President Omar Hassan Ahmad al-Bashir & President Issias Afewerkiፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፣ ድሕሪ 24 ዓመት ዝግበር ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሱዳን ብናይ ኤርትራ ማዕከናት ዜና ንከይፍኖ (ንከይመሓለለፍ) ንሚኒስትሪ ዜና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። 
 
ናይዚ ትእዛዝ ቀንዲ ምኽንያት ንዉሽጣዊ ሓልኪ (ናይ ዉሽጢ ሕዝቢ) ጽልዋ ከይምጽእን ኣብ ሱዳን ድሕሪ 24 ዓመት ዝግበር ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝምልከት ጽቡቕ ብስራት ንኸይስምዕ እዩ። ሃገረ ሱዳን፣ ፕረሲደንታውን ባይቶኣውን ንኣውራጃታት ከይተረፈ ዘመሓድሩ ዜጋታት፣ ኣብ ምምራጽ ትርከብ ኣላ። ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር በሽር ብሰንኪ ዳርፉርን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘጋጥሞ ቅልውላዋትን፣ ዝወረዶ ተግሳፅን፣ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዓለም ብጽንተት ክሱስ ስለዝኾነ፣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ተቐባልነትን ናይ ስልጣን መንበር ሕጋውነት ክለብስ ይደሊ ኣሎ ይብሉ ተዓዘብቲ።

ሕዝቢ ሱዳን ካብ ናይዚ ወርሒ እዚ ዕለት11 ክሳብ 15 (ተመጢጡ ኣሎ ብክልተ መዓልቲ) ፕረሲደንት፣ 450 ዝኣባላቱ ባይቶን ኣመሓደርቲ 25 መንግስታትን ይመርጽ ኣሎ። ኣብቲ ሓውሲ ነጻ ዝኾነ ክፋል ደቡብ ድማ ፕረሲደንትን 171 ዝኣባላቱ ባይቶ ክምረጹ ኢዮም። እዚ ምርጫ እዚ ነቲ ብሰንኪ ካልኣይ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዝመጸ ግዚያዊ መንግስቲ ክትክእን ቀዋሚን ሕጋውን መንግስቲ ክተክልን ኢዩ።

ኤርትራ ካብ 1993 ጀሚራ ነጻ ካብ እትኸውን ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣይተኻየደን። ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዚ ምባል ሕዝቢ ኤርትራ ናህና ግደኸ መዓስ እዩ ኢሉ ከይሓስብን፣ ይከኣል ኢዩ ኢሉ ሞራል ከይገብርን ኢዩ። 


ዓወት ንሕዝቢ ኤርትራ
ሓበን ኤርትራ
ካብ ኣስመራ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...