እቶም ካብ ዝተፈላለየ ክፍለዓለማት ኣብ ደብረዘይቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከቡ መንእሰያት፡ “ኩሉ ዓቕሚ መንእሰይ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ይቕናዕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ሎሚ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣኼብኦም ብወግዒ ጀሚሮም።

እቲ ኣኼባ ብኣዋሃሃድቲ ናይ’ቲ መደብ ምርያም ዑመርን መሓሪ ኣብርሃን ዝተኸፍተ ክኽውን ከሎ፡ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣማኻሪ ውደባን ተሳትፎን ዝዀኑ፡ ኣቶ ሬድዋን ሑሰን ናይ መእተዊ ቃል ኣስሚዖም ነይሮም። ኣቶ ሬድዋን ናይ ኤርትራ ህዝቢ፡ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ ዝተጻዕኖ ናይ ግፍዒ ስርዓት፡ ብናይ ባዕሉ ቃልሲ ኣልዩ፡ ሓንቲ ደሞክራስያዊት፡ ምስ ጐረባብታ ብሰላምን ምትሕግጋዝን፡ ንምዕባይ ትተግህ፡ ናይ ኩሎም ህዝብታታ  ባይሊ፡ ቋንቛን እምነትን ዝኽበረላ፡ ዜጋታታ  ጺዒሮም ብዝረኸብዎ ፍረ ብልክዕ ዝርብሑላ፡ ናይ ፍትሒ ምዕባለ ብዓልቲ ጸጋ ክትከውን ናይ ኢትዮጵያ መንግስትን ኢህኣዴግን ጽኑዕ እምነት ምዃኑ ገሊጾም።

“ናይ ኢህኣዴግ መንግስቲ፡ ኣብ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ሓንቲ ጊዜ’ውን ትኹን ግጉግይ መርገጺ ጸኒሕዎ ኣይፈልጥን እዩ።  ናይ ኩሉ ጊዜ መተከሉ፡ ከም’ቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝተዓወትዎ፡ ናይ ባዕሎም ዕድል ባዕሎም ንምውሳን ከምኡ’ውን ናይ ሃገሮም ዕጫ ዝውስንሉ ወነንቲ መሰልን ዕድልን ንኽዀኑ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ብዝለዓለ ደረጃ ተጠቀምቲ ናይ’ቲ ምዕባለ ንኽዀኑ እዩ።”

ንሶም ብተወሳኺ “ ኢህአዴግን ንሱ ዝመርሖ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ፡ ኣብ ናይ ዝዀነት ሃገር ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት፡ ናይ ኤርትራ ህዝቢ ድምጺ መሰል ርእሲ ውሳኔ ከምኡ’ውን ንሓዲሽ መንግስቲ ኤርትራ ብቐዳምነት ኣፍልጦ ዝሃበ፡ ንህዝብታት ባዕላቶም ናይ ምውሳን ካብ ዘለዎ መሰረታዊ፡ ዘይቅየርን ዘይጐድልን መትከል ዝብገስ እዩ።” ድሕሪ ምባል፡ እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን፡ ንህዝቢ ኢትዮጵጵያ ይኹን ንህዝቢ ኤርትራን ንኹሉ ህዝብታት ብሓፈሻ ክህልዎም ዝግባእ ኢሉ ዝኣምን ኢህአዴጋዊ እምነ ኵርናዕ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣቶ ሬድዋን ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢህአዴግ፡ እዚ ኣኼባ ዕውት ንኽኸውን ከምኡው’ን ካለኦት ዝተፈላለዩ ውድባት ተቐራሪቦም ንኽተሓጋገዙ፡ ናይ ሓባር ዕላማ ኣለልዮም ብሓባር ክሰርሑ ንኽኽእሉ ዘይተቘጠበ ደገፍ ንገብር ዘሎ ካብ’ዚ መሰረታዊ መርገጺ ዝተበገሰ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣብ ሓምለ 2010 ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ ንሓሰ 2011 ከኣ፡ 80 ዝዀኑ ምሁራን ዝተኻፈልዎ ከምኡ’ውን ኣብ ሕዳር 2011 ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ሃገራዊ ጉባኤ ኣኼባታት ክመዝተኻየዱ ዝጠቐሱ ኣቶ ሬድዋን “ መንፈስን ወንን ናይ ተሳትፍቲ ጉባኤ ምዉቕን ተሳፍ ዝህብን ነይሩ። ኣብ ቀጻሊ ክትኰረሎም ዝግብኦም ናይ ቃልሲ መገዲን ኣጀንዳታትን ነጺሮም ዝወጽሉ፡ ስምምዓት ዝተበጽሓሉ ብምዅኑ ብዓወት ዝተዛዘመ ጉባኤ ኢዩ ነይሩ። እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባኹም ከኣ፡ ብዓወት ተወዲኡ፡ ነቶም ኣቐዲሞም ዝተረኸቡ ዓወታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘብጽሕ ተወሳኺ ዓወት ከምተመዝግቡ እመነተይ እዩ።” ኢሎም።

ኣቶ ሬድዋን ብምቕጻል፡ ናይ’ዚ ሰሚናር ዕላማ፡ ካብ ቀደም ጀሚሮም ብዝተፈላለየ መንገዲ ተወዳዲቦም ክንቀሳቀሱ ዝጸንሑን ብፍላይ ከኣ ቅድሚ ቅሩብ እዋን ፍልልያቶም ኣጽቢቦም ብሓባር ንኽጓዓዙ ዝጀመርዎ ኣወዳድባን ጻዕሪን ዝትክእ ዘይኰነ፡ እዃ ድኣ፡ ሰፊሕ መሰረት ፈጢሩ ሓይሊ ዝህቦን ዘሐይሎን፡ ዕድመ ጾታ፡ ምሁር፡ ከምኡ’ውን ካልእ ብምትሕብባር፡ ህዝባዊ ዓቕሚ ከምዘዐቢ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣቶ ሬድዋን፡ እዚ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ብውሕዱ ኽልተ መሰረታዊ ዕላማታት ከዐውት ትጽቢት ከምዝግበረሉ ገሊጾም።

“ህዝብታት ኤርትራ ናይ ህግደፍ ኣዕናዊን ጸረ ህዝቢን ፕሊሲታት ብምእላይ፡ ህዝባ ሰላምን ደሞክራስያዊ መሰላቶም ኣረጋጊጾም ናብ ምዕባለ ዘምርሕሉ ከይዲ ንምፍጣር ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝጽዕሩ ኤርትራውያን ሓይልታት፡ ኣብ ማእከል ናይ ሓባር ዕላማን ስትራተጅን ተኣኻኺቦም ዓቕሞም ኣወሃሂዶም ዝንቀሳቐስሉ ባይታ ምፍጣር።”

“ኣብ ጐኒ’ዚ፡ ድሕሪ ዓወት ዝግበር ቃልሲ ኣንጻር ድኽነትን ድንቁርናን፡ እቶም ናይ ዝመጽእ ዘሎ መድረኽ ተዋሳእቲ ሓይልታት ካብ ሕጂ ጀሚሮም እንዳ ማዕበሉ ዝኸድሉን  ኣጀንዳታቶም እንዳ ኣነጸርሉን ምቹእ ኩነትት ምፍጣር ክኸውን እዩ።” ኢሉ።

ንሶም ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝጀመሮ ቃልሲ ኣብ ዓወት ንኽበጽሕ፡ ኢህአዴግን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ መምርሒ ዝተመርኰሰ ድጋፍ ኣዕዚዞም ክደፍኣሉ ምዃኖም ገሊጾም።

እቲ ናይ ሎሚ ኣኼባ ብሚርያም ዑመርን መሓሪ ኣብርሃን ተመሪሑ ክዛዘም ከሎ፡ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ነቲ ኣኼባ ተካይድ 4 ዝኣባላታ ኣካያዲት ጉጀለ ተመሪጻ ኣላ።  ሓሙሻይ ሰብ ክኣ ካብ’ቶም ገና ኣብ መገዲ ዘለዉ ዉሑዳት ሰባት ብዝመረጽዎ ክውሰኽ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ። ትሕዝቶ ኣጀንዳ ናይ’ቲ ኣኼባ በቶም ተሳተፍቲ መንእሰያት ክውሰን ምዃኑ’ውን፡ እቶም ኣዋሃሃድቲ ኣኼባ ገሊጾሞ ኣለዉ።

ብካልእ ተሕዝቶ የራኽበና

ቴድሮስ መንግስቱ

ደብረዘይቲ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...