ካበ’ዲስ ኣበባ ክሳብ ጀነቫ ዝምጠጥ ዛዕባ!

    ብዕንወት ናይ ውግእ ዝሰክሓ ናይ ዓለም ሃገራት’ሲ፡ ኮንዶኾን ይዳንየና’ኸውን ኢለን ንዝሓንጸጽኦ ደንቢ ዘማዕዱ ማሕበር መስሪተን ክሳብ ቀረባ እዋን’የን ብተስፋ ክጠማመታ ጸኒሐን።

 “The UN is our conscience. If it succeeds, it is our success; if it fails it is our failure.” British sculptress Barbara Hepworth. (3, 151)

  ኣብ ሎሚ በጺሑ ግን ዕድመ ንበዓል ፕረሲደንት ፑቲንን ሓዋርያቶምን፡ ማሕበር ሃገራት ዓለም ንፋስ ከምዝኣተዎ ዳርጋ ተጋሂዱ’ዩ።  ማለት’ሲ እቲ ሕብረት (UN)ንንግዲ፡ ንክላይመት፡ ንፖለቲካ፡ ይኹን ንምጥራር ዶባት፡ ዘድምዕ ተግባር ካብ ዘየመዝግብ ውሑድ ዓመታት ኣይተቖጽረን ክሳብ ምባል ይድፈራ’ሎ። ዝገደደ ድማ ምንቅስቓስ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ብግብሪ ከምዝምስክሮ፡

“The trend has now reached a point where instead of a global order we have to speak of global disorder.” (2, 4)

ዝብሉ ሊቃውንቲ’ውና’ለዉ። 

    “ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ሩስያ ንክረምያ ካብ ዩክረይን ቅንጥብ ኣቢላ ምስመንጠለታ ዝተጋህደ ተርእዮ ከምዝምስክሮ ድማ፡ ኣመሪካን ናይ አውሮጳ ሕብረትን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ እንክእውጁ፡ ቱርኪ ከምኡ’ውን እተን ኣብ ዓለም ዝዓበያ ደሞክራስያውያን ዝበሃላ 3 ሃገራት፡ ብራዚል፡ ህንዲ፡ ኢንዶነዥያ ኣብ’ቲ እገዳ ምሳኹም የለናን ብምባል ብማዕዶ ክዕዘባ እንክውስና፡ ቻይና ድማ ንምቕንጣብ ናይ ክረምያ፡ ባህርያዊ ምምእዝዛይ ናይ ዶባት’ምበር ምግሃስ ደንቢ ናይ ማሕበር ሃገራት ዓለም ኣይመስልን’ዩ እዚ ስጉምቲ ብምባል ብጎቦ ዓይና ከተማዕዱ መሪጻ’ላ። (China preferred to see Russia’s annexation of Cremia as a natural adjustment of borders rather than a challenge to international order.) (7, 49)

   ኣየውርድ ደኣ’ምበር፡ ምናልባት ኣመሪካን ቻይናን ኣበ’ረኣእያ መጻኢ ዕድል ዘለወን ፍልልይ ብልዝብ ከጽብባኦ እንተዘይክኢለን፡ እሞ በን’ጻሩ ሩስያን ቻይናን እንተ’ሻርየን ከኣ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዘይተርፍ’ዩ ዝብል ፍርሓት’ውን ናይ ውሑዳት ኣይኮነን። ይኽደነና!!

 እቲ ዝገርም ማሕበር ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ካልእ ክፋል ናይ ዓለምና ኣብነት ዝኾኖ ዕዮ-ምስክር ኣብ’ዛ ንእሽቶ ኤርትራ ሃሰስ ምባሉ’ዩ!

“The United Nations Resolution on the future of Eritrea constitutes one of the most outstanding and constructive experimets which the United Nations has undertaken throughout the world.”  UN Cmmisioner Eduardo Anze Matienzo, Otober 1951. (3, 151)

   ይኹን ደኣ’ምበር ውጽኢት ናይ’ቲ experiment ንምርታዕ ከይተዓደለ ሰንከልከል ክብል ኣብ ምጅማሩ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን፡ ደሃይ ናይ’ቲ experiment እንተስ ንምሕታት እንተስ ንምቅላሕ ካበ’ዲስ ኣበባ ክሳብ  ጀነቫ ክሳጉሙ’ዮም ቀንዮም። እቲ ፍጻሜ ብንጹር ኣብ ወጻኢ ብፍላይ ኣብ አውሮጳ ፋሕ ብትን ኢሉ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ከምዝበዝሕ ዝእምፍት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምስክር’ዩ ዝመስል ኔሩ። ….. ኣኻኽቦ’ፍጠረልና።

  ምናልባት ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ልቡ ተመሊሱ ከም በዓል ኣየርላንድ “.. ሚኒስተር ናይ ዳያስፖራ..”(5, 49) ዝኽፈተሉ መድረኽ ምእንቲ ከጣጥሕ ንምብርባሩ ጸቕጢ ይገበረሉ ዝብል ጻዕሪ ክጅመር እንተኾይኑ ድማ ንእዋን ዝግደፍ’ዩ። እንተ ማሕበር ሕቡራት ሃገራት ዓለም ግን እዛ ዓለም ዕዳጋ ብdisorder ተዘጊሓ ስለዘላ፡ ንጥርዓንኩም ኣብ መዝገብ ናይ’ቲ disorder ሪጋ ኣትሒዝናዮ’ለና፡ ምናልባት ካብ ስራሕ እንተዘይተጸልጺልና ድማ ውጽኢቱ ቀስ ኢልና ከነፍልጠኩም ተስፋ’ለና፡ ንምባል ዘኽእሎ ትንፋስ ይፍጠረሉ።

    ዝኾነ ኾይኑ ማሕበር ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ወርቃዊ እዋኑ፡ ላቦራቶሪ ናይ’ቲ experiment ከጣጥሕ ናበ’ስመራ ክንደይ ዘብዘብ ኣሕሊፉስ፡ ሕጂ ድማ ከም ብዕራይ ግንቦተ-ሰነ፡ ዓቐበት ምድያብስ ይትረፍ ቁልቁለት ም’ራድ እናሰኣነ፡ ኣብ ገበልኡ ብባንዴራ ዝተሸለመ ክልተ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራውነት ድምጹ ከቃልሕ ዝተዓዘበሉ ታሪኽ መዝጊቡ’ሎ። ከም ርኢቶይ ኣቐራርባ ናይ ክልቲኡ ሸነኽ መዳሕንቱ ብዝደንጎዮ ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል ዝተወጽዐ ክሳብ ዝመስል እቲ ዝደመቐ ድምጺ ናይ ጻዕሩ፡ ኣብ ጉዳይ’ታ experiment ብፍላይ ብዛዕባ ቅዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ብዘለዎ ፍልልይ ዝፈኻኸር ዝመስል’ዩ ኔሩ። 

     ምክኤላ ሮንግ “ንኣኺ’ለ’ይገበርኩዎን ኣንቲ ባርያ” ኣብ ዝብል መጽሓፋ፡ ኲባን ኤርትራን ኣነጻጺራ ከምዝበለቶ “ኩነታት ናይ ኤርትራ ብዓይነይ ክሳብ ዝርኢ፡ ከም ኲባ ምስ መበቆል ታሪኻ (foundation history) ጥልፍልፍ ዝበለት ሃገር ትርከብ ኣይመስለንን ኔሩ። ይኹን ደኣ’ምበር ኣብ 1996 ብዛዕባ ሓፈሻዊ ህሉው ኩነታት ናይ’ታ ሃገር ከጽንዕ ብፋይናንሽያል ታይምስ ናብ ኤርትራ ምስተለኣኽኩ፡ ንምእማኑ ክሳብ ዝኸብደኒ፡ ጽልዋ ናይ ምግዳል ናብ ኣተሓሳስባን ቋንቋን ኤርትራውነት ከምዝሰረጸ ተዓዚበ። (3, 10)

ስለ’ዚ ተጋደልቲ ኣሕዋትና ብንግህኡ፡ ሜዳ ኤርትራ ክንዲ ኢሳያስ ዝምዘን መራሒ ኣይመልመለን፡ ክብሉ ልቢ ሰብ ከምዘይሰለቡ ሕጂ’ድማ ነቲ ጸገም ናይ’ታ experiment ብዓቢኡ’ሲ፡ ብዓይኒ ፕረሲደንት ኢሳያስ ጥራይ ንኽረአ መሪሕ ተራ ሒዞም፡ ክሳድ ናይ እዋን  ምጉዕጻጾም ኣዝዩ ዝገርም’ዩ። ምናልባት እሞ እንታ’እኻ ክትብል ደሊኻ ዝበሃል እንተኾይኑ ድማ፡

   ሀ)  መሰማዕታ

    ተመኩሮ መለበምታ ዝኸውን እንተኾይኑ’ሲ፡ ኣብ ላዕለዋይ ጥርዚ ቅዲ’መራርሓ ናይ ገድሊ … ምህሮን ኣእምሮን፡ ንቡርን መናበርን ብዝነጽግ (bullying) “ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን” ዝተዳህለ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል (obedience to authority) ክሳብ ሓንጎል ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ዘሳፍሕ ሰራውር ከምዝነበሮ ዝሕብር መሰማዕታ ብመርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ኣቢሉ ናብ ደቂ እዋን ብጋህዲ ካብ ዝቐርብ ደጊም’ሲ ኣዋርሕ ተፈቒዱ’ሎ።

ሁ) መመኽነይታ

 ቤት ትምህርቲ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፍትን ብዝዘርኦ ቡቕሊ ናይ ሓሳባት፡ ኣብ ኤርትራ ዝሳዕረረ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ምስ ጠለባት ናይ እዋን፡ ምስ ሕግታት ናይ ዓለም፡ ምስ ጎረባብቱ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ምስ ህዝቢ ኤርትራ እሂን-ምሂን ምብህሃል ኣጊሙዎ፡ ዓድን ዓውድን ለኻኺሙ ንዝዓርብ ዘሎ ምንቅስቓስ እንክመዝኑ፡ ምስ ምብራዕ ኲናት ናይ ባድመ፡ ነብሱ ይምሓር ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝበሎ ዘረባ “ናይ ነዊሕ ግዜ መጋድትልና ስለዝኾኑ ንፈልጦም ኢና፡ ካብ ጌግኦም ናይ ምእራም ብቕዓት የብሎምን’ሞ፡ ሕጂ’ውን ካብ ጌግኦም ኣይክእረሙን’ዮም ..” ዝብል ታርኻዊ ትዕዝብቲ ንምድጋም ክሳብ ዝመስል፡ ደቀ’ሺ “No part of the culture admits mistake.”  ዝብል ምኽንያት የንጽፍሉ ኣመሪካዊ ናይ ቀረባ ተዓዛቢ ናይ ምግዳል ዳን ኮነል።

ሂ)  መጠንቀቕታ

ነዊሕ ከይሰጎመ ናብ ዕጹው ማዕጾ ዝሉኮት (dead end) ናይ ታሪኽ ዓይነት ስለዘይሰኣን’ሲ፡ ነቲ ብጣቕዒትን ከበሮን ናይ ቤት ትምህርቲ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ዝጎርነወ ኣእዛን እዚ ዝስዕብ ወስ እንተ’በልናሉ ዝብሎ’ብሉን ንምባል ክሳብ ዝመስል፡ “እንተ መጺኡ ለውጢ ብኢትዮጵያ’ዩ ዝመጽእ፡ ኣነ ግን ኢትዮጵያ ለውጢ ከምጽኡልና ኣይኣምንን’የ። ኣይደልን ከኣ’የ።”

ይብሉ ዶክተር ምስግና ገብረመድህን። እሞ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ እና’ተቐመጡ። እዚ መሰረት ዘይብሉ ፍርሓት’ዚ “ዘቦ እዝን ሰሚዓ ለይስማዕ” ይብል መጽሓፍ ኢልካ ዝሕለፍ’ዩ ክበሃል እንተዘይኮይኑ፡ ንለውጥን ዕርቅን ዘርብሕ ትምህርቲ የብሉን። ዶክቶር እቲ ጸገም ብዓቢኡ ንትምህርቲ ኣስፊሎም ከብቅዑ፡ ኣከለጉዛይ ሓማሴን ሰራየ ናብ ዝብል ፍልልይ ቀኒኖም ሕማምን መድሓኒትን ከተኣሳስሩ ትኒዕ ምባሎም’ውን ዝገርም’ዩ። ዝኾነ ኾይኑ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝተጸገመ ሰብ፡ ናይ ጎረቤቱ ደገፍ ዝሕሰም፡ ኣብ ደምብኡ ካልእ ኣማራጺ ዝረኣዮ እንተኾይኑ ጥራይ ይመስለኒ።

   ብዙሕ ኮለል ከየተባህለ ግን እቲ ጸገም ዝተፈጥረ፡ ዘሎ፡ ንጽባሕ’ውን ዝህሉ፡ ሓማሴን ሰራየ ኣከለጉዛይ ኣብ ዝጥርር ናይ ከበሳ ምትፍናን ዘይኮነ ኣብ’ቲ ቃልሲ ዝተኻየደሉ ሕቶ ማለት ኣበ’ተኣላልያ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን’ዩ። ኣብ’ዛ ዛዕባ’ዚኣ ድማ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ ብሕመቕ መራሕቱን መማህራኑን ተገዲዑ ናይ ኢዱ ከይረኸበ፡ ፈቐዶ ሲናይን ሊብያን መስሓቕ ሸራፍት ኮይኑ ዘሎ።

  እንተ’ዚ ሓማሴን ሰራየ ኣከለጉዛይ ዝብል ጓል መንገዲ፡ ኣብ ታሪኻዊ ኣመዓብብላ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ዘመን’ቶም ዓበይቲ ስም ዘለዎም ኣቶ ተድላ ባይሩ፡ ኣቶ ኣብርሃ ተሰማ፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝተዘርአ’ዩ። ብርግጽ ዝነኣድ መልክዕ የብሉን። ሓቂ ንምዝራብ ግን ኣብ መስርሕ ምግዳል ይኹን፡ ኣበ’ተዓዳድላ ስልጣንን ስራሕን ናይ ሻዕብያ ርኡይ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። ዘሕንኽ እንተዘይኮይኑ ዝሕባእ ምስጢር ዘይብሉ። እዛ ሂወትና ባዕላ ምስክርዶ’ይኮነትን። ሕጂ ከም ሓደ ፍልይ ዝበለ ኣሻጥር ናይ ቅዲ-መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ወይ ድማ ኣሻጥር ናይ ህግደፍ ኣምሲልካ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ምግናኑ ዘሕምቖ’ለኒ በትረይ ሃቡኒ ንምባል እንተዘይኮይኑ ረብሓ’ብሉን።

ሃ) መመረቕታ፡

 ቤት ትምህርቲ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ዝዘርኦ ጽልእን ህልኽን ኣንጻር ኢትዮጵያ መሰረት ዝገብር ብላይ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራውነት ንምቕጻል ገለገለ ካብ’ቶም ናይ መወዳእታ ምሩቓት ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ሊቃውንቲ፡ እንተ ብዛዕባ ኤርትራ ግን ተጋደልቲ ዘምስሎም፡ ናይ ዘመን እን-እኒ ዕዮ-ምስክር ሒዞም ንድሕሪት ይጥምቱ ከምዘለዉ ንምምስካር፡ ፊልሞን ዘርኣይ ኣብ The Stream (ኣልጀዚራ)  “Eritrea is a developing nation …. we have a neighbor that is bullying us… there is no forced labor.” ይብል።   እዝግዮ መሓረና!

ሄ) መኣረምታ፡

ቤት ትምህርቲ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ዝዕጸወሉ መዓልቲ ይቀራረብ ስለዘሎ ናብ ዓወትን ናብ ናጽነትን ዘብጽሓና መወዳድርቲ ዘይርከቦ ቅዲ’መራርሓ ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኢዩ ዝብል ዝነበረ ዕዮ-ምስክር ናይ ተጋደልቲ መኣረምታ ተረኺቡሉ’ሎ። ንሱ ድማ ሎምን ትማልን ዘጋገየናን ዘጥፍኣናን ቀደም ርእሰ-መማህራን ናይ ምግዳል ዝነበረ ባዕሉ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኢዩ፡ ዝዓይነቱ ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል ማ’ጨሎት ይደሊ’ሎ።

ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ!

  ብኻልእ ኣበሃህላ ኢሳያስ ማለት ሻዕባያ ማለት’ዩ፡ ሻዕብያ ማለት ድማ ኤርትራ ማለት’ዩ፡ ስለዝነበረ ዓይነት ናይ ትምህርትና፡ ክሳብ ሕጂ ከም’ታ ቐደም ኩላትና ንግሆ ንግሆ ንዝምራ ዝነበርና “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ይብሉ’ለዉ ምስ እዋን ክጎዓዙ ዝሓንገዱ ብጾትና። ስለ’ዚ ትጉሽተትና!  ርብዒ ዘመን ምስ ናጽነት ርኢኹሞ’ለኹም’ሞ ዓቕምና፡ ንኢሳያስ ንሻዕባያ ንኤርትራ ፈላሊኻ ንምርኣይ፡ ምስ እዋን ምብልሓት ናብ ደቂ-እዋን ከነመሓላልፎ ዝግብኣና ዝነበረ ዕለት ርብዒ ዘመን ኣሓሊፉ’ሎ’ሞ፡ ይኣክል ጣቕዒት፡ ይኣክል ዘብዘብ  ደድሕሪ ዋርሳይ ይከኣሎ።

ሆ) ሓበሬታ፡

ሽሕ’ኳ ጠበንጅኡ ናብ ቆጣቑጢ ጨዓን ሰራውን ወቲፉ ዓዱ ዝሓድግ ወተሃደርን፡ መንገዲ ስደት ብሲናይን ብመዲተራንያን ባሕርን ንምስንጣቕ ኣሽሓት ዶላራት ዝኸፍል ዓቕም-ሰብን ኣብ ቀረባ እንተዘይሰኣነት ሓዳስ ኤርትራ፡ ንቕዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስን ህግደፍን ንምግልባጥ፡ ከም’ቲ ኣብ ላይበርያ ሶማልያ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝተራእየ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ሞያ ብመሃያ ካብ ናይ ብሕቲ ኩባንያ፡ ከመ’ማራጺ መንገዲ መስተርሆት ክኸውን ስለዘይክእል፡******* ናየ’ተሓሳስባ ለውጢ የድሊ’ሎ ኣብ ኤርትራ።

   ስለ’ዚ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብእመት ድዩ ብመጽዓን ዝእመት ዝብል ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ሓዲሽ ሓሳባት ይደሊ’ሎ፡ ንምባል’ዩ ጻዕረይ’ሞ፡ ቅድሚ ኹሉ ግን ንእሽቶ መዘኻኸሪ ነ’ረኣእያ መጻኢ ዕድል ከም ናይ መንእሰይ ፊልሞን ዘርኣይ። ይጠፍኦም’ዩ ማለተይ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ምናልባት ምድጋሙ ንእዋን ዘርብሕ ኩርናዕ ክህልዎ ተስፋ ብምግባር’የ ኩሉ ሰብ ዘይስሕቶ ኣበሃህላ ክደግም ዝደፍር ዘለኹ።

   እወ፡ ንዱባይ - ዱባይ፡ ንሆንግ ኮንግ - ሆንግ ኮንግ፡ ንሲንጋፖር - ሲንጋፖር ከምስሎም ዝኸኣለ ጥበብ፡ ኣብ ጥቕኦም  ንዝርከብ ገዚፍ ሓይሊ ከም መነባብርቶም’ምበር ከም መቓርድቶም ወይ ድማ ከም መጻብእቶም ክርእይዎ ስለዘይመረጹ፡ ካብ’ቲ ዘየርብሕ ናይ ህልኽ ዕጹው-ማዕጾ ወጺኦም ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ናይ ምንብባር ብቕዓት ስለዘማዕበሉ’ዩ። ኣብ ኤርትራ በጺሑ እዚ ስጉምቲ’ዚ ፖለቲካዊ’ዩ፡ ወይ ድማ ስራሕ መንግስቲ’ዩ ተባሂሉ ክምኽነየሉ ድዩ ዝድለ ዘሎ?

    ዝኾነ ኾይኑ ከመ’መሃህራ ቤት ትምህርቲ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ኢትዮጵያ ማለት መጻብእቲ ናይ ኤርትራ’ያ ክበሃል’ኳ ግዜን መዋእልን እንተ’ሕረረ፡ እቲ ኣረኣእያ’ቲ ምስ ናጽነት ናይ ኤርትራ እዋኑ ሓሊፉ’ዩ’ሞ ካብ’ታ ናይ ህልኽ በዓቲ’ቲኣ ዘውጽእ ኣተሓሳስባ ንምምዕባል ክሳብ ምግልባጥ ቕዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ይጽንሓለይ ዝበሃል ኣይኮነን። 

    ብኻልእ ኣበሃህላ ሕጂ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ንድሕሪት ናብ ሰልሚ ናይ’ቲ ብላይ ህልኽ’ቲ ዘጥሕል ምኽንያት የለን። እዛ ዓለም ዕዳጋ ናይ ለውጢ መደርኽ ስለዝኾነት፡ ብዓይኒ ናጽነት ሓዳስ ኤርትራና ኢትዮጵያ ከም ዓባይ ትዕድልቲ ናይ ኤርትራ ንምቕባላ ንደቂ እዋን ዝምልከት ዕዮ ገዛ’ምበር ናይ ይከኣሎን ዋርሳይን ዘይተወድአ ዕማም መኣስ ኮይኑ።

    ብሓጺሩ ኣብ ካናዳን ኣመሪካን ዘሎ ምዕባለስ ይጽናሕ ደሓን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሓንን ዘሎ ምዕባለ ጥራይ’ኳ ካብ’ዚ ዕሙት ኣረኣእያ’ዚ ዝገላግል ቀሊል ኣርኣያ መኣስ ኮይኑ።  እሞ እዚ ቅዱስ ቅንኣት’ዚዶ’ይኮነን ንደቂ እዋን ድቃስ ክኸልእ ዝግብኦ ዝነበረ።

 ስለ’ዚ፡ ኣብ ከባቢ’ዛ ብድኽነት ትድቆስ ዘላ ሓዳስ ኤርትራ ብፍላይ ካብ ደቂ እዋን ኣበርክቶ ናይ ሓዲሽ ሓሳባት ዝጽበ ናይ ፖለቲካ ናይ አኮኖሚ ምናልባት’ውን ናይ ጀኦግራፊ ዓቢ ለውጢ ይምዝገባ’ሎ’ሞ ሃየ ደኣ ሓደራ ምስ ጠለባት ናይ እዋን ምትዕጽጻፍ የድሊ’ሎ እንክበሃል፡ እዋኑ ዝበልዐ ናይ ባንዴራን ጥረራን ፈኸራ ኣይኮነን መልሱ።

    ብፍላይ ሎሚ ክንደይ በላሕትን ለባማትን ዓበይትን ናእሽቱን ኤርትራውያን፡ መሬት ብገፊሑ ጸቢብዎም፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድረበዳን ክጠፍኡ እናረአኻን እናሰማዕካን (Eritrea is a developing nation …. We have a neighbor that is bullying us… there is no forced labor.) ዝዓይነቱ ኣረጊት ኣበሃህላ ምድጋም ማለት፡ ጸወታ ኣብ ዘይብሉ ስታድየም ቲፎዞ ኾንካ ምጥቓዕ’ዩ ዝመስል።

  ምኽንያቱ ሎሚ ምስ’ዚ ኹሉ ህልቂትን ጥፍኣትን፡ ስደትን ብርሰትን ናይ ኤርትራውነት፡ ካብ’ቲ ናይ ኣልጀሪስ ውዕል፡ ወይ ድማ ካብ’ቲ ኣብ ኦጋዱጉ ብሳልሳይ ኣካል ኣቢሉ ዝተኻየደ ዘተ፡ ምናልባት’ውን ካብ’ቲ ናይ ዘ-ሀግ ፍርዲ ዝተጻሕፎ ወረቓቕቲ መስተርሆት ዝረኣዮ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። “ላም’ሲ ብኢዳ ንዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” ዝዓይነቱ ምስጢር የብላን ዛ’ዛዕባ ማለተ’የ።

     ካልእስ ይትረፍ እቶም ፈረምቱ በዓል ሃየለ-ዱሩዕ’ኳ ኣበይ ከምዘለዉ ዘይፍለጥ። እታ ንድፊ ቅዋም ናይ ኤርትራ’ኳ ኣበይ ከምዘላ ዘይትፍለጥ። መጽሓፍ ንድፊ ቅዋምና እንተስ ኣንጭዋ ጎቲታ ወሲዳታ እንተስ ፍልሖ በሊዖማ፡ ኣብ ዝተቐመጠቶ ስለዘይጸንሐት፡ ባዕሉ ፕረሲደንት ኢሳያስዶ’ይኮነን በጃኻትኩም እታ ናይ ቀደም ቅዋም ረስዕዋ፡ ትብዓት እንተለኩም ግን ከምብሓዲሽ ሰንዕዋ፡ ክሳብ ምባል ዝበጽሐ።

     መን’ፈልጥ ሕጂ’ውን ንኻልኣይ ግዜ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ በጃኻትኩም ዝበልኩዎ ከይሰማዕኩም ኣይተጣቕዑ ክሳብ ዝብል ትዕግስቱ ክጽንቅቕ ዝጽበ መጣቕዒ እንተ’ልዩ ግን ናይ ሓልዮት ናይ ደገፍ ወይ ድማ ናይ ፍትወት ምልክት ኣይመስልን’ዩ። ብርግጽ ግን ኣብ መድረኽ ምኹስኳስ ኤርትራውነት፡ ካብ’ቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ብወተሃደራዊ ጎብለልነት ዝህንጦ ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን ትሕዝቶ ዝገላግል ሓዲሽ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል የድሊ’ሎ።

    ዝኾነ ኾይኑ ህሉው ኩነታት ናይ ኤርትራውነት ከምዝሕብሮ፡ እሞ ሓቂ ምዝራብ ዘዋጽእ እንተኾይኑ: ዳርጋ ኩላትና ኤርትራውያን ካብ ሰበስልጣን ክሳብ ተራ፡ ወይ ድማ ከም’ቲ ተለሚዱ ዘሎ እዋናዊ ኣበሃህላ ደገፍትናን ተቓወምትናን ካብ ኤርትራ ሰብና ከነውጽእ ብሓሳብ ብግብሪ ብገንዘብ ንረባረብ ኢና ዘለና። ካብ’ዚ ውድቀት’ዚ ድማ ዶብ ብምጥራር፡ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ብምጽራፍ ወይ’ውን ንፕረሲደንት ኢሳያስ ብምስቃል ኣይትንሳእን’ዩ።

ልጓም ካባኹም’ያ ሓፋሽ!

  ገለ-ገለ ምስ እዋን ምትዕጽጻፍ ዝኸነቡ ምሩቓት ናይ ቤትትምህርቲ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ከይኩርዩ’ምበር፡ መን’ዩ ጎብለል ናይ’ዚ ዞባ ንምፍላይ ንዝተፈጸመ ኲናት ናይ ባድመ፡ ውጽኢቱ ንምግላጽ “ንጎብየ ጥንቅልዒት እንተ’ቐሚጥካዮ፡ ን’ዝጊ ፈሪሕካ ክሳብ ትምለሶ ባዕሉ ክግልበጥ ኣይክእልን’ዩ። ሻዕብያ ድማ ድሕሪ’ዛ ባዕሎም ዝወልዕዋ ኲናት ናይ ባድመ ከምጎብየ ጥንቅልዒት ወዲቖም’ዮም። ንሓዋሩ ብኢድ ገበርቲ ሰናይ ናብ ንቡር እንተዘይተመሊሶም፡ ባዕሎም ከምእንደገና ሻዕባያ ናይ ምዃን ብቕዓት የብሎምን።” ተፈንጢሖም’ዮም! ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ተዓዘብቲ’ለዉ።

    እሞ እዚ ከም ጎብየ ጥንቅልዒት ብምውዳቕ ዝግለጽ ዓይነት ኣወዳድቓ ብምንታይ ክዕቀን’ዩ ዝድለ ዘሎ? ካብ ምብራስ ዓድንዓውድን፡ ምጽናት ህዝብን ዝኸፍእ መለክዒ ውድቀት ኣሎ ድዩ? ምናልባት ዝከኣል እንተኾይኑ ግን ንጌጋታቱ ምስ ቅዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስን ህግደፍን ኣብ ውሻጥኡ ዓባቢጡ ትንፋስ ዝሰኩዕ ናይ ሻዕብያ ዓይነት ክበርቕ እንተኾይኑ ዝሕለን ዘሎ፡ ዝሕንኩሎ’ብሉን። 

   ክሳብ መኣስ’ዩ ጓል መንገዲ ክምረጽ ዝድለ ዘሎ እንድዒ። እዚ ዓዱ ገዲፉ ዝስደድ ዘሎ ዓቕሚ ሰብ እንተዝጽብጸብ፡ ከምኡ’ውን ብሱዳን ብኢትዮጵያ ብሲናይ ብሳሃራ ብመዲተራንያን ሰብና ካብ ኤርትራ ከነውጽእ ነፍስሶ ዘለና፡ ገንዘብ ረሃጽን ደምን እንተዝድመር፡ ንህግደፍ ወይ ድማ ንምልካውነት ፕረሲደንት ኢሳያስ ምግልባጥስ ይትረፍ ካልእ ዓቢ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ዓቕሚዶ ኣይኮነን። ምግናን ዘይብሉ!

“Doug Saunders, a British Canadian journalist who has spent considerable time reporting from North Africa and the Middle East and who in 2012 published a book that was sympathetic to trans-Mediteranean migrants, rejects as “insidious” the notion that such migrants are fleeing famine and death. To the contrary, he wrote recently:

Every boat person I’have met has been ambitious, urban, eduated, and, if not middle-class (though a surprising number are …) then far from subsistence peasantry. They are very poor by European standards, but often comfortable by African and Middle Eastern ones.” (4, 14)

   ስለ’ዚ ብሓቂዶ ኢድና ዝገብሮ ዘሎ ልብና ይብሎ’ሎ? ምስ ዝብል መንቀሊ ኣልግብ ኣቢልካ፡ ኣብ እዋን ናጽነት ዓሰብን ባጽዕን ስለምንታይ መኺኖም? ኤርትራ ብዓይኒ ምዕባለ ብዓይኒ ትምህርቲ ስለምንታይ ንድሕሪት ተመሊሳ? ኤርትራውነት፡ ግደ ምኹስኳስ ምዕባለን፡ ጽልዋ ናይ ምግዳልን፡ ካብ ምዝናቕ፡ እንታ’ዩ ዝኸስፎ ዘሎ? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ግምት ዘየእቱ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ንእዋን ኣየርብሕን’ዩ።

      ዝኾነ ኾይኑ ከም’ዚ ሎሚ ብሞያ ሞይቱ ኣብ ህልኽ ተሳዒሩ፡ ምስ ጠለባት ናይ’ዛ ኣብ ዝወዓለቶ ዘይትሓድር ዓለም ዕዳጋ፡ ምትዕጽጻፍ ኣጊሙዎ፡ ናብ ናይ ሳሕል በዓቱ ከይተሰኩዐ እንከሎ’ሲ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጣቒዒት ናይ ሓፋሽ እምብዛ በዚሑ ጠላሕ ምባል ግዲ ኣብይዎ፡ ኣንታ ገለኹም’ሲ ዘረባይ’ኳ ኣይተወድኡንን ዘለኹም፡ እንታይ ከምዝበልኩ ከየ’ጻረኹም ተጣቕዑ?  ዝበለላ መዓልቲ-ኣኼባ ኔራ’ዩ ዝበሃል። … ብኻልእ ኣበሃህላ ቀደም ዘመን ብጥዑሙ ልጓም ካባኹም’ያ ሓፋሽ ክብል ዝፈተነ’ዩ ዝመስል ምባል ማለት ናይ ጣዕሳ ወረቐት ምምላእ ኣይኮነትን!!

    ካብ ኩሉ ዝገደደ ግን ዝሓሰብኩዎ ተዛሪበ ከይወዳእኩ’ባ ኣይተጣቕዑለይ! ምስበለ ዝሰዓበ ድሙቕ ጣቕዒት፡ ሕራይ እምበኣር! እንተ ሕሹኩም’ሲ ዓቢኹም ንኡስኩም ኣቦ! ክሳብ ትብሉ ዘብ-ዘብ ከብለኩም’የ ዝብል ዛርቲ ዝናን-ባህታን ዘዕበዶ ናይ ስልጣን ፈረሱ ክጋልብ ዝወሰነ’ዩ ዝመስል ዘሎ’ሞ … ንፈረሱ ልጓም፡ ንእኡ ድማ እንተኣኺሉዎስ ክልተ ሸውዓተ ዝሑል ማይ ናይ ደርዓንቶ ይፍጠረሉ!

   ዝኾነ ኾይኑ ንሓዋሩ የጸብቆ ጥራይ’ምበር፡ ርብዒ ዘመን ምስ ናጽነት፡ ዓድን ዓውድን ተመራሪሖም ናብ ባሕርን ናብ ምድረበዳን እንክጠፍኡ ደንጽይዋ፡ እዛ ዓለም-ዕዳጋ ዋጭ ዋጭ እናበለት እንከላ’ሲ፡ ኣበ’ስመራስ ይትረፍ ኣብ አውሮጳን ኣመሪካን’ኳ ናብ ለውጥን ዕርቅን ገጾም ዝቐንዑ ሓሳባት ርሑቕ ዝሰፈሩ’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ፡ ኣብ መስርሕ ምኹስኳስ መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራውነት።

     ምናልባት  ንእዋን ስግጽ ከብሉ ዝኽእሉ ገለ ተበግሶታት እንተተረኽቡ፡ ክትጸናቶ እንተፈቲና እዝኒ ግን፡ እቲ ዝርካቡ! ርብዒ ዘመን ምስ ናጽነት፡ ብሕማም-ደሓር ናይ ምግዳል ዝጸዓር’ዩ ዝመስል ዘሎ።  … ስለ’ዚ ደቂ ቤት ትምህርቲ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን፡-

1.          ኣብ ቀዳመይቲ እግሮም፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ማለት ናይ ዓወትና መራሒ ናይ ናጽነትና ባራኺ፡ ንሱ ኢዩ። ዘይፈልጦ ምእንቲ ክፈልጦ ድማ መራሒና መወዳድርቲ ዘይርከቦ ኣብ ስራሕ ዘይጋገ ውፉይ ስለዝኾነ ከም እምነትና ዘይኣምን ሰብና፡ ይውረድ ካብ መርከብና፡ ብትብል ኣረኣእያ መጻኢ-ዕድል ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ክብሉ ናይ ብዙሕነት ኣረኣእያ ምስላቦም ከይኣኽሎም፡

2.       ሕጂ ግልብጥ ኢሎም ርብዒ ዘመን ምስ ናጽነት፡ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ንዘሎ ቅልውላው ባዕሉ ፕረሲደንትና’ዩ ጠንቁ ትብል፡ ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል ሕር-ሕራይ ጌሮም ከላብዑ ምኽኣሎም’ዩ። ከም ርኢቶይ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ካልኣይ ገጽ ናይ’ቲ ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና ዝብል ሚዛን ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል’ዩ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ምስኡ ድማ እሞ ናይ ደቂ እዋን ምቅርራብከ ካብ ጀነቫ ድዩ ዳግማይ experiment ዝጽበ ዘሎ ወይስ ካልእ ኣሎ ንምባል’የ።

  ዝኾነ ኾይኑ እታ ዘላ ከምዘላታ ኮይና፡ ነታ ትመጽእ ዕድመ ዝሃቦ ክሳብ ዝዕለማ፡ እስኪ ንግዜኡ እዘን ዝስዕባ፡ ብሰለስተ ዓበይትን ምሁራትን፡ መሰኻኽር ናይ ምግዳል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብአውሮጳን ኣመሪካን ዝቐረባ ኣብነታት ክጠቅስ። ምናልባት ብጌጋ ዝተረዳእኩዎ ኣበሃህላ እንተልዒለ ድማ ተማሂረ ዝእረመሉ ጌጋይ ኢዩ’ሞ፡ ከምኡ ዝበለ ኣተሓሕዛ እንተ’ንጸባሪቐ ይቕረታ ከቐድም እፈቱ።   

1.        ተዘክሮ ናይ ትማሊ ውዕሎ።

   ብመርበብ ኢንተርነት ናይ ኣስማሪኖ ኣቢሉ ዝተቓለሐ ናይ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ትንታነ ከምዝሕብሮ “ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን” ዝብል ናየ’ሰራርሓ ባህሊ ኣብ ውሽጢ ቅዲ’መራርሓ ናይ ገድሊ ክሳብ ክንደይ ዝሳዕረረ ሜላ ከምዝነበረ ዘዘኻኽር’ዩ። ኣምባሳደር ኣብ እዋኑ ኣማኻሪ ናይ ማሕሙድ ሸሪፎ’ዩ ኔሩ መዓርግ-ኣገልግሎተይ ብምባል  ብትምህርቶምን ብሞዮኦምን ምእንቲ ክሕግዙ፡  ወዲ-ውሽጢ ናይ’ቲ ቕዲ’መራርሓ  ክኾኑ ተሓርዮም ከምዝነበሩ የረጋግጹ።

      ካልእ ንምባል ዘይኮነ’ሲ፡ ዓውድኻ ከም ዘርእኻ ስለዝኾነ መምርሒ ዛ’ዓለም ዕዳጋ፡ ምሁራትን ኣማኸርትን ትማሊ ኣብ እዋን ምግዳሎም ኣበ’ርዑት ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ይጽመዱ እንተኔሮም፡ እቲ ብቤት-ትምህርቲ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ተኾስኲሱ ዝዓቢ ዝነበረ መስርሕ ምኹስኳስ መጻኢ ዕድል ኤርትራውነት’ሲ ኣበይ ንምብጻሕ’ዩ ኔሩ ከም ራእዮም፡ ዝብል ዕዮ ገዛ ደቂ እዋን ዝቕስቅስ’ዩ ዝመስል ማለተ’የ።

   ዝኾነ ኾይኑ ግን ኣምባሳደር ንታሪኽ ከም’ታ ዝነበረታ ናብ ደቂ እዋን ከቕርብዋ ጽቡቕ ፍቓዶም ብምዃኑ ዘመስግኖም’ዩ ከም ርኢቶይ። ብሓጺሩ ግን ናይ ትማሊ ነገር ብዙሕ ዘፈክር የብሉን ካብ ኮነ ሚዛኑ፡ ህሉው ኩነታት ከኣ “ተውሳኺተይ ዒሉ ነዛ ዓለም ስልዖ ዘየልዓልኩሉ” ዝብል ምስላ ዘዘኻኽር ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ዝሰፈነሉ መድረኽ ከምዝኾነ መዋእልና ምስክር’ዩ። ስለ’ዚ ናይ ጽባሕ ነገር ንወራሲ ይጭነቆ ንምባል ዝደናደን’ዩ ዝመስል ኣኻይዳና።…….  ከም ምሕረትካ’ምበር ከምበደልና ኣይትኺደና ጎይታ።

2.      ማዕረ ማዕርኡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ንቕዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ከቃልዕ፡ ንእዝኒ ብዝምቅር ኣዘራርባ ደሚቑ፡ ብሃይማኖታውን ዓለማውን ኣፍልጦን ተመኩሮን ተዓጂቡ፡ ብመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተቓለሐ ኣስተምህሮ ናይ ዶክተር ምስግና ገብረመድህን ከምዝሕብሮ፡ ምብራቕ ጀርመን ክትፍንጣሕ እንከላ ምዕራብ ጀርመን’ያ ተወሊዳታ፡ ምናልባት ሰሜን ኮረያ ኣሰር ምብራቕ ጀርመን ስዒባ ክትፍንጣሕ እንተኾይና ድማ ደቡብ ኮረያ ትበሃል ሓውታ’ላታ’ሞ፡ ምጥርጣር ነውሪ ስለዘይኮነ፡ ህዝባዊ ግምባር/ህግደፍ ድርጅታዊ ሰንሰለቱ እንተተበጣጢሱ ንኤርትራና ኢትዮጵያ ትበሃል ዋሕስ ኣላታ ንምባል ዝደናደን ክሳብ ዝመስል ናይ ምሁርን ናይ ቀረባ ተዓዛቢ ናይ ምግዳልን፡  ምስክርነት ንምንጽብራቕ “ለውጢ ክትመጽእ እንተኾይና ብኢትዮጵያ ኢያ ትመጽእ።   ዝዓይነቱ መጥመሪ ሓሳባት ዝተቐነተ ኣጠማምታ መጻኢ ዕድል ይመስል’ሞ፡ እኳ ሓንቲ ስጉምቲ ፍንትት ከይበለ፡ ኣነ ግን ከምኡ ዓይነት ለውጢ ኣይኣምንን’የ፡ ኣይደልን’የ።”

ዝብል መፍረሲ ይውሰኸሉ። ቀንዲ ኣትኩሮቱ ድማ “መራሒ የብልና” ናብ ትብል በዓቲ ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል ውትፍ ይብል።

     መንገዲ ለውጢ እፈልጣ’የ፡ እንተኾነ ግን በ’ዛ መንገዲ’ዚኣ’ቢላ ትመጽእ ለውጢ ኣይምነላን’የ፡ ዝብል ኣበሃህላ፡ ነዚ ዝገዝእ ዘሎ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ወይ ድማ ቅዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስን ህግደፍን ዝድግፍ መርትዖ ንምቕራብ እንተዘይኮይኑ ካብ መግረፍቲ በትሪ-ስልጣን ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ዘናግፍ መንገዲ መስተርሆት ኣይሕብርን’ዩ። ከመይ’ሲ ንፕረሲደንት ኢሳያስን ቅዲ’መራርሕኡን’ኮ መዓልቦኡ ብዘየገድስ ካብ ኢትዮጵያ ምህዳም ጥራይ ዝዕላምኡ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል’ዩ ክሳብ’ዚ ዝርከቡሉ ዘለዉ ጸልማት ሸለው ኣቢልዎም ዘሎ።

    ምግናን ዘይብሉ፡ ኩሉ ሰብ ከምዘይስሕቶ፡ ኣብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ ንቕዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ መብዛሕትኡ ህዝብን ወተሃደርን ፎ! ከም ዝበሎ ኣብ ጀነቫ ዝወዓለ ውዕሎ ጥራይ ኣይኮነን ዝምስክሮ። እሞ ነዚ ዓድን ዓውድን ዘብርስ ዘሎ ኩነታት ከም ዓንዲ ማእከል ተሰኪሙ ሂወት ዝህቦ ዘሎ  ወተሃደራዊ ሓይሊ ወይ ድማ ህዝባዊ ደገፍ ካብ ዘይኮነ ደኣ ናይ ኤርትራ ጉዳይ እንታ’ዩ ብልሓቱ ክበሃል እንተተደፊሩ ግን፡ ብዘይቃል ዓለም ኢትዮጵያ ትበሃል ጸላኢትን ጎረቤትን ኣላትና ዝብል ድሁል ፍልስፍና ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን ኣብ ውሽጥና ሰሪጹ ስለዘሎ’ዩ።

    እንዳ ዝናን-ባህታን እዛ ጸላኢትና ሽሕ’ኳ 30 ዓመታት ተጋዲልና ካብ ኤርትራ እንተሰጎግናያ፡ ሕጂ’ውን ኣዘንግዕ ኣቢላ ክትወርረና’ያ  ዝብል ብጽልእን ስግኣትን ዝተኸስፈ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ሕርሕራይ ጌሮም ስለዝዘርኡ’ዮም ንእዋን ኣደናጊሮም፡ ከም ጥንስቲ መዓልታት ዝፈቕዱሉ መዋእል ዝቕጽሉ ዘለዉ። 

   ስለ’ዚ “ለውጢ ክትመጽእ እንተኾይና ብኢትዮጵያ’ያ ትመጽእ፡ እንተ ኣነ ግን የለኹላን፡ ዝብል ኣበሃህላ፡ ወዮ መስርሕ ገድልን ምግዳልን፡ ዝኾስኮሶ ሃገራውነት (nationalism/patriotism) ክሳብ ክንደይ ብጽልእን ህልኽን ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተለኽፈ ከምዝነበረ ዝምስክር’ምበር፡ ንጠለባት ናይ እዋን ኣብ ግምት ዘእቱ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ጭራሽ ዝዓጀቦ ኣይመስልን’ዩ። ብዘይምግናን ግን ንንእስነት ኤርትራውነት ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ሓዲሽ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል (innovative spirit)ንምምዕባል ፋሕጠርጠር ካብ ምባል ዘሸቑርሮ ምህውታት’ዩ (confusion) ዝመስል።

    ኣይተረኽበን ደኣ’ምበር እንተዝርከብ ኔሩ’ሲ ንደቂ ኤርትራ ብውሕዱ ብውሕዱ ከም ደቂ ጂቡቲ ከም ደቂ ሓርጌሳ ከም ደቂ ሞምባሳ ከም ደቂ ላሙ ከምኡ’ውን ከም ደቂ ፖርትሱዳን ምስ’ዛ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቻይና ወይ ድማ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓያል ኢትዮጵያ ተበላሒትካ ናይ ምንብባር ብቕዓት ንምምዕባል ምእንቲ ክጽዕሩ (take risks and break conventions) ኣይትሕመቑ ክበሃሉ’ዩ ዝግብኦም’ምበር፡ ኣበ’ርዑት ዋርሳይ-ይከኣሎ ቋሪንካ ካብ እዋኖም ንድሕሪት ክሳብ ዝተርፉ ምቕያዶም ዘርብሕ ኣይኮነን።

      ምናልባት “ኣእዱግ ሰጒግና ኣዛብእ’ምበሪ’ና ናብ ደምበና ኣእቲና” ዝብል ትዕዝብቲ-ሓፋሽ ትርጉም ዘለዎ እንተኾይኑ ግን፡ ምእንቲ’ዞም መዓልቦ ጨኒቕዎም ናብ ባሕርን ምድረበዳን ዝጠፍኡ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ እንዳኦም ደቂሶም ክሓድሩ፡ ለውጢ ብዝመጽአት ትምጻእ፡ ትምጻእ ጥራይ ዝብል ምህልላ ነውሪ ኣይመስለንን። … ዘይረአናዮ ይፍጠረልና።

  ዝኾነ ኾይኑ ኣስተምህሮ ናይ ዶክተር ምስግና ንጣዕመ ልሳን ግዲ ኾይኑ፡ መራሒ ዝረኸቡ ኣናህብ መዓር እንክቕለቡ፡ መራሒ ዝሰኣኑ ሃመማ ግን ጎሓፍ’ዮም ዝቕለቡ፡ ዝዓይነቱ ንጽጽር ምርኩስ ብምግባር፡ ናብ’ታ “ኢሳያስ ዝገበረና” ትብል በዓቲ ሕማም-ደሓር ናይ ምግዳል ምእንቲ ከጽልል “መራሒ የብልናን” ክሳብ ምባል ይበጽሕ።

እንተኾነ ግን፡ መራሒ ድዩ ወይስ መሪሕ ሓሳባት’ዩ ተሳኢኑ ዘሎ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ ኣነ?

   ማለት’ሲ ንኣይ ዝገርመኒ፡ እዚ ዓድን-ዓውድን ዘብርስ ዘሎ ቅዲ’መራርሓ፡ ብቐደሙ’ውን እንተኾነ መማህራን ናይ ምድሪ’ምበር ኣጋንንቲ ናይ ገሃነመእሳት መኣስ ኮይኖም ከም ቆፎ ብዒባ ጠፍጢፎሞ። ምናልባት ሕጂ ከም ውጽኢቱን ከም ውድቀቱን ክምዘን እንተኾይኑ ድማ - መራሒ የብልናን- ዝዓይነቱ ኣገላልጻ ንመመኽነይታን መደምደምታን ዝበቕዖ ኣይመስልን’ዩ።

      ሓቂ ንምዝራብ፡ ነቲ ዝፈልጡዎ ሓበሬታ ንኸካፍሉ ዝፈርሑ ወይ ድማ ዝጠራጠሩ መማህራን ብጣቒዒቶምን ብሱቕቶኦምን ንቕዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ከምዝሰንዕዎ ምዝካር ማለት ምግናን መኣስ ኮይኑ።

      ምናልባት ግን፡ ንኤርትራዊ፡ ናጽነት፡ ሃገራውነት ወይ ድማ ጅግንነት ማለት ካብ ኢትዮጵያ ርሒቕካ፡ ብጥረራን ባንዴራን ምፍኽኻር ማለት’ዩ። ተመሳሳልነት ናይ ታሪኽ፡ ባህልን ሃይማኖትን ዘለዎ መሰረት ኣንጺፍካ፡ ብሰላምን ቅሳነትን፡ ብትምህርትን ብምህርትን፡ ብዕዳጋ ጣፍን ጨውን ይኹን ብኣገልግሎት ወደባት ዓሰብን ባጽዕን፡ ከምኡ’ውን በ’ቕርቦት ማይን መብራህትን ምስ ኢትዮጵያ እሂን-ምሂን ምብህሃል ንደቂ ጂቡቲ ንደቂ ሞምባሳ ንደቂ ሓርጌሳ፡ ወይ’ውን ንደቂ ላሙን ፖርትሱዳንን ዘጸብቐሎም’ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራዊ ግን ናብ ኢትዮጵያ ኣይምብርከኽን’ዩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ኤርትራዊ ብኸብዱ ስለዘይዛረብ ተረፍ-መረፍ ጎረባብቱ ይኣኽሎ’ዩ ክበሃል እንተዘተደልዩ፡ እቲ ፍታሕ ኣብ’ቲ ቃልሲ ዝተኻየደሉ ዛዕባ’ዩ ዘሎ። ንሱ ድማ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመጽዓን ድዩ ብእመት ዝዕቀን ዝብል ናይ ታሪኽ ሰበብ’ዩ።

     እንተ ዘይኮነ ግን ብሞያ ሞይቱ፡ ኣብ ህልኽ ኣነዶ ንስኻ ንመልኽ ተሳዒሩ፡ ብጣቕዒትና ልጓም ኣብ ዘይብሉ ፈረሰ ምስሰቐልናዮ ምስ እዋንን ምስ ዓለምን ዝተባተኸ መላኺ፡ ካብ ምትህልላኽ፡ ኣብ መደረኽ ኣጠማምታ መጻኢ ዕድል ኤርትራውነት፡ ናየ’ተሓሳስባ ለውጢ የድሊ’ሎ፡ ምባል፡ ምስ ህዝብኻ ከመ’ዓልካ ዝኸልእ ኣይመስለንን።

      ብኻልእ ኣበሃህላ ሕመረት ናይ’ቲ ሽግርን ዓንዲ-ማእከል ናይ’ቲ ተስፋ ዝግበረሉ መንገዲ መስተርሆትን እንታይ ከምዝመስል እናፈለጡ ገለ-ገለ ኤርትራውያን መማህራን፡ መራሕትን ኣማኸርትን፡ ኣብ ጉዳይ’ዛ ዓለም-ዕዳጋ ሊቃውንቲ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ግን ተጋደልቲ ብምምሳል፡ መዋእሉ ብዝበልዐ ፕሮፓጋንዳ ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን ንዝጎርነወ እዝኒ ባህ ዝብሎ ብላይ ኣበሃህላ ክቕጽሉ እንተመሪጾም፡ ንእዋን ዘርብሕ ኣይመስልን’ዩ ጻዕሮም።

    ዝገደደ ድማ ብዓሰርተ ኣጻብዕቶም ኣጣቒዖም ልጓም ናብ ዘይብሉ ፈረስ ናብ ዘሳፈርዎ ቅዲ’መራርሓ ኣብ እዋን ውድቀቱን ሞቱን ምውንጃሉ ስለ ዝቐልል ጥራይ - መራሒ የብልናን - ምባል መሳኹቲ መስተርሆት ኣየርሑን’ዩ። ብዓቢኡ ድማ መንገዲ ለውጢ ኣየነይቲ ምዃና እፈልጣ’የ እንተኾነ ግን እገረይ ኣይትረግጻን’ያ ዝዓይነቱ ስብከት ኤርትራዊ ዜግነት ኣየድምቕን’ዩ።

   ብዘይቃል ዓለም ግን እቲ ቓልሲ ኣብ ፍልልይ ኣተረጓጉማ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን’ዩ ተፈጢሩ። ብሕጂ’ውን ፍታሕ ትጽበ ዘላ ናይ እዋን ሕቶ ንሳ’ያ።

     ብሓፈሽኡ ኣበ’ተኣላልያ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ጉድ ንሓዋሩ’ውን ቀሊል መዐቀኒ ዝርከቦ ኣይመስልን’ዩ። ሽሕ’ኳ እቲ ኹሉ ሰብ ዝፈልጦ ታሪኽ፡ ማለት ንገለ-ገለ ሰበስልጣን ናይ ኤርትራ ከም በዓል ሓጎስ ክሻን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኢትዮጵያዊ መበቆል፡ ንገለ ሰበስልጣን ናይ ኢትዮጵያ ከም በዓል ክቡር ነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናውን በረኸት ስምዖንን ድማ ኤርትራዊ መበቆል ይለግቦም’ዩ ዝብል ሕልኽላኽ ከንፈር ዘንክስ እንተኾነ፡ እዚ ዝስዕብ ኣብነት ካብ ታሪኽ ኲናት ናይ ባድመ እንክረአ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ቀሊል ኣይኮነን። በ’ቦን በ’ደን ኣሕዋት’ዮም፡

 “ኮሎነል ለገሰ ታፈረ ከኢትዮጵያ 11ኛ ክፍለ ጦር መካናይዝድ ብርጌድ፡ ጆርጅ ታፈረ ደግሞ ክሻዕብያ ወገን 161ኛ ኮር 2ኛ ክፍለ ጦር የብርጌድ ኣዛዥ ሆነው ተሰልፈዋል። ነገር ግን ለገሰ ታፈረ እግሩ በጦርነቱ ሲያጣ፡ ጆርጅ ታፈረ ደግሞ ሕይወቱን ከፍለዋል።” (1, 4)    ይብል። 

አኡሉኹ እንከብኩዕ ንህብዶ ሃመማ’ነፍዕ?

     ኣስተምህሮ ዶክተር ምስግና፡ ፍልልይ ባህርያዊ ኣነባብራን ኣመጋግባን ናይ ንህብን ሃመማን ከም ኣብነት ብምቕራብ፡ መልክዕ ውድቀትን ዓወትን እንታይ ከምዝመስል ናይ ንህብን ኣነጻጺሩ ከመሰኻኽር ይፍትን’ዩ። ኣብ’ዚ ኣብነት’ዚ ዝተዘንግዐ ወይ ድማ ዕሽሽ ዝተባህለ ክስተት ኣሎ። ምግናን መኣስ ኮይኑ፡ ላምን ብዕራይን፡ ጤልን በጊዕን፡ ኣድግን ፈረስን ….. ሳዕርን ሓሰርን ዘይበሰለ ቆጽለ-መጽልን እንክቕለቡ፡ ወኻርያን ዝብእን፡ ኣንበሳን ነብርን ድማ ….. ዘይበሰለ ስጋ’ዮም ዝቕለቡ። ተጠቢሱ እንተዝወሃቦም ምፈንፈንዎ ኔሮም ማለተይ ግን ኣይኮንኩን።

  ከምኡ’ውን ከልብን ድሙን ካብ ዝረኸብዎ፡ ማለት፡ ዝበሰለ እኽልን፡ ዝበሰለን ዘይበሰለን ስጋን ምምጋቦም፡ ንስኻ ነቦኻ ትመስል፡ ንስኺ ድማ ን’ኖኺ ትመስሊ ካብ ምባል ሓሊፉ፡ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካልእ ንምክሐ ዘብቅዖ ብልጫ ኣይሕብርን’ዩ። ወይ ድማ ከም ሰብ ግዳ ሳዕርን ስጋን ንገለ-ገሊኡ ብጥርኡ ንገለ-ገሊኡ ድማ ጠባቢስኩም ዘይትቕለቡ ኣየብሎምን’ዩ።

     ካልእስ ይትረፍ ስጋኣን እንቋቁሖኣን ምቁር ስለዝኾነ ዕሽሽ ንበሎ ክበሃል እንተዘይተደልዩ፡ ደርሆ እትለቕሞ ጭእ እንተተጸብጺቡ ምሰ’ናህብ ድያ ወይስ ምስ ሃመማ እትስራዕ ናብ ዝብል ክትዕ ከምርሕ ይኽእል’ዩ። ከምኡ’ውን ሃመማ ጎሓፍ፡ ንህቢ ድማ መዓር ከምዝቕለቡ ምዕዛብ ማለት ንለባም ኣምተሉ … ዝብል ምስላ ዘዘኻኽር፡ እሞ ድማ ካበ’ዲስ ኣበባ ክሳብ ጀነቫ ዝምጠጥ ናይ ምርምር ዛዕባ መሊኡ ከምዘሎ ዝእምፍት ትዕዝብቲ’ምበር፡ ኣገልግሎት ንህብን ሃመማን ኣወዳዲሩ ብብልጫ ዝሰርዕ መርትዖ የብሉን። ምናልባት ከም እዋኑ፡ ከከምባህሉን ደረጃ ምዕባለ ናይ ሕብረተሰብን ዝፈላለ ትርጉም ይወሃቦ’ዩ ክበሃል እንተዘይኮይኑ።

    ብሓፈሽኡ ግን ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ጎሓፍ ብምቕላቦም ሃመማ ዘመስግኖም ኣበርክቶ’ምበር ዘንዕቖም ሕስረት ዘመልክት ኣይመስለንን። መዓር ምቁር’ዩ ንምባል፡ ነ’መጋግባ ናይ ሃመማ ዘቆናጽብ ባህልን ብሂልን ክሳብ ክንደይ እዋኑ ከምዘሕለፈ ንምዕዛብ ድማ http://www.proteinsect.eu/ ምምልካት ክሳራ የብሉን።

      ብሓፈሽኡ ሂወት ናይ ለውጢ መድረኽ ምዃና ዶክተር መዘካኸሪ ዝደልይሉ ኣይኮነን። ትምህርትን ሞያን’ውን ናይ ዕድመ-ልክዕ መጽናዕቲ እናኾኑ’ዮም ምስ እዋን ዝተዓጻጸፉ ዘለው። ከም ቀደም ይመስለክን ውሕዥ ይወስደክን ከምዝብሉ መሳሎ፡ ላምን ብዕራይን ጤልን በጊዕን ምጉሳይ፡ ብመንጽር ብከላ (carbon emission) መኽሰቡዶ ክሳርኡ’በዝሕ ክሳብ ምባል ከጠያይቕ ይጅምራ’ሎ’ሞ፡ ፕሮቲን ሰለስተ ግዜ ንመዓልቲ ካብ መኣዲ ናይ ምሩቓት ምእንቲ ከይጠፍእ፡ እንታይ ኣማራጺ’ሎ ንዝብል ናይ ምርምር ንቕሎ፡ ናይ ሃመማ ጮማ’ሎ ዝብል መልሲ’ዩ ዝስማዕ ዘሎ። ስለ’ዚ “sustainable source of proteins ….. waste management” ዝብላ ሓረጋት ብዛዕባ ቁምነገር ናይ ሃመማ ንደቂ ኣዳምን ንጥሪቶምን ከምኡ’ውን ንኢንቫይሮንመንት ብዓቢኡ ይሕብራ። 

   ምናልባት ምስ’ቲ ናይ እዋን-ምግዳል ቀይዲ-በተኽ ኣበሃህላ፡ ዛ’ኢትዮጵያ ኢዳ ጥራይ ትኣክበልና፡ ጣፍ እንተተረፈ ማሸላ ኣለና። ወደብ እንተኾይኑ ጸገማ ድማ ብጀኦግራፍ ካብ ኤርትራ ጂቡቲ’ኳ ትቐርባ ዝብል ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ናይ ግራዝማች ኢብራሂም ሱልጣን፡ ወይ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ጥበብ ኣተሓሕዛ ማንካን ፋርኬታን ዝዕልሞ ጠቢብ ኣየድልዮን’ዩ፡ ዝብል ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ክወዳድር ዝህንጦ መሪሕ ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ኤርትራውነት ሃሰስ ንምባል እንተዘይኮይኑ፡ ንህብን ሃመማን ነቦታቶም’ዩ ዝመስል ኣነባብርኦምን ኣመጋግቦኦምን።

3.        ካብ ጌግኦም ናይ ምእራም ብቕዓት የብሎምን። “No part of the culture admits mistake.”

    ቀዳመይቲ እግሮም ካብ ኣመሪካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስከደት ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ፍሉይ ኣድህቦ ከምዝሓደሮም ኣትሒዞም ዘረባ ዝጀመሩ፡ እሞ ድማ ካብ ቀደም መሓዛ ሰውራ ኤርትራ ዝነበሩ፡ ኣመሪካዊ ተመራማርን መምህርን ዳን ኮነል፡ ብዕለት 05/09/2015 ኣብ ቻርሎት ኣብ ዘቕረብዎ ሰሚናር፡

ሀ) ዘመናዊት ኤርትራዊት እግሪ ናብ ዝዓለባታ ሃገር፡ ካብ ኢትዮጵያ ግብጺ እስራኤል ኢጣልያ ፈረንሳይ ክሳብ አኳዶር .. በጺሖም፡ ስደት ኤርትራውነት እንታይ ይመስል ከምዘሎ ብስእሊ ዝተደገፈ ጸብጻብ ኣቕሪቦም።

  ሁ) ናብቲ ቐንዲ ዛዕባ ብጥንቃቐ ቅርብ ኢሎም ከም  ምሁርን ወዲ-ወጻእን ናይ ቀረባ ትዕዝብቶም እንከካፍሉ ድማ፡  ኣብ’ቲ መስርሕ ምዕባለ ናይ ምግዳል እናተጋህደ ዝኸይድ ዝነበረ ኣዕናዊ ዝምባለ ናይ ቅዲ’መራርሓ ኣብ እዋኑ ክነቕሓሉ ብዘይምኽኣለይ ኣነ’ውን ብጌጋይ ኣሚነ ይቕረታ ዝሓተሉ’ዩ ይብሉ። …… ዓቢ እንጌራ ይዓድሎም።

   ሂ) በብቑሩብ ኣበ’ናብባ ታሪኻዊ ጉዕዞ ናይ ምግዳል ንዘማዕበልዎ ለውጢ፡ ብፍላይ ነቲ ዓገብ ምባል ዝጀመሩሉ እዋን እንክዝክሩ ድማ “ …. I may have waited too long to express concern. …. way past time to stay quite.” ብዝብሉ ናይ ንስሓ ቃላት ንቕድሚት ዝጥምት ሓሳቦም የካፍሉ። ብዛዕባ ምህውታት ገለ-ገለ ኤርትራውያን ምሁራትን መራሕትን ኣብ ህሉው ኩነታት እንክተናኽፉ ድማ፡ ደቀ’ሺ “No part of the culture admits mistake.” ዝመስል ሰፊሕ መንጸፍ ኣንጺፎም ድንጋጸን ቡቕባቖን ወሲኾም ምስ መማህራን ቤት ትምህርቲ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ዘሎ ጉድ የቃልዑ።

ሃ) መንግስታት ናይ ዓለም ከም’ቲ ብቤትፍርዲ ዝተወሰነ ኣብ ምጥራር ዶባት ኣትሪሮም እንተዝጸቕጡ እዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰፊኑ ዘሎ ኣይሰላም ኣይኲናት ዝዓይነቱ መንቂ መዕለቢ ኣይምተረኽቦንዶ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም፡ … እቲ ጸገም ናይ ዶብ ሕቶ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ክልተ ምንቅስቓሳት (movements) ክሕቆን ዝጸንሐ ፍልልይ (difference) ዝፈጠሮ ምርጻም (conflict) ኢዩ፡ ብምባል ትንክፍ ኣቢሎሞ ሓሊፎም።

ሄ) ሽሕ’ኳ ናይ ታሪኽ ምዕባለ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ልዕሊ ምጥራር ዶባት፡ ቀይዲ ዘይብሉ ምንቅስቓስ ናይ ሓሳባት፡ ናይ ካፒታል፡ ናይ ምህርቲ ከምኡ’ውን ናይ ደቂ ሰባት’ዩ ዕዮገዛ ደቂእዋን ክኸውን ዝጀመረ ክብል ዝምስክር እንተኾነ፡ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ኣልዒሎም ኣብ ዝተዛረብዎ ሓጺር ኣጋጣሚ ግን ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዛዕባ ዝነበረ ምጥራር ናይ ዶባት ማለት ልኡላውነት (sovereignty) ንትብል ቃል ንኽስ ኣቢሎማ ናብ ካልኦም ሰጊሮም።

ህ) ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ መልእኽቶም፡ ዘመናዊ ኣወዳድባ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ንለውጢ ብናዕቢ (revolt) ዘተስፉ ከምዘይኮነ ዘብርህ’ዩ ኔሩ። ንሱ ብዘየገድስ ግን ካብ ተሳተፍቲ ሰሚናር ብተደጋጋሚ ኣብ ኤርትራ ከም ናይ ቱኒዝያ ወይ ድማ ከም ናይ ግብጺ ዝመስል ማዕበል ናይ ለውጢ ምእንቲ ክባራዕ እንታይ ትሕብሩና ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ይቐርበሎም ኔሩ።

  ከምኡ ዝበለ ተመሳሳሊ ሕቶታት ምስበዝሖም ግን፡ ኣንቱም ሰባት ውጽኢቱ እንታይ ከምዝመስል ምእንቲ ክንርእ’ሲ እስኪ ካባኹም ሓደ ኣብ ኮምብሽታቶ ኣብ ኣፍ ደገ ናይ ማዘጋጃ ቤት ናብ ርእሱ ላምባ’ፍሲሱ ክርቢት ይወልዓላ ንነብሱ፡ ወይ ድማ ዝብለኩም ዘለኹ ኣይትሰምዑንን ዲኹም ዘለኹም’ዮም ዘይወሰኹሉ’ምበር፡ ኣትርር ኣቢሎም ከም ናይ ናይ ነጋዶ ናይ ሸቃሎ ናይ ተመሃሮ …. ዝመስሉ ኣዕኑድ ናይ ማሕበራዊ አኮኖምያዊ ፖለቲካዊ ጥርናፈታት ኣብ ዘይብላ ኤርትራ ከም ናይ ቱኒዝያ ወይ ድማ ናይ ግብጺ ዝመስል ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ምጽባይ ቀሊል ኣይኮነን። ተረኺቡ ተሳኢኑ ኣብ ዕርቂ’ዩ (reconciliation) ዝህሉ ዝመስል ተስፋ ናይ መጻኢ ዕድልኩም ክሳብ ምባል ይበጽሑ።

    ነ’ረኣእያ መጻኢ ዕድልና ካብ ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል ዝገላግሎ ሓዲሽ ሓሳባት ምእንቲ ክዕምብበሉ፡ ካበ’ዲስ ኣበባ ክሳበ’ስመራ እሂን ምሂን ንበሃሃለሉ በረኸት ይጸግወና።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን!

    References:

1.         ኢትዮ-ኤርትራ የቀን ግርዶሽ - ተስፉ ኣልታሰብ

2.         The New Yorker Review of Books 07/15, a partnership with China to avoid World War. George Soros   

3.       I didn’t do it for you. Michela Wrong

“I had never visited a country that seemed so in thrall to its own foundation story. But then, that was before I visited Eritrea. Arriving in 1996 to write a country survey for the Financial Times, I became intrigued by the extent to which Eritrea’s war of independence had been woven into the fabric of thought and language.” (p. 10) 

4.       Closing Europe’s Harbors – The Atlantic Jul/Aug 2015 by David Frum

5.       Diasporas: Gone but not forgotten, The Ecocnomist – June/July 2015

6.       Regime Change for Humanitarian Aid.  Michael Barnet and Peter Walker, Foreign Affairs Jul/Aug 2015

7.       Europe’s Shattered Dream of Order. Ivan Krastev and Mark Leonard, Foreign affairs May/June 2015

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...