ብመጀመርታ እዚ ሓድሽ ተርኽቦ ናይ ፕራይ-ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ሞተ መስዋእቲ ኣብቲ ዝኸዶ መዋእለ ሰላምን ሩፍታን ክኾነሉ ምንዮትና’ዩ ። መስዋእቲ ተጋዳላይ መለስ ምልክት ንቕሓቱ’ዩ። ተጋዳላይ መለስ ሞይቱ’ዩ ተሰዊኡ ። እወ መስዋእቲ ዕጫ ዘይኮነስ ምርጫ’ዩ። ሂወት ርሕቀት ጉዕዞኣ ሞት’ዩ ። ካብ ሞት ዘምልጥ ግን ብቑጽሪ ውሑድ መርኣያን በጃን ብዙሓት ዝኸውን ግን ዉሑድ’ዩ። ተጋዳላይ መለስ ሞት መናብርትና ሙኻና ስለ ዝነቐሐላ ብኣጋ ኣይናትክን’የ ኢልዋ ። ተጋዳላይ መለስ ንሞት ይስዋእ እንበር ጭራሽ ኣይትረኽብንን ኢኺ ኢሉ’ዩ ኣብ ዓውደ ምንባር ስዒርዋ ። እወ በጃ ሕብረተ-ሰብ ኢትዮጵያ ንሙኻን ንእስነቱ ኩቡር ሂወቱ ከፊሉ ሓሊፉ ተሰዊኡ ።ተጋዳላይ መለስ ንመሰልን ማዕርነትን ኢትዮጵያውያን ብተናጽል ንነፍሲ ወከፍ ከረጋግጽ መሰል ሕብረተ-ሰብ በብልምዶም ክነብሩ ምስ ምክእኣል ኣምሂሩ ብትብዓት ።

ተጋዳላይ መለስ ንድኽነት ብፍልጠት ክስዕራ ኣበየ መላእ ኢትዮጵያ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝበረኸ ራኢ ኮሎጃትን ዩኒቨርስትን ወሪቑ ። ተጋዳላይ መለስ ዑምቀት ፍልጠቱ ንሓድሽ ወለዶ ኣካፊሉ ራኢኡ ኣብ መስርሕ ኣካሉ ተዓንቂፉ ኣተሓሳስብኡ ግን መለስ መለሳት ኮይኑ ተሰዊኡ። ብጻይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህ.ወ.ሓ.ትን ተጋዳላይ መለስን ሓልዮቱ ካብ ሕብረተሰቡ ዘንጠብጠበ ነመላእ ኣፍሪቃን ዓለምን፡ብሓለፋ ድማ ንዓና ንኤርትራውያን ኣብ ጽንኩርን በዳህን ውሽጣዊ ኩነታትና ኣብ ዘለናሉ መድረኽ እጃሙን ኣበርክትኡን መዝሙረ ሰላም ንክንዝምር ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ኣኽኢሉና’ዩ። ንድርዒ ታሪኹ ማዕሬኹም ጾር ገዲፉልና ። ጎደና ዕብየት ስኒት ምስ ጎረቤት ሙኻኑ ሚሂሩና። ብግብሪ ንክንትርጉሞ ክንሓኽሮን ድማ ንሰናይ ጉርብትና ታሪኻዊ ግዴታና‘ዩ። ጽንዓት ንቤተሰቡን ናይ ቀረባ መሳርሕቱን ንመላእ ሕብረተ-ሰብ ኢትዮጵያን።

ኮሚኒቲ

ኤርትራውያን ኤሜሪካውያን

ሂውስቶን ቴክሳስ

(713)269-8633

(832)435-8028 & (832)647-7237

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...