ዘውድን ደርግን ደድሕሪ ሓድነት ኪጎዩ፡ ገድልን ምግዳልን ድማ ካብ ሓድነት ክሃድሙ ዝዘርእዎ ፖለቲካ፡ ከም ሃይማኖት ተኣሚኑ ኣብ መራሕትን ህዝብን ሰሪጹ፡ ንምጽብጻቡ ዘሕፍር ኣዝዩ ብዙሕ ሂወትን ንብረትን’ዩ ኣብሪሱ። እነተኾነ ግን ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ፖለቲካዊ መስመር፡ ጉዳይ ኣንድነት ብፍቕሪ ብሕውነት፡ ብዂናት ብዕንወት ተፈቲኑ ንዘውድን ንደርግን ኣይሰለጦምን፡ ብምባል ኣንፈቱ ኣመኣዛዝዩ፡ ደጊም ኢትዮጵያ ንኤርትራ እንተ’ፋንያ ክሕሻ’ዩ ዝብል ሓዲሽ እምነት’ዩ ኣማዕቢሉ።

ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ነቲ ከም ሃይማኖት ሰሪጹ ዝነበረ ምትሃት ናይ ኣንድነት ቡርቁቕ ኣቢሉ፡ ሓዲሽ እምነት ከምዝሰርጽ ጌሩ። እነሆ እዚ ሓዲሽ እምነት ከኣ ድሮ ሱር ሰዲዱ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ሓዲሽ ታሪኽን ዕማምን ፈጢሩ ይርአ’ሎ። ብሓጺሩ’ሲ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ካብ ኣዕይንቲ ዘውድን ደርግን ተኸዊሉ (blind spot) ዝነበረ ናይ ውድድር መድረኽ’ዩ ኣግሂዱ። ማዕረ ማዕርኡ ግን ንኣተኣላልያ ጉዳይ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ብዕሽሽታ ኣይሓለፎን።

ብንጹር ንናጽነት ኤርትራ ምስ ፍልይ ዝበለ ሓለፋታት ዘለዎ ሜላ ቋሪኑ’ዩ ንዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ’ቲ ሓዲሽ መድረኽ ኣላዚቡ ናብ ዕርቅን ለውጥን ከሰጋግሮ ዝፈተነ። እዚ ፈተነ’ዚ ሽሕ’ኳ ብሰንኪ ቅዲ ኣመራርሓ እንዳ ዝናን-ባህታን እንተተኾልፈ ክምስገንን ክዝከርን ዝግብኦ’ዮ። ንሓዋሩ’ውን ንመስርሕ ለውጥን ዕርቅን ስለዘርብሕ፡ ንሓዲሽ ትውልድን ሓዲሽ ሓሳብን ዝጽበ ዘሎ ኣንፈት’ዩ።

ኣነ’ኳ ኣብ’ዛ ተኸታታሊት ጽሕፍቲ’ዚ’ኣ ካብ’ቲ ምስ ናጽነት ተቐልቂሉ ዝነበረ ፍሉይ ዝምድናታት እዘን ዝስዕባ ኣብነታት ብምጥቃስ፡

i) ብዛዕባ’ቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ናይ ሓባር ዕዳጋ - ሓፈሻዊ ንግድን ናይ ሓባር ገንዘብን።

ii) ሪፋይነሪ ናይ ዓሰብ - ኢትዮጵያ ዝገዝአቶ ሓፊሽ ነዳዲ ኣብኡ ክጻረ’ሞ፡ ሽዑ 20% ንኤርትራ ይወሃብ ኔሩ ይበሃል ብምባል ዝሓለፍኩዎ፡ ኣቶ ዘሪሁን ተሾመ ኣብ መጽሓፍ ኣስፊሮሞ’ለዉ፡ “30% ንኤርትራ ይወሃብ ኔሩ ይብሉ።” (ኩርኮራ ገጽ 197)

iii) ዕዳጋ ጨው - ናይ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ንናይ ኤርትራ ጨው ጥራይ’ዩ ተሓዚኡ ዝነበረ።

iv) ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ናይ ወደባት - ዝምድና ኤሪታስን ማሪታይምን።

ከም ዓቕመይ ከንጸባርቕ ብምፍታን ተናኺፈዮ ኔረ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ብሸነኽ ኤርትራ ግን ምስ’ዚ ምዕባለዝን ምስ ናጽነትን ዘሳኒ ለውጢ ኣይማዕበለን። እቶም ካብ ሓድነት ምህዳምን ብኢትዮጵያ ምስጋእን፡ ከምኡ’ውን ምእንቲ ናጽነት ዝካየድ ቃልስና ቐጻሊ’ዩ ዝዓይነቶም ናይ ትማሊ ዝምባለታት፡ ምስ ምግሃድ ናጽነት ክሕደሱ ኣይከኣሉን።

ስለ’ዚ ገድልን ምግዳልን’ሲ ነታ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኢዶም ዝዓለበት ታዕሪፋ ቀዳመይቲ ገጻ ናጽነት’ያ ምስበሉ፡ ካልኣይቲ ገጻ ምሕዝነት’ያ ክብሉ ኣይበቕዑን። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ንዓሰብን ባጽዕን፡ ምስ ኣዱሊስን ዙላን ክሰርዕ ዝኽእል ሓይሊ ዘለዎ ናይ ውድድር መድረኽ ከም ጸሓይን ንፋስን ናይ ደንከልን ሰምሃርን ፉሕ-ፉሕ እናበለ ሓዲሽ ታሪኽ ይጽሕፋ’ሎ።

ስለ’ዚ እምበኣርከስ እዚ ማዕቢሉ ዘሎ ናይ ውድድር መድረኽ’ዚ፡ ሓዲሽ ናይ ስራሕን ምሕዝነትን ስረ ዘዕጥቕ ምእንቲ ክኾነልና፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ኣድህቦን ኣቓልቦን ዘለዎ…… ሓዲሽ ሓሳብ የድሊ’ሎ።

እንተ ዘይኮነ ግን ብሞያ ንዝሞተ ቅዲ ኣመራርሓ ክንረሩ ዝሓልፍ ዘሎ ግዜ፡ ከምኡ’ውን ብዝበለየ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ናይ ታሪኽ ኣረኣእያ፡ ሃገራውን (patriotism) ብሔራውን (nationalism) ስምዒታትና ክንሓቁን ዝጠፍእ ዘሎ ዕድል፡ ምስ ንጉስ ዕዳጋ ዘባትኽ’ዩ። ብሓጺሩ’ሲ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ታሪኽ ሓዲጉና ይብቆጽ ኣሎ። … የቕልሎ ጥራይ።

ኣቶ ዘሪሁን ተሾመ፡ “ኣብ ምዕባለ ታሪኽ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክወራረስ ዝጸንሐ ፍሉይ ባህርይ፡ ናይ ግንዛቤኡን ኣተናትናኡን ጉዳይ’ዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ኣብ ትማሊ ዝደቀሰ ኣብ ግዑዝ መሬት ዝተሸኽለ ብኣሻጥር ዝተፈትለ’ዩ። ….. ይኹን ደኣ’ምበር ንትማሊ ከም ዘየጠራጥር ናይ ጸገማት መፍትሕን ሓባሪ ብርሃንን ኣምሲልካ ምቕራብ ግዜኡ ዝሓለፎን ናይ ዝሓመመ ሕብረተሰብ ፍሉይ መለለዪ መልክዕን’ዩ። (ኩርኮራ ገጽ 247)” ይብሉ።

እወ ኣብ መንጎ ልኡላውነት ሃገርን ልኡላውነት መንግስትን ከምኡ’ውን ልኡላውነት ገድልን ምግዳልን ሰፊኑ ዝጸንሐ ጽልግልግ፡

ማለት’ሲ፡

**ንሚዛን ልኡላውነት ሃገር - ካብ ምሕብሓብ መሰል ዜጋታት ብዝያዳ ምስ ምጥራር ዶባትን ምስቃል ባንዴራን ዝቛርን፡

**ንመንግስቲ ናይ ከሃሌኩሉነት ስልጣን ዓዲሉ: ዕድመ ዘለኣለማውነት ክጽጉ ዝፍትን፡

**ንመስርሕ ገድልን ምግዳልን ድማ ብተግባሩ ዘይሕተት፡ ኣብ መደባቱ ዘይመዓድ ኡንኮ ኣማራጺ ኣብ ጎደና ናጽነትን ምዕባለን ኣምሲሉ ዘቕርብን ዘማዕርግን ስሉስ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ዝምባለ ዝፈጠሮ፡ ሕልኽልኽ ዝበለ ሃንቀውታ፡ ናይ ዙቑር ሓኒሽን ናይ ባድመን ጣጣ  ሃስይዎ ግዲኾይኑስ፡ ከክሳዱ ክብሕት ዝቐርብ ዘሎ መሲሉ ስለዝተራእየኒ’የ፡ ዝብል ትዕዝብተይ’ዩ ነዚ ዝስዕብ ርኢቶይ ክሕውስ ዘድፈረኒ፡ ብምባል ዝጀመርኩዋ ጽሕፍቲ ንምዝዛም፡

ቀዳማይ፡ እቲ ናይ ዙቑር ሓኒሽ ጣጣ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ዓሳታትን ደሴታትን ዜግነት ከም ዝቐየረ ካብ ምዝካር ዘሕልፍ፡ እሞ ድማ  ኣብ’ቲ ናብ ዓደን ገጹ ዝተጠረረ ክፋል ናይ ማ’ሮሶ ዘሐምብስ ጥበብ ስለዘይብለይ ዝውስኸሉ’ብለይን። ከምዓለመይ ኣፋኒኻ ቀንፈዘው’ዩ ዕድለይ።

ካልኣይ፡ እንተ’ቲ ናይ ባድመ ጣጣ ግን ከም’ዛ ፍንጣጣ ንሓዋሩ’ውን ዝሓድግ ኣይመስልን’ዩ ዘሎ። ኣዝዩ ብዙሕ ነገር’ዩ ለዊጡ። እንድዒ ደኣ’ምበር ነዚ ጣጣ’ዚ’ሲ እንተፈዊሱዎ’ኳ ማ’ጨሎት ምስ መንጫዕጫዕታ።

ምናልባት እንተተረኺቡ ግን፡ ን’ንዳ ዝናን ባህታን ምእንቲ ክፈጥረሎም ንስሓ-ቦታ …. ንለውጥን ዕርቅን የብሉን መሰታ።

እወ፡ ዝሓለፈስ ሓለፈ ኣይትድገመና ብዝተረፈ (ምስላ) ከምዝበሃል፡ ኣብ መስርሕ ምኹስኳስ ኤርትራን ኤርትራውነትን፡ ምናልባት ንመጻኢ ዝኸውን ዝሓይሽ ኣማራጺ እንተተረኽበ ሃሰስ ንምባል።

እንተሰሊጡ ድማ ነቲ ብናይ ስምዒት ማዕበል ዓድን ዓውድን ሃዋዊጹ  ክገዝእ ዝጸንሐ ጣቕዒትን ጓይላን ደድሕሪ ዝናን ባህታን፡ ምስ’ዚ ሓዲሽ ተርእዮ፡ ማለት መሪር-መረረ ኣብ ገበላ ናጽነትን ሱቕታን፡ ኣተኣሳሲርካ ፍልይ ዝበለ ኣድህቦ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ሃሰስ ክብል’የ ብዓቕመይ ዝፈተንኩ።

ከም ርኢቶይ እቲ ሓዲሽ ዕማም ምእንቲ ክቐልል’ሲ ነቲ ሕማም ብውድቀታት ናይ’ቲ ዝተሳዕረን ኣንፈቱ ዝሰሓተን ቅዲ ኣመራርሓ ጥራይ ኣጎልቢብካ፡ ምድርማሙ እኹል ኣይኮነን። ኪነዉ ንምስጓም’ሲ ክሳብ ዝወግሕ ንምኽርን ዘተን ኣግፍሕ ኣቢልካ ምፍታን እንታይ በሃላይ ማለተ’የ። የጸብቆ ጥራይ። ንሕጂ እምበኣርከስ እዛ ትስዕብ ኣብነት ኣቐዲመ ናይ ሎሚ ውዕሎይ ክዛዝም’የ።

ንድሜጥሮስ ድየ ንወልደኣብ ክዝክር?

ከም ንፋሱ‘ንተኾይኑ ከም ዘመኑ

ድሜጥሮስ ድዮም ወልደኣብ ዝዝከሩ

ጽውጽዋይ ካብ መሰለ ዕላሉ።

ንዘይመውት ፈውሲ’ለዎ (ምስላ) ከም ዝብሉ ወለዲ፡ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ናይ 2000 ብሰማይ ዝመጽአት ትመስል ስኮላርሺፕ ረኺበ’የ ካበ’ስመራ ክወጽእ ዝተመረቕኩ። እወ እዛ ካብ ሰማይ ካበ’ባዥጎ ዝተላእከት ትመስል ቡስጣ ብዲ.ኤች.ኤል መጺኣ ኣብ ኢደይ ምስበጽሐት፡ ብታሕጓስ እናነጠርኩ መውጽኢ ቪዛ ክሓትት ክብገስ እንከለኹ ድምብርጽ’ኳ ኣይበለንን። ምኽንያቱ’ሲ ከም ዘመኑን፡ ከም ንፋሱን ነቲ መስርሕ ንምስላጥ የድልዩ ዝበልኩዎም ነገራት ኣማሊአ ሒዘ’ለኹ በሃላ’የ ኔረ ብወገነይ።

ማለት’ሲ፡ ልዕሊ ኹሉ ካብ ዑቑር ሰራዊት ዝተዋህበትኒ መፋነዊት ወረቐት ኣላትኒ። ንሳ’ያ ዘይትርከብ ትመስል ዝነበረት። ተወሳኺት ድማ እታ ካብ ዓዲ ፈረንጂ ካብ ሚላኖ፡ እሞ ድማ ካብ ቦኮኒ ዩኒቨርሲቲ ዝተላእከትለይ ናይ መስተርሆት ወረቐት ሒዘ ናብ ኢሚግረሽን ክኸይድ ክሓስብ እንከለኹ’ሲ፡ ዝጎድለኒ ነገር ከይህሉ ዘጠራጥር ስኽፍታ ኣይነበረንን።

እንተኾነ ግን ኣብ’ቲ ኢሚግረሽን ምስበጻሕኩ’ሲ ካልእ ዓለም’ዩ ጸኒሑኒ። …… ህ’ሞ በሉ ጥራይ!

ፈለማ ንስድራይን ንስፍራይን ደጊም ደሓን ኩኑ፡ ምናልባት’ውን ንሓዋሩ፡ እናበልኩ ብዓቢ ህርፋን’የ ምስ ሽበተይ ክስደድ ቆሪጸ ዝተበገስኩ። ደሓር ትኽ ኢለ ናብ’ታ ዝምልከታ ናይ ኢሚግረሽን መኮነን ቀሪበ ዘምጽኣኒ ጉዳይ ምስገለጽኩ ግን ኩሉ ነገር’ዩ ተሓዋዊሱኒ። ከም’ቲ ሽዑ ዘጋጠመኒ ዓይነት መልሲ ክሰምዕ ጭራሽ ኣብ ግምተይ ስለዘይነበረ።

ከመይ’ሲ እታ መኮነን ወ’ዘሮ ዘረባይ ክሳብ ዝውድእ ጽን ኢላ ምስሰምዐት፡ እሞ ድማ ዘቕረብኩላ ወረቓቕቲ ገላቢጣ ምስተዓዘበት፡

* ጽቡቕ! ኣቐዲምካ ግን ወረቐትካ ናብ እንዳ ቤጥሮስ ወሲድካ ነቲ ክትመሃሮ ትሓስብ ዘለኻ ትምህርቲ ብቕዓቱ፡ ማለት ንሃገር ዘርብሕ ምዃኑ ኣርቲዕካ ኣምጽኣለይ* በለትኒ።

ኣነ ድማ ብቕጽበት ከይሓሰብኩሉ፡ ዋእ *እንታ’እተወኪ ጓለይ* ዝብል ሕቶ ኣቐዲመ፡

ስምዕስ’ኪ ወላ ዓዲ-ቻይና ከይደ ቡድሂዝም ከጽንዕ እደል’የ፡ እንተበልኩኺ’ሲ ንኣኺ እንታ’እተወኪ? ናተይ ምርጫዶ’ይኮነን ዝብል ዘረባ ወሰኽኩላ። ቀጺለ ድማ፡

ኣነ’ኮ!

ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ኣይኮንኩን።

ሓገዝ መንግስቲ ኣይሓተትኩን።

ብዕዳ መንግስቲ ኣይጥየቕን’የ።

ወተሃደር ኢልኩም ወሲድኩምኒ ኔርኩም ድማ ኣፋኒኹምኒ ኢኹም፡ እንተዘይኣመንኪ ድማ እነሀኪ ወረቐተይ።

ስለ’ዚ’ሲ ህ’ሞ በሊ ዝ’ሓውተይ፡ ናብ ትምህርቲ ክኸይድ እነቅል ኣለኹ’ሞ፡ ካብ ሃገረይ መውጽኢ ፍቓድ ክትህብኒ መጺአኪ’ለኹ’የ ዝብለኪ ዘለኹ’ኮ በልኩዋ።

ሽዑ ወያ መኮንን ወ’ዘሮ ብኣበሃህላይ ኣዝያ ዝተገረመት እናመሰለት፡ እንታይ ደሊኻ ኢኻ መጺእካ ዝ’ሓወይ ክትብል ደጊማ ሓተተትኒ። ኣነ ድማ አግዚት-ቪዛ በልኩዋ። ካብኡ ዘረብኣ ብምቕጻል በል እዛ ትሓተኒ ዘለኻ ምእንቲ ክህበካ፡ ዝብለካ ዘለኹ ኣማሊእካ ተመለስ በለትኒ።

ኣነ ድማ ሓቅኺ ድኺ!  እንታይ ግበር’ኺ ትብልኒ ዘለኺ በጃኺ ክብል ደጊመ ሓተትኩዋ? ሽዑ ንሳ ነዛ ወረቐትካ ናብ እንዳ ቤጥሮስ ውሰዳ’ሞ፡ እንዳ ቤጥሮስ ምስወዱኡልካ ናባይ ኣምጽኣያ’የ ዝብለካ’ለኹ፡ በለትኒ። …. ኣየውርድ!

ካብኡ ኣብ ቅድሚ’ታ ወ’ዘሮ ካብ ምዕልባጥ፡ ንሳ ዝሓተተትኒ ከማልእ ኣማራጺ ከምዘይብለይ ተገንዚበ፡ ሕራይ በሊስኪ ጓለይ ብምባል፡ እሞ’ዛ እንዳ ቤጥሮስከ ኣብ’ዚ ህንጻ ናይ ሚግረሽን ድያ ትርከብ ክብል ሓተትኩዋ።

ሽዑ ንሳ፡ ኣበሃህላይን ተስፋ ክቖርጽ ከምዝጀመርኩን ተረዲኡዋ፡ ናይ ድንጋጸ ስምዒት ብምሕዋስ ብልኡም ቃላት፡ እንዳ ቤጥሮስ’ሲ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ’ያ ትርከብ ዝ’ሓወይ በለትኒ።

ኣነ ድማ፡ ዋእ! ሓቅኺ ድኺ’ንቲ፡ አረ እንታእኺ ትብሊ ዘለኺ በጃኺ፡ ኣብ’ቲ ክፍሊ ትምህርትስ እንዳ ቤጥሮስ ዝበሃል ገዛ’ሎ ድኺ ትብልኒ ዘለኺ በልኩዋ። ጓልያት ሽዑ ንብዓት ክሳብ ዝስዕራ ክርት…..ም! ኢላ ሰሓቐት’ሞ፡ ብኽልቲአን ኣእዳዋ ኣዕይንታን መዓጉርታን እናደረዘት .. ብጥዑም ቃላት እወ በለትኒ።

ካብኡ ሕራይ በሊ ደሓን ሕጂ-ሕጂ ኣብ’ዛ ጣውላኺ እንከለኺ፡ ነዛ ትሓትኒ ዘለኺ ትእዛዝ ኣብ እንዳ ቤጥሮስ ጣዕ ጣዕ! ኣቢለ ኣፈጺመያ፡ ክምለሰኪ’የ ብምባል ሓዲገያ ናብ’ቲ  ቀደም ዘመን እኒ-እኒ ሕምባሻ ኸሎ እምኒ (ምስላ) ንባይቶ ኤርትራ ክኸውን ተባሂሉ ዝተሃንጸ፡ ኣብ ጥቓ’ቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ተለኮሚኒከሽን፡ ማለት ኣብ ዓንቀጽ ኮምቢሽታቶ ዝርከብ ህንጻ ክፍሊ ትምህርቲ ኸድኩ። ብኣጋጣሚ ካብ ኢሚግረሽን ቀረባ ስለዝኾነት’ሲ ከም’ዛ ጥር ኢልካ ሽንጭሮ ስግር’ያ፡ ገለ’ብላን።

ኣብኡ ማለት ኣብ ኣፍ ደገ ናይ’ቲ ህንጻ ምስ በጻሕኩ ከኣ፡ ናይ ፋብሪካ ቀለሙ ወዲኡ ኣዝዩ ዝሃሰሰ ሳርያን ዝተኸድኑ ሽማግለ ሰብኣይ ኣብ ማዕጾ ጠጠው ኢሎም ክሕልዉ ጸንሑኒ። ሽዑ ዝጽበየኒ ዝነበረ ኩነታት ንምምዛን፡

ከመ’ዓልኩም ኣቦ ዝብል ሰላምታ ኣቐዲመ፡

…. እንዳ ቤጥሮስ ኣበ’ያ? በልኩዎም።

ሰብኣይ ድማ ካብ’ቲ ዓይኒ-ዓይኖም ዝደጉሖም ዝነበረ ናይ ጸሓይ ጮራ ብጉምቦ ኢዶም ከጽልሉ እናፈተኑ፡ ከምኡ’ውን ናብ ኮምቢሽታቶ ገጾም እናጠመቱ፡ እቶ’ሞ፡ ደይብ ንላዕሊ በሉኒ።

ካብኡ ንውሽጢ ገጸይ ክስጉም ጀመርኩ። ሓቂ’ሓይሽ ብናየ’ስመራ መለክዕስ እቲ ህንጻ ዓቢ ገዛ’ዩ። ብቕጽበት ድማ ናይ ሻዱሻይን ናይ ሻሙናይን ጀነራል 96% 98% ኣምጺአ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማትሪክ፡ ክንድ’ዚ ‘አ’ ክንድ’ዚ ‘ቢ’ ረኺበ ዝብሉ ዕላል ተመሃሮ ናይ ቀደም ትዝ በለኒ። ምስኡ ድማ መልክዕን ግርማን ናይ’ቶም ኣብ’ቲ ቤት ጽሕፈታት ዝዓዩ ዝነበሩ፡ ብቐንጠብጠብ ዘይድፈሩ ዓበይትን ሓለፍትን፡ ክራቫታን ጻዕዳ ካምቻን ዝለበሱ መምህራን ሰብ ቀደም፡ ፋይላት ሒዞም ካብ ማዕጾ ናብ ማዕጾ እንኪመላለሱ ኳሕ! ጥዋዕ! ዝብል ድምጺ ኮዮ ሳእኖምን፡ ዓጠጥ ዝብል ድምጺ ማዓጹ ቤት ጽሕፈቶምን ትዝ በለኒ’ሞ ቁሩብ ተጠራጠርኩ።

ብዝጀምርኩዎ ንምቕጻል ድማ ነቲ እምነበረድ ዝተነጽፈሉ ኣስካላ’ስካላ ከም’ዛ ሓደ ክልተ ኢልካ ፍቐዶ ዝተበሃልኩ ብዘገምታ ክድይቦ ጀመርኩ። ሽዑ ወዮ ቐደም ብንእሽቶይ፡ ኣብ በትሪ ከምዝተለኽየ ደም-ቁርዲድ ዘንጸባርቕ መልክዕ ዘለዎ መሲሉ ዝረኣየኒ ዝነበረ መናድቕ ናይ’ቲ ንፓርላማ ኤርትራ ክኸውን ዝተሰርሐ ህንጻ’ሲ፡ ሓሓሊፉ ተበዣዢሉ ከምዝነበረ ተዓዘብኩ። …. ኣቤት እዋን!

ርሕቕ ኢላ ብሸነኽ የማን ኣብ ኩርናዕ ናይ’ቲ መንደቕ ድማ ሓንቲ መሳልል ናይ ነዳቖ፡ ኣዝያ ዝተጎሳቖለት ሳንኬሎን ሑጻን ከምኡ’ውን ዝተፋረቐት ከረጺት ስሚንቶ ኣብ እግራ ዝነበራ፡ ኣብ’ቲ ኮሪዶር ንጋድም ደቂሳ፡ ማለት ናብ መንደቕ ተጸጊዓ ከምዝነበረት ረአኹ። እንተኾነ ግን፡ ሽሕ’ኳ ኣብ’ቲ ደረጃታት ምስ ሑጻን ስሚንቶን ዝተሓወሰ ሓመድን ረስሓትን እነተነበረ፡ ተወዝ ዝብል ሸቃላይ ኣይነበረን። እንተ’ቲ ውሽጣዊ ኣየር ናይ’ቲ ህንጻ ግን ንፋስ ከምዝጨነቖ በዓቲ’ዩ ሓመድሓመድ ዝጨኑ ዝነበረ። ጉድ’ዩ ኣባላት ባይቶ ንጉባኤ እንተዝጽውዑ ብሕንጥሸው ምነብዑ!

ካብኡ ቀስ ኢለ ናብ ቀዳማይ ደርቢ ምስ ደየብኩ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ናይ ሓንቲ ቤት ጽሕፈት ጉዳዮም ከስልጡ ሪጋ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሰባት፡ተሰሪዖም ጸንሑኒ። ኣነ ድማ ሪጋይ ሒዘ ምስኦም ተሰራዕኩ።

ኣይደንጎኹን፡ ተራይ በጺሓትኒ ድማ ናብ’ታ ክፍሊ ኣተኹ። ሽዑ ወረቐተይ እናወጣወጥኩ እዛ ትሪኣ ዘለኻ ስኮላርሺፕ ረኺበ’ሲ፡ አግዚት ቪዛ ክሓትት ናብ ኢሚግረሽን ከይደ ጸኒሐ። ንሳቶም ድማ ናብ እንዳ ቤጥሮስ ውሰዳ ኢሎሙኒ በልኩዎ።

ሰብኣይ ድማ ኦክያልኡ እናመኣዛዘየ፡ እሞ ኣንታ ሓውና ናብ እንዳ ጴጥሮስ ዘይትወስዳ በለኒ። ሽዑ ኣቐዲመ ብዘይምሕታተይ ሰንቢደ፡ ወደይ እዛ እንዳ ጴጥሮስ ኣብ ቁጽሪ ኽንደ’ያ ዘላ ብምባል ቁጽሪ ገዛ ተቐቢለ ኣመስጊነ ወጻእኩ።

ኣብ’ታ ዝተሓበርኩዋ ቁጽሪ ምስበጻሕኩ ከኣ ኣብ ቀቅድሚአን ነናተን ኮምፕዩተር ዝነበረን ክልተ ኣንስቲ ርክያሞ ክርክማ ጸንሓኒ።

ማዕጾ ናይ’ቲ ቤትጽሕፈት ተራሕዩ’ዩ ኔሩ። ስለ’ዚ ትኽ ኢለ ኣተኹ። ካብኡ ኣቐዲመ ድንን ኢለ ኢድ ነሳእኩ። ቀጺለ ድማ እንዳ ቤጥሮስ ድዩ ክብል ተወከስኩወን። ሽዑ ክልቲአን ስንብድ ኢለን፡ ርክያሞ ምርካም ጠጠው ኣበላ’ሞ፡ ዓይኒ-ዓይነይ እናጠመታ እወ በላኒ። ኣነ ድማ ተብ ተብ እናበልኩ ብደወይ ዘምጽኣኒ ጉዳይ ዘርዘርኩለን።

እንተኾነ ግን ኣነ’የ ዝህወኽ ዝነበርኩ’ምበር፡ ንሳተን’ሲ ኣበጋግሳይ ተዓዚበን ግዲኾይነን ኣይሓሰባሉን’ኳ። ንኻልኣይ ዲግሪ እንተኾይኑ ድላይካስ፡ ወረቐትካ ናብ እንዳ ወልደኣብ ማለት ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ናየ’ስመራ ዩኒቨርሲቲ ኢኻ ትወስዳ፡ ብምባል ካብ እንዳ ቤጥሮስ ኣሰናበታኒ።

ወይ ጉድ! ድሜጥሮስን ወልደኣብን ዝመስሉ ናይ ታሪኽን ናይ ፖለቲካን ኣስማት እናተዘከሩኒ እምበኣርከስ፡ ካብ’ታ ንፓርላማ ኤርትራ ተባሂላ ዝተሰርሐት ህንጻ ሙሉቕ ኢለ ወጻእኩ።

ካብኡ ናብ ስርሐይ ተመለስኩ’ሞ፡ ናበ’ስመራ ዩኒቨርሲቲ ስልኪ ደዊለ እንታይ ክገብር ከምዘለኒ ተወከስኩዎም። ንሳቶም ድማ፡

1. ኣበ’የናይ ዩኒቨርሲቲ ከምዝተመሃርካ ዘረጋግጽ ናይ ዲግሪ ወረቐትካ፡

2. ክሳብ ሎሚ ኣበያ’በይ ከምዝሰራሕካ ዝሕብር፡

3. ብኤምባሲ ኤርትራ ዝተመስከረ ብዛዕባ’ቲ ትኸደሉ ዩኒቨርሲቲ ዝሕብር መብርሂ፡

4. ኣብ’ቲ ትኸዶ ሃገር ምስበጻሕካ ትኣትወሉ ስፍራ፡

ዝገልጽ ወረቓቕቲ ኦሪጂናለን ፎቶኮፒን ኣተሓሒዝካ ናብ ቤት ጽሕፈት እንዳ ወልደኣብ ተቕርቦ’ሞ፡ ካብኡ ቤት ጽሕፈት እንዳ ወልደኣብ መልሲ ክሳብ ዝህቡኻ ትጽበ በሉኒ። ዝገርም’ዩ! ይብሉዎ’ይላስ ድሙ ተዃሒላ (ምስላ) ከምዝበሃል ኣብ ዓደይ ዘይረኸብኩዎ ክብረትን መሰልን’ሲ ኣብ ስደት ኣብ ዓዲ ጓና ክረኽቦ ከምዝግብኣኒ ንኽሕብሩኒ …. እዚ ኹሉ ቅጥዕታት ከማልእ ኣዘዙኒ።  …. ኣየ እንዳ ዝናን ባህታን!

ዝኾነ ኾይኑ ኣነ ዝሓሰብኩዎ ብሳልስቲ ክገላገል፡ ንሳቶም ዝኣለሙዎ ድማ ነ’ዋርሕ  ከም ጽንግሊል ብኾለል ክጽለል’ዩ። ….. ህ’ሞ በሉ ጥራይ!

ስለ’ዚ ድማ’የ፡ እዚ ቀትሪ ምድሪ እንዳ ቤጥሮስዶ እንዳ ወልደኣብ እናበለ፡ ኣብ’ቲ ፈረንጂ ዝሃነጽዎ ኮምቢሽታቶ ጥራይ ዝባኑ ክዕንድር ዘይሓፍር ምምሕዳር ናይ ገድልን ምግዳልን’ሲ ብውድቀትን ስዕረትን መራሕቱ ጥራይ ክምኽነየሉ እኹል መኣስ ኮይኑ ክሳብ ምባል ዘድፍረኒ ዘሎ። …..  ደሓርከ እንተበልኩም ድማ፡

ደሓር’ሲ ጋብር መንገዲ ሓብር (ምስላ) ኮይኑ። ሓቂ’ሓይሽ ክሳብ ከረን ዘሎ መንገዲ’ኳ እፈልጦ’የ። ቀደም ብንእሽቶይ ብባቡር ብለተሪና ብኣውቶቡስ ብንእሽቶ መኪና ጥራይ ዘይኮነ’ሲ ብእግረይ’ውን ስለዝተመላለስኩሉ፡ ሕጂ ምስ በራሕኩ ክደግሞ ክሓስብ እንከለኹ ኣየስግኣንን። እንተ’ቲ ኪነዉ ዘሎ ቁልቁለት ግን ማርያም ጥንቁለሓስ ትፈልጥ ደኣ’ምበር ኣነስ ተቐልቂለዮ’ኳ ኣይፈልጥን።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ኻልእ ፈተነታተይ’ሲ ይጽናሕ’ሞ ናይ ቀበሌ ከዘንትወልኩም። ካባይ’ሲ እንታይ ገዲፈ ተባላሒተ ኢለንድ’የ፡ ከም ሸቃጣይ ዱባይ በጺሐ ክምለስ ወረቐት ጸሓፉለይ ክብሎም’ሞ ኣመኽንየ መውጽኢ ፍቓድ ክረክብ፡ ሽዑ ንዓዲ ጥልያነይ ዕዝር ክብል፡ ዝብል ሓሳብ ሒዘ  ነቐልኩ።

ሽዑ ብተብ ተብ ቀበሌ ምስ በጻሕኩ፡ ሊቀ መንበር የላን፡ በሉኒ።  ኣነ ድማ ምስ ሊቀ መንበር ቆጸራ’ብለይን፡ ማሕተም መንግስቲ ደልየ’የ መጺአ ዘለኹ ብምባል ጉዳየይ ከስልጥ ፈተንኩ። ንሳቶም ድማ ብዘይስኽፍታ ንሳ እንተዘየላ ካልእ ሰብ ዝፍርም የለን። ዝብል ኣገባብ ምምሓዳሮም ብወግዒ ሓበሩኒ።

እወ እዛ’ስመራ ጻዕዳስ ብፈረንጂ ተዋዲዳ ብፋብሪካታትን ሕግን-ስርዓትን ናይ ፈረንጂ ከምዘይተሸለመት ከምዘይደመቐት፡ ከም’ዚ’ላ ብደቂ ዓዳ ክሳብ ትዋረድ’ያ ኣብ እዋን ናጽነት ወይ ድማ ኣብ እዋን ምምሕዳር ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን ኣንቆልቊላ ንድሕሪት ተመሊሳ ዘላ።

ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ።

ብዘይ ምግናን ናይ ታሪኽ ምስክርነት እንተተራእዩ ግን፡ ንመንግስትነት ተድላ ባይሩ፡ እንግሊዝን ጣልያንን ዝገደፍዎ ስርዓት ምምሕዳር ብቓላት ዋና ኦዲተር መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩ ቀኛዝማች ገብረመድህን ተሰማ እንክግለጽ “ጥውቕ እንተ ኣበልካዮ፡ ኩሉ ብርህ ኢሉ ዝረኣየካ ኢዩ ዝነበረ፡ …. ፍሉጥን ስሩዕን ኣሰራርሓ፡ ጽፉፍ መዝገብን መወከስን ዘይነበሮ ክፍለ ስራሕ ኣይነበረን።” ይብል መጽሓፍ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ገጽ 263 ስለ’ዚ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ዝነበረ ምምሕዳር መንግስቲ ኤርትራ’ሲ ካብ ፈረንጂ ዝወረሶ …. ጽፉፍ …..  ንኡድ መለለዪ ኔሩዎ ከብቅዕ፡ “.. መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ዘበላሸዎ፡ ኣብ ኤርትራ ነባሪ ኾይኑ ክጸንሕን ክምዕብልን ዝነበሮ ስርዓተ ምምሕዳር’ዩ ዝነበረና።” ከምዝበሉ ቀኛዝማች መጽሓፍ ኣቶ ኣለምሰገድ፡ ኣብ ገጽ 263 ቀጺሉ ይጠቅስ።

ግርም ጽዋ! እንተኾነ ግን ካብ ከም’ዚ ዝበለ ኣበሃህላ ዝነቐለ ዝመስል፡ ክሳብ ሕጂ’ውን ኣሎኹ እናበለ ዘምባሁቕ ዘሎ ሃንቀውታ ደድሕሪ ዝናን ባህታን ዳግም እንተዝሕተት’ሲ፡

1) እዞም ፈረንጂ (ጣልያንን እንግሊዝን) ነቲ ጥበቦምን ትምህርቶምን ምስ ሽባኻን ቀላሚጦስን ተኺሎም ኣብ ጽርግያ ድዮም ንሓላፍ መንገዲ ወይ ድማ ንጸሓይን ንፋስን ሓዲጎሞ ከይዶም?

2) ፈረንጂ ዝገደፍዎ ትምህርትን ሓበሬታን ኔሩ’ዩ ካብ ተባህለኸ፡ እቶም ካብ ፈረንጂ፡ ትምህርትን ናይ ምምሕዳር ጥበብን ዝቐሰሙ ዓበይቲ ሰባት ብሂወቶም እንከለዉ ወዮ ዝንየቱሉ ትምህርቶም ናበ’ድባራት ሸዋን ጎንደርን፡ ብዘውድን ደርግን ተወሲዱ ክበሃልድ’ዩ ዝድለ ዘሎ?

ዘውድን ደርግን ናይ ፈረንጂ ዝነበሩ ፋብሪካታትን ናይ ከተማ ፓሎታትን ኣግዒዞም፡ ተለፈሪካ ሸይጦም፡ ዲሞክራሲያ ኣጥፊኦም ወዘተ ዝብል ክስን ወቐሳን ይምልከቶም’ዩ። እንተዘይኮነ ግን ነዚ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን ውድቀታት ካብ መቓብሮም ድዮም ዝሕተቱሉ ኣይመስለንን?

3) መጽሓፍ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ 1951 – 1955፡ ኣብ መቕድማ “… ገለ ኻልኦት ግን ኣዝዩ ወሳኒ ተመኩሮን ዛንታታትን እናሃለዎም፡ ፍልጠቶም ከካፍሉ ዘይደልዩ ኮይኖም ረኺብናዮም።… በዝን ክንድዝን ንሓደ ሓደ …. ከብርህ ዝኽእል ሓበሬታ ክንረክብ ኣይከኣልናን። ስለዝኾነ ድማ ዝወዓሉ እናሃለዉ፡ ብዝወዓሉ ንዝተነግሩ ሓቲትና ክንምዝግብ ዝተገደድናሉ ኣሎ። ስም ነጋሪ ንኸይንጠቅስ ስለ ዝተኣዘዝና፡ ኣገዳሲ ሓበሬታት ዝወገንናሉ ክፋላት’ውን ኣይተሳእነን።” ዝብል መረረ ኣስፊራ’ላ።

ይኽደነና! ምናልባት’ውን እዞም ናይ ፍልይ ዝበለ ታሪኽ መሰኻኽር ክኾኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት ናጽነትን-ሱቕታን ዝመረጹ’ሲ ….

i) ንጸሓፋይ ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥ’ሲ ኣይሃዳናይን (ምስላ) ካብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ስለዝመጻእካ፡ ናይ ታሪኽ ተመራማራይ ጥራይ ኣይኮንካን። እቲ ዝንገረካ ምስ’ቲ ንስኻ ትደልዮ ኣይክቃዶን’ዩ’ሞ ባህ ኣይክብለካን’ዩ። ስለ’ዚስ ይትረፍካ። ማለቶምዶኾን ይኸውን?

ማለት’ሲ ማሕበር ኣንድነት’ውን’ኮ ንታሪኽ ዝብቅዕ ናይ ፖለቲካ መርገጺ ኔሩዎ’ዩ ዝብል ትንታኔ እንተዝቐርብ’ሲ ኣብ’ታ መጽሓፍ ምተጻሕፈዶ?

ii) ወይ’ስ ምንጋር’ሲ ምነገርኩኻ ኔረ፡ ግን ወደሺ ሓለንጊ ሰውራ ነዊሕ ምዃኑ ብግብሪ ኣርኢኹምና ኢኹም ማለቶም ይኸውን።

“ምዉት ኣይወቐስ ..ዝብል ብሂል ስለዘሎ ይኸውን፡ ብዛዕባ ዝወዓሉዎን ዝገበርዎን ንምዝራብ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሑ ውሑዳት ኣይኮኑን። ገጽ (xiv)”

ይብል ኣቶ ኣለም ሰገድ ኣብ መቕድም ናይ መጽሓፉ። እንተኾነ ግን ናይ ምዉታት ንሙዉታት ገዲፎም ብዛዕባ ዝወዓልዎን ዝገበሩዎን እንተዝዛረቡ ምኣኸለንዶ ኔሩ። ስለዝስ ……  እዛ ብርኩታ እምኒ’ላታ (ምስላ) ።

iii) ወይው’ን ግዲ’ብልካን ንስኻትኩም’ሲ ኣይትሰምዑን ኢኹም። ብኣኹም ረብሪብና ኢና’ሞ ግደፈና በጃኻ፡ ሱቕ ምባል ይሓይሽ ማለቶም ይኸውን፡ ናጽነትን ሱቕታን ብምምራጽ ብዛዕባ’ቲ ዝወዓሉሉ ንምምስካር ዝሓንገዱ። ዝኾነ ኾይኑ ብምኽንያት ምኽንያት ታሪኽ ይቕበራ’ሎ ዝብል ስምዕታ ቀሊል ኣይኮነን። …. ንወራሲ ይጭነቆ።

iv) ምጥፋእ ባህልን ሰነዳትን፡

ቀንዲ ትሕዝቶ መጽሓፍ ኣቶ ኣለም ሰገድ “ፈድረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ” ኣብ’ቲ ብፈረንጂ ዝተሰረተ ናይ ጽሕፈትን ናይ ዘረባን ናጽነት ዝሓለፈ ናይ ኣቦታት ምይይጥ ዝተመርኮሰ’ዩ። እዚ ምዕባለ’ዚ ምስ ስርዓተ-ምምሕዳርን፡ ወግዕን ባህልን ዓደ’ቦ ዝጻባእ ባህርይ ዝነበሮ ኣይመስለንን። ብደረጃ ምዕባለ ግን ፍልልይ ከምዝነበሮ ዘማትእ ኣይመስለንን።

ኣቶ ኣለም ሰገድ ኣብ መቕድም ናይ መጽሓፉ፡ “እቲ ናይ እዋን ፈደረሽን ፍጻመታት ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ሰነዳት ስለ ዘጥፍአን ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዘግዓዘን ብሓበሬታ ዝደኸየ ኢዩ (ገጽ ix) ።” ይብል።

ኣብ’ዚ ብሂል’ዚ ‘ሰንዳት ስለዘጥፍአ’ ዝብል ሓረግ ደኣ’ምበር፡ ሰነዳት ብምግዓዞም መንግስታት ኢትዮጵያ ዝውቀሱ ጥራይ ኣይመስለንን። ንምዕቃቦም’ውን ከስምዕ ስለዝኽእል። ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ንተመራመርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሮማ ከምኡ’ውን ኣብ ሎንደን ዘሎ ሰንዳት ሩሑቕ ኣይመስለንን። መጽሓፍ ናይ ኣቶ ኣለምሰገድ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተጠቕሰ ርኡይ ዕንቅፋት፡ ብሰንኪ ምምራጽ’ውን ተወሳኺ ድኽነት ናይ ሓበሬታ ዘጋጠማ’ያ ትመስል።

ኣብ ሩሑቕ ዘሎን ዝሓለፈንስ ይጽናሕ ደሓን፡ ስርዓተ-ምምሕዳር እንዳ’ቦን ባህሊ ህዝቢ ኤርትራን’ኮ ክሳብ ሕጂ ብኢድ ህዝባዊ ግምባር ይድምሰስ’ዩ ዘሎ። ነዚ’ውን ምናልባት ካልእ ምኽንያት ሃሰስ ክበሃለሉ እንተዘይተደልዩስ።

ነዚ ባህሪ’ዚ ኣመልኪቶም: Chris Hedges: War is a Force That Gives Us Meaning: ኣብ ዝብል መጽሓፎም ከም’ዚ ይብሉ “The destruction of culture in wartime is also physical. There is an effort to eradicate the monuments and buildings that challenge the myth of the nation. (Page 72)”

“When the visible and tangible symbols of ones past are destroyed or denied, the past can be recreated to fit the myth. Page 80”

“.. The primary task of Milosevic in Serbia, Franjo Tudjuman in Croatia, and the other ethnic leadership was to dismantle and silence their own intellectuals and writers of stature and replace them with second-rate, mediocre pawns willing to turn every intellectual and artistic endeavor into a piece of ethnic triumphalism and myth. Page 21”

ሚዛን ትሕዝቶ መጽሓፍ ናይ ኣቶ ኣለም ሰገድ “…. ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ” ንታሪኽ ዝግደፍ’ዩ።

ኣቶ ኣለም ሰገድ ግን “ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ከምዚ ዝመስል ኣብ ታሪኽ ዝግደስ ፕሮጀክት ብምቛም ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብኡ እንርከብ ተመራመርትን ጸሓፍትን ብምሉእ ናጽነት ንኽንሰርሕ ዘኽእል ሃዋህው ብምፍጣሩ፡ ብቐዳምነት ክምስገን ይግባእ።” ይብል (ኣብ ኣፍልጦንን ምስጋናን ገጽ xvii)።

ህግደፍ’ሲ ሙሉእ ናጽነት ንተመራመርቲ ይህብ’ዩ ይብል ኣቶ ኣለምሰገድ። ምናልባት ንምሩጻቱን ንኣምለኽቱን ተመራመርቲ ሙሉእ ናጽነት ዝህብ እንተኾይኑ እንድዒ። ከምኡ ዝበለ ዕድል ይፈቅድ እንተኔሩ ግን እዞም ዝተፈቕደሎም ተመራመርቲ’ዮም ንህግደፍ ኣጋግዮሞ ናብ ዝብል መዓልቦ ክብጻሕ’ዩ። ምኽንያቱ ሙሉእ ናጽነት ተፈቒዱሎም ከብቅዕ ኣብ ሓደ-ኽልተ ፍጻመታት ዋዕ ኢሎም እዚኣስ ተኽፍእ’ያ ክብሉ ብዘይምድፋሮም ንዕድሎም ጥራይ ዘይኮነ ንዕድል ህግደፍን ንዕድል ህዝብን ተነጺፎሞ’ዮም ደቂሶም።

4) ነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ምስመረሮ  “ምስ ገዛእ ህዝቦም ምሕዋስ ኣጊሙዎም” ከምዝበለ ዝዝከር’ዩ። ክቡር ኣቶ መለስ ሓቁ’ዩ። እንዳ ዝናን-ባህታን ምስ ገዛእ ህዝቦም ምሕዋስ ስለዝኣገሞም፡ ንርእሶምን ንኣመንቶምን ኣደናጊሮም’ዮም። ርኢቶ ህዝቢ ስለዘይቅበሉ ድማ ንብዙሓት ናይ ታሪኽ መሰኻኽርን ተመራመርትን ተራ ከሊኦም’ዮም።

ስለ’ዚ ድማ’ዩ እቲ ዓርከይን መዓብይተይን ክብል ኣቶ ኣለምሰገድ ኣብ መጽሓፉ ዝጠቐሶ፡ ክቡር ነፍስሄር ፕሮፈሰር ተኪኤ ፍስሓጽዮን “Listening to other voices: Eritrean Profile 08/05/2000” ክሳብ ምባል ዝበጽሐ። ትሕዝቶ ጽሑፍ ናይ ፕሮፈሰር ናይ ትዕግስቱ ዝጸንቀቐ ምሁርን እሙንን’ዩ ዝመስል። …. ጌጋ’ኽለኣለይ።

ስለ’ዚ ብዘይ ቃል ዓለም እዚ ድሕሪ ናጽነት ተፈጢሩ ዘሎ ሕምፍሽፍሽ’ሲ ብሳልሳይ ኣካል ዝምኽነየሉ ኣይኮነን። እዚ ውድቀት’ዚ ብመጻሕፍቲ ጣልያንን እንግሊዝን ዝናፍቕ ምምቡሃቕ ዝናን-ባህታን፡ ወይ’ውን ብግፍዕታት ዘውድን ደርግን ዘስቆርቁር ምስሉይ-ውሕልነት ዝሕለፍ ኣይኮነን። ብዘይ ቃል ዓለም …. ኤርትራን ኤርትራውነትን ንምድሓን’ሲ ሓላፍነት ዜጋታት የድሊ’ሎ።

ዝኾነ ኾይኑ ካብ ምምሕዳር በዓል ቀኛዝማች ናብ ምምሕዳር በዓል ኣቶ ኣለምሰገድ ንምልክት ክንዲ ጽፍሪ ትኸውን ጥበብ’ኳ ዘይምስጋራ ድማ ጥልቂ ምስጢር’ያ።  ….. ፈታሒ’ፍጠረላ።

በዓል መን’ዮም’ቶም ካብ ፈረንጂ ዝወረስዎን ዝተማህሩዎን ጥበብን ፍልጠትን ኔሩና’ዩ ክብሉ እናደፈሩስ፡ ነዚ ዝንየቱሉ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዓቕምን ድፍረትን ብምስኣን ክሳብ’ዛ ምምልማል ቅዲ ኣመራርሓ ኢሳያስ ዝበጽሑ? እቲ ናይ ምምልማል መስርሕ ካብ ጣቕዒት ስለዝጅምር ንኹሉ ኤርትርዊ ዝጸሉ’ኳ እንተኾነ እቶም ዝወዓሉሉ’ሲ እንተተነስሕሉ ነውሪ’ብሉን። …. ህዝቢ መሃርን መሓርን ኢዩ።

ምኽንያቱ እዚ ቅዲ ኣመራርሓ’ዚ’ሲ ናትና ናይ ኤርትራውያን ናይ ኢድና ምህርቲ ደኣ’ምበር ናይ ባዕዳውያን ልኡኽ ወይ ድማ ኣብ መደበር ዝተሰንዐ ናይ ደቂ ሕድርትና ህያብ ንኣና ኣይኮነን።

ንሱ ብዘየገድስ፡ ምናልባት ከም’ቲ ክበሃል ዝተደለ’ውን፡ ነቲ ጣልያንን እንግሊዝን ንመንግስትነት ተድላ ባይሩ ዘውረስዎ፡ ትምህርትን ጥበብን፡ ዘውድን ደርግን ካብ ቦቆስዎ፡ ደርጊ ኣብ ኤርትራ ዝገደፎ ምምሕዳርከ መን ምሕይዎ ክበሃል’ዩ ዝድለ ዘሎ’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ። ኣንቱም ሰባት ሰኣን ንእሽቶ ስርዓት እንዳኣሉ እዚ ኹሉ መዓት ዝወርድ ዘሎ፡ ናይ እንግሊዝን ጣልያንን ምጽኣት ናፊቑ መኣስ ኮይኑ።

ምኽንያቱ እዛ ናይ - እዋ’ና- እዋን ምምሕዳር ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን’ሲ፡ ናይ ፈረንጂ ዲሞክራስስ ይትረፍ፡ ነቲ ናይ ደርጊ ስርርዕ’ኳ ዘይትርዕም፡ ተራ ናይ ደቂ በረኻ ዕግርግርዶ ኣይኮነትን ትመስል። ናይ ምምሕዳር ምልክት ዝመስል ንእሽቶ መልክዕ ኣለዋ ድዩ? እሞ ነዚ ውድቀት’ዚኸ ብመን’ዩ ክምኽነየሉ?

********************* ሕጂ’ውን ብባዕዳውያን ዶኾን ይኸውን? **********************************

ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ቀበሌ ዝጀመርኩዎ ፈተነ ንምውዳእ፡ ኣብኡ ንዝነበረት ሓንቲ ወ’ዘሮ ጽግዕ ኢለ፡ እዛ ሊቀ መንበር ናበ’ያ ከይዳ በልኩዋ። ንሳ ድማ ብርትዕቲ ጉንፋዕ ሒዛታ’ሲ ሲክ-ሊቭ ወሲዳ’ላ በለትኒ። ኣነ ድማ እሞ መኣስኮን ትምለስ ትኸውን በልኩዋ። ንሳ ድማ ሕጂ’ያ’ኮ ሳልስታ’ያ ጌራ፡ እናበለት መኣስ ከምትምለስ ኣብ ቅድመይ ዋዕ ኢላ ንኻልእ ሰብ ሓተተት’ሞ፡ ናይ ዓሰርተ መዓልቲ ዕረፍቲ ስለዝወሰድት’ሲ ጌና ሸውዓተ መዓልታት ተሪፉዋ’ሎ በለትኒ።

ኣነ ድማ ናይ መወዳእታ ፈተነይ ንምፍታን እሞ ገለ ዝተሃወኹ ሰባት’ከ ጉዳዮም ከስልጡ እንተደልዮም እንታይ ይገብሩ ክብል ሓተትኩዋ። ሽዑ ወያ ሰበይቲ ብዘይ ስክፍታ “ንገዝኣ’ዮም ዝኸዱዋ’ሞ” እንተደሊኻ ኣድራሻኣ ክሕብረካ በለትኒ።

ኣነ ድማ ክሊ ጓለይ ውሽማኣ’ይኮንኩን ንገዝኣ ዝኸዳ። ሃየ ደኣ ኣፋንውኒ! እቲ ዝሃብኩኺ ማመልከቻ ምለስለይ ንገዛይ ክኸይድ በልኩዋ። ንሳ ግን ማመልከቻኻ ሓንሳብ ስለዝተመዝገበት’ሲ ኣይትወሃበካን’ያ በለትኒ። ካብኡ በሊ መራጉድቲ ማህደር ትኹንኪ ኢለያ፡ ብዛዕባ ጉዕዞይ ካብ ማርያም ጥንቁለሓስ ንታሕቲ ዘሎ ቁልቁለት ክሳብ ኣቑርደት ተሰነይ እናሰላሰልኩን ንበይነይ እናተዛረብኩን ንገዛይ ተመለስኩ። …. የርህዎ።

እወ ነዚ ከም’ዚ ዝመስል ዕላል ዘሕለፍኩሉ ሂወተይ፡ ምስ’ዚ ሕጂ ረኺበዮ ዘለኹ መንግስተ ሰማይ ዝመስል ሃገርን መሰልን ኣነጻጺረ ከዘንትወሉ እንተፈሪሐ፡

ሀ) ወይ ነታ ዘሕለፍኩዋ ቀዳመይቲ ክፋል ናይ ሂወተይ ኣይነበርኩዋን።

ለ) ወይ ድማ ነዛ ተዓዲለያ ዘለኹ ናይ መስተርሆት ሂወተይ ኣይፈለጥኩዋን፡ ብምባል’የ ምሳለይ ዋዕ ኢለ ክዛረብ ዝወሰንኩ።

እዚ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ኣነ ዝፈልጦ ጥራይ’ዩ ሓቂ ማለተይ ኣይኮነን። እወ መጽሓፍ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብኣቶ ኣለም ሰገድ ተስፋይ “ቆንስል እንግሊዝ ጀይ. ኤች. ዎርድል ስሚዝ ከም’ዚ ዝስዕብ በለ፡ ኣብ ኤርትራ ርእይቶ ህዝቢ ማለት፡ ርእይቶ ናይቶም ምስ ጠቕላሊ ቁጽሪ ህዝቢ ከተዛምዶም እንከለኻ ዝወሓዱ ከተመኛታት እዩ። እቲ ወዲ ገጠር፡ በቲ ዝወሓደ ደረጃ’ኳ ብፖለቲካን መንግስታትን ዝግደስ ኣይኮነን። ካብ ግራቱ ዘዕግብ እኽሊ እንተ ረኺቡ፡ ላሙ እንተ ወሊዳትሉ፡ ጓሉ ኸኣ እንተ ኣመርዕዩ ሕጉስ’ዩ፡ ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት ዘለዎ ተገዳስነት ክንድ’ቲ ኣይኮነን።

ብኣንጻሩ፡ እቶም ከተመኛታት ብፖለቲካ ንቑሓት’ዮም፡ ምኽንያቱ ድማ፡ ህይወቶም ንኽመርሑ ርጉእ ቁጠባዊ ኩነታት ስለ ዘድልዮም’ዩ።” ትብል ኣብ ገጽ 343  (FO 371/102634, Wardle-Smith to R. Allen. African Department, 27 February 1953.) ብምጥቃስ።

ስርዓተ-ምምሕዳር ብርኢቶ ህዝቢ ኣብ ዘይምልመለሉ ዓዲ ርኢቶኻ ምንጽብራቕ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣይዘንጋዕኩን። እንተኾነ ግን ኣነ ነዛ ኡንኮ ሂወተይ ዘርብሕ ርጉእ ቁጠባዊ ኩነታት ዘለዎ ሂወት ንኽመርሕ ዘሕለፍኩዎ ላዕልን ታሕትን ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ገለ ሃናጺ ኣበርክቶ ይህልዎ ይኸውን’ዩ ብምባል’የ “ኣነ” ብዝብል ኣጸሓሕፋ፡ ርኢቶይ ወስ ከብል ዝደፈርኩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ከም’ዚ ናተይ ዝመስል ድላይ እንከለዎም፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንዳ ዝናን-ባህታን  ናጽነትን-ሱቕታን ዝጭነቑ ዘለዉ ሰባት ከም’ዚ ኣነ ዝረኸብኩዎ መስተርሆት ክረኽቡ እምነየሎም።

ብዓቢኡ ድማ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንታሪኽ ብሃንቀውታ ዝናን-ባህታን፡ ብመንጽር ስግኣትን ቂምታን፡ ቐተለን ቀንጸለን፡ ጸላእን ወራርን፡ ተዓዋትን ተሸናፍን፡ ብጃህራን ፈኸራን ምንባቡ ናብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ዘምርሕ ናይ ምዕባሌ ኣንፈት ኣይኮነን፡ ዝብል ርኢቶ’ዩ ዘለኒ። …. ጌጋ ይኽለኣለይ።

እወ ብዘይ ምግናን’ሲ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ መን’ዩ ጎብለል ናይ’ዚ ዞባ ንምፍላይ ዝግበር ኲናት’ዩ እናተባህለ፡ ድራር ዝና ትኸውን ዓወት ሃሰስ ንምባል ዝተኣጎደት መጋርያ ዘሕረረት ኣሕሪራ ሓዲሽ ታሪኽን ዕማምን’ያ ፈጢራ ዘላ።

በቲ ካልኣይ ሸነኽ ድማ እንዳ  ዝናን ባህታን ካብ ጌግኦም ናይ ምእራም ብቕዓት የብሎምን። ሕጂ’ውን ከም ኣመሎም ክቕጽሉ’ዮም’ሞ፡ ኣብኣ ከተራኽበና’ያ። ከምብሓዲሽ ብመሓውሮም ጠጠው ምባል ክሳብ ዝስእኑ ኣቝርይ ከነብሎም ኢና፡ እናተባህለ ዝነቐለ ህልኽ  ውጽኢቱ ኣነጺሩ ….. ሓዲሽ ታሪኽን ዕማምን’ዩ ፈጢሩ ዘሎ።

እወ እንዳ ዝናን ባህታን’ሲ ካብ ቀደሞም ካብ ጌግኦም ናይ ምእራም ብቕዓት የብሎምን’ዩ ዝተባህለ። ኣየውርድ!  እንስሳ’ኳ ካብ ጌግኡ ዝእረም። ስለ’ዚ እንዳ ዝናን ባህታን እምበኣርከስ ብሞያ ከምዝሞቱ ኣብ ተግባር ተመስኪሩ’ዩ’ሞ፡ ሓዲሽ ሓሳብ የድሊ’ሎ። …….. የውግሓዮ ጥራይ።

“ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ

ካብ ኩሉ ዝገደደ ድማ ኣይትገረሙ’ባ፡ እዚ ብጌጋኻ ዘይምእራም’ኮ ኣብ እዋን ገድልን ምግዳልን ኣብ እንግድዓ’ቲ መስርሕ ዝነበረ ሕዱር ሕማም መንደዓት’ዩ፡ ዝዓይነቱ “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ” ዝብል ናይ ምስክር ትንታኔ ብተጋዳላይ ረድኢ መሓሪ “ኣለና”፡ ንመስርሕ ገድልን ምግዳልን ምትሃት ናይ ደቂ ሕድርትና ከም ዝነበሮ ዘምስል ፍሉይ መልክዕ’ዩ ከልግበሉ ፈቲኑ።  ምናልባት ነዚ ክብሎ ዝደሊ ምእንቲ ከተብርሃለይ እዛ ትስዕብ ክጠቅስ። ንግዜኡ ኣይተርጎምኩዋን።

War Is a Force That Gives Us Meaning: Chris Hedges: 23-24.  “The potency of myth … hides from view our impotence and the ordinariness of our own leaders. By turning history into a myth we transform random events into a chain of events directed by a will greater than our own, one that is determined and preordained. We are elevated above the maltitude. We march toward nobility. And no society is immune. Most national myths, at their core, are racist. They are fed by ignorance.”  ዝብል ትምህርቲ ተጻሒፉ’ሎ።

እወ ተጋዳላይ ረድኢ መሓሪ ድማ ኣብ መንጎ ተግባራት ተጋዳይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን፡ ተግባራት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን፡ ዘሎ ናይ ታሪኽ ይኹን ናይ ዓይነት ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ ፍልልይ ዘይመሚ፡ ነቲ መስርሕ ካብ’ቲ ልቡን ኩላሊቱን ዝኾነ ቅዲ ኣመራርሕኡ ነጺሉ፡ ካልእ ሂወት ከምዝነበሮ ዘምስል ትንታኔ ሒዙ፡ ‘ኣለና’ ምስ ዝብል ጃህራን ፈኸራን፡ ናብ’ታ ካብ እንዳ ዝናን ባህታን ዝተወርሰት ኣንፈት ምስሓትን ምድንጋርን ሰቲኹ ብምእታው፡

ሀ) ንውድቀታትን ገበናትን ናይ’ቲ ብጌግኡ ዘይእረም፡ ብሞያ ዝሞተ፡

ለ) ኣብ ናይ ህልኽ ኲናት ዝተሳዕረ ቅዲ ኣመራርሓ፡ ክገልጽ ንኽፍትን’ሲ፡

ነቲ መስርሕ ብዓቢኡ፡ መዋእሉ ሙሉእ ካብ መዐንደሪ ቕዲ ኣመራርሓ ኢሳያስን ሓዋርያቱን ሓሊፉ ንናጽነትን ንታሪኽን ዘብቅዕ ሚዛን ከምዘይነበሮ፡ ኣምሲሉ ዘቕርብ ናይ ቂምታ ተስካር ብምልዕዓል፡ ነቲ ምድንጋርን ኣንፈት ምስሓትን ንግዜኡ ከግድዶ ተራእዩ።

እወ ዕላል ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ዓቢ ዕማም’ዩ ኣወንዚፉ ዘሎ። ምናልባት ማዕረ ማዕረ ኣበሃህላኡ ግን፡

**ናጽነት ኤርትራ ተጋሂዱ’ዩ ዝብል ሓቂ ኣብ ቦትኡ እንተል’ዩ**

** እሞ ድማ ናጽነት ማለት ምፍልላይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ማለት ጥራይ ኣይኮነን ክበሃል እንተተደልዩ**

**እሞ ከም ትንታኔ ‘ኣለና’ ኢሳያስ ዘራእ-ክርዳድ ናይ ባዕዳውያን ልኡኽ እነተኔሩ ነቲ ብዓወትን ናጽነትን ክልለ ዝድለ ዘሎ መስርሕ ገድልን-ምግዳልን መራሕቱ በዓል መን ኔሮም?

ምናልባት ከም’ቲ ብተጋዳላይ ‘ኣለና’ ዝምስከር ዘሎ እቲ መስርሕ ክርዳድ ብዝዘርእ ቅዲ ኣመራርሓ ዝምራሕ እንተኔሩ ግን፡

ናብ ናጽነት ወይ ድማ ናብ ዓውዲ ስርናይ ተበጺሑዶ ኣይተበጽሐን?

ተበጺሑባ ክበሃል እንተኾይኑ ድማ ደምበ ኣለና ንዘርኢ ክርዳድ ናብ ዓውዲ ስርናይ ዝቐየሩሉ ኽታብ ሓቢኦሞ ከይህልዉ ዘጠራጥር’ዩ። እንተዘይኮን ግን በዓል ደምበ ኣለና ከም’ዚ ዓይነት ቋንቋ ዘለዎ ትንታኔ ብድፍረት ናብ ዕዳጋ ካበ’ቕረቡ፡

እቲ ዛዕባ ገማሚልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። መስርሕ ገድልን ምግዳልን ብዓቢኡ፡ ዝገብሮ ዝፈልጥ ዝነበረ ኣይመስልን’ዩ። ዝገደደ እኳ ደኣ፡

ሀ) ከም’ዚ ዝበለ ቀይዲ በተኽ ቅዲ ኣመራርሓ ብምምልማሉን፡

ለ) መዋርዶ ኣብ ዘይተቐረበሉ ጠረር ብምስቃሉን ኣብ ታሪኽ ተሓታቲ’ዩ ናብ ዝብል መደምታ ክብጻሕ’ዩ ።

ብምቕጻል ድማ ነቲ መስርሕ ንውድቀቱን ዓወቱን ብምርእኣይ ብመስርሕ ለውጥን ዕርቅን፡ መስመር መጻኢ ዕድል ምቕያስ ከድሊ’ዩ። ደምበ ኣለና ዝብሉዎ ደኣ እንድዒ’ምበር።

ብዘይቃል ዓለም እምበኣኣርከስ እንዳ ዝናን ባህታን ሓዲሽ ሓሳብ ስለዘይብሎም ነታ ብርሳስ እትጸሓፍ ኣረጊት ጥራዞም ከም’ዛ ዳዊት’ዮም ዝውከስዋ።

ከመይ’ሲ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቀዳማይ ገጻ ካብ ዘሎ ጽሑፍ እንከንብብ፡ እዞም ሲኣይአ ቀደም ንደርግን ንጉስን እና’ዕጠቑ ተኸኽ የብሉና ኔሮም’ሲ፡ ሎሚ ድማ ንወያኔ እናለኣኹ ልዋም ይኸልኡና’ለዉ እንክብል፡

ጸሓፋይ ናይ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ተጋዳላይ ኣለና ድማ፡ ከም’ታ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ታሪኽ መረጸን ወድዩ፡ ኣብ ገጽ ክልተ ናይ’ታ መጽሓፍ እንዳ ዝናን ባህታን ገንጺሉ፡ መዋዕልትን መማኽርትን ኢሳይስ ስለዝነበርኩ’ሲ፡ ህ’ሞ በሉ ባዕለይ ክነግረኩም’የ ብምባል።

ብውድቀትን ስዕረትን ፕረሲደንት ኢሳያስን ቅዲ ኣመራርሕኡን ኣይትገረሙ።

ቀድም’ውን ንተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕዳውያን’ዮም ናብ ሜዳ ኤርትራ ልኢኾሞ።

ዝብል ኣበሃህላ ከም ናይ ታሪኽን ናይ ፖለቲካን ትንታኔ ኣምሲሉ ብድፍረት የቕርቦ።

ሕሉፍ ሓሊፉዎ ድማ ንሱ መሰልቱን፡ ማለት’ሲ ከመ’በሃህልኡ ‘ደምበ ኣለና’ ዘይሕተቱሉ ናይ ታሪኽ ገበናት ክጽብጽብ ምድፋሩ’ዩ እቲ ዘደንጹ።

ባዕዳውያን።

እቲ ቐንዲ ሕቶ እምበኣርከስ፡ እዞም ኣብ’ዛ እዋ’ና እዋን-ዕራርቦ፡ ንቕዲ ኣመራርሓ ኢሳያስን ሓዋርያቱን ብምኹስኳስን ብምሕንጋርን፡ ምስ መስርሕ ምብራስ ኤርትራን ኤርትራውነትን ተቛሪኖም ይቕጽሉ’ለዉ ክበሃለሎም ዝድለ ዘሎ ባዕዳውያን’ሲ እንታዎት’ዮም?

***ምናልባት ፈረንጂ? ናይ ዘውዲ ስርዓትዶ? ወይስ ደርጊ?

***ምናልባትከ እዞም ባዕዳውያን እዚኣቶም ከም ሲኣይአ ነበርቲ ድዮም ወይስ ከም ዘውድን ደርግን መወ’ቲ’ዮም?

***እዛ ባዕዳውያን ንኢሳያስ ብምልኣኽ ዓሰርተ ግዜ ዝኮማሳዕ ታሪኽ ኣለዋ ትበሃል፡ ኤርትራኸ እታ ቅድሚ ዘውድን ደርግን ዝነበረት፡

እሞ ድማ፡

ብደናዳይ ብሲኞራ መሎቲ

ብባራቶሎ ብ’ንዳ ኢንኮደ

እንዳ ኽርቢት

እንዳ ኻሻ እንዳ ሳእኒ

እንዳ ኦሞ እንዳ ጎልፎ

እንዳ ኮዮ እንዳ ኮንጎ

እንዳ ሽምዓ እንዳ ባኮ

እንዳ ፓስታ እንዳ ባኒ

እንዳ ድስቲ እንዳ ሽሓኒ

እንዳ ጸባ እንዳ ዓለባ

ኣንዳ ዘይቲ እንዳ ወይኒ

ብባቡርን ሎተሪናን

ብኣውቶቡስን መኪናን

ሕገ መንግስትን ዲሞክርስን ናይ ፈረንጂ ትኾርዕ ዝነበረት፡

ከምኡ’ውን “ላሎ ወደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ  …” ዝድረፈላን

ኣብ ቃኘው ራዳር ተተኺሉላ’ሎ ዝበሃለላ ዝነበረት፡

ኤርትራ ናይ ሎሚ ድያ?

ወይስ እዛ ከም ውጽኢት ምምሕዳር ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን ከም ውጽኢት ኲናት ናይ ባድመ ተፈጢራ ዘላ፡

ብዋርሳይ -ይከኣሎ፡

ኣገልግሎት - መሃያ ኣልቦ፡

ብጥሜት ብዋሕዲ ሽቕለት

ብጓሂ ብቕርጸት፡

ብምጥሓል ጃላቡን ብናይ ራሻይዳ ግህሰትን

ብስደት ብድኽነት እትማስን

ብዂናትን ምስ ጎረባብቲ ስኒት ብምስኣንን እትልለ፡

“እዚ’ውን ይሓልፍ” ዝብል ድምጺ መንእሰያት ኤርትራ ካብ በረኻታት ሲናይ ዝዝየመላ፡

ኤርትራ ናይ ሕጂ’ያ?

ኣየንአን’የንከ ንሕጂን ንመጻእን ዘዛርባ? ምናልባት ክልቲአን’የን እንተተባሂሉ ድማ፡ እሞ ክልቲአንከ ከመ’ቢልካ’የን ዝዋሰባ ዝብል ዛዕባ ክስዕብ’ዩ።

ማዕረ ማዕርኡ ድማ ከም’ዚ ዝበለ መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ይቀራረቡ ክሳብ ክንደይከ ይረሓሓቑ ዘይመሚ፡ ናይ ቂምታ ተስካር’ውን፡ ኣብ’ዚ ሓዲሽ ሓሳብ ናይ ለውጥን ዕርቅን ሃሰስ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ንብዙሓት ዘደናግረሉ ጸልማት- መሓብኦ ጌና ሕጂ’ውን ሰፊኑ ከምዘሎ’ዩ ብጋህዲ ተነጺሩ። …. ላምባዲና’ፍጠረሉ።

ዝኾነ ኾይኑ ውጽኢት ኲናት ናይ ባድመ ንመጻኢ ዕድልና ካብ ኢድና መንጢሉ ንጎረባብትና ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ንወያ ቅድሚ’ቲ ኲናት ዝነበረት ኤርትራ ናይ ሎሚ ዓዲ ዝወዓለት እኖሓጎ ወይ ድማ ባይቶ ምውራድ ዝሰኣነ ኣባሓጎ ኣምሲሉ፡ ነዛ ድሕሪ’ቲ ኲናት ተፈጢራ ዘላ ኤርትራ ናይ ሕጂ ድማ ዘኽታም ሕጻን ኣምሲሉ፡ ሰፍ ዘይብል ዕማም ዘለዎ ….. ናይ ውድድር …. ታሪኽ’ዩ ፈጢሩ ዘሎ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ።

እዚ ዕማም’ዚ ድማ ንድሕሪት ናብ ታሪኽ ብዝቛምት፡ ናይ ቂምታ ተስካር ዘይኮነ፡ ለውጥን ዕርቅን ዝኹስኩስ፡ ማ’ጨሎትን ርትዕን ዝነጽግ፡ ልቦና ወለድን ዓበይቲ-ዓድን ግቡኡ ምሃብ’ዩ ዝጽበ ዘሎ። ንደምበ ኣለና ዘርብሕ መናስሖን ምሕረትን ድማ ካብኡ፡ ካብ’ቲ ልቦና’ቲ’ዩ ዝውለድ። ናይ ቂምታ ተስካር ምብላዕ ገዲፎም፡ ይቕረ በሉልና ዝብል ትብዓት እንተመሪጾም’ዩ ግን፡ ….. ምርጫ ደኣ ኣይመባልዕቶምን’ያ’ምበር።

ዝኾነ ኾይኑ ናይ ዓወት መለክዒ ለውጢ ከምዝኾነ እንተተሰማሚዕና፡ ካብ’ዚ መለክዒ’ዚ ብምንቃል ምስ ናጽነት ተተሓሒዙ ኣብ ዕለታዊ ሂወት ስድራ ቤታት ናይ ኤርትራ ዝመጽአ ለውጢ እንታይ ይመስላ’ሎ’ዩ ከዛርብ ዘለዎ። … ኣይተረኽበን ደኣ’ምበር።

እንተዘይኮነ ግን ናይ ናጽነት ወጮ ዝተሸፈነ ናይ ታሪኽ ዕሙሙ፡

ባንዴራ ተሰቒላ’ላ፡

ዘይተጠረረት ዶብ በዚኣባ በቲኣ ተሪፋ’ላ፡

ኤርትራ ስዒራ ….. ኣጣቕዑላ። እናበለ፡ ክሳብ መኣስ’ዩ ክነብር ተሸፊኑ ዝብል ሻቕሎት’ዩ በዛ ንእሽቶ ዓቕመይ ኮለል ዘብለኒ ዘሎ።

እወ፡ ወድ-ሰብ ካብ እንስሳ ዝፍለየላ ሓንቲ ረቛሒት’ሲ “ዶግማ” ናይ ምፍጣር ክእለት ስለዘለዎ’ዩ ይበሃል። ምናልባት እዚ ዶግማ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ንሰብ ካብ እንስሳ ጸብለል ዘብሎ ናይ ብልጫ ባህሪ ንምምስካር ግዲ ኾይኑ ድማ፡ ኣብ’ዛ ኤርትራና ንትርጉም ናይ ናጽነትን ኣብ መንጎ ልኡላውነት ሃገርን ልኡላውነት መንግስትን ልኡላውነት ገድልን ምግዳልን ብምቕርቃር ሸለው ዝበለት ዶግማ ትመስል መጻድፎ  ሰፊና ጸኒሓ’ላ። ሕጂ ግን ትድፈር ዘላ’ያ ትመስል። …. መዋድቖ’ፍጠረላ።

ማለት’ሲ ብዘይ ምግናን እንዳ ዝናን ባህታን ዓይኒ’ብለይ ስኒ’ብለይ ብዝዓይነቱ ኣገባብ ንኹሉ ሓዋዊሶም፡ ምሁራትን ብዙሓትን ዘይምርምርዋ ናይ ሃይማኖት ትመስል ፖለቲካዊት ዶግማ ፈጢሮም ከደናግሩ መዋእል’ዮም በሊዖም።

ብኻልእ ኣበሃህላ እዛ ዓለም ዕዳጋ በብዓይነቶም ዶግማታት ከምዝብውዝዋ፡ ካልእ ኣብነት ካብ ዓዲ ህንዲ ከቕርብ። ዕስራታት ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ሃብቲ ከዚና መዋእል ዝበልዐት ቤተመቕደስ”ያ።   http://vicksburgdailynews.com/2011/07/17/over-20-billion-dollar-treasure-discovered-in-centuries-old-hindu-temple/

እዚ ህያው ታሪኽ’ዚ ከም ዘነጽሮ፡ ህዝቢ ብድኽነትን ብዓጸባን ይሕሰ፡ ብጹኣት ድማ መለኮታዊ ምትሃት ከምዝተዓደሉ፡ ነቲ ዕቑር ሃብቲ ከከም ኢዶም ክምዝሕቕዎን ክምዥርጥዎን ከምኡ’ውን ደቆም ከሐንቅቑሉን፡ ቅቡልን ቅዱሱን ኣገባብ ተቖጺሩ፡ ንብዙሓት ኣእሚኑ ንዘመናት ክገዝእ ዝጸንሐ ታሪኽ’ዩ።

ክሳብ ሎሚ ድማ ብዙሓት/ሓፋሽ ብኣፍ ጾሞምን ጥራይ ዝባኖምን ካብ ምግልጋል ሓሊፎም፡ ነዚ ኣብ’ዛ ቤተመቕደስ ዘሎ ምስጢር ብፍተሻ ከይራኸስ ባጃ ንኽኾኑን ኣብ ግምባር ክስለፉን ክስየፉን ጸኒሖም።

ሕጂ’ኳ ምስጢር ናይ’ዛ ቤተመቕደስ ዝድፈር’ዩ ዝመስል ዘሎ። ምናልባት እንተሰሊጡስ ናይ ባንኪ ወለድ ናይ’ቲ ዑቑር ሃብቲ ጥራይ ንሂወት ናይ’ቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነብር ህዝቢ ክልውጦ ምኸኣለ ኔሩ ክሳብ ምባል’ውን ይብጻሕ’ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ግን ትርጉም ናጽነት’ውን ንቖልዑት ንሽማግለታትን ወለድን ከምኡ’ውን ንመጻኢ ዕድል ካብ ምዕንጋል ሓሊፉ፡ መለኮታዊ ዝመስል ናይ ዶግማ ምስጢራዊ እምነት ተዓሚሙ ከደናግር ይኽእል’ዩ ንምባል’የ ነዛ ምሳሌ’ዚኣ ሓዊሰያ።

ሕጂ ድማ ኣብ’ቲ ንቕድሚት ዝኣንፈተ መስርሕ ምኹስኳስ ኤርትራን ኤርትራውነትን፡ እታ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኩሉ ሰብ ብሃረርታ ዝቛምታ ምድሪ-ተስፋ ትመስል ዝነበረት ኮይና፡ እዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ ግን ብዙሓን ዝሃድሙላ ናይ ምድሪ ገሃነም’ያ ኮይና ዘላ። ምኽንያቱ ኲናት ናይ ባድመ ብዘመናት ዘይፍጸም ማህሰይቲ ኣብ’ታ ናይ ሎሚ ኤርትራ ስለዘስዓበ ምስ’ዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ ኣዝዩ’ዩ ኣረሓሒቑወን። ስለ’ዚ ድማ’የ ኤርትራ ናይ ሎምን ኤርትራ ናይ ሕጂን’ሲ ከመ’ቢልካ’የን ዝዋሰባ ዝብል ሕቶ ክሳብ ምልዓል ዝደፈርኩ።

ኣብ መወዳእታ፡

1. ሲንጋፖር ይብሉ እንዳ ዝናን-ባህታን። ናይ ሲንጋፖር ነገር ኣብ መዋእል ህንጸት ሃገር ከም ሓደ ክብጻሕ ዝዕለም ባህጊ ወይ ኣርኣያ እንክውሰድ እንታይ ክወጽኦ። እንተኾነ ግን ኣብ’ዚ ባህጊ’ዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ዓቢ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ ናብ ሲንጋፖር ገጹ ዝወስድ ጎደና ዘጣጥሑ ሓደስቲ ሓሳባትን፡ ሓደስቲ ሰባትን፡ ከምኡ’ውን ንሂወት ዘርብሑ ሓደስቲ ዕላማታት የድልዩ’ለዉ ዝብል’ዩ። እዛ ዓለም ዕዳጋ ለይትን ቀትርን ትልወጥ ከምዘላ መን’ዩ’ሞ ንመን ከዘኻኽሮ።

ምናልባት እዚኣቶም እንተተናዒቖም፡ እሞ ድማ ዓምን ቅድሚ ዓምን ዝተለምደ ሜላን ተሞኩሮን ንምውካስ ናብ ሳሕልን ባርካን ዝወስድ ጽርግያ፡ ብጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብጩዃሮን ባዴላን ክትጽሕትር ም’ዓል ምሕዳር ግን ንመንገዲ ሲንጋፖረ ከምዘየሕጽሮ ተራእዩ’ሎ።  ስለ’ዚ … ኣንፈት ምቕያር የድሊ’ሎ።

ደሓር ከኣ ናይ ሲንጋፖር መራሕቲ ሚልዮናት መሃያ’ዮም ዝበልዑ። ብንጽጽር ምስ’ታ ዝሃብተመትን ዝሓየለትን ሃገር፡ ማለት ፕረሲደንት ኦባማ ክሳብ 400, 000.00 ዶላር ኣብ ዓመት እንክበልዕ፡ ሰበስልጣን ሲንጋፖር ግን ወላ’ቲ ብሚኒስተር መዓርግ ዝዓዪ ዳርጋ ዕጽፊ ናይ ኦባማ ብሚልዮን’ዩ ዝቖጽር። ስለ’ዚ ሲንጋፖር’ሲ ካብ ዓቕሚ ባጀት ናይ ኤርትራ ንላዕሊ’ያ ትመስል።

2.  ንመስርሕ ገድልን ምግዳልን ድማ ጀብሃ-ሻዕብያ፡ ወያኔ-ሻዕብያ ዝዓይነቱ ምትህልላኽ ደው ዘብል፡ ንኹልና ድማ ብዛዕባ መስርሕ ዕንወትን ምትንሳእ ካብ ውድቀትን (how we regard failure?) ንመራመረሉ ሜላ ይፍጠረልና።

ከመይ’ሲ መራሕትና ትማሊ ትማሊ ነዛ ሕጂ ዝፍጽምዋ ዘለዉ፡ ብድላይናን ጣቒዒትናን ተሰንዮም እንክፍጽምዋ ከም በላሕትን ሊቃውንትን ዝቑጸሩሉ ዝነበሩ፡ መድረኽ ከምዝሓለፈ ምእንቲ ክግንዘቡ’ሞ፡  .. ንእብረ ምእንቲ ክርዕሙ፡ ……….. ዋዕ ኢልና ንዛረብ።

ማለት’ሲ ናብ ጽባሕ ገጽና እናጠመትና፡ ናይ ትማሊ ጣቒዒትና ዘኪርና ምስ’ቲ ተጋጊዮም፡ ተጋጊኹም፡ ዝብል መደምደምታ፡ ተጋጊና’ውን እንተወሰኽና’ዩ ንጉስ ሰማይን ንጉስ ዕዳጋን ዝዕረቑና።

3.  ናጽነት ድማ ብለውጢ’ዩ ዝዕቀን። መልክዕ ናይ ናጽነት መፍትሕ ናይ መስተርሆት ዘለዎ ፍታሕ ናይ ሽግር’ዩ። ሂወት ከምዘይብሉ ክቡር ግዑዝ ነገር ማለት ከም ሉል ወይ ወርቂ ኣይኮነን። ወይ ድማ ብኽብሪ ተሰቒሉ ኣይተራኽሱኒ ብዝብል ምስጢራዊ እምነት ዝሽፈን ታቦት ኣይመስልን’ዩ።

ናጽነት ብብዝሒ መስዋዕቲ ወይ ድማ ብሕድሪ ስዉኣት ኣይጉልበብን’ዩ። ብዝሒ መስዋዕቲ ሕመቕ ቅዲ ኣመራርሓ ደኣ’ምበር መልክዕን መቐረትን ናይ ናጽነት ኣየድምቕን’ዩ። ሕድሪ ስዉኣት ድማ ናይ መጻኢ ዕድል ተስፋ’ዩ።

4. ኲናት ናይ ባድመ ንመጻኢ ዕድልና ኣብ ብርቱዕ ውድድር ዘለዎ መድረኽ ኣውዲቕዎ’ሎ። ስለ’ዚ ድማ’የ ሓዲሽ ሓሳብን ሓደስቲ ሰባትን  የድልዩ’ለዉ ዝብል ርኢቶይ ዝደጋግም ዘለኹ። ንውድድር ኣይፈራህኩን። ንሱ’ዩ ናይ ምዕባለ መንኮርኮር።

5. እንዳ ዝናን ባህታን ጸላእን ኢትዮጵያን ከይፈላለዩ ድፋዕን ጉድጓድን ክፍሕሩ’ዮም ኣሪጎም። ደርጊ’ኳ ደድሕሪ ሓድነት ክጎዪ ኣብ ናቕፋ’ዩ ተዳፊዑ። ስለዝኾነ ድማ ብኾሎኛን ነፈርትን ዘፍ ክሳብ ዝብል’ዩ ብምምልላስ ተቐጺዑ። ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ግን ድላይ እንዳ ዝናን-ባህታን ስለዝፈለጠቶ፡ ነቲ ድፋዕ ሓረስታይ ማሕረሱ እናሓረሰ ብጎቦ ዓይኑ ኣብ ዝሕልወሉ ቦታ’ያ ባህ ከምዝበለኩም ደፍዕዎ ኢላቶም።

ስለ’ዚ ከም ርኢቶይ ነዚ ድፋዕ’ዚ ንምፍራስ መድፍዕ በትርን ኣየድልን’ዩ። እተን እንዳ ዝናን ባህታን ተሓቢኦሙለን ዘለዉ ጸላኢ’ሎ ወራር ይመጽእ ኣሎ ዝብላ ኣተሓሳስባ በብቑሩብ እንተተቐይረን እቲ ድፋዕ ኳና’ዩ። ድሮ’ኳ ዓጠ……..ጥ! ክብል ይስማዕ ኣሎ። ዕድመ ንመንእሰያት።

ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ መረረ ናይ ዝሓረረ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ መዘኻኸሪ’ዩ። ምኽንያቱ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብናይ ስጋ-ዝምድና ብሃይማኖት ብባህሊ ብታሪኽ ብጀኦግራፊ ብአኮኖሚ ዘለዎም ዝምድና ብጥይት ኣይብጠስ፡ ብበትሪ መንግስቲ ኣይሕንዘፍ። እዚ ሓቂ’ዚ ምስ ናጽነት ኤርትራ’ውን ኣይጻብእን’ዩ። ኣብ’ቲ ብሰንኪ ብውድቀት ቅዲ ኣመራርሓ እንዳ ዝናን-ባህታን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ቀይሕ ባሕርን ተፈጢሩ ዘሎ ሓዲሽ ናይ ውድድር መድረኽ ግን፡ እዚ ህያብ’ዚ ንምዕባለ ኤርትራውነት ዘርብሕ ወርቃዊ ትዕድልቲ’ዩ። ርስቲ’ዩ፡ ስለ’ዚ ዝሓለፈ’ኣክል ዝብል መዘኻኸሪ ዝሓዝለ ኮይኑ፡ ንለውጥን ዕርቅን ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ ንምትብባዕ’ዩ።

ፍቕርን ሰላምን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ።

ምስጋና።

ኣቶ ሚካኤል ዳምጠው ካብ ኦረጎን፡ ናይ መጻሕፍቱ ላይብራርን፡ ናይ ርኢትኡ ላይብራርን’ዩ ክውከስ ፈቒዱለይ። ስለ’ዚ ልባዊ ምስጋናይ ይብጻሕካ ኣቶ ሚካኤል። መጻሕፍትኻን ፍልጠትካን የሰስኖ።

References:

1. War is a Force That Gives Us Meaning. Chris Hedges 2002.

2. Eritrea and Ethiopia from Conflict to Cooperation. Amare Tekle 1994.

3. Shaping A Peole’s Destiny. The Story of Eritrea and The United Nations.

4. ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ 1951 – 1955 ኣለምሰገድ ተስፋይ 2005.

5. ኩርኮራ፡ ዘሪሁን ተሾመ 1999 ብግዕዝ። (2007 ብፈረጂ?)

6. ኣስመራ አክስፖ፡  የኤክስፖው ተሳታፊዎች ዝርዝር የካቲት 1 – 23, 1969.

7. ሓጺር ታሪኽ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ (ኤ ና ሰ ኣ) ዳንኤል ምሕረታብ 1991

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...