ዝተቀየሩ፡

  1. ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ከም መተካእታ ናይ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ጸሓፊ ህግደፍ፤

  2. ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ፡ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሚኒስተር፤

  3. ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ሚኒስተር ናይታ ካብ መዝገብ ኢሰያስ ተሓሒኻ ዝነበረት፡ውሽጣዊ ጉዳያት፤

  4. ኣዛዚ ስርሒት ዞባ ኣርባዕተ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል(ቻይና)፡ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብን ሓላፊ ጋራጅ መንግስትን፤


ዝደስከሉ፡

  1. ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም(ዉጩ)

  2. ሜጀር ጀነራል ዑመር ጠዊል

ዝተኣሰረ፡

ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ወልዱ(ርእሲ ምራኽ)፤እቶም ንነብሶም ከም ንጹሃት ዝመጻደቑ ህግደፋውያን፡ በይኑ በደል ከምዝፈጸመ፡ “ገበናቱ’’ ንዝበልዎ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብምዝርዛር፡ኣብ ዕጹው መጋባእያ ብናይ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዶሞ።

ዝተሾሙ፡

  1. ብርጋዴር ጀነራል ሓድሽ ኤፍሬም፡ቀምሽ ኣንስቲ ተኸዲኑ ካብ ሶማል ብምህዳም ብኬንያ ኣቢሉ ናብ ኤርትራ፡ ተሓቢኡ ሓፊሩን ፈሺሉን ዝኣተወ ክነሱ፡ከም ሓደ ሰራሕ ቅያ ተቖጺሩ፡ኣዛዚ ስርሒት ኪኸውን፡፡

  2. ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም(ዓፋን)፡ንንጹሃት ብምግፋዕን ብምቕታልን ዝፍለጥ ዓመጸኛ፡ከም ፍረጻማ እከይ ተግባራቱ፡ኣዛዚ ስርሒት ኪኸውን።

በሉ ክቡራት ንሎሚ በዚ ክሰናበተኩም፡ካልእ እዋን ኣብ ዘቕርበልኩም ጽሑፈይ ድማ፡ንሚኒስተራትን ታሕተዎት ሓለፍትን ዝምልከት ከቕርበልኩም ኢየ፡ተጸበዩኒ።

ሓውኹም ባውዛ ካብ ኣስመራ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...