ኣብ መላእ ዓለም ህግደፍ ተፈንፊኑ

ስርሑ ስራሕ ሕጻን ቆልዑ ብምኳኑ

ዝራኣዮ ንዓይ ኣጥሙኒ በላዕ በይኑ

ጀጋኑ ብጾቱ ቀቢሩ ክብሕቶ ሓሊኑ

ጌና ኣይጸገበሎምን ኣለዉ ኣብ መስርዕ

ተራ ዝጽበዩ ክሳብ ዝሕረዱ ከም በጊዕ

ኣብ ቅድሚኦም ናረአዩ ብጻዮም ክግፋዕ

ዘምልጡ መሲሉዎም ካብ ተካሊት ስላዕ

ብተራ ከይለቕመኩም ስረኹም ዕጠቑ

ካብ ሕጂ ሕሰቡ ከም ጨው ከይትሓቁ

ሕጂኸ ንመንየ ዝብልዘሎ መርገም ስንቁ

ንህዝብና ሕነ ፍደዩሉ ብይቕረ ክትዕረቑ

ዝደፍኦ ሲኢኑ ሓዲግ ተንጠልጢሉ

ኒሕ ሒዙዎ ስልጣን ከይለቅቕ ባዕሉ

ንጥሪቱ ተኣማሚኑ ከም ዘጣቕዑሉ

ኣብ ጎነኻ ኣለናካ እናበሉ ዝዋጠጥሉ

ስዉኣትና ተዝምለሱስ ታይኮን ምበሉ?

ኣደታት ህግደፍ ሓልና ንሓቂባ ፍረዳ       ኣይተላእከን

እንስሳኳ ተኸላኺላ ተድሕኖ ንውላዳ

ሓቁ ንኽትፈልጣ ኪዳ ንሲናይ ውረዳ

ተተሰቆረክን ንምንታይ ከምተኹድዳ

ዘክራ ኢኽን ከም ዘለክን ከቢድ ዕዳ

ስእሊ መልኣኽ ረሲዕክን ስእሊ ሰይጣን

ነውሪዩ ኣብ እርጋንካ ፈኾስኮስ ዕብዳን

ንታቦተ ቁዱስ ኢሳያስ ኣሰኒኽን ብዕጣን

ዜርክንኣ ንኣመሪካ ኦክላንድ ዋሺንግቶን

ቲቪ ኤረ ክሳብ ክንደይ ድዩ ኣስኪሩክን

ህግደፍ ወዲቑዩ ብሕማቕ ኣይትቃልዓ

ክልተ ጸጉሪ ኣብቆልክንሲ ስራሕ ቆልዓ

ሽፋቱ ኣሚንክን ህዝብኽን ኣይተግድዓ

ጠንጢኑክን ምስከደ ጽባሕ ከይትነብዓ

ጸጊቡ ከም ኣድጊ ቢዘን ዝናዳሕ ዝሃልል

ዓለም ዘርያትና እናበለ ንዓኹም ከታልል

ፈራሓት ተዳሂልኩም ብዘይረብሕ ጽሉል

ብንዕቀትን ብብድዐን እምብዛ ዘሽካዕልል

ሕጂሞ ከተማ ጸቢቡዎ በረኻዩ ወፊሩ

ናብ ሲናይ ዓሪዱ ናብ ሽፍታ ተቐይሩ

ከይረሃጸ ትብላዕ ሓዳስ ሳሕልዩ ፈጢሩ

ሰብ ክሽቕጥ መሪጹ ምስ ደቂ መዛሙሩ

ኻብኡ ኣይሕለፍ ለኪሙና ክጠፍእ

ኣስራተ ካሳ ዝላኣኾ መብጽዓ ከማልእ

ሰላሕ እናለ ደም ንጹህ ንከንቱ ክደፍእ

ሰላምና ዘሪጉ ንኽልተ ኣሕዋት ከዋድእ

ልዕሊ ሬሳታት ብጾቱ ኮይኑ ዝስዕስዕ

ዝነብር መሲሉዎ ወይዚ ጠላም ከዳዕ

እነሆ.ኳ ድሮ ጀሚሩ ሕድሕዱ ክባላዕ

ሕማም ፍርሒ ሓዲሩዎ ሽፍታ ባጽዕ

ጾማልይያ መሲሉ ክሳብ ደም ዝጎስዕ

ምጽዋት ብህዝቢ የለን ደጊም ምጥላዕ

ደጋፊኡ ኣብ ልዕሊ መቓብሩ ክትስዕስዕ

ብሶፍያ ተስ.ዝተሰንከተ ቋሬጣ ክብላዕ

መፈጠሩ ዝጸልአ ሕለናኡ ዝዓረበቶ

ተናዒቑ ዓለም ብዓለማ ፎእ ዝበለቶ

ክጀሃር ጥራይ ባዶ ዘይብሉ ትሕዝቶ

ፈሺሉ ብሕ. ኤውሮጳ ብዓለም ባይቶ

ንኸዳናግር ኣመሪካ ቀኒኣ ኢሉ ዘውሪ

ጥበብ ዘይብሉ ብዘይካ ፋብሪካ በትሪ

ክዋዳደር ምስ ጌታ ሰማይ ጌታ ምድሪ

ዓለም ዝተቋጻጸሩዋ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ

ሰንካም ተንኮለኛ  ክፉኣተ ግብሪ ዝፍሕስ

ንዓያሹ ጥሪቱ ከይነቕሑ ምስ ዓለም ከባእስ

ገለመለ ኣራርዩ መጣፍእቱ ንነብሱ ከውሕስ

ንዕኡ ክመስሉ ኣጣላቒዩዎም በይኑ ከይኽሰስ.

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...