Eritreaማዕረ-ማዕሪኡ እቲ ካልኣይ ውጥን የዐውተኒ ኢዩ ዝብል ,,ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ መታዓይይተይ ኢዩ“ በሃሊ ብኽልተ ናይ ጥኣፍታት መሻርኽቲ፣ ጥሩፋት ብሄራት ውድባትን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ዝተኣልመ ዘመተ ኢዩ። ብካልእ መዳይ ብለባም ኢትዮጵያዊ ጻውዒት፣ ንመዳውብቲ ዝኾነ ህዝቢ ንምድማይ ዝተኻየደ ተንኮል ንምእላይ ዝሓለነ ኣብ ሚያዝያ 2000 ወፍሪ ተኻይዱ ነይሩ። ለባም ርእይቶ ኣብ ኣስመራ ምስ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ዝተኻየደ ብሓጺሩ ከመይ ይመስል? እንሆ ድማ ብኣቶ ኣብረሃም ያየህ ርእይቶ፡- ነቲ ዝተጠቕሰ በብቑሩብ ገማሚዐ ኢየ ከቕርቦ፣
 
ካብ ጽሑፍ ኣቶ ኣብረሃም ያየህ ገለ ከይተሓወሶ ድማ እንሆ።
 
,ቕድም እንትብል መራሕቲ ሕውሓት፣ ዳሕራይ ድማ መራሕቲ ,,ኢህወደግ“ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝወሰድዎ መርገጺታትን ዘተገብርዎም ፍጻሜታት ብህዝቢ ትግራይ ይኹን ብህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይተዘተየሎምን ናይ ህዝቢ ተሳትፎን ውክልናን ኣይነበሮምን። ብፍላይ ድማ ነቲ ናይ ኤርትራ ነጻነት ሕጋዊ ልባስ ክህቦ ዘኽኣለ ረፈረንዱም ብዓይኒ ሕጊ ዘይሕጋዊ ነይሩ። ካልእስ ይትረፍ፣ እቲ ናይ ረፈረንዱም ቅጥዒ ኣንተወሓደ በቲ ,,ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፣ (ህግሓኤ) ብ1980 ዓ..ም ኣቕሪብዎ ዝነበረ ሓሳብ ክምስረት ይግባእ ነይሩ። ካብ ኣሰራርሓ ፕሮፓጋንዳ ውፅእ ኢልና ንምዝራብ፣ ምናልባት መራሕቲ ኢህወደግ ዝተኸተልዎ መስመር „እቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝኣክል ደም ዘፋሰሰ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ንዝለዓለ ዋጋ ከፊልካ’ውን እንተኾነ መዕለቢ ክረክብ ኣለዎ“ ካብ ዝብል ቅንዕና ዝፈልፈለ ክኸውን ይኽእል ኢልካ ንምቕባል ይከኣል ይኸውን። ይኹን’ንበር ከምዚ ዝኣመሰለ ተዃሳሒ ንዝኾነ ጉዳይ ብዝምልከት ከቢድ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳድካ፣ ኣብ ትሕቲ ፅላል ብህዝቢ ዝተወከለ ፓርላማን መንግስቲን ፥ ጥራሕ ክፍፀም ይግባእ ነይ ። እዚ ድማ ንኢህወደግ ካብ ተሓታትነት ነፃ ክኸውን ሓጋዚ እንትኸውን ብዝበለፀ ንህዝቢን ነፃነትን ኤርትራውንን ዘየዳግም ዘየዘራርብን ውሕስና ኣብ ምርግጋፅ ዓብዪ ተራ ኣለዎ። እቲ ብዓይኒ ሕታዊ ኣፈፃፅማ እንተተራእዩ ሕጋውነት ዘይለበሰ ናይ ረፈረንዱም ከይዲ ህዝቢ ትርግራይ ብካልኦት ኢትዮጵያውያን፣ ብፍላይ ድማ ብህዝቢ ኣምሓራ፣ እንትኽሰስ ይርከብ። እቲ ጎንፂ ዝተፈጠረ’ውን ምስ’ዚ ኩነታት ብዝተተተሓዘ ምኽንያት እምበር ብናይ ዶብ ምስሕሓብ ከምዘይኮነ ኣፀቢቕና ንፈልጥ ኢና። እንተደኣ ካብዚ ክልቲኦም ህዝብታት ኣትዮምዎ ዘለዉ ዓዘቕቲ፣ ከንወፅእ ተደልዩ፣ ክልቲኦም ህዝብታት ብዘርብሕ ኩነታት ክልቲኦም ህዝብታት ብሰላም ንክነብሩን ንክቐስኑን ዘኽእል ሓደ ፈደራስዮን/ኮንፈደራስዮን ዝመስል ናይ ምትሕብባር ምትእስሳር ምስ እንገብርዩ። ቕድም እንትብል (ብቕድም’ቲ ጎነፅ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብዝተፈላለዩ መፈነውቲ ዜና ብፍላይ ምስ ሬዲዮ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ግልፂ ብዝኾኑ ቃላት፣ „ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኮንፈደረሽን ክተኣሳሰራ ኣለውን፣ ኣብ ሞንጎ ክልቴን ሃገራት ዘሎ ዶብ ትርጉም የብሉን“ ወዘተ.“ ዝብትል ተስፋ ዘሕደረ መልእኽትታት እነተመሓላልፍ ሰሚዐ ስለ ዝኾንኩ ኢዩ።   

ኢሰያስ ምስ ሬዲዮ ኣመሪካ ዝገበሮ ቃለ -መሕትት ቅዳሕ (ብድምጺ) ኣብ ኢደይ ይርከብ“፣ ይብል ጽሑፍ ኣቶ ኣብርሃም ያየህ። (ኣገዳሲ እዋናዊ ለበዋን ሓበሬታን ንህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ ካብ ኣብራሃም ያየህ 4 ግንቦት 2007 (ምያዝያ 27 1999 ዓ.ም. ግእዝ)። (ካብቲ ጽሑፍ እስኪ ንቐጽል)።
 
ኣቶ ኣብረሃም ያየህ ኣብ ናይዚ 4 ግንቦት 2007 መጽሄቱ ክምዚ ክብል ይቕጽል።
 
ብጣዕሚ ዘሐጎሰኒ ንኤርትራ ሰተት ኣቢሉ ዝወሰደኒ ነቲ ኣነ ዘቕረብክዎ ሓሳብ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ብዝበለፀ ከም ዝድለይን እናተሰርሓሉን ከም ዝፀንሐን፣ ነዚ ድማ ጭቡጥ መርትዖ ከምዘሎን ብኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብቲ ብኣቶ የማነ ገብረኣብ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝተራኸብናሉ እዋን ምስ ተነግረኒ’ዩ። እዚ ዘረባ እንተስምዕ በይነይ ኣይነበርኩን። ከም ኢህኣፓ መራሒ ኣቶ ኢያሱ ኣለማየሁ ዝኣመሰሉ ተፈለጥቲ ኢትዮጵያውያን ኣነ ብዝገበርኩሎም ዕድመ ምሳይ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ስለ ዝነበሩ ንሳቶም’ውን ዝሰምዕዎን ዝተሓጎሱሉን ተረኽቦ’ዩ ነይሩ።
 
ነዚ ዘህርፍ መልእኽቲ ምስ ጨበጥኩ፣ ንኹሎም መራሕቲ ተቓውሞ ውድባት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ነዞም ሎሚ ,,ቅንጅት“ ኢና ዝብሉ ፅንፈኛታት ኣምሓሩን ብምዝርራብ፣ ሕብረት ፈጢሮም ነቲ ኣነ ምስ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተዘራረብኩሉ ዓብዪ ተስፋ ዘለዎ ጉዳይ ብዝተጠርነፈ ሓይሊ ክከታተልዎን ኣብ መወዳእታ ከብፅሕዎን ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል እንትምሕፀን ፀናሕኩ። ብዝተፈላለዩ ጋዜጣታትን መፅሄታትን’ውን ነቲ ጉዳይ አቃልሕ ነበርኩ።
 
እዚ ካብ ጸብጽብ ናይተን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስደት ዓለም ኮነ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከባ ውድባት ብውሽጣዊ ቅርጽን ዝግለጽን ዝካየድ ዝነበረ መረደእታ ጽሑፋቶምን ኣንፈቱ ናበይ ገጹ የብል ኣሎ ዝብል ኣቓልቦነ ነቲ ንደርጊ ካብ ሱሩ ባሕጊጉ ዝተዓወተ ኢህወደግ ብደቂቕ ይካታተል ምንባሩ ክርሳዕ የብሉን። ንሱ ዝከታተሎ ንግዝይኡ ንጎድኒ ገዲፍና፣ ስለምንታይ ኢዩ እቲ ብህግደፍን ናይ ዝተፈላለያ ብሄራት ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ስራሕ ተጀሚሩ ዝብል ክንብርብሮ ዘለና ምስትብሃሉን ንጉዳይና መፍትሒ ዝኸውን ጭብጥታትና የበርክትልና። ነቲ ናይ ረፈረንዱም ጉዳይ ዝተዋህበ መግለጺ ኣቶ ኣብረሃም ያየህ እውን ዝኸውን ትንታኔ ከይረሳዕ፣ና ግን መንስኤ ናይዚ ሕቶ እዚ ምፍሕታር’ውን፣ ደሚርና ኢና ንፍሕትሮ። እቲ ጠንቂ እንታይ ኢዩ? ከም ናይ ቀጻሊ ኣርእስትና ገለ ወስ ከብል እመርጽ።
 
ኣብ ኢትዮጵያ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ኮነ፣ ነቶም ዕሉላት ናይ ሃጸይ ምንሊክን፣ ሃይለስላሰ ኮነ ናይ ደርጊ፣ ምስኡ እውን ብዝዓበየ ናይ ኦርከስትራ ኣቀናባሪ ጉጅለ ኢሰያስ ምስ ህግደፍ ብዓቢኡን ብሓባርን ዓበድበድ ዘበለ ለውጢ ይካየድ ምንባሩ ክንግንዘብ ንኽእል። ነቲ ዝካየድ ለውጢ ብጎድኒ ኮይኖም ሸለል ምባሎም፣ እቲ ዝካየድ ዘሎ ደሞክራሲያዊ ለውጢ፣ ነቶም ጸይቀ ግኑናት ፈጺሙ ናብ ግብኣተ-መሬት ከም ዘብጽሖም ኢዮም ተመልኪቶሞ። ናይ ፖለቲካ መንሽሮ ወይ ኤድስ ቫይሩስ ለኺፍዎም ስለ ዝነበረ ሞት ብሞቱ ለኪምካ ምጥፋእ ዝብል መርገጺ ኢዮም ወሲዶም። ግን እቲ ቀንዲ ዓበድበድ ንምግላህ ዝኣክል እስከ ንቐጽል። እንታይ ኢዩ እቲ ግላህ ዘለዎ? ንህግደፍን ነቶም ናይ መሳፍንቲ ትርፍራፍን ኣብ ከብዶም ዝጸዓየ ናይ ቶንኮል ስሚ ካብዘን ዝስዕባ ዝተሓቑና ሕማማት ክኾና ዝይእላ። ኣብ መጻኢ ድማ ምስቲ ሰብ ጠበብን ጸብጻባት ብሒቶም ዘለዉ ተናጺሖም ዝናዘዙ ከም ዝርከቡ ክንክሕድ የብልናን። ኣብ ታሪኽ ከም ዝጥቀስ ኣብ ደምበ ተንኮለኛታት ገለ ሕልና ዘለዎም ክህልዉ ይኽእሉ
  1. ኢህወደግ ንኹሎም ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ካብ ናይ ዓመጽን ጎነጽን ወጺኦም ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ኣድሂቦም፣ ኣብ ሃገሮም ምስ ህዝቦም ኣድላይ ሰላማዊ ከም ፖለቲካ ትካላት ኮይኖም ዝዋፍውሩሉ ባትታ ምፍጣሩ፣ ኣወንታዊን ውጽኢታውን ሃዋሁ ፈጢሩ ህላዌኦም ስለ ተቐበለ፣ ንበሓቲ ዝነጽግ ሃዋሁ ብምፍጣሩ ዘስዓቦ ስግኣትን ሸቐልቀልን ዘለዓዓሎ ቆለን ዛርን ዝጭብጦ ብምስኣኑ።
  2. ኣብቲ ሓዲሽ ቅዋም ኢትዮጵያ ብዓንቀጽ 39 ነፍስ-ወከፍ ዞባ ወይ ብሄር ከይተረፈ ረብሕኦም ኣብታ ሃገር ኮይኑ ምስ ዝረከብ፣ ጠለባቶም ክሳብ ምንጻል መሰል ዘፍቅድ ኮይኑ ምንዳፉ። እዚ እውን ንኹሉ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ፣ ሰላማዊን ናይ ሓባር ረብሓን ዘቐድም ሕጋዊ መሰል ንኹሉ ኣቓልቦ ከም ዝስሕብ ስለ ዝተገንዘቡ፣ ባህሮም ግን ጸረ ህዝብዊ ምርድዳእ ስለ ዝኾነ፣ ንዓመጽን ዕግርግርን ዘተላዓለ ዘበገሶ ሕልንኦም’ዩ።
እዘን ክልተ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ንተቛዋምይ ምቕባልን፣ ናጽነት ምስለ ብሄራትን ምኸባረነ{ ንዕድመ ዲክታቶርነትን ምልክን ዘሕጽራ ሕንጻጻት ኢየን። ዝኾነ ይኹን ናይ  ባሓቲን ገባትን ሕማም ከም ወልፊ ኣብ ኣንጉዑ ዘስፈረ ዲክታቶቲያዊ ህርፋን ንመሳፍንትን ከም ናጻ ህዝብን ናጻ ሃገርን ገይሩ ዘጽልኦም ካልእ ኣርእስትን ትሕዝቶን ክህሉ ኣይክእልን። ውግእ ምጽሕታር ድማ ንዝዕንብብ ዘሪግካ፣ ጽልእን ምድማይ ህዝብታትን ከም ሜላ ገይሮም ስለ ዝወስድዎ ናይ ኩሎም ንቀውታ ጨቆንቲ ፖለቲካዊት ፍታሕ ንሳ ጥራይ ኢዮም ዝውንኑ። ነቲ ማሕባራዊ ቁስልታት ክራባሕን ተላጋቢ ሕዱር ሕማም መታን ክኸውን በብቑሩብ ኢዩ ዝፍኖ። ብርክት ዝበሉ ወገናትና ማለት ካብ ህዝብን ተጋደልትን ኤርትራ ን30 ዓመታት ኣሽሓት ጀጋኑ ዝኸፈልናሉ ቃልስና፣ ብዘይ ተሳትፎ ህዝብናን፣ ናጻ ባይቶናን፣ በይኑ ብድሕሪት ኮይኑ፣ ካብቶም ኣባላት መሪሕነት ብጾቱ እውን ከይተረፈ ከይተሓወስዎ፣ ኢሰያስ በይኑ ዝኣለሞ ፍሕሶ ረፈረንዱም ዝብል ሕልሚ ኣለዓዓለ። ህዝብን ደቁ ተጋደልቲ ካብ 1961 ዓ.ም ክሳብ 1980 ረፈረንዱም ዝብል ሕቶ ከም ጠለብ ኣብ ሓሳቦም ኣይነበረን። ረፈረንዱም ምስ ምፍራስ ባይቶ ኤርትራ በቲ ሃጸያዊ ስርዓት ከም ምርጫ እንተ ዝጥለብ ነይሩ ቅኑዕ ክኸውን’ዶ ምኻኣለ ዝብል መርትዖ ዘቕርቡ ኣይምትሳእኑን። ነቲ ፈደረሽን ዝብል ቅርጺ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብሃይለስላሰ እንዲዩ ተጣሒሱ። ዘይንደልዮ ፈደረሽን ተገዲድና እንዲና ተቐቢልናዮ። ብሰላሕታ ድማ ረፈረንዱም ብኢሰያስ ስዒቡ። ሃይለስላሰ ነቶም 68 ኣባላት ባይቶ ብጠበንጃ ኣኽቢቡ ኢዩ ኣድምጹ ክብል ንኤርትራ ዝጎበጣ።

 ኢሰያስ ድማ ህዝብን ሃገርን ኣተዓሻሽዩ ብረፈረንዱም ነቲ ዝደመናሉ ኣምኪኑ ኣተግቢርዎ። ብኻልእ ድማ ንእህወደግ ሃገር ከም ዝሸጡ ዱቦላ ኣውሪዱሎም። ዓመጽ ብዓመጽ ይተኣለ ዝብል ሕቶ ህዝቢ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ ዶኾን፣ ቃልስኹም ቅኑዕ ኣይነበረን ዝበለና። ኤርትራ ከም ሃገር ትቐውም ዝጠልብ ሕቶ፣ ምስተን ካብ መግዛእቲ ብዘይ ገለ መሰናኽል ናጻ ዝወጻ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንሕና እውን ከም ከንያን ኡጋንዳን ታንጋኒካን ተዛረብቲ ሓንቲ ቋንቋ ሰዋሒሊ (መብዛሕትኦም ዳርጋ ሓደ ህዝቢ ዝኾኑ እሞ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ክኾኑ ዝተፈቕዶም፣) ከምኡውን ዳርጋ መብዛሕትኤን ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ካብ ገዛእተን ተገላጊለን ናጻ ዝወጻ፣ ዕጫ ኤርትራ እውን ከምኡ ክኽውን ነይርዎ።

ንተንኮል ኢሰያስ ዘይተረደአ ህዝቢ ኤርትራ ጠለቡ ምስ ተጨውየ ኢዩ ናብ ረጽሚ ዝኣተወ። ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ብኤርትራውያ ጥራይ ኢዩ ዝፍታሕ። ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝሃሲ፣ ብዙሕ ሕሉፍ ታሪኻዊ ዝምስክሮ ፍጻሜታት ብሓባር ንትርኾ ታሪኽ ኣለና። ይኹን እምባር እቲ ረፈረንዱም ዝብል ምስ ናጽነት ዝተታሓሓዘ ጠለብ ህግደፍ ንዓና ኮነ ንእህወደግ ኣብ ዘይተጸበናዮ ጠምበርበር ዘብል ጋህሚ ኢዩ ኣእትዩና። ንሕና ከቢድ ክሳራ ከፊልና ናጻ ዝወጻእናሉ ቃልስና፣ ተመሊስካ ናብ ተንኮለኛ ምውንዋን ጸላእትና ዘእቱን ዘተባብዕን ሕቶ ካብ ህግደፍ ስለ ዝተበገሰ እንሆ ኣብ ወጥሪ ንኣቱ። ማቕን መንጠሊናን ሓዘን ኣልቢሱና። ከም ህዝቢ ብሓደ ንነብረሉ ባይታና ሃደሽደሽ ኢሉ። ቀጺሉ ድማ ሕውሓት ንኤርትራ ከም ዝሸጥዋን ብገለ ክፋል ህዝቢታት ብኽድዓት ከም ዝኽሰሱ ምግባር ዝወጠነ እኩይ መደብ ዳርጋ ተዓዊቱ ነይሩ ክንብል ንኽእል። ገና እውን እቲ ሸርሕታት በብቑሩብ ፋሕቲርና ክንገልሆ ኣለና።   
 
ኣብ ቀጻሊ ነቲ ርክባቶም ብብሩህ ክቃላዕ ኢዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...