፡ ጠንቂ ሽግርካ ከይፈለጥካ፡ ፍታሕ ስለዘይርከብ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ንክበጽሕ ኣዝማሪኖ እጃማ ስለዘበርከተት፡ ሕቡናት ኢና፡፡

እንተኾነ ግን፡ ጸላኢ ምልላይ፡ ንፍታሕ ጎደና ዝጸርግ'ምበር፡ ፍታሕ ስለዘይኮነ፣ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ከቢድ ዕማም ኣብ መደምደምታ ክሳብ ዝበጽሕ፡ ኣብ መትከልና ጸኒዕና ክንቅጽል ናይ ግድን ኢዩ፡፡

እዚ ማለት፡ ብቁጽሪ፡ ማዕረቲ ኣብ ምዕቡል ሃገራት ዝቕመጥ ህዝቢ ዝዳረግ ወለዶ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣርዑት ህግደፍ ምጻሩ ስኢኑ፡ መስገደል ባርነት ከቢዱዎ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ትሽዓተ ዓመታት፡ ዓዱን ወለዱን፡ ንብረቱን ውሉድን ገዲፉ ሃጽ ኢሉ ምስ ነፈጸ፡ ብግፍዕን ብስቓይን ብሞትን ተኸቢቡ ስለዘሎ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጥ ኤርትራዊ፡ ንሽግር ኣሕዋቱ ነባሪ ፍታሕ ክረኽበሉ ከነዘኻኽር፡ ንሕና ብወገንና'ውን ዓቕምና ክንገብር፡ ናይ ግደን'ዩ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም እንስሳ፡ ብበትሪ ተኾብኲቡ ዝወፍር፡ ወነንቱ ኣብ ዝበለዉ ውዒሉ፡ ምሸት ብበትሪ ተኾብኲቡ ዝኣቱ፣ በዓል ብርኪ ከይሃድም ተሓሊኹ፡ ምዑት ከየምልጥ ተቐይዱ፡ ኣብ ደምበ ጉጅለ ህግደፍ ተዓጽዩ ስለዘሎ፡ ኣቤት! ዓገብ! ክንብል ናይ ግድን ኢዩ፡፡

ህዝቢ ስቓዩ ከይኣኽሎ ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝደለዮ መዓልቲ፡ ኣንጉዑ ክሳብ ዝደርቕ ይምጥምጦ ስለዘሎ፡ መከራ ህዝብና ከሕምመና ናይ ግድን ኢዩ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ህግደፍ፡ ምዕባሌን ስልጣኔን ዘይናቱ ከም ዝኾና ምስ ኣስተበሃለ፡ ራህዋን ቅሳነትን ከም ዝሃደማ ምስ ኣስተውዓለ፣ ፈውሰይ ዝበሎም ስሚ ከም ዝኾኑ ምስ ተገንዘበ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ኣሕዋቱን ደቁን፡ ከም ዝረስዕዎ፡ ምስ ተዓዘበ ድማ፡ ንያቱ ዓሪቡ፡ ቀልቡ ተሸሪቡ፡ ርእሱ ደኒኑ፡ ተኪዙ ቃዚኑ፡ እናተራገመ፡ እናሓንሓነ፡ “ካብዚ ዝኸፍእ ኣይምጻእ! ኤህ" እንዳበለ ዝነበር ዘሎ፡ ከብድኻ ዝበልዕ፡ ምፍጣርካ ዘጽልእ ህይወት የሕልፍ ከም ዘሎ ብግብሪ ስለእንፈልጥ፡ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ብዊንታን ድሌትን ዓመጽቲ ተማእዚዙ ክኸይድ ስቕ ኢልና ክንዕዘብ ዘይሕሰብ ኢዩ፡፡

ነዚ ብኣፍ ጾሙ ውዒሉ፡ ጓሂ ተደሪሩ፡ ድርዕቶ ለቢሱ፡ ሓሳብ ተተርኢሱ፡ እናስተማሰለ፡ ኣብ ጥራይ ከብዱ፡ ኣብ ኩርኳሕ ንእዱ፡ ኣብ ቁሪ ዓራቱ ሓዲሩ፡ ንዕንኪላሎ ህይወት ኤርትራውያን ብጸሎት ብእዝግዮ ዝሓልፎ ዘሎ ህዝቢ፡ ቁሩብ ዘተንፍሰሉ መድረኽ ንምቅልጣፍ ኩሉ ዝከኣል ዘበለ ክንጽዕር ናይ ግድን ኢዩ፡፡

ምእንቲ'ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ከም ኩሎም ገፋዕቲ ስርዓታት፡ መዓልቱ ሓልዩ ካብ ሱሩ ክምሖ ከም ዝኾነ ብምእማን፡ በዚ ኣጋጣሚ'ዝን ብምክንያት ቅንያት ዳንኬራ ህግደፍን፡ ነቶም ኣብ ጓይላ ገፋዕቲ ቤተሰቦምን ኣሕዋቶምን ዝስዕስዑ ኤርትራውያን፡ ልቢ ክሰኹዑ ነዘኻኽር፡፡ ነተን ኣብ ዳንኬራ ተበለጽቲ ዘጣቕዓ ድማ፡ ህይወት ህዝበን ክግንዘባ ንምሕጸነን፡፡

ኣብ መደምደምታ፡ ነቶም ድምጺ ህዝቢ ብዝበለጸ ዓውታን ኣድማዕነትን ክቃላሕ ዘይሕለል ጻዕርን ኣበርክቶን ዝገብሩ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡ ብቃል መምምህር ዶ/ር ራእሶም ሃይለ ኣለውና፡ ኣልዋና! ብምባል ድሕሪ ምምጓስ፣ከምቲ ሓደ ካብ ተደጋገፍቲ ኣዝማሪኖ ዝነበረ ህቡብ ስነ ጥበባዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ዝበሎ፡ ንህዝባዊ ዕማምና፡ “ሓደ ብንብረት፡ ሓደ ብፍልጠት፡ ሓደ ብክእለት" እንተደጋጊፍናሉ፡ ንመከራ ህዝብና ከነሕጽሮ ከቢድ ከም ዘይኮነ ነረጋግጽ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ጽቡቕ ስም ገድፎም ካብዛ ዓለም ዝሓለፉ ስነጥበባውያን ሃገረና ብኹሎም ብፍላይ ድማ፡ የማነ ባርያ ፤ ዶ/ር ራሶም ሃይለን ኣብራሃም ኣፈወርቅን ብኣበርክቶኦም፡ ብሕልናኦም፡ ብልቦናኦም፡ ብትሕትናኦም፡ ኮታ በቲ ዝይርሳዕ ኣብነታዊ ባህርያቶም ብስም ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ "እንቛዕ ተወልደኩም!" ኣንዳበልና ፤ ካልኦት ስነጥበባውያን ሃገርና፡ ኣብነቶም ክኽተሉ ኣብ ክንዲ ህዝቦም ክምጉቱ ንሓቂ ከቃልሑ ነተባብዕ ፡፡


ግፍዒ ክስዓር፡ ተሳኒና ንጽዓር

ኣዝማሪኖ ዳት ኮም


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...