ክቡራንን፡ ክቡራትን ደለይቲ ፍተሒ፥

24. ግንቦት 2012 ኤርትራ ንመበል 21 ደን ግዜ ጽምብል ሓርነት ኣብዒላ። ሰብና ኣብ ክንዲ ዕልልን ጣቕዒትን፤ ንብዓቱ ቋጺሩ፡ ሕልና ሰዊኡ: ብምቕለላ ንቡር ክሓትት፣ አይፋልን ክብል፡ አበየ-ልዳት ኣምባሳደራትን፡ ቆንስላትን፥ ምእንቲ ነጻነት፣ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ-መሰልን፡ ከእዊ ቀነየ። ንምንታይ፧

1. ሃገርና ብግብሪ ብሓደ ጉጅለ ተዶቚሳ ብምህላዋ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከኣ፡ ጓኖት ዕጡቓት ሰብ ብረት፡ ዘዕስከረ ብምኻኑ፡ ብሰንኪ እዚኣቶም ከኣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ውግእ የንጸላሉ ብምህላዉ፡

2. ካብ ኣማእት ክሳብ ኣሽሓት ዝቑጽሮም፡ ሓሳባቶም ብሰላማዊ መንገዲ ንዝገለጹ ኤርትራውያን ዝዳጎነ ብምኻኑ። እቶም ገሊኦም፡ ንዓመታት ዝኣክል፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉ እዮም። ካብዚኣቶም፡ እቶም ፍሉጣት፥

ንጂ-15 ንጋዜጠኛታት፣ ሽማግለታትን፡ መራሕቲ-ሃይማኖትን ወዘተ ብምእሳሩ፡ (ካብዚኦም ብዙሓት ብሰንኪ ጨካን ኣተሓሕዛ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝሞቱ'ዮም)

ጠበቓ ብዘየፍቅድ፡ ፍሉይ ቤት-ፍርዲ ገይሩ፡ ፍርዲ-ሞት ዝብይን ብምዃኑ፡

 

ፍርሕን ጭንቅን ከምዝነግሱ ጌሩ፡ ንኣብነት፥ ንሰባት ብሰንኪ ርእይቶኦም ኣብ ኣብ ሓያል ምርመራ ብምቕራቡ።

3. መግረፍትን ግናይ ኣተሓሕዛን እሱራት መዓልታዊ ስራሕ ህግዲፍ ብምዃኑ፡ ንኣብነት፥ ሄሊኮፕተር፣ እየሱስ-ክርስቶስ፣ ፌሮ፣ ኦቶ ከምኡ'ውን "ቶርች" ዝስመያ ሕልናን ኣካላትን ደቂ-ሰብ ዝሰብራ፡ ስቅያት ኣብ ልዕሊ ሰብና ይወርድ ብምህላዉ።

4. ብሕብረተ-ሰብ ዓለም ተቐባልነት ዝረኸበ፡ ንኣብነት፥

ናጽነት ልሳን (ፍሪደም ኦፍ ኤክስፕረሽን)

ናጽነት ኣረኣእያ፡ ኣተሓሳስባ (ፍሪደም ኦፍ ኦፒኒየን)

ጉጅላዊ ናጽነት (ፍሪደም ኦፍ ኣሶሲየሽን) ብምግዛቱ።

5. መንእሰያት ብገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም፡ ጊሊያታት መራሕቲ ህግዲፍ ብምዃኖም፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ወሰባዊ-በደል ዝፍጸም ብምዃኑ፡ ውልቀ-ሰብኣዊ ናጽነቶም ተጋሂሱ፡ ሂወቶም ከይመርሑ፡ ከም ንቡር ከይወልዱ፡ከይዝምዱ፡ ጅሆ ህግዲፍ ብምዃኖም።

6. ኣብ ኤርትራ ፍትሒ-ኣልቦነትን፡ ምግሃስ ሰብኣዊ-መሰላትን ብምስፋኑ፡ ካብዝን ውዲ ከምዝን ጉድ ክላቀቑ ድማ መንእሰያት ሃገሮም ገዲፎም ናብ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት የምርሑ ኣለዉ። ንኣብነት፥ ኣብ ጉዕዞ ኣጻምእ ምድረ-በዳ ሰሃራን ሲናይን: ከምኡውን ኣብ ምስጋር ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣደዳ ሕማምን ሞትን ይኾኑ ብምህላዎም።

2004 .. ቀዳማይ ጉዕዞ-እግሪ ምእንቲ ነጻነትን መሰል ደቂ-ሰብን ካብ ፍራንክፉርት ናብ ብሩስል፡ 2005 .. ካልኣይ ጉዕዞ-እግሪ ካብ ጀነቭ ናብ ሮማ-ቫቲካን፡ 2006 .. ድማ ሳልሳይ ጉዕዞ-እግሪ ካብ ኒውዮርክ ናብ ዋሽንግተን፡ ተኻይዱ። ነዚ ከም ኣሰር ወሲድና፡ ሎሚ 2012 .. መበል ራብዓይ ጉዕዞ እግሪ፡ ምእንቲ ነጻነትን መሰል ደቂ-ሰብን፡ ካብ ከተማ ሽቱትጋርት ነቒልና፡ ጉዕዞና ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት ክዛዘም እዩ።

ዕላማ ራብዓይ ጉዕዞ-እግሪ ምእነቲ ነጻነትን መሰል ደቂ-ሰብን ኤርትራ፥

ህግዲፍ ብድሕሪ ማሕበረ-ኮማቱ ተኸዊሉ፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን እንታይ ንጥፈታት ከምዘካይድ ንምቅላዕ፡ንኣብነት፥ ማሕበር መንእሰይ ህግዲፍ (YPFDJ) ማሕበር ዋርሳይ (WARSAY e.V.) ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ፣ ወዘተ ተባሂለን ንናይ ሃገረ ጀርመን ዲሞክራሲያዊ ትሕተ-ቅርጽን ዕድላቱን ብምምዝማዝ፡ ንዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግዲፍ ከምዝምውላን ከምዘገልግላን ንምሕባር።

ኣብ ጀርመን ንውልቀ-ሰባትን ማሕበራውን መንግስታውን ትካላት፡ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከመይ ከምዝመስል ንምሕባር፡

ብሰንኪ ጣልቃ ምእታው ስለላዊ-ማዕከን ህግዲፍ ኩነታት ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን፡ ንቡር ሓሪሙዎ ማህሚኑ ከምዝርከብ ንምሕባር፡ ንኣብነት፥ ኣብ ቤተክርስትያናትን፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ቛንቛ-ኣደን፡ ወዘተ

ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና፡ ብጉዕዞና ተተባቢዑ፡ ንስቕታ ሰቢሩ፡ ንፍርሒ ስዒሩ፡ ሕልናን ፍናንን ተቓውሞ ኣበራቢሩ፡ ኣብ ጎኒ ደለይቲ ፍትሒ ንኽስለፍ፡

ኣብ ኤርትራ ድምጺ ተሓሪምዎ ንዘሎ ህዝብና ድማ፡ በይዛ ድምጺ ንኽንኮኖ። ኩሉ እንገብሮ: ኣብ ናጻ ድሌት ዝተመርኮሰ ክንዲ ዝኾነ፡ ጭቆና ከብቅዕ፡ ውልቀ-ሰብኣዊ ናጽነት፡ ሕግን፡ ንሕጊ ዝምእዘዝ መንግስታዊ ስልጣን ክትከል ምእንቲ፡ ከም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ- መሰል ኣብዚ ሰላማዊ- ሰልፊ ክትሳተፉ እትደልዩ፡ ግዱሳት እውን፡ ኣብ ጎድንና ተሰሊፍኩም ምረትኩም ክትገልጹ ንጽውዓኩም ኣሎና።

እቲ ሰላማዊ-ሰልፊ ኣስታት 230 / ኮይኑ: ዕለት 31.08.2012 ካብ ፈደራላዊ ቤተ-መንግስቲ ባደንቩርተምበርግ ከተማ ሽቱትጋርት ነቒሉ፡ ድሕሪ ናይ ትሽዓተ መዓልታት ጉዕዞ እግሪ፡ ዕለት 08.09.2012 አብ ቤት-ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ፍራንክፉርት ክዓርፍዩ።

ኣብ ኩለን እነዕርፈለን ከተማታት፡ ንከንቲባታት፡ ንምረት ሰብና ዝገልጽ ሰነድ ክቐርብዩ።

መስመር ጉዕዞና

መበገሲን ዕለትን ከተማን ርሕቀትን መሕደሪን

1 መዓልቲ ዓርቢ 31.08. ሽቱትጋርት 15 /ሜትር ሌዮንበርግ

2 መዓልቲ ቀዳም 01.09. ሌዮንበርግ 24 /ሜትር ፎርስሀይም

3 መዓልቲ ሰንበት 02.09. ፎርስሃይም 30 /ሜትር ካርልስሩሀ

4 መዓልቲ ሰኑይ 03.09. ካርልስሩሀ 23 /ሜትር ብሩኽዛል

5 መዓልቲ ሶሉስ 04.09. ብሩኽዛል 35 /ሜትር ሃይደልበርግ

6 መዓልቲ ሮቡዕ 05.09. ሃይደልበርግ 20 /ሜትር ማንሃይም

7 መዓልቲ ሓሙስ 06.09. ማንሃይም 24 /ሜትር ሄፐንሃይም

8 መዓልቲ ዓርቢ 07.09. ሄፐንሃይም 30 /ሜትር ዳርምሽታት

9 መዓልቲ ቀዳም 08.09. ዳርምሽታት 28 /ሜትር ፍራንክፉርት


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...