ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝተረኽበ ሓበታ ከም ዝገልጾ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከቡ ናይ ስደተኛታት ቁጽሪ ልዕሊ 36,000 ምብፅሑ ይፍለጥ።  ካብ ኩሉ ዘስደምም እሞ ድማ መምሃሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢልና እንግምቶ ነገር እንተሃለወ፡ ካብ 4603 ዑቕባ ሓተቲ ሓደ ከም ሓሙስ ጥራይ ናይ ዑቑብ መሰል ክወሃቦ፡ ዝተረፉ ዘቕረብዎ ናይ ዑቕባ ኣቤቱትታ ውድቂ ኮይኑ ካብ ሃገር ክወጹ ከም ዘለዎም ተበይኑ። ዝኾነ ኮይኑ  ቁጽሪ እቶም ኣብ እስራኤል ብ’ጸሎቕቲ/ሎሓኽቲ’ ስም ዝፍለጡ ኤሪትራውያንን መሓዙቶም ዝኾኑ ኣፍሪቃውያንን ኣብ እስራኤል  በወርሑ እንዳጎደለ ይኸይድ ምህላዉ ካብ እስራኤል ዝመንጨዉ ዜናታት የመልክቱ። ንብነት ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብቲ ልሙድ 2000 ሰራጋይ 300 ጥራይ ጸሊቑ ክአቱ ምኽአሉ ይንገር። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ናይ እስራኤል መንግስቲ ንስደተኛታት ዝምልከት ኢሰብአዊ ዝኾነ ሕጊ ብዝሓለፈ ሓምለ 2012 ብምንዳፍ፡ ብዘይፍቓድ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዘሎን ንዝመጽእ ጊዜ’ውን ዝረከብ ብዘይንሕስያ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ሻሮን ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኒ  ከይአኽሎ ናብታ ዝመጸላ ሃገር ከምዝጥረዝ እቲ ሓዲሽ ሕጊ ብንጹር የቐምጥ።

ኣብ እስራኤል ዝተነድፈ ሕጊ ብዘየገድስ፡ ኤርትራውያን ተጨውዮም ናብ ዶብ እስራኤል ማለት በረኻ ሲና ምልአኾም ኣይተቛረጸን። የግዳስ  ዓረባውያን በደው ምስ መሻርኽቶም ረሻይዳን፣ ዜጋታትን ሰበስልጣን ሱዳንን ከምኡ’ውን ሓተላ ታሪኽ ዝኾኑ ኤሪታራውያን ናይ ጨውያን፣ መሸጣን ስራሕ ብሰፊሑ ተታሒዞምዎ ኣለዉ። አብዚ እዋን’ዚ ገንዘብ ዝተኸፍለሉ/ላ ጂሆ ዋና መራገፊ ዝኾነት ከተማ ካይሮ ኮይና ትርከብ። አብ ካይሮ ኮይኖም ብሰብአውን ሃገራውን ኒሕ ተደሪኾም  ነጻ ንዝተለቁ ጂሆታት ተቐቢሎም ዘተአናግዱ ደቂ ሃገር ምህላዎም’ውን ክሕበር ይግባእ። ካብ አንበብቲ ዘይተሰወረ ግንከስ ክጥቀስ ዘለዎ ነጥቢ እንተሃለወ መንግስቲ ግብጺ ይኹን መንግስቲ ሱን ነዚ ኣብ ሃገሮም ዝካይድ ዘይሕጋዊ ተግባራት ስጉምቲ ንኽወስዱ ድልዋት ኣይኮኑን። እቲ ክሳብ 100,000 ዝአክል ስደተኛታት ኤርትራ አዕቊቡ ከብቅዕ፣ ይሕመቑ ይንፍዑ ድማ ንተቛወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣንጊዱ ዝርከብ ፈታዊና ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ ኣብ ስደተኛታት ካምፕ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ስራሓት ጠጠው ንኸብሎ ዝቐረበሉ ምሕጽንታ ዕሽሽ ብምባል ፡ ኣስማት እቶም ኣብቲ ካምፕ ተሰግሲጎም ኣብ ደቂሰባት ምሻጥን ምልዋጥን ተዋፊሮም ዝርከቡ ገበነኛታት ስጉምቲ ንኽወስድ ብ ICER ዝቐረበሉ ተደጋጋሚ ሕቶታት ገና ኣብ ግብሪ ኣየውዓሎን።

ንመንግስቲ ኤርትራ ዝምልከት ብዙሕ ክብሃል ዘለዎ ነገር ኣሎ። ንጊዜኡ ግን ካብ ከታማታት ኤርትራን መዓስከራትን ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ወይ አሻዲኖም ወይ ጨውዮም ዝወስዱ ከምዘልዉ ርግጽ ኮይኑ እቲ መንግስቲ ግን ዘየዋላውል ስጉምቲ ክወስድ አይረኤን ዘሎ ። የግዳስ ዑሉላት ብሰብ ምጭዋይን መሳርያ ብምንጋድን ዝውረየሎም ሰብ ጹሩራ ነቲ መንግስቲ ሽፋን ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሸይሸይ ክብሉ እንዳተራእዩ ጽንጽያ ዓይኖም ዘንፍረሎም መንግስቲ ይትረፍ ተባዕ ወዲ ሃገር ከምዘይሎ ንርዳእ። ካልእ ይትረፍ ነቲ ብዓለምለኻዊ ውደብ ዝተመስከሩሉ ቀንዲ ናይ ሰብን መሳርያን ነጋዳይ ዝኾነ ን’ጀነራል’ ሃይለ ማንጁስ’ውን ስጉምቲ ክውሰደሉ ኣይተኻእለን።  ምናልባት ማንጁስ ‘አቃቤ በትረ ስልጣንን’ ብምዃን እንተተናሕፈ፡ ነቲ ካብ 50 ንልዕሊ ብሰበቡ ኣብ ሲና ዝተሸጡ ግን ከስ ኣብ ውሽጢ ፎርቶ ሳዋ  ዝነብር ብዓል ድኳን ወዲ እምባ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዘይምእታዉ፡ ፍርዱ ንህዝብን ንደገፍቲ መንግስትን ንገድፎ። መንግስቲ ኤርትራ ንዜጋታቱ ብምሕላቕ ምስተን ንኤርትራውያን ዜጋታት ከም ድርባይ ጨርቂ ዝርእያ መንግስታት ግብጽን ሱድን ኣፍ ልቡ ገቲሩ ክሟገት  ICER ብሃንቀውታ ትጽበ።

ብጅሆ ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን ነጻ ንምውጻእ ኣብዝግበር ፈተነ ናይ ገንዝብ ሓዋላ ዝግበረለን ከተማታት ኣብ ጀርመን፣ዓዲ እንግሊዝ ከኡውን ኖርወይ ክኾና ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምስራቕን ድማ ከምኒ ዱባይ፡ካይሮ፡ ትርቡሊ ጁባን ካርቱምን ኢየን። እቲ ብ መንገዲ እስራኤል ዝሕወል ዝነበረ ገንዘብ ግን  ብመጠኑ እንዳተቐነሰ ይኸይድ ኣሎ።  እዚ ዝኾነሉ ምኽንያቱ ድማ መንግስቲ እስራኤል ንድሕነት ሃገሩ ክብል ጥቡቕ ምክትታል ብምግባሩ ኢዩ።

1- እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዝርከብ ብቕጥፈት ተዋፊሮም ምህላዎም ዝጥርጠሩ ውልቀሰባት ጊዜኡን ቦታኡን ሓልዩ ብጭብጢ ዝተሰነየ ክሲ ክቐርበሎም ምዃኑ ICER ከረጋግጽ ይደሊ።

ሀ)ሃብቶም ሽም አብኡ ዘይተረጋገጽ ምቕማጡ ጁባ ደቡብ ሱዳን፡ ቁጽሪ ስልኩ 00249955869985

ለ) አብ ዱባይ ዝመደበሩ ፊልሞን ወልድአብ ቁጽሪ ስልኩ 00971552549660

ሓ) ክብሮም ጸጋይ ጊዜዊ መቐመጢኡ  ኤክዌዶር (ካብ ሌባ ተቐባል ሌባ) ቁጽሪ ስልኩ 0059387047975

2- ሃብተን መሓሪን ዝተባህሉ ብደቂሰብ ጭውያን፣ ስቅያትን፣ ጾታዊ ግሰትን ተኸሲሶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ናይ ሰላም ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ተረጋጊጹ ኣሎ። እዞም ብገበን ተኸሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዘለው ኤርታራውያን ካብ ገበን ነጻ ኢና ብምባል ቃሎም ሂቦም ኣለዉ።

3- ንሰለስት ወርሒ ዝአክል ኣብ ሑብእ ቤት ማእሰርቲ ረሽይዳ ክሳቑዩ ምስጸንሑ፡ ንኽትገልጾ ብዘሸግር ኣግባብ ብወኔ ዝተሓወሶ ድፍረት ንሓሙሽተ ጂሆ ተሓዝቲ መሳርያኦም ብምምንዛዕ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ብምእታው ንፖሊስ ሱዳን ኣረከብዎም።  ቅድሚ ሕጂ’ውን ከም’ዚ ዝአመሰለ ናይ ጅግንነት ተግባር ኣብ ሲና ምፍጻሙ ዝርሳዕ ኣይኮነን። መዓስከር ሳዋ ንገሌና ከም ሲኦል ንገሌና ድማ መከላኸሊ ኣርማ ሃገር’ኳ ትርኤ ኣንተኾነት ኣብቲ መዓስከር ዝተቐስመ ትምህርቲ  ኣብ መዓላ ምውዓሉ ከየሔጎሰና ኣይተረፈን። እቲ ዛንታ ግን ኣብ ኮሚኮ-ትራጂዲ ምቕያሩ ንሰማዒ ደንጺይዎ ኣሎ። መንግስቲ ሱዳን ነቶም ሽፋቱ ደቂ ዓዲ ካብ ምእሳር ተቖጢቡ፡ ነቶም ግዳይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ብሕቡእ ካብ ሃገርኩም መሳርያ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ሓደጋ ንምውዳቕ ዝሃቀንኩም ዘይሕጋውያን ኢኹም ብማለት ኣሲርዎም ይርከብ።  ዘበን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ ከምዝብሃል ዓመጽትን፣ ጨውይትን፣ ብነጻ ክልቀቑ፡ ደቂ ማርያም ኪለዓው ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓመድ ድፋጫኦም ይስሕኑ ኣለዉ። እዚ ሃየንታ አለዎ። እቲ ዘሕዝን ድማ ካብቶም 14 ኣብ ቤት ምእሰርቲ ዝርከብ ግዳያት፡ ሓደ መንእስይ ብዓል ኣስመራ ብድሕሪ ብዙሕ ስቅያት ሂወቱ ምሕላፉ ኢዩ። ነዞም  አብ ኣጥባራ ተአሲሮም ዝርከቡ መንእሰያት ጊዜዊ ጠበቓ ከምዘለዎም ነዚ ጉዳይ  ብጥብቂ ዝከታተሉ ሰብ ኣተንብህልና ኣሎ። ስለዚ ሰብአዊ ርሕራሔ ዘለዎ ነፍሲወከፍ ሰብ ኣበርክትኡ  ክገብር ICER የማሕጽን።

4 ካብ’ዚ ብምስዓብ ሓደ አብ ሽገራብ ናይ ስደተኛታት መዓስከር ብኮስኮ ስም  ዝፍለጥ ወናኒ ቤት መግቢ ምስ በዓልቲ ቤቱ ተጨውዩ ኣብ ሲና ምእታዉ ይንገር። ናይዚ ፍጡር ታሪኽ ምስ እንዕዘብ ኤሪታርዊ ኣብ ትሑት ናይ ደቂሰባት ደረጃ ምህላዎም ንዕዘብ። እዚ ማለት ንበዓልቲ ቤት ኮስኮ ዝተመንያ ኣብ ርእስ’ዚ ድማ ንሰበይቲ ሓዳር ንምድፋር ካብ  ኣግባብ ወጺኡ  ዘሸገረ ሓደ ናይ ሱዳን ድህንነት/ጸጥታ ብዘኸተሎ ሰበብ ምዃኑ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ክከታተልዎ ዝጸንሑ ሰባት ይገልጹ።  ኮስኮ ነቲ ጉዳይ ብሕጊ ንኽረአየሉ ብምምልካት ብህድኣት ኣንዳተጸበየ እንከሎ፣ ሓደ ንግሆ ፡ ምስሎይ ሱድናዊ ፖሊስ ንሱን ሰብይቱን ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝተጸውዑ ኣምሲሉ ንጨውይቲ ረሻይዳ አሕሊፉ ብምሃብ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ በርኻ ሲና  አደዳ ስቅያትን መግሃስትን ኮይኖም ምህላዎም፡ ንኽፍትሑ ድማ 70,000 ዶላር ከምዝተሓቱ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ከም ወትሩ ICER ንዝኾነ ይኹን ካብ ሃገር ዝወጸ ወይከአ ንኽወጽእ ውጥን ዘለዎ ሰብ ኣከባቢኡ ብደቂቕ ዳህሲሱ ምስ ከምኡ ዝአመስሉ ብጾት  ክንቀሳቐስ ንምሕጸን። ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ ካብቲ ሃገር ዝመሓደደረሉ ሕጊ ወጻኢ ካብ ምስርሕ ምቑጣብ። ይኹን’ምበር ኣድማሳዊ ሕጊ ብዝፈቕዶ ንሰውነትካን ሂወትካን ንምድሓን ኣድላይ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ዝኽልክለካ ምድራዊ ሕጊ የሎን። ከተስተውዕሎ/ከተስተውዕልዮ ዘሎካ/ዘሎኪ ነገር እንተሃለወ ኣብ ደገ ዘሎ ሲኦል ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሲኦል ዝዳረግ ምዃኑ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...