እቶም ብረጽሚ ዝተፈልዩ ንረአ።

ሳዳም ሑሰን።

ሳዳም ሑሰን ካብ 16 ሓምለ 1979 ክሳብ ሚያዝያ 2003 ንዒራቕ ብፍርሕን ጭካነን ዝመልኦ ስርዓት ንኣስታት 27 ዓመት ገዚኡ።

ፍሉይ ናይ ህልቀት ኣጽዋር ኣለዎ ተባሂሉ ድሕሪ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምን ድሕሪ ምዝርግሑ ብሓደ ናይ ብዙሓን ሃገራት ሓይሊ ንኢራቕ ድሕሪ ምውራሮም ምስቶም ተቓወምቲ ብብዝሒ ሺዓ ብምትሕብባር ካብ ስልጣኑ ወረደ። ድሕሪ ሳዳም ንባቕዳድ ድሕሪ ምግዳፉ ዝተመሰረተ ግዜያዊ መንግስቲ ዝለኣኽዎምን ኣህጉራዊ ሓይልታትን ድሕሪ ምህዳኑ ኣብ ከባቢ ዝተወለደሉ ትክሪት ከተማ ኣድዋር ዝበሃል ቦታ ብ14.12.2013 “ከም ሓደ ኣንጭዋ” ኣብ ጉድጋድ ተሓቢኡ ድሕሪ ምጽንሑ ናብ ናይ ግዜያዊ መንግስቲ ሓይልታት ተመሓላለፈ ። ተታሒዙ ጥራሕ ዘይኮነስ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት (Crimes against Humanity) ኣብ ኢራቕ ቤ ፍርዲ ቐሪቡ። ዝሕተተሉ ገበን ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝኾነ ሓደ ኢሎም እቲ ኣብ ጁዳይል ዝተባህለ ቦታ ኣስታት 148 ዝኾኑ ኣመንቲ ሺዓ ዜጋታት ዝተቐትሉሉ እዋን ብምዝካር እቲ ቤት ፍርዲ ስርሑ ጀመረ። ኣብዚ ቪድዮ ከምዝረአ፣ ሳዳም እቶም ናቱ ግዳያት ዝኾኑ ዜጋታት ኢራቕ ዘይረኸብዎ ዕድል ረኺቡ ንርእሱ ከድሕን ናይ ፍርዲ ምክልኻል መደረታትን ዘረባታትን ኣብ ቅድሚ ደያኑ ከቕረብ ቦታን ግዜን ተዋሂቡዎ።

ሳዳም ብ6 ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት (ደቅሰብ) ተኸሲሱ። ኣዚኣተን ድማ እዘን ዝስዕባ ነበራ። እታ ቀዳመይቲ እታ ብመጀመርታ ዝተኽከሰሰላን ኣብ ቤት ፍርዲ እውን ንክከላኸል ዕድል ዝተዋህበላ ናይ ድጀል ጉድይ እያ።

ኣብ ዲጂል ብሳዳም ክቐትሉ ዝፈተኑ ሰባት ስለዝነበሩ ማለት ስጉምቲ ዝወሰደሎም ናይ ዳዋ ተኸተልቲ ክቐትልዎ ስለዝፈተኑን ስለዝፈሸሉን እታ ከተማ ብምልእታ ተቐጺዓ። ካብ 140 ንላዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ተወሲዶም ጠፊኦም።  እቶም ዝተረፉ 1500 ዝኾኑ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑትን መንእሰያትን ኣረግቶትን ናብ ዝተሳቕዩሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ተወሲዶም። ድሕሪ ዓመት ማእሰርቲ ናብ ማሕዩር ኣብ ምድረ በዳ ተደርብዮም።

1)     እታ ከተማ ዲጂል ብግረደራት ተደምሲሳ። ናይ ወይንን ካልእ ፍርያት ብሓይልታት ሳዳም በሪሱ። እቶም ተወለድቲ ዲጂል ድማ ኣብቲ ማሕዩር ዝበዝሑ ሞይቶም።

2)    ኣንጻር ኣብ ሰሜን ዝነበሩ ናይ ኩርዲ ተወለድቲ ዝተኻየደ ህልቂት። ነዞም ኩርዲ ንምጥፋእ ሾሞንተ ብመደብ ዝተኻየደ ናይ ሓይልታት ሳዳም ኣንጻር እዚኦም ነበረ። 200,000 ዝኾኑ ወተሃደራት ካብ 13 ክሳብ 70 ዝዕድሚኦም ደቂ ኩርዲ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ኣረገውትን ዝርከብዎም፣ ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ረሾኖም ኣብ ሓዳ ናይ ሓባር መቓብር ቀበርዎም። ።እቶም ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ኣረገውትን ድማ ናብ ኣዝዩ ሕማቕ ናይ መነባብሮ ኩነት ዝነበሮ ዳግማይ ሰፈራ ተወሲዶም። ኣብኡ ድማ ዋላ እቲ ሓደ በጨቕ ዝበለ ተቐተለን ኣብኡ ድማ ኩሎም ሞቱ። እዚኣቶም 182,000 ይኾኑ።

3)    ከሚካል መርዚ ኣንጻር ኩርዲ። ነዚኦም ብ1987 ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኩርዲ ንምጥፋእ ሳዳም ሑሰን ከሚካል መርዚ ኣንጻር እቲ ሕዝቢ ኩርዲ ተጠቒሙ ብቦምብታት ነቲ ሕዝቢ ኣውረደሉ። ኣስታት 5000 ዝኾኑ ደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ተባዕትዮን ቆልዑን ዳርጋ ሽዑ መዓልታት ሞይቶም። እቶም ዝተረፉ 10,000 ዝኾኑ ዕውረት፣ ካንሰር፣ ምስ ወለዲ ዝመጽእ ጉድለታትን ሕማማትን እናኣርእዩ ተሪፎም። እቲ ወዲ ሓውቦኡ ንሳዳም ሑሰን በዚ ኩነት እዚ ከሚካል ዓሊ ተባሂሉ ተጸዊዑ። ንሱ ስለዝነበረ ነዚ ህርመት ዝመርሖ።

4)    ወረራ ኣንጻር ኩወት። ብ1990 ዝተኻየደ ወረራ ብሓይልታት ኣሜርካን ካልኦትን ምስፈሸለ፣ ሓይልታት ሳዳም ነቲ ናይ ዘይቲ መሳርሕቲ ዓዊ ረኩዑሉ። 700 ዝኸውን ናይ ዘይቲ መደበር ነደደ። 10 ሚሎዮን በርሚላት ብምኽፋትን ናብ ባሕሪ ብምስዳድን ንህላወ ሰባትን ባሕርይን ኣብ ሓደጋ ኣውደቕዎ።

5)    ኣብዚ ኩሉ ኩነት ደቂ ሺዓን ሰሜናውያን ኩርዲ ኣንጻር ሳዳም ተላዓሉ። ስለምንታይ ተላዒሎም ብምባል ሓይልታት ሳዳም እዚ ዘይብሃል ናህሪ ኣንጻር እቶም ኣብ ደቡብ ኢራቕ ዝነበሩ ሺዓ ብምስዳድ ኣሽሓት ኣማኢት ቀተሉን ኣሰሩን ኣጥፉኡን።

ነዚ ብ1991 ዝተገብረ ምልዓል ደጊፍኩም ተባሂሎም እቶም ኣብ ደቡብ ኢራቕ ዓዘቕትን ማይን ዝበዝሖ ቦታ (ንኣሽሓት ዓመታት ዝተቐመጡ) ኣዕራብ ድማ ግዳይ ናይዚ ናህሪ ኮይኖም። ናይ ሳዳም ሓይልታት ናይዚኦም ዓድታት ብግረደራት ደምሰስዎ። እዚኣቶም በቲ ኣብ  ማያት ዝርከብ ድልድላትን ካናላትን መከፋፍሊ ማያት ብምስራሕ ንኣማኢት ዓመት ዝነበሮም ናብሪ ጠፍአን በረሰን። እዚ ብኣንፋል ዝፍለጥ መጥቃዕቲ ሳዳም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ ኩርዲ ሃዲሞም፣ ኣስታት 182,00 ዝኾኑ ድማ ተቐቲሎም። እዚ ሓደ ካብቲ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝበሃል ኮነ። 

ናይ ቤት ፍርዲ (ኣብ መንጎኡ ናይ ሳዳም ደገፍቲ ነቶም ጠበቓታትን ፈራዶን ካልኦትን ናይ ምፍርራሕን ምቕታልን ስጉምቲ እናወሰዱ ዝተኻየደ) መስርሕ በቲ ዝተኸሰሶ ናይ ገበን ኣንጻር ደቅሰብ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ ብምሕናቕ ንሞት ተፈርደ። እዚ ድማ ብቀዳም 30 ታሕሳስ 2006 ኣብ ግብሪ ወዓለ። 

ሙዕማር ቓዛፊ።

እዚ እውን ግዜ ኣርኪብዎ ካብቲ ናይ ዝለዓለ ኣስማት ዘለዎ ማዕረጉን ናይ ሊብያ ዲክታተርነት ለገሰ። እቲ ብቱኒስ ዝጀመረ ናይ ዓረብ ምልዓዓል ከይተረፈ ስለዘሰከፎ ኣብ ሓደ እዋን ከምዚ ክብል ተሰሚዑ።

ቓዛፊ ካብ ርእሰ ኸተማኡ ሃዲሙ ናብታ ዝተወለደላ ሲርት ከተማ  ክኸይድ እንከሎ ኣብ መንገዲ፣ እቶም ናይ ግዜያዊ መንግስቲ ሊብያ ሰራዊት ስለዝረከብዎ፣ ኣብቲ ኩነት ብጥይት ተቐቲሉ።

ሕዝቢ ሊብያ እዚ ሰብ እዚ ንኣማኢት ዓመታት ስለዘሰከፎምን ስለዝግዝኦምን ስለዘጋፍዖምን፣ ምስሞተ ምእማን ስለዝሰኣኑ፣ ሬሳኡን ናይቲ ምስኡ ዝሞተ፣ ሓደ ካብ ደቁ ሙታሲም፣ ዝተባህለ ኣብ ሓደ ናይ በረድ ኮንተይነር ጌሮም፣ እቲ ሰብ ብዓይኑ ንኽርእዮ ዕድል ንኽህቡ ተገደዱን ንገለ መዓልታት ድማ ሰባት ካብ ኩሉ ሃገር ብምውሓዝ ነቲ ሬሳ ብምርኣይ ሕዝቢ ሊብያ ኣማን ብኣማን ቓዛፊ ከምዝሞተ ኣመነ። ሓደ ካብኣቶም እዚ ከም ፈርዖን ብግቡእ ንኽቕበር ይክኣል ኔሩ ግን ዝወሰዶ ጠባይን ስጉምትን ኣብዚ ኣብጺሕዎ በለ።

እቲ ጉድ ናይ ቃዛፊ ቅድሚ ሎም እውን ሓደ ሓደ ግዜ እካ ይወጽእ እንተነበረ፣ ምስ ሞቱ፣ ዝገደደ፣ ዘገብሮ ዝነበረ ተግባራትን፣ ንደቂ ኣንስትዮ ምዕማጽን ከም ድላዩን ቃሕታኡን ምውሳድን ከይተረፈ ተቓልዐ። በቲ ኢሉ በቲ፣ ሬሳኡ ከይተረፈ ነቶም ደገፍቱ፣ መስሓቢ ከይኮኖም ተባሂሉ ኣብ ሓደ ዘይፍሉጥ ግን (20 october 2011) ኣብ መውልዲ ዓዱ ተቐብረ።

እቶም ጸቕጢ በዚሕዎም ዝሃደሙ ዲክተተራት።

ናይ ቱኒስ መራሒ።

እቲ ንመላእ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝጸለወ ናዕቢ ቱኒስ፣ እታ ሃገር ኣብ ክተጻወሮ ዘይትኽእል ኩነት ምስበጽሐ፣ እቲ በን ዓሊ ዝበሃል ፕረሰደንት፣ ዝኣክል ሃብቲን ገንዘብን ኣብ ወጻኢ ኣኻዕቢቱ ስለዝነበረ፣ እግረይ ኣውጽኢኒ ኢሉ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ሱዕድያ ሃደመ። እዚ ህድማ እዚ እውን ብሓደ ኣይኮነን መጺኡ። ከምቲ ዝበሃል እታ ንዕኡን ቤተ ሰቡን ዝሓዘት ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ኣውሮጳ ድሕሪ ምዝንባያን፣ ፈረንሳ ንዑቕባ ኣይተሓተትኩን ምባላ እዩ ኣብ ስዑዲ ኣትዩ።

ቱኒስ ብጥሪ 26 ንበን ዓሊን በዓልቲ ቤቱ ለይላ ትሪብሊዚን ካልኦት ቤተ ሰቡን ንኽእሰሩ ንናይ ኣህጉራዊ ናይ ፖሊስ ሓይልታት (ኢንተርፖል) ከምዝሓተት ኣፍለጠት። ቱኒስ ኣንጻር በን ዓሊ ናይ ቕትለት፣ ናይ ድራግ ዕዳጋ ምክፋልን፣ ካልእን ዝኣመሰለ 18 ገበናት ዘርዚራ ከምዘላ ኣፍለጠት።

ናይታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ግዜያዊ ፕረሲደንት ክኸውንን ንቅዋም ከኽብርን ነቶም 10.5 ሚሊዮን ዜጋታት ህድኣት ከስፍን ጻዕሪ ከምዘካይድን ኣፍለጠት።

ናይ ዩጋንዳ ፍሉጥ ክፉእ መራሒ ኢዲ ኣሚን ዳዳ።

“ጀነራል” ኢዲ ኣሚን ብወተሃደራዊ ዕልዋ ብ25 ጥሪ 1971 ስልጣን ሓዘ። ምሩጽ ፕረሲደንት ኦቦተ ናብ ሲንጋፖር ምብጻሕ ስለዝነበረ ኣብ ወጻኢ ተረፈን ምቕማጡ ድማ ኣብ ታንዛንያ ገበረ።

ኢዲ ኣሚን ስልጣን ምስሓዘ ፕረሲደንትን ካልእ ሽመትን ይግበኣኒ እዩ ምባል ከይኣኽሎ ናይ ሾመንተ ዓመት ናይ ግፍዕን ፍርሕን ራዕድን ቅትለትን እዋን ንዩጋንዳውያን ኣውረደሎም። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣስታት 300,000 ዝኾኑ ዜጋታት ተቐትሉ።  እቶም ንምሩጽ ፕረሲደንት ነበር ኦቦተ ደገፍቲ እዮም ዝበሎም ናይ ኣቾሊን ላንጎን ተወለድቲ ክርስትያን ብሔራት ድማ ብፍላይ ብኣማኢት እናእከበ ቀተሎም።

ነቶም ካልኦት ዜጋታት ዩጋንዳ ድማ ንኹሎም ነቲ ስርዓት ዝቃወሙ ዘጥፍእ ናይ ጸጥታውን ስለያውን መሓውራት ብምዝርጋሕ ኣብ ራዕድን ፍርሕን ከምዝነብሩን ገለ እተተጠርጢሮም ድማ ከምዝጠፍኡ ገበረ።  


http://www.history.com/topics/idi-Amin
 

ሓደ ካብቲ ብዙሓት ዲክተተራት ዝጥቀሙሉ ናይ “ወጻእተኛታትን” ፍሉይ ዝበሉ ሰባት ምኽንያት ጌርካ ግዜ ምግዛእን ነቲ ሃገር ብስሚዕት ብምህውታት ነቶም ኣብ ቁጠባ ዩጋንዳ ዓቢ ተራ ዝጻወቱ ዝነበሩ 50,000 ኣስያውያን ሰጎጎም። ንሳቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ካልእ ሃገራትን ዑቕባ ረኸቡ። ንሕዝቢ ዩጋንዳ ግን እዚ ኣብ መፈለምታ ስልጣኑ ማለት ብ1972 ዝተገብረ መጀመርታ ድኣ እምበር መወዳእታ ግብሪ ኢዲ ኣሚን ኣይነበረን።

ኢዲ ኣሚን ብድሕሪ ንሂትለር ዝንእድ ተለግራም ንኩርት ቫልድሃይም ኣውስትሪያዊ ሓላፊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፈ ድሕሪ ምስዳዱ ኣሜሪካ ንዩጋንዳ ክትህቦ ዝመደበት 3 $ ሚልዮን ልቓሕ ደው ኣበለቶ። ብድሕሪ እዚ ንፕረሲደንት ኣቦተ ዝድግፉ ሰራዊት ካብ ታንዛንያ ንዩጋንዳ ወረርዋ። ኣብ ዝቐጸለ ረጽሚ ኢዲ ኣሚን ንዓድታት ታንዛንያ ብኣየር ደብደበን። እቲ ወረራ ኣይሰለጠን። መሊሱ ካብ ሰራዊት ዕልዋ ተፈቲኑ ብምባል 50 ዝኣኽሉ ሓለፍቲ ተቐትሉ።

ፍሉይ ዝበለ ብድሕሪ እዚ ኢዲ ኣሚን ንዜጋታት ዩጋንዳ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ምቕታልን፣ ምስቓይን፣ ምጥፋእን ተተሓሓዞ። ብ19 የካቲት 1977 ንክቡር ብጹእ ጳጳስ ናይ ከኒሻ ቤተ ክርስትያን ዩጋንዳን, ሩዋንዳን, ቡሩንዲን ቦጋ ዛይርን ዝነበሩ ጃናኒ ሉዉም ተቐትሉ። ኣብ መኪና ሓደጋ እዮም ሞይቶም እካ እንተተባህለ ብድሕሪኡ ዝወጸ መረጋገጺ ብትእዛዝ ኢዲ ኣሚን ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ።

ብሓጺሩ መውደቒ ኢዲ ኣሚን ንታንዛንያ ክወርር ምብጋሱ እዩ። እዚ ድማ ብምትሕግጋዝ ናይ ሊብያ ሓይልታት ነታ ናይ ታንዛንያ ሰሜናዊት ዞባ ካገራ እትበሃል ክሕዛ ሰራዊት ሰደደ። በዚ ምኽንያት ብዝተበገሰ ኩናት፣ ኣብ ስደት ዝነበሩ ደቂ ዩጋንዳ ብምትሕብባር ናይ ታንዛንያ ሰራዊት ንርእሰ ከተማ ካምፓላ ብ1979 ሓዝዋ። ቅድሚ ምርጫ ድማ እቲ ነዚ ዝመርሕ ዝነበረ ዩሱፉ ኪሮንደ ሉለ ፕረሲደንት ኮነ።

ኢዲ ኣሚን ካብዚ ንስዑድያ ሃዲሙ ኣብኡ ንኣስታት 23 ዓመት ድሕሪ ምቕማጡ ብሰላም ኣብኡ ሞይቱ ኣብኡ ድማ ተቐቢሩ።

እዚኣቶም ኣርባዕተ ዲክተተራት ጥራሕ ኣብ ሃሃገሮም ናይ ኣሽሓት ኣማኢት ደቂ ሰብ ጥፍኣት ተሓተትቲ እዮም። ንዖዖም ብመጀመርያ ዝሓቶም ድማ እቲ ዝጠፍአ ዜጋ እዩ።

ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት እንታይ ኢዩ? ንኢሳያስን ተኸተልቱን ብኸመይ ይምልከት።

ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኣብ ሕጋዊ ድሕረ ባይታን ናይ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዘስዓቦ ህልቂት ዘስዓበ ክስተት እዚ ብኸምዚ ይትንትንዎ።

Crimes against humanity are certain acts which are committed as part of a widespread or systematic attack directed against any civilian population. The first prosecution for crimes against humanity took place at the Nuremberg Trials. Crimes against humanity have since been prosecuted by other international courts - such as the International Criminal Tribunal for the former Yugoslavia and the International Criminal Court, as well as in domestic prosecutions. The law of crimes against humanity has primarily developed through the evolution of customary international law. Unlike war crimes and genocide, crimes against humanity are not codified in an international convention, although there is currently an international effort to establish such a treaty, led by the Crimes Against Humanity Initiative.

Unlike war crimes, crimes against humanity can be committed during peace or war.[1] They are not isolated or sporadic events, but are part either of a government policy (although the perpetrators need not identify themselves with this policy) or of a wide practice of atrocities tolerated or condoned by a government or a de facto authority. Murder; massacres; dehumanization; extermination; human experimentation; extrajudicial punishments; death squads; military use of children; kidnappings; unjust imprisonment; slavery; cannibalism, torture; rape; political, racial, or religious persecution; and other inhumane acts may reach the threshold of crimes against humanity if they are part of a widespread or systematic practice. 

እዚ ነፍስ ወከፍ ኣንባቢ ባዕሉ ንዘደልይዎ ሰማዕትን ተገድስትን ሰባት ክትርጉመሎም ይኽእል እዩ። እዚ እዩ ግን ቃል ብቓሉ።

https://en.wikipedia.org/wiki/Crimes_against_humanity

እዚ ገበናት እዚ ብግዜ ስላምን ብግዜ ኩናትን ክኸውን ይኽእል ስለዝኾነ ንናይ ኤርትራ ስርዓት ይምልከት። እዚ ብተመልከተለይ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ጥራሕ ዘይኮነ ብሓሶትን ብስላያን ከካብ ገዝኡን ስርሑን ሳዋን ዝሽረብ ዘሎ ዜጋ ኣሎ። እቲ ኣብ ምስጢራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሓቕቅን ዝጠፍእን ዝስንክልን ዘሎ ዜጋ ኣዲኡ ትቑጸሮ ኣብዚ ገበን ግን ይኣቱ ኢዩ። ዋላ ሓደ ምስክር እንተዘይተረኸበ ኣብ ሰደት ዘሎ 500 ዝኸውን ዜጋ ቃሉ ሂቡ ኣሎ። እቶም ኣብ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ምካኖም ዝረስዑ ኢሳያስን ተኸተልቱን ድማ ብሳተላይት ኩሉ ስርሖምን ኣብያተ ማእሰርቶም ከምዝተቓልዐ ክሓብኡ ይፍትኑ ግንከ እዚ ካብ 350 ንላዕሊ ኣብያተ ማእሰርቲ ብሰማይ ተሳኢሉ ተቓሊዑ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደን ዝወርድን ዘሎን ግህሰትን ዓመጽን ድማ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ኢዩ። እተን መጻወቲ ሓልፍቲ ካብዝኾና ዓማውቲ ዝሓልፈን ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ስርዓት ሓደ እካ ብዛዕባአን ተዛሪቡ ኣይፈልጥን። እካ ድኣ ኣብ ቪድዮ ቃለ መሕትት ባዕሉ ኢስያስ ንሳዋን ኣብኡ ዝርከብ ጥንስን ምስተሓተተ፤ “ናተይ ጥፍኣት ኣይኮነን እንድሕር 200 ሰዲደ እሞ 2000 ኮይኖም መጺኦም” ክብል ተዛሪቡ። ስለምንታይ ነተን ደቂ መታሕት ናብ ሳዋ ከመተን ብጾተን ደቂ ከበሳ ዘይከዳ ምስበልዎ ድማ (እቶም ደቂ መታሕት ደቂ ኣንስትዮና ናብ ውትህድርና ሳዋ ኣይከዳን ኢሎም ሰይፎም ምስኣልዓሉ) “ግደፍወን ድሓን ደይ ክወለዳልና ጥራሕ ኢና ንደሊ” ብምባል እቲ ጉዳይ ዓጽይዎ። ስለዝኾነ ድማ ሎሚ ክሳብ ናይ 28 ናይ 29 ናይ 30 እናተባህለ ጊልያነት ሳዋ ተወሊዶም ጥራሕ ዘይኮነ በብግዜኡ ነዚ ኣገልግሎት ክትክኡ ንርኢ ኣለና።

ብሃይማኖት ዝመጽአ ድማ ኣብ ከረንን ከባቢኡን ካልእ ናይ መታሕት ቦታታት ኣንጻር ኣኽረርቲ እስላም እናበለ እቲ ስርዓት ዘጥፎኦም ምህራትን መማህራንን ካልኦትን ተሰኒዱ እዩ። ንብሔረ ኩናማ ብፍላይ ድማ ዝገበሮ ገበን ባዕሎም ኩናም ይመስክሩ ኣለዉ። ስለዚ ናይ ከሚካል መርዚ ዘይኮነዝ እዚ ስርዓት ብመራሒኡ ኢስያስ ኣፈወርቂ ንኣብርሃም ተወልደ ብመርዚ ካብዝቐትል ኣትሒዙ ብቐጻሊ ዝጥቀመሉ ኣግባብ ከምዝኾነ ናይ ነዊሕ እዋን ዝተሰነደ ታሪኽ እዩ። ሕጂ ኣብዚ ምግላጽ ኣየድልን። ደገፍቲ ህግደፍ ግን ብመራሒኦም ተኣዚዞም ኮረንቲ ጨቢጦም ኣብ ኢንተርነት ጫው ጫው እንተበሉ ናይ ገበን መስርሕን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣግባብ ግን እታ ዓመት እውን ሕጂ ሕጂ ክትበጽሕ ምኻና ይፈልጡ እዮም። ምኽንያቱ ሕዝቢ ኤርትራ በይኑ ኣይኮነን። ኣካል ናይታ ብሕግን ስነስርዓትን ክኸይድ እየ እትብል ዘላ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ዓለም ስለዝኾነን ከም ካልኦት ሃገራት ድማ ኣብ ሰላምን ርትዕን ሕግን ስነ ስርዓትን ዘለዎ ኣገባብ ናይ ምንባር መሰሉ ድማ ብዓለም ደረጃ ሕልዉ ስለዝኾነ። ነዚ ድማ ማንም ሰብ ፍጡር ኣብ ዓለም ክኸልኦ ኣይክእልን እዩ።

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...