መንእሰይ፣ ርሱን ሓይሊ ሕብረተሰብ ኢኻ፣

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን መንእሰያት!

ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ እዚ ታሪኻዊ ዋዕላ!

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ዕዱማት ኣጋይሽ!!

ፈለማ ዝኸበረን ዝዓዘዘን ሰላምታይ የቐድም። እዚ ወሳኒ ዕድል ተዋሂቡኒ ኣብ ቅድሜኹም፣ ኣብ ቅድሚ ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ተረኺበ ሓጺር መልእኽቲ ከቕርብ ብምኽኣለይ፣ ብስመይን ብስም ደምበ ኣለና ብደገን ብውሽጢን አመስግን።

ሃገር ብዝኾነ ዋጋ ዘይትሽነን ነባሪት ርስቲ ኢያ። ስለዚ እዛ ብከቢድ ዋጋ ደቃ ዝተረኽበት፣ እንሕበነላ ኤርትራ ናትኩም ናይ መንእሰያት ርስቲ ኢያ። ነዛ ቅርሲ እዚኣ ናብ መጻኢ ወለዶ ንምትሕልላፍ እምበኣር ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ባህላውን ጉዳያትኩም፣ ከምቲ ኣቦና ሓርበኛ ነፍስሄር ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊውላድ ዓጄ፣ ሓተ እደ ግብኡዝበሉዎ፤ ብዘይ ሰጋእ መጋእ ሓደ ክትኮኑ ይግባእ።

ካብ መጅሙዕ ቃላት ተገላጊልና ናብ ግብሪ ምእማን የድልየና ኣሎ። ከም ህዝቢ ንጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ብዝምልከት፣ ምስ ግንባር ጠለምቲ ህግደፍ ኣብ ወሳኒ ጥምጥም ኣብ ዘለናሉ ወሳኒ ግዜ፣ እታ ኩዕሶ ኣብ ኣርያ-ሪጎለ፤ ንሕና ከኣ ሓንቲን ወሳኒትን ሸቶ ንምምዝጋብ ኣብ ተዳሎ ከም ዘለና ንግምግም። ስርዓት ህግደፍ መሽሚሹ፣ ደኺሙ፣ ንክወድቕ ተቓሪቡ፣ ዝተረፎ ሱር የብሉን! ..ምባል ብቃላት ቀሊልዩ። ኣይኮነን ስርዓት፣ እሞ ኸኣ ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰለ በዓል ክልተ ልቢታት ተንኮለኛ ዝመርሖ መንግስቲ፣ ንመዋእሉውን ኣብ ስለያ ዝሰርሐን ብሚልዮናት ዶላራት ዝቋመርን ስርዓት፤ ዝቦኽቦኸ ጉንዲ በለስውን ደፊኡ ነው ዘብሎ ፍጡር ክሳብ ዝረክብ ግዜ ይወስድ ኢዩ።

እምበኣርከስ ኣብ ደገ ዝነብር ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ፣ ንውድቀት ስርዓት ህግደፍን ንሓመድ-ድበ መራሒኡን እንታይ ኣበርክቶ ገይረ ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ክሓትት ይግባእ።መንገዲ ሽሕ ኪሎ ሜተር ብሓደ ስጉምቲ ኢዩ ዝጅመርከም ዝበሃል፤ ኣብዚ ክቡር ዋዕላ ከኣ ንተራ ነፍስ-ወከፍ መንእሰይ ዘነጽር መጽናዕቲ ንክግበርን ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ንምቅልጣፍ ነናትና ዕዮ ገዛ ሒዝና ክንወጽእን ተስፋ ኣሎኒ። ምስ ሓድነት፣ ምስ ምክብባርን ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ዘይድየብ ዓቐበት የለን። ክንድ ዝኾነ ትማሊ ህዝቢ ኤርትራ ንበይኑ እምባ መግዛእቲ ዘፍረሰ ህዝቢ ምንባሩ ታሪኽ ይመስክር። ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሎሚ ናይ ሰለስተ ወለዶታት ግዜ ኮይኑ ኣሎ። እነና ድማ እቶም ምስ ቀዳሞት ዝነበርና ዜጋታት፣ ናይ ታሪኽ ጉዳይ ኮይኑ ነታ ከም ጽላተ-ሙሴ ዝጠፍአት ተበሃጊት ሓርነት ንምድላይ ምስ ሳልሳይ ወለዶ ኣርኪብና።

ከምቲ ሓርበኛ ኣቦና ነፍስሄር ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ወርሒ መጋቢት 1987 .. ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ “…ዕድለኛ እየ! ምስ ዘራእቲ ነይረስ ምስ ዓጻዶ ከኣ ተረኺበዝበልዎ፤ ኣነውን ከም ኩሉ ዜጋ ዓቕመይ ብዘፍቅዶ ኣብቲ ኣዝየ ዝሕበነሉ ሓርነታዊ ተጋድሎ፤ ምስ ዘራእቲ ናጽንት ነይረስ ሎሚ ንብጾተይ ደምበ ኣለና ወኪለ ምሳኹም ምስ ዓጸድቲ ምህርቲ ሓርነት፣ ምስ ዝዓበኹም ኣሕዋተይ፣ ምስ ኣሓተይን መንእሰያት ደቀይን ብምርኻበይ ዓቢ ሓበን እስመዓኒ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን!

ዋዕላ መንእሰያት ስቶክሆልም /ስዊድን/ እዚዩ። እዚ ብኤርትራውያን መንእሰያት ዝውነንን ብደምበ ስመር ዝተወደበን ዋዕላ ኣብ ክንዲ ንምፍራሱ ምትንዃላት፣ ኣገናዕ ክበሃልን ዘድሊ ምትብባዕ ክግበረሉን ዝግበኦ ዋዕላ ኢዩ። ንኤርትራውያን ዝእክብን ዘራኽብን፣ ዘላሊን እሂን ምሂን ዘበሃህልን ዋዕላ፣ ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ክጋባእ ሰናይ ተበግሶ ኢዩ።ክንብርኩት ከይንብርኩት ናብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕከም ዝበሃል፣ ጸላኢና ደው ኢሉ እንከሎ ብዛዕባ ቦታን ግዜን ኣኼባታትን ቆጽለ-መጽሊ ዘረባታትን ክንሰምዕ ሓጊና ኢና።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ከም ገፈል ከካብ ኣባይቱ ኣብ ዝጎሓፈሉ ዘሎ ሰባብ ግዜ፤ እታ ወትሩ እንብህጋ ሓርነት ንምርካብ፣ ብዘይካ ብሓደ ምስራሕ ካልእ ኣማራጺ ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይ ጌርካ ኢዩ ግን ብሓደ ክስራሕ? መን ምስ መን ኢዮም ብሓደ ዝሰርሑ? እቶም ኩነታት ክበስል ምስ ጀመረ ዝፍንጨሉ ስለምንታይ? ኣብዚ ናይ እንክሒራ ህሞት፣ ኮላሊት ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ኣቕሓ መሸጣ ናብ ዕዳጋታት ዝወርደሉ ዘሎ ግዜ፤ ኣብ ጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ንምዝርራብ ግልጽ-ምልጽ ብዘይብሉ፣ ብምሉእ ርእሰ-ተኣማንነት ንሓቂ ምድሕዳሕ፣ ምዝራብን ምጽሓፍን ግዜና ይሓትት ኣሎ።

እቲ ኣብ ግዜ ሩስያዊ መራሒ ሚኻኤል ጎርቫቾቭግላስትኖስማለት ግሉጽነት ዝብል ጭርሖ ንዝሑል ኲናት ዝደምደመ መዝሙር ነበረ። ግላስትኖስ፣ ነቲ ኣምሰሉ ብውሽጡ መሽሚሹ ዝነበረ ስርዓተ ኮሚኒዝም ነበር ዝገበረ ዘንጊ ወርቂ ኢዩ። ንሕና እዞም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓደ ደምበ ዝጸናሕና ኤርትራውያን፣ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂን ግሉጽነትን ኣስኳላ ምህሮ ክንቀስም ንዕደም ኣሎና። በትሪ ሓቂ፣ እቲ ሓቂ ዝሓረሞ ህዝቢ ኤርትራ ክሰርሓሉ ዝግበኦ ሰናይ ምርጫ ኢዩ። ዋዕላ፣ ኣኼባ፣ ሰሚናር፣ ፈስቲቫል ጽቡቕ ኢዩ። ግን ብድሕሪ ዋዕላን ጉባኤን እንታይ ፈረየ? ካብቲ ንህዝብና ጸቒጥዎ ዘሎ ደናጉላ ህግደፍ ክንደይ ዝኣክል ፈንቂሉን ኣቃሊሉን? ብኣንጻር ፈላላዪ ስርዓት፤ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ምድልዳል እንታይ ኣበርክቶ ገበረ ኢልና ክንሓትት ግቡእ ኢዩ።

ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብ ወይ ዝዓበየ ደምበ ንክዓግበሉ በየናይ ኣገባብ፣ ወይ ብከመይ ዝበለ መንፊት ተመመየ ዝብል ሕቶ የድልዮ። ብዛዕባ ጉዳይ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ኣብ ዚዝረበሉ እዋን፣ ደንበ ተቓውሞ ክልተ ዝርስዐን ዓበይቲ ሓቂታት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ ልቦናን ትዕግስቲን ናይቲ ኣብ ከቢድ ስቕታ ዝተዋሕጠ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ህዝብናን፤ ናብ ዓወት እተብጽሕ መድፍዕ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሓድነት ምዃናን ኢዩ።

ክቡራት ተጋባእቲ መንእሰያት፣ ከይኣረግኩምን ዓለም ከየርከበትኩምን እንከላ፣ ሎሚ ንሃገርኩምን ንህዝብኹምን ብትብዓት፣ ብዘይ ኣፈላላይ ኣውራጃ፣ ሃይማኖት ብሄርን ወገንን ንክትሰርሑ ከዘኻኽር እደሊ። ግዜ ንመንእሰይ ወርቂዩ። ሎሚ ክስራሕ ዝግብኦ፣ ሎሚምበር ደሓርን ጽባሕንሲ ነናተን መዘዝ ሒዘን ኢየን ዝመጻ። ከምቲዘርኢ ክትልቃሕ ዝወጸት፣ እኽሊ ክሽውት መጸትዝበሃል ምስላ ኣበው፤ እቲ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ህግደፍ ዘሎ ህዝብና ዝረብሓሉን ሓራ ዝኾነሉን ተግባራት ብህጹጹ ሎሚ ንስራሕ።

መንእሰይ ኣብ ማእከላይ ሓይሊ ጉዕዞ ወዲ-ሰብ ዝርከብ ሞቶር ሕብረተ-ሰብ ኢዩ። ኩሉ ንወዲ ሰብ ዘድሊ ምህዞን ለውጥን ከኣ ብግዚኡ ብመንእሰይ ኢዩ ዝትግበር። መንእሰይ ሰራሕ ታሪኽ ኢዩ። ኣብ ዘመንና እንተርኣና ኤርትራ ሃገርና ካብቲ ዝነበራ መግዛእታዊ መስገደል ንምግልጋል፣ እቲ ዝዓበየ ተሳትፎ ሓይሊ መንእሰይ ኢዩ ናጻ ኣውጺኡዋ። መንእሰይ ናብ በረኻታት ኤርትራ እንተዘይውሕዝ፣ መንእሰይ ሓላፍነት ተሰኪሙ ንበይኑ ኣንጻር ሓያላት እንተዘይገጥም፣ መንእሰይ ንጥሜትን ዕርቃንን ተጻዊሩ እንተዘይምርሽ፤ መንእሰይ ንመስዋእቲ ከም ቅዱስ ባህሊ እንተዘይርዕሞ ሃገርና ናጻ ኣይምኾነትን። ሎሚውን ኣብዚ ባህጊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብከዳዕ ስርዓት ህግደፍ ተጨውዩሉ ዘሎ ግዜ፣ ተራ መንእሰይ እቲ ዓቢን ወሳኒን ትጽቢት ዝግበረሉ ጉዳይ ኢዩ።

መንእሰይ ኩሉ ግዜ ምስ ሓይሉ ኣይነብርን ኢዩ። ዓለም ቀስ- ብቐስ ስለእተርክቦ ግቡኡን ተልእኾኡን ፈጺሙ፣ ዕማሙ ናብ ዳሕረዎት ወለዶታት ኢዩ ዘመሓላልፍ። ንሕና ኤርትራውይን ዓቢ ውርሻ ተቐቢልና ኢና። እዚ ብኣልማዝን ዕንቊ ባሕሪን ዘይሽነን ነባሪ ውርሻ ድማ፤ ጀጋኑ ስዉኣትና ዝሃቡና ውርሻ ኢዩ።

ንሕና ከም ኤርትራውያን እንሕበነሉን ዓለም እትፈልጦን ታሪኽ ኣለና። እዚ ታሪኽ እዚ ድማ ታሪኽ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልስና ኢዩ። ሎሚ ነቲ ብኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተጨውየ ሓርነትና ንምምላስ፣ ናብ ተመኩሮና ተመሊስና ሓቂታት ክንደሊምበር፤ ተመክሮ ንምርካብ እንግንጽሎ ናይ ካልኦት ሃገራት መዝገብ የለን። ንምግዳሉ ወይ ኣብቲ 30 ዓመታት ዝተወልዐ ሰውራ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ከም ነውሪን ዘጣዕስ ተሳትፎን፣ ንመስዋእቲ ቀያሕቲ ደቁን ኣሕዋቱን ከም ሓጥያት ዝወስድ ዜጋ እንተሎ ኣይናትናን ኢያ ትብሎ እዛ ሃገር።

ምስ ግዜ ንዝርአ ዝኾነ ይኹን ኣንቆራን ብዙሕነትን፤ ሓርጎጽጎጽ ዘብል ዘይጥጡሕ መንገድን ሰጊርኩም ክንዮ ጣቓ ብሩህ ሰማይ ከም ዘሎ ምእማን ዓቢ ሓይሊ ኢዩ። ነዚ ሓይሊ ዝወነነ መንእሰይ ከኣ ናብ ብሩህ ደረት-ትርኢት ክበጽሕን ጽሩይ ማይ ክሰትን ናይ ግድን ኢዩ። ነዚ ዝኽሕድ ዜጋ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣብቲ መንእሰይ ኤርትራ 30 ዓመታት መመላእታ ንጹር ራእይ ጨቢጡ ዝተጓዕዞ ወቕቲ፣ መዳርግቲ ዘይነበሮ ታሪኽ ጽሒፉ ኢዩ ሓሊፉ።

መድርኽ ሂወት ወዲ-ሰብ ብምትኽኻእ ስለዝኸይድ፣ ሃገር ናይ ምርካብን ሕብረተ-ሰብ ናይ ምህናጽን ሓላፍነት ኣብ እንግድዓ መንእሰይ ኢዩ ዘሎ። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እትነብሩ መንእሰያት መሪር መነባብሮ ህዝቡኹም ክትፈልጡ፤ ንመጻኢ ዕድል ኤርትራዊ መንነትኩም ኣበርቲዕኩም ክትሰርሑ ይግባእ። ኣብ ሓድሕድኩም ፍቕርን ስኒትን ከሰፍን፣ ብሃገራዊ መንፈስ ተወዲብኩም ኣበርቲዕኩም ኪትጋደሉ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መዓሙቕ ይጽውዓኩም ኣሎ።

መንእሰይ፣ ካብ ህዝቡ ዝወረሶ ጅግንነት ብንያት ንክቕጽል፣ ካብ ወለዱ ዝተማህሮ ጽቡቕ ተግባራት ድማ ክዕቅብ ይግባእ። ንድሑር ስምዒታት፦ ኣውራጃ፣ ሃይማኖት፣ ብሄረይ ብሄርካ ..ናይዚ ሎሚ ናብ እርጋን ገጹ ዝጓዓዝ ዘሎ ወለዶ ክነጽግን ከቢድ ጻዕሪ የድሊ ኣሎ። መንእሰይ ካብዚ ሎሚ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም እንርእዮ ዘለና ዘይሓላፍነታዊ ኣተዓባብያን ኣከያይዳን ከባቢና ክርሕቕ፤ እምነቱን ማዕተቡን ድማ ሓንቲ ብሃይማኖት፣ ወገን፣ ብሄርን ኣውራጃን ፍልልይ ዘይብላ ሃገር ንምህናጽ እጅገኡ ሰብሲቡን ቁልፉ ሸጥ ኣቢሉን ንክጓዓዝ እዋን ይኩሕኩሕ ኣሎ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን!

ከምቲሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱዝበሃል ከይንኸውን ሓደራ። ደቂ ኤርትራ ቁስልና ኣይንሕባእ፣ ምስ ግንባር ህግደፍ ፊት-ንፊት ኣብ እንቃለሰሉ ዘለና እዋን፣ ካብ ዝኾነ ጸግዒን ጸቢብ ኣመለኻኽታን ናጻ ዲና ኢልና ነንርእስና ንሕተት። ስርዓት ህግደፍ ብዋጋ ሞት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስልጣን መታን ክነብር ብታሕቲ-ታሕቲ ንሰዓብቱ ዘካይዶ ፈላላዪ ፕሮፓጋንዳ ንደምበ ተቓውሞ፦

1. ብደቂ ኣከለጉዛይ ጥራይ ዝተዓብለለ ምትእኽኻብ፣ (እቲ ሓቂ ደቂ ካልኦት ኣውራጃታት’ከ የለዉን ድዮም? ምምርማር ዝድልዮ ሰባብ ሓሶት ኢዩ)

2. ናይ ጀብሃ ተረፍ-መረፍ ዝበሓትዎ ደምበ፣ (ተጋደልቲ ሻዕብያ’ኸ ኣብ ደጋን ኣብ ውሽጢን ኣብ ጎድኒ ደምበ ተቓውሞ የለዉን ዲዮም? እምምምምም!)

3. ናይ ኣስላም ምትእኽኻብ ምንቅስቓሳት ኢዩ፣ (ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክርስትያን የለዉን ኢሉ እንተኸሓደ ኣየገርመናን’ዩ)

ንሕና ደምበ ተቓውሞ ነቲ ስርዓት ብዝምልከት ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኣሎና? ቁስልና መታን ከነሕዊ ነቲ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ኮነ ተባሂሉ ኢሳይያስ ዘተኣታተዎ እከይ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ሜላ፦

1. እዚ መንስቲ ናይ ሻዕብያ መንግስቲ፣

2. ናይ ሓማሴን መግስቲዩ፣

3. ናይ ክርስትያን ስርዓትዩ፣

4. እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናይ ብሄረ ትግርኛ መንግስቲ ኢዩ ዝብል ኣበሃህላ ከም ዘሎ ገለ ጸበብቲ ብትሕቲ ልሳኖም ዝዛረቡ ከም ዘለዉ ጋህዲ ሓቂ ኢዩ። ነቲ ኣብ ዕጹው ገዛውቲ ዚዝረብ ብጭቡጥ ሓቂታት ገጽ-ንገጽ ተራኺብና ክንዘራረበሉን መፍትሒ ክንደልየሉን ግዜ ይጽውዓና ኣሎ። ኣብ ዘመነ-ኣካሒዳ ዘመን ኢሳይያስ ብዘይካ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ምስ ዝጠፍእ መንግስቲ ንክጠፍኡ ዝመረጹ ጠላማት፤ ዝጠዓሞ ኣውራጃን ብሄርን፣ ዝተኸብረ ሃይማኖትን ወገንን ኣሎ ድዩ? ግን ገበነኛ ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን መታን ክነብር ኣብ ኤርትራ ዘይመሃዞ ክፍኣትን ኣፈላላይን የለን።

ህዝቢ ኤርትራ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ወላ ከም ኢዮብ ደቁን ንብረቱን ስኢኑ ንግዚኡ እንተዘኽተመ፤ ከምኡውን ከም ጊልያ ኲንታኲንተ ብጭፍራ ህግደፍ እንተ ተቐጥቀጠን ብብዙሓት ገና ዘይተለለዩ ከም ከበሮ ጥሪ እንተተጨልገመን፤ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነዝበሎ፤ እቲ ፎእ ጽሕፍቶ መዓልቱ ምስ ኣኸለ ህዝቢ ኤርትራ፤ ብርግጽ ህዝቢ ክኸውን ኢዩ። ክዳንን ኣስካርባን ይበሊ፣ ድኽነትን ሓዘንን እውን ይርሳዕ ኢዩ። በልዩ ንዘልኣለም ናብ ጉሓፍ ዝድርበ ጉዳይ ህዝቢ ግን ኣይረኣናን።

ኩሉ ይኣምን! ኣብ ዝኾነ መዋእል እቲ ናይ ለውጢ ሓዋርያ፣ እቲ ከም ዓንዲ ማእከል ድማ ተሰካሚ ህድሞ ዝኾነ ሓይሊ ሕብረተሰብ መንእሰይ ኢዩ። እወ መንእሰይ ኢዩ! እዚ ወለዶ ኣሰር ኣቦታቱን ኣያታቱን መንእሰያት ስሳታትን ሰብዓታትን ረጊጹ ናይ ለውጢ መፍትሕ ምዃኑ ዝስሕቶ ሰብ የለን። ኤርትራ ሃገርና እቲ ዝዓበየ ጸጋኣ ሓይሊ ሰባ ብሓፈሻ፣ መንእሰያታ ከኣ ሕሉፋት ሰራሕቲ ቅያታት ከም ዝነበሩን ዘለዉን እዋሓስ አግብእ ዘየድልዮ ድሙቕ ሓቂ ኢዩ።ኩቦ ጥሒሉ እምኒ ጸምበለል ኢሉከም ዝበሃል ግን፣ ኣብ ዘመነ-ኣካሒዳ ዘመን ህግደፍ ዝረኣናዮ መደንጾ፣ ንሃገርና ኤርትራ ንግዚኡ ኣጋንንቲ ተኻርዮማ ኣለዉ።ውጽኣ መባልዕቲ እተዋ መናብዕቲከም ዝበሃል፤ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ፣ እቶም ስለ ሓርነት ህዝብና ንነዊሕ ዓመታት ብሓባር ዝነባዕና ደቂ ኤርትራ ነናብ ገዛና ክንኣቱ ኢና። ቅድሚ ንገዛና ኢልና ምብጋስና ግን ማዕጾ እንኸፍተሉ መፍትሕና ኣብ ኢድና ኣሎ? ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊትን ምትእስሳርና ከመይ ይመስል ኢልና ክንመራመር ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓቂ ኢዩ።

ዝሓለፈ ሓሊፉ ሎሚ ተራ መንእሰያት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ከም እንኩዲኖን ርሱን ማሕረሻን ናብ ምዃን ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ ናይ ተስፋ ግዜ፣ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀረባ ከም ዘላ ንኣምን። ግን ከምቲ ስኒ ኣብ መዓልቱ እንተዘይጎሪፉ ፍጮ ሒዙ ዝበቁል፣ ብድሕሪ ሞት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ካልእ ፍጮ ከይበቁል፣ ካብ ሕጂ ጀሚርና መሳርዕና ክንወዳድብ የድሊ ኣሎ። ነዚ ተሪፉ ዘሎ ዝሓጸረ ስራሕ ንምዕማም መንእሰይ ስረኻ ቀጥ ኣቢልካ ዕጠቕ። ብዙሓት ንስረ ዘዝልቑ ተቓለስቲ መሰል ፈላለይቲን ደሃልቲን ከጓንፉኻ ኢዮም፣ ግን ክምህ ኣይትበል። ንጹር ራእይ ሒዝካ ኣብ ዝተበገስካሉ፣ ሓያሎይ ንሞራልካ ዘውድቕ ዘረባ ክትሰምዕ ኢኻ፣ ግን ንቕድሚት ጥራይ ጠምት። ንድሑር ሕማማት ሕብረተሰና ኣመንጊጎም ንከብልዑኻ ክፍትኑዮም ግን እንኮ ፈቓቕ ኣይትኽፈት፤

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተጋባእቲ!

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ!

በዛ ሓንቲ ብዙሕ ግዜ እትደጋገም መዝሙር ክውድእ።ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩዝብል ደርፊ ኩሉ ኢዩ ዝደርፋ። እቶም ንሽመት፣ ንማዕርግ ከንባሁቑ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ንትርግታ ልቢ ኤርትራውያን ክሰምዑ ንመኽሮም። ህዝቢ ኤርትራ ጽባሕ ቢጊሓት እታ ኣብ ክሳዱ ዘላ መስገደል ኢሳይያስ ምስ ተሰብረት፤ ከምቲዓሻ ድየ በራኺዝበሎ ተረካብ ዘረባ፤ ንመጻኢ ዕድሉ ብዝምልከት ዓሻ ኣይኮነን።

ንካልኣይ ግዜ ክስረቕ ዘፍቅድ ህዝቢ ኣይኮነን። ስለዚ ከምቲ ንሰረገላ ዝኣረገ ፈረስ ክጎትቶ ዘይከኣል፣ ሕብረተሰብ ንምምራሕ ድማ ሓላፍነት መንእሰይ ይኹን። ኣጆኹም መንእሰያትና! ደቂ ጀጋኑ ሰዝኾንኩም፣ ብጅግንነት’ውን ስለዝተጠመቕኩም ኣብ ቅድሜኹም ንዝጸንሕ እሾኽ ሰጊርኩም ናብ ዓወት ከም እትበጽሑ እምነትና ዝለዓለ ኢዩ። ንሕና ደምበ ኣለና ብደገን ብውሽጥን ድማ ክሳብ ፍጹም ዓወት ኣብ ጎድንኹም ከም ዘለና ብሙሉእ ርእሰ ምትእምማን ደጊመ አረጋግጸልኩም።

ንኮረሻ ስልጣን ብዝምልከት ብዙሕ ሕብርታቱ ጉያ-ጉያ-ጉያ ክንርኢ ጸኒሕና ኢናሞ፤ ይኣክል ቅድድም። በቲ ከራሪ ተኽልንክኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ኣቐድም ኣቢሉ፦ “…ክንዛረብ ክንደይ ግዜ ትም፣ ኣቤት ጉያ ወዳጄ ቅድድምዝበሎ፤ ትም እውን ይኣክል እናበልኩ መልእኽተይ እድምድም።

የቐንየለይ!

ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

ዓወት ንሃገራዊ ዋዕላ መንእሰያት ስቶክሆልም!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና፣

ብርግጽ ክንዕወት ኢና!!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...