ብኢሰያስ ዝምራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ናይ ግብረ-ሽበራ መደብ ንምክያድ፣ ውሽጣዊ ምምሕዳረን ኮነ ወጻኢ ጉዳይን ዘገልግላ ትካላት መንግስቲ፣ ንረብሕኡ ዝልውጠሉ መስመራት ፋሕቲሩ፣ ንከተግብሮ ዝኣለሞ ጠነጋትን መርበባትን ዘርጊሑ ንብሕታዊ መደቡ ንምውዓል ካብ ዘተግብር እንሆ ዳርጋ ኣርባዕተ ነናይ ዓሰርተ ዓመታት (40) ኮይኑ።

እዚ ኣብ ከርሲ ተጋድሎ ሓርነት፣ ቀጺሉ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታትን፣ ህዝባዊ ግንባርን፣ ዘዋህለሎ ኣዕናዊ ሕንጻጹ፣ ብደረጃ ሃገርን ዞባውን ዓለማውን ዘምረሐ ዘመትኡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕማም ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ከርሲ ኤውሮጳ ካብ 1935 ጀሚሩ ክሳብ 1945 ዓ. ም. ዝነበረ ኣዕናዊ ናይ ካልኣይ ዓለም ኩናት  ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንዳዕዲዑ ከንጸላሉ ንዕዘብ ኣለና።

ጉዳይ ሃገሩ ስሒቱ፣ ህዝቢ ጀርመን ኣፍሪቃ ንምብሓት ወይ ጥረ ንእንዱስትሪ ዘድልዮ ሃብቲ ንትካላቱ ምግሓጥ ዝብል ህራፋን ዘበገሶ ዕንደራ፣ ካብቲ 3ይ ዓለም ተባሂሉ ዝጽዋዕ፣ ብሓደ ዓቕሙን ሓይሉን ዘይመዘነ ናዚ ኢዩ ተኻይዱ። እዚ ናህና ጽላው ድማ ተመሳሳሊ ሕማም ዘይኮነስ፣ ብዘልዓሎ ኩናት ምስ ተሳዕረ ብተዘዋዋሪ ሕልሙ ናብ ጋህዲ ክልውጥ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ብጉዳይና ንሕና መግትኢ እንተ ዘይገርናሉ ስዒቡ ክወርደና ዝኽእል ኣዝዩ ዘይተኣደነ ሓደጋ፣ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሳዕቤኑ ተሰከምቲ ንሕና ባዕልና ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ጀርመናውያን ብ10 ወይ ብ100 ሽሕ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮም ንሂትለር ምድጋፎም ዘርኢ ታሪኻዊ ስእሎም ክሳብ ሎሚ እንሆ ንዓለም ከስደምማ ከሎ በብዕለቱ ክድገምን ክርአን ብቐርባ ንዕዘብ ኣለና። ጀርመናውያን ካብ ጫፍ ዳንክሪክ ክሳብ ኪየቭ ተወንጭፎም፣ ንምልእቲ ኤውሮጳን ኣስያን ሰሜናዊ ኣፍሪቓን (ኣብ ታንዛንያን ቶጎን ናይ ሎሚ ናሚብያ ወይ ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃን) ሰፋሕቲ ወራራትን ዓወታትን ኣመዝጊቦም። ሰዓብቱ ህዝቢ ኣውስትሪያን ጀርመንን ነቲ ዓወታት ሂትለር ከም ካብ ልዑል ፈጣሪ ዝተቐደሰሎ ገይሮም ኢዮም ሽዑ ወሲዶሞ። ህዝቢ ብሕሱር ጉልበት እንዳ ኣገልገለ፣ ጉልበቱን ደቁን ብዘይተኣደነ ቁጽሪ ምልዮናት ህይወትን ታሪኻውያን ንብረቶም ከሲሮም ኣብ ባይታ ወዲቖም። ሂትለር ብሓንቲ በንዚን በርሚል ነብሱ ኣንዲዱ ናብ ሓሞኽሽቲ ተቀይሩ ነስበ-ቅትለት ፈጺሙ። ተሓታቲ ግን እቲ ዝተረፈ ድኻ ጀርመናዊ ህዝቢ ኢዩ ኮይኑ። እቲ ክልተ ግዜ ብጀርመን ዝተወረ ህዝብታት ግን ንሳልሳይ ግዜ መታን ኣብ ዘየድሊ ኩናት ከይሽመም፣ ማርሻል ፕላን ብዝብል መደብ ኢዩ ንጀርመናውያ ቁጠብኦም ኣሕውዩ ሰላማያን ከም ዝኾኑ ዝለወጦም። እዚ ሎሚ ካብቲ ህዝቢ ጀርመን ዝፈጸምዎ ዝገድድ፣ ሰዓብቲ  ኣፍሪቃዊ ሂትለር፣ ኣብ ከርሲ ኤውሮጳን ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ዝገበርዎ ሰልፊ፣ ታሪኽና ንምዕናው ይድገም ኣሎ ዘብል ተመሳሳሊ ስእሊ ኢዩ። 
 
እቲ ወፈራ ንፈጻሚኡ  ብስኽራኑ ዓበድበድ ኣቢሉ፣ ንሃገር ኣብ ምዕናው ካብ ዘኸትል እንሆ ምስልና 19 ዓመታት ኮይንዎ። ናብ ምግዳል ዝተዋፈርና ቅኑዕ ዕላማና ኢዩ ኣበጊሱና። ኣብቲ ሃገርና ኣባል ሕብረተ-ሰብ ዓለም ካብ ዝኾነትሉ ጽባሕ ናጽነት ግን እንሆ ኣብ ዘየድሊ ናይ ኲናት ጠነግ ተሸሚምና። “ዓለም ጸሊኣትና” ዝብል መደረ እቲ ዕቡድ ወግሐ ጸብሐ ንሰምዕ ኣለና። እሞ ንዓለም ክንወራ ማለት ዲዩ ሕልምና? ጀርመንስ፣ ማሕበርነትን ርእሰ-ማልነትን ዝተወልደላ ሓያል ሃገር ኢያ። ንሕና ለባም ህዝብታት ግን ኣብ መግዛእቲ ዘጽንሑልና ዓውደ-ታሪኽ ምቕያር እንበር፣ ሎሚ ብኹሉ መኣዝናት ኣብ ደይምልከተና፣ ክንሽመም ቅኑዕ ዲዩ? ዝመረጽናዮ ባይቶ ኣይሃልወና ብዘየግድስ ፣ ዝወከልናዮ መንግስቲ ንኹሉ ብናቱ ሕልምን ሽክራንን የበግሶ፣ ግን ናይ ቤትና ዕዮ (Home work) ሓጹር ካብ ዘይንገብረለኡ ተሓተቲ ከም እንኸውን ክንፈልጥ ኣለና። እቶም ኣርያን ኢና ማለት ንጹህ ዓጽሚ፡ ዓይኒ፡ ጸጉሪ፡ ኩሉ ቅርጽና ፍሉይ ኢዩ ብዝብል ፕሮፓጋንዳ ዝተላዕሉ ጀርመናውያን፣ ንሕና እውን ልዕሊ ሰብ ኢና በሃልቲ ከምቶም ወለዶ ሳክሰን ዘለዎም ኢንዶ ጀርማኒስቲክ ዘርእታት ዘባርዕዎ ባርዕ፣ ንኤውሮጳ ኣብ መሪር ድኽነትን ኣብ ናይ ማሕበራዊ ምፍርራስ ኣእትይዎም ወዲቖም ዝነበሩ፣ ልዑላት ኮይኑ ይስመዓና ደኾን ይኸውን? እታ መሓዛ ጀርመንን ጃፓንን ዝኾነት ኢጣልያ ኣብ እቲ እዋንቲ እንታይ ኣጋጢምዋ እስከ ንተዓዘብ። ውግእ ዘኸተሎ ምረት ስደት ጣልያን ናብ ኣርጀንቲና ክሳብ 10 ሚልዮን ኣኸቲሉ። እታ ሽዑ ዝሓቖፈቶም ሃገር ሎሚ ኣርጀንቲና ደኽያ ካብ ትሳቐ ነዊሕ ኮይንዋ ኣሎ። እቶም ዝተሰዱ ድማ ንሃገሮም ኢጣልያ ይምለሱ ኣለዉ። ነቲ ዋሕዚ መንግስትን ህዝብን ጥልያን ግን ክጻወሮ ስለ ዘይከኣል፣ ንኸይምለሱ ክሳብ ሕጂ ማሕለኻታት የካይድ ኣሎ። እቶም ሮማውያን ዝዘርኦም ዝተሰዱ ደቃ ክምለሱ ካብ ዘይትደሊ፣ እዞም ምስ ዓሳ እንዳ ተቓለስና፣ ንኤውሮጳ ዝተሳገርና፣ ጽባሕ ንኤርትራ ንምለስዶ ይመስለኩም?
 
Isaias in ELFኣዕናዊ ባህሪ ኣፍሪቃዊ ሂትለር ገና ናይ ክልተ ዓመት ኣብ ሰውራ ከይመልአ ኢዩ ጀሚሩ። ካብ ናይ ቺና ፖለቲካዊ ትምህርቲ ክምለስ ከሎ ኣብ ደማስቆ ምስ ሮመዳን ሓመድኑር፣ ናብ ኤምባሲ ቺና ዘካየዶ ዘመተ መንነቱ ዘብርህ ናይ ሕንፍሽሽ ጠባዩ ተጋህደ። ኣብ ታሕሳስ 1966 ሃይለ “ድሩዕ” ናብ ተጋድሎ ሓርነት ክስለፍ፣ ኣብ ከሰላ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፣ ኢሰያስ ን“ድሩዕ” ንምንታይ ክትስለፍ መጺእካ? ከይትመጹ ጽሕፍቲ ልኢኸልኩም ነይረ ክብል ሓተቶ። እዚ ዳርጋ ኣብ 3 ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ሰውራ ዝገበረ ሰብ እንታይ እዋኑ ኢዩ፣ ነታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረፈት ጉጅለ መጠንቀቕታ ዝለኣኸ? ንሱ ናይ ዓረብ ክእለቱ እንዳ ኣማዕበለ፣ ንብጾቱ ግን ከይትስለፉ ኢሉ ምምዓዱ ዘገርም ኢዩ። እዚ መንነቱ ዘብርህ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ኣብ ምምራሕ ዘለዉ ናይ ተቓወምቲ መራሕቲ ጽባሕ ኣብ ናቶም ጸብጻብ ዘቕርብዎ ሓቂ ኣሎ። ገና ክስለፍ ምዃኑ ዝሓበሮም፣ በታ ሓንቲ ትምህርታዊት ድኻሙ ጥራይ ተመርኩሶም፣ ግደፍ ሓንሳብ ጽናሕ ክብሉ ምዒዶሞ ነይሮም። ግን ክስለፍ ዲዩ መዲቡ ወይ ካልእ ተልእኮ፣ ታሪኽ ዝብርብሮ ኩሉ ብመዓልቱ ክወጽእ ኢዩ። እዚ ነቶም ሓቂ ክፈልጡ ዝደልዩ ደኣ እንበር፣ ነቶም ከም ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዝነበሩ ጀርመናውያን ዝመስሉ ሕጂ ብኡኡ ዝሰኸሩ ኤርትራውያን ኣይምልከትን። ኣብ መንጎ እምነታት ዝተጻወደ ነታጒ ብምሉኡ ዘባርዕን ኣብ ተ.ሓ.አ. ዝተዘርገሐን ንብዙሓት ኤርትራውያን ዜጋታት ደም ዘፋሰሰ ጠንቂ ወፈራ ኢሰያስ ኢዩ።

ሎሚ እውን እቲ ዝፈነዎ ስምዒት መበገሲኡ ኣብ ጽባሕ ካልኣይ ኩናት ዓለም ንቡዙሓት ኣብ ከባቢና ዝርከባ ሃገራት ዝጸለወ ልኹም ሕማም ኣብ ርእሲ ሰዓብቱ ኮይኑ ይኩሕኩሖም ኣሎ። እቲ ሸግርን ወጥርን ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ነይሩን ሕጂ እውን ኣሎን። ነዚ ዝኽሕድ ስእሊ ከባቢና ዘይፈልጥ ፈራሕ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። መፍትሕ ሽግራት ልዑል ንቕሓት ዳኣ እንበር ጠበንጃን ሓይልን ኣይኮነን። መሰል ካልእ እምነትን ኣተሓሳስባን ኣኽቢርካ ብዘተ ኢዩ ዝፍታሕ። ሰዓብቱ፣ ናይ እምነትና ሓላዊ ንሱ ኢዩ ዝብል ሕቡእ ኣጀንዳ ኣለዎም። ሕቡእ ሕማም ብዘተን ምይይጥን ንቕሓት ጥራይ ኢዩ ዝፍታሕ። ናይ ሎሚ ሓያል ናይ ጽባሕ ድኻም ከም ዘኸትል ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። የግዳስ እቶም ክፈትሕዎ ዝደልዩ ብመጀመርያ ኣብ ባይታ ሓዊ ወርዶም፣ መሰል ካልኦት ከኽብሩ ከም ዘለዎም ክፈልጡ ይግባእ።
 
ብዙሕ ሰብ ሸርሒ ኢሰያስ ከቃልዕ ፈቲኑ ነይሩ። ጸብጻባት ሃገራውያን ጸማም እዝኒ ተዋሂብዎ ሽግርና እንሆ 44 ዓመታት ኮይንዎ ኣሎ። ስለምንታይ ሽዑ ክፍታሕ ዘይገበርኩም ዝብል ሕቶ ኩሉ ግዜ ይቐርብ ኢዩ። ኣተሓሳስባ ፍታሕ ግን ሰፊሕ ዝርገሐ ይሓትት። እዚ ድማ ናጻ ርእይቶ ኣብ ዝኽበረሉ ኢዩ ክትግበር ዝኽእል። ንዝበሃል መግለጺታት ኣብ ቅሉዕ ኣውጺእካን ኣፍቂድካን ብርትዓዊ መደምደምታን ሰላማዊ ውዕልን ኢዩ ዝትግበር። ኣይኮነንዶ ክልተ ተመሳሳሊ ዘይኮነ ኣተሓሳስባን እምነትን፣ ሓደ መበቆል ዘለዎም ግን ክልተ ተመሳሳሊ እምነት ዘለዎም ህዝቢ ኣይርላንድ ንነዊሕ ዘበናት ደም ክፋሰሱ ዓለምና ሪኣን መስኪራን ኢያ። ኣጽዋርን ዕጥቅን እውን ተዋጣዊጡ ፍታሕ ኣይተረኽበን። ከባብ ጠረጴዛ ከም ትፈትሖ፣ መድሃኒቱ ድማ ዘተ ከም ዝኾነ ሎሚ ብሰፊሑ ድሕሪ ብዙሓት ዜጋታት ህይወት ምኽፋሎም፣ ናይ ኣፈታትሓ ስለን ጥበብ ኣቓልቦ ተገይሩሉ፣ ባሩድን ዓረርን ድምጹ ጠፊኡ ኣሎ። መዓስ እንታይ ትብል፣ መዓስከ እቲ ባይታ ንኹሉ ክመያየጥ የፍቅድ፣ ካብቲ ዝሓለፈ ተሪኽካን ጋሊህካን ኢዩ ክቐርብ ዝኽእል። ብዙሓት መንእሰያት እውን ንንጹህ ርእይትኦም ተመርኩሶም ክፈትሑ ክብሉ ህይወቶም ከፊሎም ኢዮም።

ሎሚ ንዕኦም ዘኪርና ክሳብ መንነት እዚ እኩይ ናይ ዝጻሓፍናን ዝዘርዘርናን ክግለጽ ከሎ፣ ንምንታይ ሎሚ ሓቂ ትዛረቡ ዝብል ጽፍዒት የኸትል ኣሎ። እቲ ዝተዘርገሐ ግዕጋዕ ጌና ካብ ሓንጎል ገለ ሰባት ክሕጸብ ኣይከኣለን። ሓደ ሰብ ክሰርቕን ስርቂ ናቱ ክቅላዕን ኣብ ዝጀመረሉ ኢዩ፣ ወለዱ ቀጠፍጠፍ ዘብዙሑ ነይሮምዶ ተባሂሉ ክትንተን ዝጅመር። ሕጂ እውን ሂትለር፣ ወዲ እዛ ሓያል ኮይና ዘላ ሃገር ጀርመን ዲዩ ነይሩ ወይስ ወዲ ካልእ ሃገር ዝብል ሕቶታት ዘንቀደ? ኣብዛ ምዕብልቲ ዓለም እውን ናይ ክልንተን ናይ ቡሽ ወይ ናይ ሰዳም ሑሰን መንነትን መበገስን ክንበብን ክጸሓፍን ዝውዕል ዘሎ። ክልተ ነንበይሮም ደገፊን መፍትሕን ዝደልዩ ጸለውቲ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ተረኽቲ ታሪኽን ኣመጻጽኣን ይገልጹ። እዚ ድማ ነቲ መበቆል ጠንቂ የግህድን የጽርን። ካልኦት ድማ ነቲ ሓቀኛ ረቛሒታተት ኣብ ባይታ ሓቂ ኣንጺፎም ፍታሕ ዘናድዩ ፖለቲከኛታት ይንቀሳቐሱ። ናይ ሎሚ መንእሰያት ዘድልዮም ፍታሕ ጥራይ ኢዩ ዝብል ናይ መንእሰያት መደረን ርእይቶን ብሰፊሑ ትሰምዕ። ግን ንፍተሖም እኮ ከይድገም ምስ ዝደልዩ፣ ነቲ ከይድገም ዝደልይዎ ዛዕባታት በብሓደ ቆሚሎም ኢዮም ክኣልይዎ ዘለዎም።

ዝሓለፈት፣ ዘላ፣ ትመጽእ ኤርትራ፣ በበይነን ፈናጢሕካ ትቐርብ  ክትህሉ ኣይትኽእልን። ዝሓለፉ መራሕቲ ጸብጻቦም ክህልወካ ኣለዎ። ድኹም ጎድኖም ክይድገም ድማ ንዕኡ ዝኸውን ፍትሕን ሓቅን ክትዝርግሕን ከተነጽፍን ትኽእል። ብድሕረኻ ዝውለድ ወለዶ ከተማዕዱ ምእንቲ፣ ናይ ዘሎን ዝሓለፈን ስእሊ ክተብርህ ዘገድድ ኢዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ድማ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ክሳብ ዝኸይድ ምሳኻ ኣሎ። ትውከሶ ትርከቦ ተጻሪ መጻኢ ድማ ተንጽፍ። ዓለም ካልእ መስርሕ የብላን። እዚኦም ወይ እቲኦም ጥራይ በይኑ ፍታሕ ኣየምጽእን። ሎሚ ነቶም መንእሰያት፣ ዝበሃል ሓቂ ኣብቲ ተሰዲዶሙሉ ዘለዉ ዓለም ዘሎ ስእሊ ኣንቢቦም ንኤርትራ ብቅብኣ ስነ-ጥበብ ጥራይ ክቐርጽዋ ከም ዘይክእሉ ክፈልጡ ኣለዎም። እቶም ኣብ ስደት ዘለዉ መንእሰያት ተዛረብቲ ሓንቲ ቋንቋ ወይ መበቆል ወይ እምነት ጥራይ ኣይኮኑን። ንኹሉ ዝሓቁፍን ዝጠምርን ዘገምታዊ ከይዲ ከም ዘለዎ ክፈልጡ ኣለዎም። ብሓደ ኢድ ዘጣቕዕ ኢድ ጥራይ ከም ዘየለ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ። ዙርያ ፍትሖም መታን ዝርገሐ ክህልዎ፣ ከኽብብ ክዓኹኽን ከም ዘለዎ ምግንዛብ ይሓትት። እቲ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ፣ ኣፍሪቃ፣ ኣስያ፣ ኣውስትራልያ፣ ኤውሮጳ ኮታ ኣብ ዙርያ ዓለም ዘሎ መንእሰይ፣ ነታ ትመጽእ ኤርትራ ከውሕሳ ኩለን ብሄራትን እምነታትን ኣብ ዙሩያ ጠረጴዛ መጻኢት ኤርትራ ክኸባ ከም ዘለወን ክፈልጡ ይግባእ። እዚ ምስ ዘይከውን፣ ንክውንነት ኣይንምልከቶን ኣለና። እቲ ብተመክሮን ብዕድመን ዝፈሰለ፣ ነቲ ዝሓለፈ ዝግምግም ኣካሎም፣ በይንና ኢና ንፈትሖ ዝብል ብኩርናዕን ኣገናዕን ኣእዳው ክጓነ የብሉን። ከምኡ ምስ ዝኸውን ድማ ሓደ ዓብን ሃብታምን ዕድል ተዘሊሉ ሃጓፍ ይፍጠር ኣሎ ማለት ኢዩ። ንሳቶም እውን ናይ ሎሚ መንእሰያት ናይ ጽባሕ ሽማግለታት ከም ዝኾኑ ዘይምርሳዕ። ምስላ ሃገርናስ ,,አርክቦ ረቢ ኣርከቦ“ ዝብል ኢዩ። መብትሒ ካብ ኩለን ዒላታት ሓቂ ብጽሩይ ሕልና ክቐድሑን ከዋህሉልን ለበዋይ የቕርብ።
 
ብዙሓት ምልካውያን ኣብ ዝላዓለ መድረኽ ደይቦምን ደም ኣፋሲሶምን፣ ብዓቐን ካብቲ ንሱ ዘህለቖን ዝብረሶን ንላዒሊ ዝፈጸመኡ የለውን ማለት ኣይኮነን ኣበሃህላይ። ብሓርፋፍ ገምጋም ንሓደ ንኡስ ህዝቢ ክምጠን ከሎ ክብረ ወሰን ከም ዝሰበረ ኢዩ ክልካዕ ዘለዎ። ዝኸፍአ ዝገብሮ ግን ናጻ ኣተሓሳስባ ኣብሪሱን ኣፍሪሱን፣ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት ከም ዝወረና ምግባሩ ኢዩ። ዝገርም ድማ ምሁራት ከይትረፉ ኢዮም ታሪኹ ኣይትተንትኑ ክብሉ ዝጣበቑ። ነቲ ዝሃልቕ ዘሎ መንእሰይ እንዳ ተነጸለን ምርኣዮም ጥራይ ዘይኮነ፣ ስለምንታይ መበግሲኡኸ እንታይ ንዝብል ትብርብሮ ሓቂ ከይትቐርቦ ዝብል መግለጺኦም ኢዩ ዘስደምም። ናትካ ወገንካ ሃገር ትዳኸመሉ ስደት ዘኸትል ስጉምቱ ደኣ ብምንታይ ኢዩ ክልካዕ። ናይ ናብራ ሕቶን ሕሰምን እኮ መሰል ሰብ ምጥሓስ ኢዩ። ኣብ ሃብታማት ሃገራት ተቐሚጦም ቁጠባ ሃገር እተን ዝነብሩለን ዘለዉ፣ ካብቲ ዝመሓላለፍ ናጻ ናይተን ኣህገራት ኣንቢቦም፣ ነታ ኩቦን እምንን ዓኾርን ደርብዮምላ ዝሃደሙ ሃገሮም ከም ዝዝክሩ ክመስሉ፣ ደቅና ቦታ ስኢኖም፣ ንሕና ድማ ኣብ ሕማቕ ወዲቕና ኣለና ክብሉ ከማርሩ ክትሰምዖም ከለኻ ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ኣብ ሃገርና ምስ እንጥመት ኢዩ እቲ ቀንዲ ናብራና ትስፍው ከኸውን ዝኽእል ይብሉ። ገሊኦም ኣብ ከለን ወይ ድማ ማንሃይም ብሓደ ተዓገስ ዝብልዎ ዘመተ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘካይድ፣ ተናሳሕቲ ክመስሉ፣ ደቅና ንሕና ኢና ከም ዝስደዱ ንገብሮም ዘላና በሃልቲ ከይተረፉ ኢዮም ዋጭ ክብሉ ትሰምዖም ኣብዚ ክግለጽ ዝግብኦ ግን ክልተ ነገራት ኣሎ።

  1.  እንተደኣ ንሳቶም ከይኖም ከም ዝሰደዱ ዝግበርዎም ዘለዉ ኣሚኖም፣ ስለምንታይ ነቲ ዘስድዶም ዘሎ ተግባሮም ደው ዘየብልዎ። ወይ ድማ ኣብዚ ሓሲሙና ከሎ ንሶም ስለ ዘይፈልተጥዎ ኢዮም ዝመጹ ዘለዉ ዝብል መጎተ ዘየካይዱ። ሃገሮም ትስፍቲ ካብ ትኸውን፣ እቲ ኣብዚ ዘሎ ኩነታት ድማ ተስፋ ዝኸልእ ከም ዘሎ ገምጊሞም ስለንምንታይ ንዓዶም ጠቕሊሎም ዘይምለሱ? እቲ ጃህራን ፈከራን ስቕ ኢላካ ንሓደ ልኡኽ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከተሕጉስ ኢልካ ትገብሮ እንታይ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል። ብተወሳኺ ድማ ንኩሎም ደቂ ሃገር ተሳትፍ ኤርትራ ዘይትፍቀድ፣ እቶም ርእይትኦም ኣብ ልዕሊ መንግስትና ቅቡል ዘይኮነስ፣ ኣብ ሃገሮም ናጻ ርእይቶ ተዋሂብዎም ወፍሪ ርእሰ-ማል ዘጣጥሕ ስርዓት ዘይትተኽሉ ክብሉ ዘይስምዑ። ኣብዚ ኮይኖም ብዙሕን ውሑድን በይናዊ ርእይቶ ካብ ዝአቕርቡ፣ ደጋፍን ተቓውምን ርእይቶ ብሓባር ከም ዝቐርብ ክፍቀድ ዘይጠልቡ። ደገፊቲ ኮይኖም በይኖም ሸናዕ ዝብሉላ ሃገር ንዓና እውን እኮ ትብጸሓና ኢያ። ናይ በይሮም ሃገር ክምስርቱ ዝደልዩ ንሶም፣ ዝንጽሉና ንሶም፣ ድኻም ክስመዖም ከሎ ዘገርም ኣይኮነን። ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዘይሓቁፍ ጉጅለ ክቖርር ናይ ግድን ኢዩ። ንፋስ ዘእተወ ንሱ ኢዩ።
  2. እቲ ኣውራ ዘገርም እቶም መንእሰያት ኣብ ኣእማን ምዂዓት፣ ገለ ድማ ጽቡቓት ኣዋልድ ቀትሪ ናይ መኮነናት መፍላሕቲ ቡን፣ ለይቲ ድማ ናይ ስምዒቶም መርወይቲ፣ መንእሰያት ኢዮም ብቐረባ ዝዕዘብዎ ዘለዉ። ጽልኢ ሃገሮም ኣብ ሱዳን ወይ ኣብ ሊብያ ወይ ድማ ኣብ እስራኤል ኣይኮነን ዝጀመሮም። እዘን ሃገራት ዘውርደኦ ሽግር ሳዕቤን እንበር መበግሲ ጠንቂ ኣይኮነን። መበገሲ ጠንቂ እቲ ሆ በሃላይ እተን ቅጫ ዘንበድብዳ ኣንስቲ በዓላት ህ.ግ.ደ.ፍ ኢየን። እቶም ረብሐኦም ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝወገኑ ካብ ኣሕዋቶም ኣሓቶምን ንሓደ ሓኽሊ ድሙ ዘንገሱ ስለ ዝኾነ፣ ካብ ብዝጊ ዝጸመመስ ባዕሉ ዝጸመመ ይኸፍእ ጥራይ ኢና ክንብል ንኽእል። እቶም ካብ ሃገር ዝጠፍኡ ዘለዉ መንእሰያት ግን፣ እዛ ዘላ ኤርትራ ከም መጻኢ ዕድሎም ተጸልምት ገይሮም ብልክዕ ዝገምገምዋ ንሶም ጥራይ ኢዮም። ,,ክውዕን ብማንካ፡ ክዝሕልን ብኢድካ“ ዝብል በለጽ ዝተሓንገጡ ንሶም ኢዮም ገንዘብ እንዳ ሰደዱ ነቲ ስደት ኣበገስቲ። ኣብ እኼባ ህ.ግ.ደ.ፍ. ድማ መጣቓዕቲ ንሶም። ኣኾለስቲ ህይወት ደቆም ንዓሳ ብሶም ባዕሎም፤ ክንፋላለጥ እኮ ኢና። ኣብዚ ደቆም ምስ መጹ ናብ ተቓወምቲ ሰዲዶም እዚ መንግስቲ እዚ ከምዚዶ ከምቲ በሉ ዝብሉ ንሶምዶ ኣይኮኑን? ኣብ ቲቪ አረ ዋጭ ዋጭ ትያትር ጥራይ ኢዩ። ሓቂ መራር ኢያ፣ ዓድኻዶ ዓድኹምዶ ክትብሉ ሰብ ተዋርድ ንስኹም ኢኹም። ከም ሳልሳይ ዘዕባ ዝቐርብ ተወሳኺ ድማ፣

ኣምሓሩ፣  በለጽ ዝደለዩ ተጋሩ፣  ሶማል፣ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ኢዮም ዘለዉ። ነተን ዝተወልዱለን ሃገራት ከዕንዉ ገንዘብን ምወላን ካብ ህ.ግ.ደ.ፍ. ይረኽቡ። እቲ መልእኽቲ ምስ ውድባት ኢትዮጵያ፣ ምስ ናይ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣቐድም ኣቢሉ ኣሰር ሃይለስላሰን መንግስቱ ተኸቲሉ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኢዱ ዝሓወሰ መንዲዩ? ኢሰያስዶ ኣይኮነን። ክሳብ ዳርፎር ክሳብ ሲሪላንካ ምስ ታሚል ታይገርስ ኢዱ ዝሓሰሰ፣ ኣብ ሶማል ዘጎሃሃረ፣ ኣብ ከንያ ምስ ጥሩፋት ኮይኑ ዘዕነወ፣ ኣብ ኮንጎ ንካቢላ ታንክታትን ታንከኛታትን ዘቐበለ፣ ኣብ ጉዳይ ኡጋንዳ ኢዱ ዝመለሰ፣ ሕጂ’ውን ምስ የመን ቁልዒ ሓዊ ዝጽሕትር፣ ኮታ ናይ ራዕድን ሽበራን ዘለዎ ከባቢ ኦርከስትራ ቦንብታት ዘባርዕ፣ ዘዳሚ ንኩሉ ኩነታት ሕንፍሽፍሽ ዘእቱ መንዲዩ?

ልዕሊ 180 ሃገራት ናይ ጠቕላሊ ጉባኤ ዘካየዶ ውጽኢት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ንፕረዚደንት ዑመር ኣል በሺር እገድኡ ብድላዩ ኣልዒሉ ዘአንገደ መንዲዩ? እዝስ ምስ እተን ውድባት ናይተን ከቢበና ዘለዋ ሃገራት ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ መንዲዩ? ከምቲ ኣዕራብ ዝብልዎ “እንታፊ ሳንዱግ ኸበረክ ላኪን ፊሱግ” (እንተ ተዓጸኻ ኣብ ሳንዱቕ ወረኸ ብሰፊሑ ተዘርጊሕ ኣሎ ኣብ ሹቕ) ዝብል ወይ ድማ ንሱ ዝፈትዋ ሓንቲ ፈልያ ንዕኡ ኢላ ዝተቐመጠት ናይ ኣዕራብ ምስላ እውን ኣላ። ,,ገመል ሰሪቕካስ ጉምብሕ ጉምብሕ“። ቪቫ ኢሰያስ ሓቂ ንስኻ ኣውጺእካያ፣ ሰዓብትኻ ግን ኣየንበብዋን።
  
ከምዚ ተላኢኹን ተወዲቡን ዝመጸ፣ ንህዝቢ ዘናኸሰ ጸረ-ሃገር ፍጡር ተራእዩ ኣይፈልጥን። ቀንዲ ሜልኡ ብሩህ ከሎ፣ ፍቕሪ ሒዝዎ ዕንይንይ ከም ዝብል ጎበዝ ወይ ዕንይንይ ትብል ጎርዞ ብልሃት ዝጠፍኦም እንሆ ናቱ ፍቕሪ ዘስከሮም ክሳብ ሕጂ ከርዲዶም ኣለዉ። ሕቶ ሃገርና ሎሚ፣ ሕቶ ሓደ ኣዕናዊ ኮይኑ፣ ሽግርናን ብርሰትናን ኣብ ዝላዓለ ጥርዙ በጺሑ ከሎ፣ ሽግር መቃለሊ ብሩህ ዕድል ከለና፣ ክንጥቀመሉ ብዘይ ምኽኣልና ናይ ከባቢና ተጻባእቲ ኮና ንርከብ።  እዚ ኩሉ ከባቢና ዝተፈጸመ ምስ የመን፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ እኩል ወተሃደራዊ ግጭት ኩለን ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራት ዘለዓዓልኦ ኢዩ?  ዜጋታትና ሰኣን ኣዕሙቕ ኣቢልካ ምሕሳብ ዘኸተሎ ዘንዕቀና፣ እቲ ቀንዲ ዛዕባ ዘይብሱል ጠመተ ከም ዘለና ዘረድእ መግለጺ’ዶ ኣይኮነን? ጉዳይ ሃገርና ጉዳይ ሓደ ሰብ ከም ዝኾነ ብሩህ ከሎ ምስኡ ፍቕሪ ሕዙና ሕብግግብ ንብለሉ ስግንጢር ካበይ ቦቑሉ፣ ጌጋና ነቲ ክንየው ዶብና ዝፍጸሞ ዘሎ ምጥማት ስለ ዝሰኣናዶ ኣይኮአነን? ሽግርና ስኣን ምፍታሕና እንሆ ሎሚ ዓለማዊ ወጥሪ ኮይኑ ኣሎ። ፍቕሪ ክሳብ ሞት ዝብል ሓዳር ካብ ሞቱ ከም ዘይሓልፍ ክፍለጥ ነይርዎ። ኣብ ውሽጥና ብዙሕ ህልቂት ፈጺሙ።

ምሁራት መንእሰያትና ንቃልስን ውድብን ኣብ ዝተጨበጠን ቅኑዕ መስመርን  ከትሕዙ ዝተዋፈሩ ቅኑዓት ተጋደልትና ብጅመላ ተቐንጺሎም። ሓባራዊ ርእይቶ እንዳ ፈረሰ፣ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ዘይተለለየ ወልቀ-ሰብ ከም ዝእከብን ከም ዝውነን ኮይኑ። ሓርነታዊ ቃልስና መስመሩ ስሒቱ። ዘይተጸንዐ ናይ ውግእ ኣመዓባብላ ዘይተጸንዐ ውግኣት፣ ካብቲ ዘድማዕናሉ ንላዕሊ መንእሰያትና ሰፍ ዘይብል ክሳራታትና ከፊሎም። መንኮርኮር ሃገርና መዘወሪኣ ብክልተ ኣእዳው ከዳዕ ተመሪሓ። ናበይ ገጽና ነምርሕ ኣለና ንዓለም በሪሁላ ኢዩ። ንዓና ምስማዕ ኣብዮም ዝሓሲሞም ገና ዝሓመሙ ኣብ ጎድኑ ኮይኖም ሃገርና የድምይዋ ኣለዉ። ሕቶና ደሞክራዊያዊት ሃገር፣ ባይቶ፣ ውክልና፣ ቅዋማዊ መንግስቲ፣ ሕግን ፍትሕን ዝወነነ ስርዓት ናብ ምዕባለ ዘብጽሕ ጎደና ጎሲናዮ፣ ሽግርና ንኹሉ በሪህሉ፣ ንዓና ግን የዒንትና ዓዊረን ናብ ደልሃመትን ጸልማትን ገጽና ንሕንበብ ኣለና። ከም ዝዓወርና ኣስተብሂሉ እንሆ ናይ ግብረ ሽበርኡ በቲ ዘጽንዖ መደቡ ይቕጽል ኣሎ። ከምቲ ዝበልክዎ ድማ መሳርሕትን መሻርኽትን ኣብ ከባቢ ዘናድየሉ ካታሎግ መዐደግ ሸርሑ ከነቃልዕ ናይ ኩላህና ደለይቲ ሰላም ዕማም ክኸውን ነይርዎ። ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብ ቀርኒ ኣፍትቃ ንእትርከብ ኢትዮጵያ ክበታትን መዲቡ እስኪ ንተዓዘብ።

ኣብ ትሕቲ ብሄራዊ ዕብለላ መግዛእቲ መሳፍንቲ ዝነበራ ብሄራት ኣጽኒዑ፣ ነቶም መሳፍንቲ ድማ ብኻልእ መዳይ ሕማሞም ኣለዓዒሉ ዝዘርገሉ ክንብርብር ይግባእ። ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣብ ደቡብን ኣብ ምብራቕን ዘካየዶ ወፈራ ገለ ትስፍው ዓወት ከም ዝሃቦ ገምጊሙ፣ መደቡ ናብ ኢትዮጵያ ኢዩ ኣቕኒዑ። ሕማሙን ኣብ ጎረባብትን ዘሰደዶ ሕማም ዘቃልዕ ካብቲ ሰነዳት ምስ ጭብጡ ክቐርብ ኢዩ። ብርትዒ ተቐርብ ሃገር ነይራ እንተ ትኸውን፣ ሎሚ ኣብ ደገ ኮና ተዕቑብና ዘለና ውህሉል ሓቂ ዝያዳ ኣድማዒ ምገበሮ። ኣብ ከርሲ ሃገርና ኮና ክስን መርትዖን እንተ ነቕርብ፣ ፍታሕ ኣብ ርሒብ ህዝብና ተሓቑፍና ጉዳይና ዝያዳ መዕለቢ ምረኸበ። ኣብዚ ዝጥቅስ ዘሎ፣ ዕርቡን እንበር ኩሉ ኣይኮነን። ነታ ዝተቓለስኩላ ሃገረይ ጽሑፈይ ጥራይ ኣይኮንኩን ዝውፍየላ። ኣነ ዝውፍዮ ናይ በይነይ ታሪኽ የብለይን።

ኩሉ ዝፍጸም ዘሎ፣ እቲ ዘመሓድር ኢየ ዝብል ዘራጊ እውን ምእንቲ ሃገር ዝብል መግለጺ ኢዩ ዘስምዕ። ኣዒንትና፣ ኣእዛና፣ መሓውርና ዝወነነ ንሱ በይኑ። ተለቪዥን ብገንዘብ ህዝቢ ዝቖመት፣ መናፍሕ ናቱ ጥራይ ተስምዕ። እቶም ዓባሳት ምኒስትራቱ ክምድሩ ክገልጹ እውን ኣይቀደሎምን። ናይ ኦሮሞ ናይ ኣምሓራ ናይ ትግራይ መናፍሕ ካብ ኣስመራ ይፍኖ። ተቓወምቲ ግን ኣብ ስደት ኮይነን ድምጸን ተዓቢሱ እዝን ዓይንን ናይቲ ዝፈትወኦ ህዝበን ተሓሪመን። ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ ኣሎ? እታ እንኮ ሃይማኖት ኢሳያስ፣ ንዓይ ስምዑ ካልእ ኣይፍቑድን ኢዩ ጥራይ ኢያ ትብለና። ዓባሳት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነቶም ቅድሚኦም መንግስትና ክብሉ፣ እርጋኖም ናብ ገሃነም ዘውረዶም ብጾትኩም ርኢኹም ተመዓዱ ምበልናዮም። እቲ እኩይ ግን እንታይ ኣዚሩሎም ክንፈልጦ ኣይከኣልናን። ገለ ከም መስጠፋ ኑርሑሰን ዝኣመሰሉ ናይ ጂን ውሉፋት ግን ደርዓንቶ ካብ መንደፈራ ርሑቕ የላን፣ እሞ ክልተ ሸውዓተ ተትሕጸብ ምሓሸካ ንብሎ።
 
ኣብ ቀጻሊ ክሳብ ንራኸብ
ርሑስ በዓል ፋስጋ 
  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...