ብኣብ ስዊዝ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ የእዕሩኽ ኤርትራውያን፡ ናይ ስዊዘርላንድ ማሕበራትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ንዜጋታት ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ኤርትራ ዝምልከት ሓበሬታ ክወሃብ እዩ።

እቲ ሓበረታታት ንህዝቢ ስዊዝ ብዛዕባ ኤርትራ ዘለዎም ኣፍልጦ ክብ ንምባል፡ ካብ መስከረም ክሳብ ጥቅምቲ ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ጀነቫ፡ ዙሪች፡ በርን፡ ሉዘርን፡ ሉዛንን ፍሪቦርግን ክወሃብ እዩ። ድሌት ኩሎም ሃገራውያን ድማ፡ ምስ ህዝቢ ስዊዝ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምርጫ ክትዓት ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት ንምዝርራብ እዩ።

እዚ ምርጫ ድማ ፖለቲካውያን ውድባት ንሃገርናን ዜጋታትናን ብሕማቅ ክጸሉ ብዝኽእል ፖለቲካዊ ስልጣን ክወስዱ የገድድ ኣሎ። እቲ ዝግለጽ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ምስጓግ ኤርትራውያንን ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ስዊዝን እዩ። እቲ ዘሕዝን እዚ ኩነተት ተደጋጋምን ንጹር መበገሲ ሓሳባት ዘይብሉ፡ ፈጺሙ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ዘይገጽን እዩ። እዚ ሓሳባ እዚ ድማ  ሓደ ግዜ ኤርትራውያን ብቁጠባዊ ጸገም ዝተሰደዱ እዮም ክብሉ ጸኒሖም ብቲ ሓደ ድማ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ንኤርትራ ናይ ቁጠባ  ሓገዝ ምግባር ናብ ዝብል መደምደምታ ይወስድ ኣሎ።

እዚ ዝተገብረ ክትዓት ብዙሕ ኣገሪሙና፡ ዝተማሃርናዮ ነገር እንተሎ ድማ ብዛዕባ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ሃገርና ክንገልጽ ዕድል ይኸፍተልና ምህላዉ እዩ።

ቀንዲ ዕላማ እዚ ምሃብ ሓበሬታ ከኣ ቀጥታዊ ናይ ምይይጥን ሓሳባት ምልውዋጥን፡ ምስ ህዝቢ ስዊዘርላንድን ፖለቲካውያን ውድባትን፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ  መድረኽ ዝኸፍት እዩ። ልክዕ እዩ ሰበስልጣን ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ መላእ ዜጋታት ኤርትራ እዚ ዘይበሃል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም እዮም።

ኣብቲ ዝወሃብ ሓበረታና እቲ ቴማ ነዞም ዝስዕቡ ክገልጽ ክፍትን እዩ፣

Ø  ነቲ ብብዙሓት ፖለቲካውያን ውድባት ኣብዚ ክረምቲ ዝተዋሃበ ሓሳባትን መደባትን ዝትንክፍ።

Ø  ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እምባገነናዊ ስርዓትን ዝፍጽሞም ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላትን ( ግዱድ ስራሕ፡ ጾታዊ ባርነት(ዓመጽ)፡ ብዘይገበን ማእሰርቲ፡ ብዘይፍዲ ዝውሰድ ዘይቅኑዕ ፍርዲ )

Ø  ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ናይ ኤርትራ ወኪል ወይ ቆንስል ኣብ ጀነቫ

 

በዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ምርጫ ክትዓት ግዳያት ንኸውን ስለዘለና፡ ነዚ መድረኽ ከነዳሉ ተገዲድና!!!

 ‘’እቶም ኤርትራውያን ብቁጠባዊ ጸገም ተሰዲዶም ኢሎም ዝኣምኑ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተፈጸመ ዘሕዝን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይኽሕድዎ ይኽሕድዎ ኣለዉ።’’ ቃል ማይክ ስሚዝ፡ ፕረዚደንት ንጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ እተጻሪ ልእኽቲ ጉጅለ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...