21-05-2009 ዓ.ም.

እቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጨንፈር ጀርመንን ብስቪካውያን ማሕበራትን ተቓወምቲ ውልቀ ሰባት ኤርትራውያንን ትማሊ ረቡዕ ዕለት 20-05-2009 ዓ.ም. ብብርክት ዝበለ ቁጽሪ ሰለፈኛታት ብዓወት ተሰላሲሉ።

ነቲ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ኣሰቃቒ ምሕደራ ህግደፍ መረረ ህዝብና ንምግላጽ ካብ ሓያሎ ከተማታት ሃገረ ጀርመን ብተገድስነትን ሓቦን ተጓዒዞም   ኣብ ከተማ በርሊን ብግዜኡ ብምእታው፤ ካብቲ ፍቑድ ቦታ ፖስትዳመር ፕላትስ (Postdamerplatz) ሰዓት 10.30

 ቅድሚ ቀትሪ  ሰልፊ ብምብጋስ ናብቲ ነዊሕ ጐደና ብግሉሕ ናይ ድምጺ ሰልፈኛታት ብድሙቕን፤ ጸዑቕን፤ በብዓይነቱ መሳጥን ኣገደስትን ጭርሖታትን፤ ብኽብሪ ወተሃደራት በርሊን  ተዓጅቡ ንኵሉ ከባቢ ሰልፊ ዝርከቡ ህዝቢ በርሊንን መዘክራቱ እንዳዓደለ ናብ ዋና ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሃገረ ጀርመን ኣፍደገ ብምብጻሕ ፤ ነቲ ናይ ሰለማዊ ሰልፊኡ ኣቤቱታዊ ጽሑፋቱ ብዝተወከሉ ኣባላት ኣቢሉ ንክብርቲ ወይዘሮ ፋክሲንገር( Faxizinger) ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓላፊት ብምርኻብ ብጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ብኣካል ዘዲሊ ምዝርራብ ገይሩ።
ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ እቲ ውሩይ ማዕከን ዜና ጀርመን  ዶቸ ቨለን (Deusche Wellle)   መደበሩ ኣብ በርሊን ዝኾነ መደበር ዜና ሩንድፉንግ በርሊንን ብራንደንቡርግን          ( Rundfung Berlin/ Brandenburg) ተኻፊሉ ውዒሉ።
 ከምኡውን ወብሳይት መሰልና ደሊና ድማ ብተለፎን ምስ ምምሕዳር ኣዳለውቲ ሰልፊ ብምሉእ ምክትታል ተኻፊሎም ውዒሎም።

እቲ ጽቡቕ መለለዪ ናይዚ ሰልፊዚ ድማ መንእሰያት ብብዝሒ ምንባሮምን ኢዩ። ሰልፈኛ ኣብ ቅድሚ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጸሕፈት ዘሎ ሰፊሕ ፓርክ (park) ዘለዎ መግጺታቱን ጭርሖኡን መረርኡ ብምግላጽ ክሳዕ ሰዓት 13.30 ድሕሪ ቀትሪ ብምጽናሕ 
ንመደብ ሰልፉ ብዝኽሪ ስዉእት ዛዚሙ ጉዕዝኡ ብዓወት ነናብ ዝነብረሉ ቦታ ብሰላም ተመሊሱ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...