ኣብዚ ቕነ’ዚ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት ምምስራት ሃገራዊ ተለቪዥን ኣድሂቡ፡ወርቓዊ ኢዮቤል እታ ማዕከን ዜና ኣብ ምጽንባል ከምዝርከብ ሰሚዕና ንከውን ኢና።እዚ ኩነታት ነቲ፡ልዕሊ ሓምሳ ዓመት፡ከይተሓለለ ብሉዑል ወኒ ዝነጥፍ ዘሎ ስነ ጥበበኛ ዑስማን ዓብደርሒም ክንዝክሮ ዝድርኽ ቕነ ኮይኑ ኣሎ።

ተለቪዥን ኢትዮጵያ ካብ ምምስራቱ ኣትሒዙ፡ኣብ ምቕራጽን ምስናድን ሙዚቃዊ ትሕዝቶታት ስነ ጥበበኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበረኸ ተራ ዘለዎ ትካል ምዃኑ ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን።ንመጻኢ ግዜ ከም ሰነድ መወኸሲ ቐሊል ዘይበሃል ግደ ክጻወት ምዃኑ እምንቶ ብዙሓት እዩ። ስለዚ፡ንኢትቪ እንቛዕ ኣብ መበል 50 ዓመትኺ ኣብጻሓኺ ክብል ግዴታ ኩሉ ግዱስ ይከውን ዝብል ስምዒት ኣለኒ።

ኽቡራት ኣንበብቲ፡ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ ህይወትን ሙዚቃዊ ጉዕዞ በዓል ሃበባ ዑስማን ዓብደርሒም’ ካልእ ግዜ ብሰፊሑ ክምለሶ ተስፋ እናገበርና፡ንሕጂ ግን እቲ ታሪኻዊ ምግጥጣም ዝፈጠሮ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ኮነ፡ ከምቲ ኣብዚ ቕነ ንሰምዖ ዘለና ባህ ዘብል ወረ ተደሪኽና ገለ ክብል እፈቱ። እቲ ወረ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ንዝፈጥረልኹም ከኣ፡ስነ ጥበባ ንሰላም፡ስነ ጥበብ ንልምዓት ወሳንን ቐላስን ግደ ከምዘለዎ ማንም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።ስነ ጥበብ ከኣ፡ ኣብ ምድንፋዕ ሕውነት ዕዙዝ ተራ ከምዘለዎ ታሪኽ ግርም ገይሩ ምሂሩና እዩ።

እሞ፡ዑስማን ዓብደርሒም ዝርከቦም፡ገለ ህቡባት ስነ ጥበባውያን ኢትዮጵያ ክሳተፍሉ ዝዓለመ ሓባራዊ ሙዚቓዊ ምር’ኢት ክካየድ፡ሓሳባት ተዋዲዱ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ዝሕብር ሓበሬታ’ዩ፡ እቲ ዝስማዕ ዘሎ ጥዑም ወረ ዝነፍስ ዘሎ እሞ፡ ኣሳልጦ ንምነየሎም።

ስነ ጥበበኛ ዑስማን፡ኣብ ሱሳታት ድሕሪኡን ዘሎ ግዜ፡ ኣዚዩ ህቡብን ፍትውን  ምንባሩ ብዙሕ ምስኽርነት ክትረኽበሉ ኣይትጽገምን ኢካ።

ን’ኣብነት’ዃ ንገለ ክጥቕስ ክፍትን፡

“ዑስማን፡ኣብ ኣከዳድኑኡን ኣብ ስነ ምግባሩን ከምቶም መዛን’ኡ ስነ ጥበበኛታት ኣዚዩ ሰሓቢ ነይሩ።ኣብ ምር’ኢት ሙዚቃ ዘለዎም እናከድና ንርእዮም ነይርና።ነድንቆም’ውን ነይርና።” ኣደይ ይሕደጋ ኣብ ዕላለን ዘዘውትር’ኦ ዝነበራ ምስኽር ቓለን እዩ።

“ዑስማን፡ኣዚዩ ኣብ ደርፊ ኩቱር ባህጊ ነይርዎ።መጀመርታ ደርፍታት ሱዳን እዩ ዝደርፍ ነይሩ።ደሓር እዩ ናብ ትግርኛ ኣትዩ።” ኣቶ ብርሃነ ታፈረ።

“ዑስማን፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ኣተኩሩ ወሰን ዘይብሉ ደርፍታት እዩ ደሪፉ።ኣብ ግዜ ንእስነትና ዘይርሳዕ ተዘኽሮ ገዲፉላ እዩ።” ኣቶ መሓመድ።

“ዑስማን፡ ምስ ተበርህ ኣብ ሲነማ ኦዲዮን ዝደረፎ ኣብ መወዳእታ 60ታት ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። ከምዚ ‘ኪድለይ ኪድለይ’ ኢሎም ክደርፉ ይዝከረኒ።ማለትሲ ንሱ፡

ተፍቅረኒ ይመስለኒ ነይሩ
ለካ ሓሳብኺ ድሮ ተቐይሩ
ኣይደልየኽን ፍጹም ንሓዋሩ
ኪድለይ ኪድለይ ኣይደልየክን እምብለይ።
ክብል ከሎ።

ተበርህ’ውን ከምዚ ኢላ ትምልሰሉ ነይራ።

ኣፍቓሪተይ ኢልካ ዘውረካለይ
እንታይ ገይርካለይ፡እንታይ ዓቢስካለይ
ካቲም ሕጾ’ዶ፡መስቐል ኣሲርካለይ
ኪደለይ ኪደለይ ኣይደልየካን እምብለይ።

ኢላ ክትምልሰሉ ከላ፡ ኣብ ሲነማ ኦዲዮን ትማሊ፡ትማሊ ኮይኑ ይስመዓኒ እዩ።ሓያላት ስነ ጥበበኛታት እዮም ነይሮም።ክብሉ ኣቶ ካሕሳይ ኣድሓኖም ትዝታ’ኦም ይገልጹ።

እዚ’ኦም ንግዚኡ ይ’ኣኽሉ ኣዮም።

ስነ ጥበበኛ ዑስማን፡ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1963፡ ኣብ እኩባት ሰባት ’15 ዝኮኑ’ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ኣብ ጽንብል ስነ-ስርዓት ዕለተ-ልደት ኣቶ ብርሃነ ታፈረ ብቛንቛ ዓረብ ናይ ሱዳን ደርፊ ‘ናይ ኣሕመድ ምስጦፋ’ ከምዝኮነት ዝዕለል ደርፊ ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ ከምዝደረፈ ተዘኽሮታቶም ዝዕሉካ ኣለዉ።ዝደርፎ ደርፍታት፡ ኣዚዩ ፍቱው ምንባሩ ይዛረቡ።

ዑስማን ተለቪዝንን ሬድዮን ካብ ጣብያ ቓኘው፡ ብ’ኣመሪካውያን ዝፍነው ዝነበረ ፈነወ፡ ኣብ እንዳ መስፉን በለጠ ‘ወዲ በለጠ’ ቤት ሻሂ ሰላም ናይ እንግሊዝኛ ደርፍታት ካብ ዝሰምዑ ዝነበሩ መንእሰያት ሓደ ምንባሩ መዘናታቱ ይዝኽርዎ እዮም።እዚ ከኣ ገለ ጽዕንቶ ፈጢሩሉ እዩ ዝብሉ ኣለዉ።

ካብ ብጾቱን ተዓዘብቱን ኣድናቆት ዝረኸበ መንእሰይ ዑስማን ፍናን ረኺቡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንቕድሚት ገጹ ገስገሰ።

ኣብ 1964 ብወግዒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ቀዳማይ ኃይለ ስላሴ ትያትር ዝነበረ፡ሕጂ ብሄራዊ ትያትር ጀሚሩ።

ኣብ መድረኽ ንመጀመርታ ዝደየበላን ኣዚያ ህብብትን ደርፉ “ፍቕሪ ዕውር ኣሚነ”፡ ኣብ 1966፡ኣብዚ እዋን እዚ ተለቪዚን ኢትዮጵያ ጀሚሩ ብምንባሩ፡ንፈለማ ግዜ ኣብ መስኮት ተለቪዝን ክቕረጽ ዕድል ረኺቡ።

በዚ ከኣ፡ታሪኻዊ ምግጥጣም ዑስማን ምስ ኢትቪ በሪ ዘርሓወ ፍጻመ ኮይኑ ክምዝገብ ዝከኣለ።

ዑስማን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብሳላ ዘይተሓለለ ጻዕሩ፡ ኣብ ልቢ ሓሽከት ሰማዕቱ ክ’ኣቱ ምስ ጀመረ ፡ኣብ ትግርኛ ሙዚቃ ናቱ ዝኮነ ኣሰር ክሕድር ኽ’ኢሉ’ዩ።

“ፍቕሪ ዕውር ኣሚነ” ትብል ደርፉ ከይደረፋ ዝሓለፈ ስነ ጥበባዊ ዘሎ ኣይመስለኒን።ነዛ ደርፊ እንቢ ዘይብሉ ሰብ ነናቱ ተዘኽሮ ከምዘለዎ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ትሰምዖ ዕላል እዩ።

‘ፍቕሪ ዕውር’ዩ’ ዝብል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ኣስታት 500 ዓመት ዝዝውተር ኣበሃህላ ምዃኑ መዛግብቲ ይሕብሩ እዮም።ኣብ ምድሪ-ሓበሻ ከኣ ትግርኛ ዝሰምዕ ወ ዝዛረብ ዘበለ፡ ነዛ ‘ፍቕሪ ዕውር ኣሚነ’ ከየስተማቐረ ዳርጋ ዘይሓለፈ ኣሎ ምባል የጸግም እዩ።ሓይሊ መልእኽታን ላዛ ድምጻን ምስቑንቛናዊ ትሕዝቶ’ኣን ይበል ዘብል መስሕብ ተዘኽሮ ወርቓዊ ግዜ እያ።

ንስነ ጥበበኛ ዑስማን፡ኣብዚ ወርቓኢ ኢዮቤል፡ እንቛዕ ኣብጸሓኻ ክንብሎ ኣድነቅቲ ስነ ጥበብ ንድረኽ ኢና።እቲ ምንታይ’ሲ፡በዓል ዑስማን 50 ዓመት ንሞያዊ ክብርን ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ዘስተምሃሩ፡መምህራን ስነ ጥበብ እዮም።

ኣብ ታሪኽ ስነ ጥበብ ሓወልትና እዮም።ንሓወልትካን ወርቓዊ ታሪኹን ምክባርን ምሕብሓብን ከኣ፡ ሪም ኩሉ ጉዱስ እዩ።ንሪምና ከኣ ሃየ ንረማረመሉ!

ኣብ 1997፡ ዑስማን ብ’ኣቦ መንበር ኮም ኤርትራውያን ኣብ ጂዳ፡ ኣቶ ሓሰን ዓብዱልቃድር ፍሉይ ሽልማት ተሸሊሙ እዩ።እዚ ሽልማት መምህር ዑስማን ኣብ ስነ ጥበብ ዝገበሮ፡ደርማስ ኣስተዋጽ’ኦ ኣብ ግምት ዘእተወ ምንባሩ፡ብዙሓት ይሰማምዕሉ እዮም።

ዑስማን፡ካብ ሰማዕቱ ብዙሕ ሕቶታት ከምዝህልዎ ተስፋ ይገብር። ንግዚኡ ግን ሓንቲ ሕቶ ኣቶ ንጉሠ ድምጹ፡ ቅድሚ ሕጂ ሓቲቶሞ ዝነብሩ ከነቕርባ፣

“እቲ ኽቡርን ዕዙዝን ወናም ድማጻዊ ተጻዋተይን ደራስን፡መምህር ዑስማን ዓብደርሒም እዚ እዩ።ሓውና ዑስማን ሓንቲ ሕቶ ኣላትኒ…ንሳ ድማ ፡ “ስቅያት ብብርጭቆ ከም ማይ ሰቲየዮ።”  ኢልካ ደሪፍካ ከተብቕዕ… እቲ በርሚል ሙሉእ ንመን ገዲፍካሉ ማለት’ዩ፧”።” ትብል እያ።

እሞ፡ሕቶታት ንዘለኹም ሕቶታትኹም ወስ ኣብሉ እሞ፡ብሓባር ክንሓቶ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ዝብል ሓሳባት ኣለኒ።

ዑስማን፡ቕድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ሓዳሽ ካሴት ‘ኣልቡም’ ኣብ መስርሕ ምድላው ከምዘሎ ኣትንቢሁ ነይሩ እዩ።እቲ ብዓቢ ሃንቐውታ ዝጽበ ኣድናቕን ፈታውን ከኣ፡ ብልዑል ተስፋ ይጽበይ ምህላዉ ሕቶ ኣይድሊዮን እዩ።

ዑስማን፡ ኣብ’ዚ 50 ዓመታት፡ ልዕሊ 100 ደርፍታት ደሪፉ እዩ።እተን 10 ዝኮና ናይ ሰብ ምዃነን ባዕሉ ከይተረፈ ዝእመነለን እዩ።እተን 45-50፡ ዝኮና ኣብ ህዝቢ ኣመና ዝፍለጣ ከምዝኮና ይዝረብ እዩ።”ፍሉጣት እየን ኣብ እዝኒ ሰማዕቲ።” ይብሉ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ’ውን።

ብዙሓት ደቂ ባጽዕ፡ እታ ኣብ 1966 ናብ ህዝቢ ተቓሊሓ።ኣብ 1967 ብሮኬት ባንድ ዝተቐርጸት ህብብቲ ‘ኣብ ከተማ ምጽዋዕ’ ትብል ደርፉ ከም ማዕበል ባሕሪ ንልቦም ትገላብጦ እያ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ዓሚዩቕ ጦብላሕታን ተዘኽሮን ኣብ ደርፍታት ዑስማን ዘለዎ ሰማዒ ቑጽሪ የብሉን ክበሃል ይከኣል።

ኣብ 1974 ወርሒ 12 ዕለተ 27 ንሜዳ ኣብ ዝወጸት ጉጅለ፡ከም ሰቡ እጃሙ ክገብር ንሜዳ ከምዝወጸ፡ ባዕሉ በዓል ሃበባ ድምጻዊ ዑስማን ይዛረበሉ እዩ።

ንዑስማን ዕድመን ጥዕናን እናተመነኩ።ንሎሚ እዛ ሕጽር ዝበለት ጽሕፍቲ ብተብተብ ናባኩም ኣቢለያ ኣለኩ።ኣብ ዝቕጽል ኣስፊሐ ክጽሕፍ ሓሳባት ኣለኒ።ንሕጂ ግን ዝጎደለ ባዕልኩም ምስናይ ተዘኽሮታትኩም ወስኽሉ ክብል ይረድይ።

 ኣብራሃም ብርሃነ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...