መርበብ ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ(መ.ሲ.ማ.ኤ.)ብ2002ዓ.ም ዝተመስረተ ኤርትራዊ ናይ ሲቪላዊ ማሕበር መርበብ ኮይኑ፡ ሻውዓይ ስሩዕ ዓመታዊ ጉባኤኡ ካብ 24-26 ሓምለ 2009፡ ኣብ ከተማ ዳርምሽታት ሃገረ ጀርመን ኣካይዱ።

ሻውዓይ ስሩዕ ጉባኤ መ.ሲ.ማ.ኤ ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ዝሕልፎ ዘሎ መሪርን ስቓይ ዝመልኦ ምሕደራ፡ ኩሉ መዳያት ግህሰት ሰብኣዊ ክብርን ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከም ዜጋታት መጠን ብፍላይ ከኣ ኣብ ደገ ዝቕመጡ ደቂ ሃገር ነቲ ግቡእ ግብረ መልሲ ካብ ምሃብ ኢዶም ኣጣሚሮም፡ ነቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፈጠሮ ሲኦላዊ ሂወት ኩነታት ህዝቢ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎን መዓልታዊ ግህሰትን ግፍዕን ጭፍጨፋን፡ ጭውያን፡ ማእሰርትን፡ ቅትለትን ኣማዕዲዮም ይርእዩ ኣብ ዘለዉሉ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ግንዛበ ሚዛንን ግምገማን ዝግበረሉ እዋን በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ከምኡ'ውን ሃገርና ተሸሚማትሉ ካብዘላ ሰልሚ ምልካዊ መግዛእቲ ከመይ ትድሓን ዝብሉ ኣገደስቲ ሃገራዊ ዛዕባታት ሰሪዑ ዝተመያየጠሎምን ውሳኔ ዘሕለፈሎምን እዩ ነይሩ።

ዓርቢ ዕለት 24 ሓምለ፡ ናይ'ቲ መርበብ ኣባላት ዝዀና ሲቪል ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ወከልቲ ኣብ ቦታ ጉባኤ ኣብ ዝተረኸብሉን፡ ብመሰረት ቅዋም መ.ሲ.ማ.ኤ ምልኣት ጉባኤ ኣብዝተረጋገጸሉ፡ ቀዳማይ መዓልቲ ጉባኤኡ ብወግዒ ጀመረ። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ከኣ ከም'ቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ኣብ ሓፈሻውን ፍሉይን ኣገዳሰቲ ርእይቶታት ዘገናዘበ፡ ነቲ ንሰልስተ መዓልቲ ዝካየድ ጉባኤ ኣብ ዝቐረበሉ ዛዕባታት ምምሕያሽ ብምግባር ቅደም ተኸተል ቅርጺ ጉባኤ ሰርዑን ሓንጺጹን ስርሓት ቀዳማይ ክፋል ጉባኤ ፈጸመ።

ብቀዳም 25 ሓምለ ጉባኤ፤
ንኣቶ ኪዳነ ሚኪኤል ካብ ሃገር ኢጣልያ፡
ንኣቶ መሓሪ ኣብርሃም ካብ ሃገር ሽወደን፡
ንኣቶ ዓብደልዓዚዝ ሳልሕ ካብ ሃገር ጀርመን
ንመበል ሻውዓይ ጉባኤ መ.ሲ.ማ.ኤ ክመርሑ ብጉባኤኛታት ድሕሪ ምምራጾም፡ ጉባኤ ዕለት ቀዳም ስሩሕ ጀመረ። ኣብ'ዚ መዓልቲ'ዚ በታ ነባር ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ጸብጻብ ቀሪቡ። ኣብ'ቲ ዝቐረበ ጻብጻባት ከኣ ሰፊሕ ዝኣክል ክትዓት ቀሪቡሉ፡ ሕቶታት
ተሓቲቶም ብዘተኣማምን ዕግበት ተመሊሱ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብተወሳኺ ርእይቶን ሓሳብን ለበዋን ተዓጽዩ።

ብድሕሪ'ዚ ከኣ ንጉባኤ ዝቐረቡ ኣጀንዳ ጽሑፍ ሓደ ብሓደ ንጉባኤኛታት ተነቢቡ፡ ጉባኤ ናይ ቅድሚቀትሪ ርክቡ ጀመረ። መ.ሲ.ማ.ኤ ንውሽጣውን ንግዳማውን ኣሰራሓ መርበብ ፖሊሲታቱ ገምጊሙ ውሳኔ ኣሕሊፉ። ኣብ'ዚ ዝተጠቕሰ መዓልቲ'ዚ እውን ብምርድዳእ ጉባኤኛታት ንመመሓዳሪ ቅዋም መርበብ ምምሕያሻትን ምትዕርራያትን ተገይሩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ'ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጉባኤ ንመርበብ ተወሃህድ ሽማግለ እቲ ናይ ሓደ ዓመት ዝነበራ መዝነትን፡ ናይ ስርሓት ግዜን ብምርድዳእ ሓደ ዓመት ክውስኽን ኣብ ቅዋም ክሰፍር ንዝተገብረ ምምሕያሻት ብምርድዳእ ተበጺሑ። እዚ ከኣ ሓደ ካብ'ቲ ዝተገብረ ኣገዳሲ ነጥቢ ነበረ። ብዘይካ'ዚ ጉባኤ ንክልተ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣባላነተን ተቐቢሉ ኣጽዲቑ።

1 ሲቪካዊ ማሕበር ኵናማ ሓድሽ ኣባልነት
2 ሲቪካዊ………ምሕዳስ ኣባልነት ብምጽዳቕ ናይ ቅድሚ ቀትሪ ስርሑ ዛዚሙ።

ጉባኤ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባላት መ.ሲ.ማ.ኤ ዝዀና ማሕበራት ናይ ስራሕ ሽማግለታትን፡ ድሕሪ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ዝቀጸለ ግዜያት ሙሉእ ጸብጻባት ሰሚዑ። ኣብ እቶም ብማሕበራትን ናይ ስራሕ ሽማግለታትን ዝቀረቡ ጸብጻባት ክትዓት ተኻይድሎም። ኣብ'ቲ ክትዓት፡ ሕቶታትን ዝተረኽቡ ፍልልያት ከኣ ብምርድዳእ ኣብ ናይ ሓደ ሓባራዊ ነጥቢ ብምብጻሕ፡ ጸብጻባት ብሙሉእ ድምጺ ጸደቐ።

ሰንበት ዕለት 26 ሓምለ ርክቡ ነቶም ዝቐረቡ ናይ ውሳኔ ሓሳባት ሓደ ብሓደ ብምምልካት፡ ውሳኔን ለበዋታት ጉባኤ ክዀኑ ወሲኑ። ከምኡ'ወን ነቲ ተመሓይሹ ዝቐረበ ቅዋም መርበብ ብሙሉእ ድምጺ ብወግዒ ኣጽደቐ።

ብድሕሪ'ዚ ጉባኤ ነቶም ንዝመጽእ ክልተ ዓመት ናይ ስራሕ እዋን ዘገልግሉ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሕጹያት ድሕሪ ምርቛሕን፡ ዝተርቝሑ ባእታታት ፍቅደኛታት ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ፡ ነዞም ዝስዕቡ ኣባላት መርበብ ….

1 ኢንጂነር ኢዮብ መዓሾ ካብ ጀርመን
2 ወ/ሮ ሰላም ኪዳነ ካብ ዓ/ብርጣኒያ
3 ኑኤል መድሃኔ ካብ ዓ/ብርጣኒያ
4 ኪዳነ መሓሪ ካብ ኖርወይ(ከም መቐየርታ)

ዕላውያን ኣወሃሃዲት ሽማግለ መ.ሲ.ማ.ኤ ክዀኑ ጉባኤ መሪጽዎም። ኣብ መወዳእታ ሻውዓይ ስሩዕ ጉባኤ መ.ሲ.ማ.ኤ ለበዋን ምኽርን ካብ ጉባኤኛታት ተሳተፍቲ ጉባኤ ተቐቢሉን መዝጊቡን። ዝመጽእ ሻሙናይ ስሩዕ ጉባኤ መ.ሲ.ማ.ኤ ከኣ ኣብ ሃገር ሽወደን ንክካየድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ሻውዓይ ስሩዕ ጉባኤ መ.ሲ.ማ.ኤ ንኣባላት መርበብ ሃገር ጀርመን ብፍላይ ከኣ ንተቐማጦ ዳርምሽታት፡ እቲ ጉባኤ ብዓወት ንክሰላሰል ንዝገበርዎ ኩሉ መዳያዊ ምድላዋት፡ ጻዕሪን ዕማምን ድሕሪ ምምስጋን፡ ጉባኤ መ.ሲ.ማ.ኤ. ብዝኽሪ ናይቶም ኣብ ሃገራዊ ብረታዊ ተጋድሎ ምእንቲ ነጻነት ዝተበጀዉን፡ ሕጂ ኣብ ህንጻ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ሂወቶም ዝሓለፉን ጀጋኑ ኤርትራውያን ዛዚምዎ።

ሓበሬታ፡
ዝኸበርኩም ደቂ ሃገር፡ 7ይ ጉባኤ መ.ሲ.ማ.ኤ ዘሕለፎ ውሳኔታት፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብመርበብ ሓበሬታ ክዝርጋሕ ምዃኑ ብትሕትና ነፍልጥ።

ዓወት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ሰክረታሪያት
ሻውዓይ ጉባኤ መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኤውሮጳ
24-26 ሓምለ 2009
ዳርምሽታት ጀርመን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...