ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን!

ዝናን ባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢነን እናበለት ክትከይድ ዝጸንሐት ጽሕፍቲ እነሆ ትዛዘማ’ላ።

እወ! ከበሳ፡ ምድረ ሓማሴን፡ መረብ ምላሽ፡ ባሕረ ነጋሽ ብዝብል ተወራራሲ ኣስማት ዝፍለጥ ዝነበረ ምምሕዳር ራእሲ ኣሉላ ፈሪሱ ክሳብ ምምሕዳር ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝነግስ ተመዝጊቡ ዘሎ እዋን እምበኣርከስ፡ ዳርጋ 130 ዓመታት ኣቢሉ ክኸውን’ዩ። ማለት’ሲ 60 ዓመታት ናይ ጣልያን 10 ዓመታት ናይ እንግሊዝ 10 ናይ ፈደረሽን፡ 30 ድማ ኣብ መንጎ ንጉስን-ገድልን  ከምኡ’ውን ደርግን-ገድልን እና’ተባእሱን እና’ተቖራቖሱን ዘሕለፍወን ዓመታት እንኪኾና፡ እተን ዝተረፋ ናይ መወዳእታ ድማ …  “ዕስራ ዓመት ንዓያሹ ሓበን ንለባማት ሓዘን” ….. ተባሂለን ንመመላእታ’ኳ ምብቃዕ ስኢነን፡ እነሆ ኣብ ድሕሪት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዐን ይርከባ’ለዋ።

…….. ንሳተን ናይ መወዳእታ’ግበረን ጥራይ።

ናይ’ቶም ፈረንጂስ ይቀመጥ ደሓን፡ ምናልባት ናይ ኣሉላዶ ናይ ኢሳያስ ምምሕዳር ይሓይሽ ዝብል ሓታቲ እንተ’ልዩ ግን፡  እነሆ ናይ ታሪኽ ምስክር።

“ጣልያኖች ወደ ቦታው ከመግባታቸው ቀደም ብሎ፡ ራስ ኣሉላ የዚሁ “ከበሳ” የሚባለው የኤርትራ ደጋማ ክፍል ገዢ ነበሩ። ዋና መክተሚያቸውን ኣስመራ በማድረግም ከእሳቸው ቀደም ባለው ዘመን በግጭት ብዛት ይታወቅ የነበረ ይህ ቦታ ለኣስራ ሁለት ኣመታት ኣንድ ጥይት ሳይጮህበት የዘለቀ ሰላም እንዲያገኝ ማስቻላቸው ይጠቀሳል። ከዚህም የመነጨ ኣንዳንዶቹ ወቅቱን የከበሳ ወርቃማው ዘመን በማለት ይገልጹታል። (ትራቭስኪ፡ ኣለምሰገድ ..)”

ይብል ናይ ታሪኽ መዝገብ፡ ካብ መጽሓፍ … (ኩርኮራ ገጽ 40፡ ብኣቶ ዘሪሁን ተሾመ።) ከምኡ’ውን “ፍትሒ ከም ኣሉላ ጽድቂ ከም ላሊበላ” ይውስኸሉ ምስላ ዓደ’ቦና።

ስለ’ዚ፡

ካብ ከበሳ ናብ ኤርትራ

ናብ ኢሳያስ ካብ ኣሉላ

ኣብ ዝተገብረ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ዝሓለፈ ዘመንን ርብዕን ከምዝሕብሮ፡ ሲኞር ፍራንቸስኮ ክሪስፒ ዝበሃሉ ናይ ጣልያን በዓል ስልጣን’ዮም ንኸበሳን መታሕትን ዘጠቓልል ሃገራዊ መንነት ፈጢሮም  ኤርትራ ብዝብል ስያሜ ኣጠሚቖም ኣድሚቖሞ።  እንተዘይኮነ ግን በዓል ስኞር ፍራንቸስኮ ክሪስፒ ኣብ ከበሳ ዝነበረ ምምሕዳር ራእሲ ኣሉላ ክሳብ ዘፍርስዎ ዝገዝኡ ዝነብሩ ናይ ናይ ኣኽሱም፡ ናይ ጎንደር …. ወይ ድማ ብናይ እዋኑ ኣጸዋውዓ ናይ ሓበሻ (ኣቢሲንያ) መንግስታት …. “መረብ ምላሽ፡ ባሕረ ነጋሽ፡ ምድረ ሓማሴን፡ ከበሳ” ብዝብሉ መጸውዒ ኣስማት ኣብ መዛግብቶም ኣስፊሮም ይፈልጥዎን የመሓድርዎን ከምዝነበሩ ድሙቕ ታሪኽ’ምበር ጽውጽዋይ ኣይኮነን።

ስለ’ዚ ታሪኽ ዝምድና ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እምበኣርከስ፡

ሀ) ምስ ናጽነት ኤርትራ ዘይጻባእ፡

ለ) ብጽልእን-ጸላእን፡ ወራርን-ተወራርን ዝብል ጣቋ ዘይብሉ ፖለቲካዊ  ቋንቋ  ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ዘይግለጽ፡

ሐ) ብጥይት ዘይብጠስ፡

ታሪኻውን ባህላውን ሕውነታዊ ሰንሰለት ኣለዎ። መልክዕ ናይ’ዚ ሰንሰለት’ዚ ድማ ብተግባራት ናይ’ቲ ተረኛ ትውልዲ’ዩ ዝውሰን። ማለት’ሲ ከከም እዋኑ ብሂወት ናይ’ቶም ሰብ እዋን፡ ክሳብ ባእሶምን ፍቕሮምን፡ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለዩ ዝምድናታት ናይ ፖለቲካ ናይ ባህልን ሃይማኖትን ወይ ድማ ብመልክዕ ዝምድና ንግድን ዕዳጋን ክንጸባረቕ ባህርያዊ ኢዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ካብ ከበሳ ናብ ኤርትራ፡ ናብ ኢሳያስ ካብ ኣሉላ ብዝተመዝገበ ታሪኻዊ ናይ ምስግጋር ሰንሰለት ክሳብ’ዛ ሕጂ በጺሕናያ ዘለና እዋን ተኸይዱ’ሎ። እወ ዛ’እዋን ከኣ እዋ’ና’ያ። እንተ ንምስጋና እንተ ንወቐሳ ድማ ታሪኽ ኣብ ዝባ’ና ክሰቕላ’ዩ።

ኩልና ክምንፍልጦ እምበኣርከስ ኣብ’ዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ንቡር ተሪፉ፡ ህዝብን ዓድን በሪሱ፡ ንግድን ዕዳጋን ሃሲሱ፡ ባህልን መሰልን ተጋሂሱ፡ ዓውድን ምህርትን ተደምሲሱ፡ ቀሽን ዓለምን፡ ነውርን ንቡርን ተሓዋዊሱ፡ ህዝብን መንግስትን ተባኢሱ’ሎ …. እንታይ’ሞ ተሪፉ።  እሞ እዚ ኹሉስ ነዛ ዉልዶ ኤርትራ! …. ስለምንታይ? እንተተባሂሉ ከኣ፡ መልሱ ምናልባት ብዙሓን/ሓፋሽ ስለምንታይ ምባል ስለዝዘንግዑ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ዝኾነኾይኑ እዛ ዝናን ባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢነን ትብል ኣበሃህላ፡ ከም ርኢቶይ ክልቲአን ከይፈላለኻ እንተተራእየን’ዩ እቲ ጸገም ዝልለ፡ መድሓኒቱ’ውን ዝምመ ክብል’የ ዝፈተንኩ።

ዕላማይ ድማ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ መስርሕ ዝጽረፍን ዝፍረድን ባእታ ንሙቕራሕ ዘይኮነ’ሲ፡ ካብ ታሪኽ ትምህርቲ እንተተረኺቡስ ንሎሚ ዘርብሕ ንጽባሕ ዝተርፍ ናይ ለውጥን ዕርቅን ኣፋፍኖት ሃሰስ ንምባል’ዩ።

ስለ’ዚ እታ ካልኣይቲ ክፋል ናይ’ዛ መደምደምታ፡ ናብ’ዚ ሕጂ ማለት ድሕሪ ኲናት ባድመ ተፈጢሩ ዘሎ …….. ለውጢ ……. ከተተኩር’ያ። ንሎሚ ግን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ዝተናኸፍኩዎ  ነጸብራቕ ናይ ሳዋ ውዕሎ ሕልፍ ሕልፍ ኢለ ክዘሎ’ሞ ዝሓሰብኩዎ ክቕጽሎ።

ዝኾነ ኾይኑ ናይ ሳዋ ታዕሊም’ሲ ሓጺብካያን ኣርሲሕካያን ፍልልይ ዘይተርኢ ቱታ ለቢስካ’ዩ ዝተጀመረ። ብፍላይ መደብ ዑቑር ሰራዊት ከኣ ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድመኦም ሓረስቶት ሸቃሎ መማህራን ሓኻይም ኢንጂነራት ኣካውንታንት አኮኖሚስት ፋርማሲስት ናይ ሕጊ ምሁራት፡ ማለት’ሲ ክሳብ PhD, Pediatrician, Radiologist, Gynecologist …. ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃይማኖት ዝሓቁፍ’ዩ ኔሩ።

ስለ’ዚ ብዘይ ምግናን እዚ ከም’ዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዝነበሮ ወተሃደራዊ ጉዕዞ፡ ምስ መስርሕ ምኹስኳስ ሃገርን ዜግነትን ዝጻረር፡ ንትዕድልቲ ናይ ዕድመ ሞያን መዓርግን ከምኡ’ውን ትምህርቲ፡ ብሓፈሽኡ ንዉህሉል ሃገራዊ ሃብቲ ዘቕህም ናይ ዕንወት ጉዕዞ’ዩ ዝነበረ።  ኣተገባብርኡ ድማ ተጸባጺብካ መዕለቢ ክርከቦ ዘይከኣል ህልም ዝበለ ደልሃመት’ዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ……“ግበር ትበሃል ትገብር፡ ጽደፍ ትበሃል ትጸድፍ”…… እና’በሉ’ዮም ዘደንቁሩኻ። ኣብ ኢድካ ዝተረኽበ መጽሓፍ ቅዱስ ከይተረፍ ዝምንጡሉኻ።

ምናልባት ካብ’ቲ ኹሉ መዓት ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ውልቃዊ ጻዕሪ ድማ፡  ምስ’ቶም ኣብ ናይ ስልጣን ሰንሰለት ዘለዉ ኣዝማድካን ምስ ሕማምካን ምርብራብ፡ መንገዲ መስተርሆት ዝፈጥር ዓቢ ሜላ’ዩ ዝቑጸር ኔሩ። ….. ንሱ’ውን እንተተዓዲልካዮ ደኣሉ’ምበር!

እወ ናይ’ቲ ኣገባብ ሕሰም ብዘይምግናን ሕማም ሽኮርን ብዝሒ ደምን ከም ዓቢ ትዕድልቲ ዘጸብጽብ መስተንክር’ዩ ኔሩ። ማለት’ሲ ብዝሒ ደም ወይ ድማ ሕማም ሽኮርያ ኣለዎ እንተተባሂልካ፡ ሓስዮም ሓሳስዮም ሓይሎም ምሰ’ፍለጡ  ስለዘፋንዉኻ፡ …… በዛ ምፍናው እዚኣ ጥዑያት’ሲ ብሕሙማት ይቐንኡ ማለት’ዩ። ኣቤት ጉድ ኣብ’ዛ ሓዳስ ኤርትራስ ሕማምን-ሕሙማትን ንጥዕናን-ጥዑያትን ዘቕንኡሉ ኩነታት ተራእዩ’በሃል!

ዝኾነ ኾይኑ ንትሕዝቶ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ብዝጸሉ ኣንፈቱ ለላዕላዩ ክተናኽፎ እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ ናይ ሳዋ ናብራ ዘርዚርካ ምጽሓፍ ቀሊል ኣይኮነን። ባዕሉ ዝነጉድ ዘሎ ጉድ ስለዝኾነ፡ ሓደ መዓልቲ ዝደቐቐ ሓበሬታ ዝጠርነፉ ዜጋታት ክሳብ ዝድሕድሕዎ፡ እዚ ዝስዕብ ሓደ-ኽልተ ኣብነታት ክዝክረሉ።

ሀ)  ከስዐኻን ናይ ትማሊ ብልዕኻን።

ዕለታዊ መደብ ናይ ታዕሊም፡ ንግሆ ተንሲኣካ ብመስርዕ ካብ መሓዱሮኻ ወጺእካ’ዩ ዝጅመር ዝነበረ። ስለ’ዚ መሬት ወገግ ከይበለ እንከሎ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ተበቲንካ ኢኻ ደሃይ ከርስኻን ናይ ትማሊ ብልዕኻን ክትገብር ትእዘዝ። ሓቂ’ሓይሽ፡ ፈለማ’ኳ ከምስንቅኻን ከምመሸማዕካን ስለዝኾነ መሸማዕ ብረዛና እንከላ’ሲ፡ ካልእስ ይትረፍ ካበ’ስመራ ዝተቖጽረ ሉስሉስ ወረቐት ቀንጢብካ’ዩ ጸሓይ ከይ በረቐ ዕለታዊ  ዕዮ ዝጅመር ዝነበረ።

እወ ወዮ ደሃይ ከርስኻን ናይ ትማሊ ብልዕኻን ዝፍጸም ንቡር ትእዛዝ ሕጊ-ተፈጥሮ፡ ኣብ ሳዋስ ኣይከም ባህልን  ወግዕን ዓደ’ቦና። መኸወሊ ዝኸውን ቁጥቋጥ ይኹን ዶንጎላ ኣብ ዘይብሉ ጎልጎል ብወተሃደራት ተኸቢብካ፡ ጥቓ ጥቓ ተኾዲምካ ንቡር ክትፍትን ስለትእዘዝ’ሲ፡ ውዕል-ሕድር ክሳብ ትብል ኣዝዩ’ዩ ዘሰክፈካ።

ምስኡ ድማ ቁራጽ ሉስሉስ ወረቐት ቆጺርካ፡ ንእግረ መንገድኻ ንብጾትካ እንተተዓዚብካ፡ ንምእማኑ ዘሸግር ኩነታት ኢኻ ትርኢ። ማለት’ሲ ተዓላሞ ኣብ’ቲ ሰጣሕ ጎልጎል ምስበጽሑ በብተራ ጉምብሕ ጉምብሕ ይብሉ’ሞ፡ ገለ ነገር ካብ መሬት ይኣርዩ። ሽዑ ከም’ዚ ዘጣቕዑ፡ ነቲ ካብ ባይታ ዝኣረይዎ ነገራት ንሓድሕዱ የራጽምዎ።

ነዚ ክትርኢ ዝተፈርደት ዓይኒ ድማ ንሳልስቲ ራብዕቲ ቀባሕባሕ’ያ ትብል። ደሓር ግን ወዮ ቁጻር ናይ መሸማዕ ምስፈኾሰ፡ ከም ዓለምካ ካብ መሬት ዝእረ ኣሪኻ-ኣራሪኻ ምርጻም ብቕጽበት ኢኻ ትዕለም። …. ታዕሊም ጠበንጃ ጥራይ ኣይነበረን እቲ  ታዕሊም  ማለተ’የ።

ሁ) ተምበርከኽ

ኣብ ሳዋ ጸርፍን መቕጻዕትን መሊኡ’ዩ፡ ንኣብነት ካብ ጸርፊ መራር … ጨሓማት ቆልዑ….. ካብ መቕጻዕቲ ተራር ድማ፡ ልዕሊ 40 ዓመት ንዝዕድምኡ ሰብኣይ ጨው ቀትሪ ኣብ ጸጸርን ሑጻን ..ተምበርክኽ … ትብል ትእዛዝ’ያ። እሞ ድማ ኤርትራዊ ክትኩስን ክጽልን እንከሎ ጥራይ’ዩ ዝምብርከኽ እና’በለ ብዝጀሃር  መስርሕ። ቀልብህ ይገፈፍ ይብል ኣምሓርኛ። ብስላዕ ምርዕራዕ ተመንይዎም’ሲ፡  ኣብ ቅድሚ ኣሬባ ኣብ ጸሓይ ኣምበርኪኾም ቀልብኻ ይገፉኻ። ኣቤት ጉድ ሰብኣይ ንሰብኣይ ይሃርሞ’ምበር የምበርክኾ’ድዩ ደቀይ?

) ሓለዋ ቐጽል

ታዕሊም ቅድሚ ምዝዛሙ ከም ክፋል ናይ’ቲ ወተሃደራዊ ስልጠና ኣብ ከባብ’ቲ ዓበይቲ ኣደራሻት በብተራ ዋርድያ ምሕዳር ክንመሃር ተኣዘዝና። ማለት’ሲ ኣብ ሕጓ ናይ’ቲ ዓቢ ኣደራሽ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ቦታ ሒዝካ ትሓድር’ሞ፡ ብሰዓታት ዝቀያየር ዋርድያ መዲብካ ሓለዋ ቐጽል ትመሃር።

በዚ መደብ’ዚ መሰረት ሓደ ለይቲ ምስ ሰማይን  ከዋኽብትን እና’ዕለልና  እንከለና፡ ብሸነኽ’ቲ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ሕክምናን ዝርከበሉ፡ ዓይንኻ መሊእካ ክትጥምቶ ዘይድፈር  ኣጓዱን መረባብዕን ሰፈር ናይ ኣዘዝቲ ሳዋ’ቢለን ዝመጽኣ ኣዋልድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብጥቓና ሓለፋ።

በቲ ጸልማት ኩነታትና ምስተዓዘባ’ኳ ቁሩብ ግሊብ! ሊብ! ኢለን ኔረን። ይኹን ደኣ’ምበር  ሰምቢደን ወይ ድማ ሓፊረን ናብ ቦትአን ኣይተመልሳን። ትኽ ኢለን’የን ናብ ገዛውቲ ናይ’ቶም ሓለፍትና ዝተዋ። ከም ደንቢ ናይ’ቲ ክንዕለሞ ዝተደልየ ትምህርቲ ናይ ሓለዋ ቐጽል እንተዝኸውን ኔሩ ግን፡ መንኺ? ናበ’እኺ? ክንብል ይግባእ ኔሩ። እንተኾነ ግን ከምኡ ከይንብል ኣቐዲሞም ነቲ ኩነታት ዝፈለጡ ሰባት ርኢኹም ከምዘይረአኹም ስለዝበሉና፡ ቃሎም ኣየዕበርናን።

እወ! ነዚ ውድቀት’ዚ ንምምስካር’ሲ ዋርድያ ሕደሩ ኢሎሙና ማለተ’የ!  ብኻልእ ኣዘራርባ ድማ ኩላትና ን……. ’ሞ ኣንጊህና ግን ንትንስእ ይብሉ ተዛረብቲ። እዚ ናይ ኣዘዝቲ ሳዋ ናይ ስልጣን ስስዐን ብድዐን ግን ምስምንታይ ክጽብጸብ’ዩ። .. …….ዋይ ደቀይ!

ሃ) ቡንን ንቡርን።

ጠጥዑሙ የጓንፍኩም፡ ሓንቲ ብርኽቲ መዓልቲ ዘጋጠመትኒ’ያ። እወ ሓንቲ መዓልቲ’ሲ ኣብ እግሪ ግንድዐ ኣጽሊሎም ብጀበና ቡን ኣፍሊሖም ብፈናጅሎም ክሰተዩ ዝቀራረቡ ዝነበሩ፡ ሰለስተ ዓበይቲ ሰብ-ዕማመት ኣጋጠሙኒ። ዝገርም’ዩ! ጥሕኒ በርበረ ሽኮር ጥራይ ዘይኮነሲ ፈናጅልን ጀበናን ከይተረፋ’የን ካብ ውሻጠ ወጺአን ምስ ዑቑር ሰራዊት ተዓስኪረን ኣብ በረኻ ሰፊረን።

….. ኤህ ወያኔ!

ስለ’ዚ ኣብ’ቲ በረኻ’ቲ ምስ’ቲ ዝነበረ ሕሰም፡ እዛ ሓረሮ ቡን ክትሰትያ ጥራይ ዘይኮነስ ክትቁለው እንከላ ሽታኣ እንተተዓዲልካ’ውን ብዛዕባ መጋርያን ሳሎንን፡ ንእድን ዓራትን፡ ህድሞን መረባዓትን፡ ውንጭሕትን ሞኽባዕትን፡ ጸበልን ማ’ጨሎትን፡ ሰበይትን ቆልዑትን፡ ማሓስእን ምራኹትን፡ ስራሕን ዓወደ-ዓመትን ተስፋን ንቡር-ሂወትን’ያ ተበስረካ።  …. ምስ ተስፋኹም ንበሩ።

ኣነ  ድማ ተዓዲለ ጨሓማትን ዓበይቲ ዓድን ኢድ ንኢድ ተቐባቢሎም ዘፍልሕዋ ሙውቕቲ  መኣዲ ቡንን ሕውነትን ክጽንበር ኣብ’ቲ ጸምጸም በረኻ  “ተፈደል” ብዝብል ድምጺ ተዓደምኩ። ብኡነት! ብኡነት! ናይ መላእኽታት ካብ ላዕላይ ሰማይ ዝድወል ድምጺ’ዩ መሲሉ ዝተሰምዓኒ ድምጾም። ሽዑ ዝሰተኹዋ ፍንጃል ቡን ከኣ ብመቐረታን ብሙቐታን የብላን መሰታ።  ኣየ’ወ ከም’ዚ ሎሚ ኣብ’ዛ ስታር ባክስ ክረኽቦም ካልኣይቲ ኣጋጣሚት እንተዝፈጥረለይ ኣባዥጎ!

ዝኾነ ኽይኑ ተዓዲለ! ኣብ’ቲ ሙዉቕ መኣዶም ተጸንቢረ ቡን ክሰቲ እንከለኹ፡ ደሃይ ሓድሕድ ተጠያየቕና’ሞ፡ ካብ ከባቢ ሽዕብ ዝመጽኡ ትግረ’ዮም ኔሮም። ሽዑ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ቤተ ሰብ ከመይ ገዲፍኩሞም ክብል ምስ ሓተትኩዎም፡

“ወላሂ ከም’ዚ ዝበለ ፈተና ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን። ዝሓለፈ ምምሕዳራት ናይ ንጉስ ሃይለስላሰ ናይ ደርጊ ናይ ጀብሃ ከምኡ’ውን ናይ ሻዕብያ ርኢና። ምስኦም ድማ ክንደይ ፈተና ኣሕሊፍና’ሞ፡ ምስ’ዛ ሎሚ ኣጋጢማትና ዘላ ፈተና’ዚኣ ትወዳደር ፈተና ግን ርኢና ኣይንፈልጥን። ማልናን ጥሪትናን፡ ቖልዑትናን ኣንስትናን፡  ኣካቢ ዘይብሎም ኣብ ጥራይ ጎልጎል ሓዲግናዮም መጺእና’ለና፡ ንምሸቱ የጸብቆ ጥራይ”  ክብሉ ናይ ልቦም ኣዕሊሎሙኒ። ……. ናይ ልቦም ይፍጠረሎም።

ሄ) ወተሃደርን ምህልላን

ታዕሊም ተወዲኡ’ዩ ተባሂሉስ ኣብ እዋን ሓንሰ መስቀለ ኣብ ክንዲ ንሆየ ሆየን ገዓት-ጠስምን ምስ ስድራናን ባህልናን ክንሕወስ ገዛ ንኣቱ፡ መሸላ ክንጽሂ ፈቐዶ ጎላጉል ባርካ ተዘሪኡ ናብ ዝነበረ ሰፋሕቲ ሕርሻታት ኣዋፈሩና’ሞ፡ ዝዓምበበን ዝወለደን ማሸላ ክንጽሂ ተኣዘዝና።

ሽዑ ብተግባራት ናይ’ቲ ሰራዊት ዝሰምበዱ፡ ገለ ሓረስቶት ብድፍረት ምሳርን ፋስን ሒዞም፡ ነዛ ግራተይ እስከ ሃየ ቅርብ ትብልዋ ክሳብ ምባል ይበጽሑ ኔሮም። ማለት’ሲ እቲ ዕምባባን ጽገን ኣብ ፍረ ከይበጽሐ ምእንቲ ከይረግፍ’ዮም፡ እዚ ትገብሩዎ ዘለኹም ንዓውድን ምህርትን ዘርብሕ ኣይኮነን ክብሉ ዝፈተኑ፡ ……. ዝሰምዕ እዝኒ ደኣ ኣይረኸቡን’ምበር።

ዝኾነ ኾይኑ መስከርም ምድሪ ግራት መሸላ ወሰን ሒዝካ’ያ ትኹለል ዝብል ርኢቶ ዝነበሮም  ዓበይቲ ሰባት’ውን ኔሮም’ዮም። እንተኾነ ግን ብሰንሰለታዊ መስርዕ ተተሓሒዝካ ናብ’ቲ ግራት ኣቲኻ ትጽሂ! ዝብል ወተሃደራዊ ትእዛዝ’ዩ ዝገዝእ ዝነበረ።

’ዚ ሽሕ’ኳ ነዚ ዓዲ ዝኣተወ እኽሊ ካብ እግሩ ሳዕሪ ምብቋስ  ንጸሓይን ህቦቡላን ናይ መስከረም ኣሕሊፉ ክህቦ’ዩ ዝብሉ ወራዙት እንተነበሩ፡ ወዮ ወተሃደራዊ ትእዛዝ’ዩ ኣንጻር ሳዕርን እኽልን ሕሳቡ ዝፈጸመ። ዝገደደ ድማ ኣብ ውሽጢ’ቲ ግራት ምስ ኣተኻ ሳዕሪ ዝብቁስ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህልኽ ማሸላ ዝሰብርን ዝብቁስን’ውን ውሑድ ኣይነበረን።

ኣማስያና ጽህህህህህ………………….ይ! ውዒልና ምሕዳርና ምስተኣከባና ድማ፡ እስላም ብናቶም ክርስትያን ብናቶም ብእኩብ ተማህሊሎም ይድቅሱ ኔሮም።  እወ እንዳ ዝናን ባህታን’ሲ ነ’ባዥጎ’ውን ስለዘይፈርሁ ዝምህለል ወተሃደር እናዝኸተቡ’ዮም፡ ኣብ ናይ ኲናት መንገዶም ሰቦም ነብሶምን ዘውዶምን ዘሕረሩ።

ዝኾነ ኾይኑ ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ኩናት’ዚ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ቀሊል መዐቀኒ’ብሉን። ምናልባት፡

1) እታ ቅድሚ ኲናት ናይ ባድመ ዝነበረት ኤርትራን፡

2) እዛ ድሕሪ’ቲ ኲናት ተፈጢራ ዘላ ኤርትራን ዝመሳሰላሉዶ ወይስ ዝፈላለያሉ መዳያት ይበዝሕ ዝብል ኣበሃህላ ግን ከም ሓደ መለክዒ ክጽብጸብ ዝኽእል ይመስለኒ።

ስለ’ዚ ድማ’የ ዝናን ባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን ሱቕታን ስኒት ስኢነን፡ ዝብል ክልተ ገጽ ዘለዎ ናይ ምምይያጥ ኣንፈት ዘተባብዕ ኣርእስቲ ዝመረጽኩ።

ንመጻኢ፡ እዘን ክልተ ኩነታት ናይ ኤርትራ ከመ’ቢልካ’የን ዝዋሰባ ዝብል ኣንፈት’ዩ፡ በዛ ንእሽቶ ዓቕመይ ኮለል ዘብለኒ ዘሎ። (Can they be bridged?) ምኽንያቱ ኲናት ናይ ባድመ ኣዝዩ ብዙሕ ኩነታት ናይ’ታ ቅድሚ’ቲ ኲናት ዝነበረት ኤርትራ …ሓንሳብ ንሓዋሩ… ለዊጡዎ ዘሎ።  ናይ’ዚ ለውጢ’ዚ መጠንን ዑምቆትን ምግማት ንታሪኽ ዝግደፍ ዛዕባ’ኳ እንተኾነ፡ ብመጠኑ ግን ኣብ ቀዳመይቲ ክፋል ናይ'ዚ ጽሑፍ’ዚ ሓደ-ኽልተ ኣብነታት ተናኺፈ ኔረ። ኣብ ካልኣይቲ ክፋል ናይ’ዛ መዛዘሚት ጽሕፍቲ ድማ ክምለሶ’የ።

ዝኾነ ኾይኑ በብመዓልቱ ነቲ ጽሑፍ ኣንቢቦም ብዘረባን ብጽሑፍን ዕዙዝ ምኽሮም ዝለገሱለይ ሰባት ብዙሓት’ዮም። እንቅዓ ጣፍ ኩኑ (ምስላ) እናበልኩ ድማ ምስጋናይ እገልጸሎም። ብፍላይ ናይ’ዛ ስእሊ’ዚኣ መልእኽቲ ግን ፍልይ ዝበለ መሲሉ ስለዝተሰምዓኒ ብሓባር ክንርእያ እነሀት።

ሓደ ካብ ግዱሳት ኣንበብቲ ናይ ዝናን ባህታን ናጽነትን ሱቕታን፡ ዝተዓዘበ ምስተዓዘበ’ዩ እዛ ርኢኻ ዘይትምኖ፡ ታሪኻዊት ስእሊ’ዚኣ ሰዲዱለይ። ዓባይ ህያብ’ያ። ፈለማ’ኳ ናብ ስራሕ ክኣቱ ክቀራረብ እንከለኹ ኣብ ተለፎን መልእኽቲ መጺኡካ’ሎ ዝብል ደወል ምስሰማዕኩ’የ ተበተብ እናበልኩ ዝረኣኹዋ። ሽዑ ብቕጽበት ብቓላት ንምግላጹ ዘጸግም፡ ስምባደን  ምድንፋቕን ዘለዎ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ናይ’ቶም - ባህጊ፡ ዕርክነት፡ ፍቕሪ፡ ፍናን፡ ተወፋይነት፡ መስዋዕቲ፡ ናጽነት፡ ዓወት፡ ጅግንነት … ዝብሉ ምሩጻት ናይ ሃገራዊ ስምዒት ቃላት ከተዘኻኽረኒ ትፍትን  ዘላ መሲላ’ያ ዝተራእየትኒ። ሙሉእ መዓልቲ ድማ ኣብ’ዛ ቅድሚ ዓይነይ ድቅን ኢላ ክትረኣየኒ ወዓለት።

ናይ ብሓቂ ድማ ርኢኻ እትምኖ ስእሊ ኣይኮነትን። ለኣኻይ (You may be interested.) ዝብሉ ቃላት ጥራይ ደኣ’ምበር ካልእ መግለጺ ኣይወሰኸላን። ካልእስ ይትረፍ ከም’ቲ ልሙድ ከ’መዓልካ ወይ ድማ ደሓን ሕደር ዝዓይነቱ ናይ ቃልዓለም መሰነይታ’ኳ ኣይሓወሰላን።

ጌጋ’ኽለኣለይ ደኣ’ምበር ብግምተይ፡ ኣብ ሓይሊ ስእላዊ መልእኽታ ተኣማሚኑ፡ ሃየ እዛ ዝሰደልካ ዘለኹ ስእሊ’ዚኣ  ርኣያ’ሞ እንታይ መልእኽቲ ከምዘለዋ ባዕልኻ ተማሂርካ፡ ኣምፈት ኣጸሓሕፋኻ ኣመኣዛዚ ዝ’ሓወይ፡ ዝብለኒ ዘሎ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ።

ዝኾነ ኾይኑ ኣነ ድማ “ዝናን-ባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን-ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢነን ክብል ክፍትን እንከለኹ ንመራሕቲ ጥራይ ዝምልከት ዛዕባ ኣይኮነን ዘዛርብርኒ ዘሎ። ኣበሃህላይ ከከም ኢዳ ንብዓዳ’ዩ ዝምልከት’ሞ፡ እንተተኻኢሉስ ናይ ብዙሃን ምብርባር ምእንቲ ክሰፍን … በብዓቕምኻ ሰሰለፍካ ምቕንጣው እንታይበሃሊ።

ብዘይ ቃል ዓለም ድማ እንዳ ዝናን ባህታን’ኮ ንሕና ኣጆኹም! ሕራይ ትገብሩ’ለኹም እና’በልና  ብሓባር ዘጣቓዕናሉን ዝሳዕሳዕናሉን፡ መስርሕ’ዩ …… ኣዕብይዎም፡ ኣዕቢዱዎም። ማለት’ሲ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ጸሓይ ገድልን ምግዳልን ወገግ ክትብል እንከላ ኣትሒዙ ክሳብ ትዓርብ፡ ሓፋሽ! ወይ ድማ ብዙሓን፡ ለይትን ቀትርን ብዘይምቁራጽ ጓይላን ከበሮን ዝደሰቕናሉ መስርሕ’ዩ  ኮስኲሱዎም፡ ኣእሪጉዎም። እንታይ’ሞ ተሪፉዎም። ኣብ መወዳእታ ድማ እነሆ ብልሓቱ ዘይፍለጥ ኣይ ዛርቲ ኣይ ጎንፊ፡ ኣይወስድ ኣየስርር፡ ኣይቐትል ኣይምሕር፡ ብጎሮሮኦም ሓኒቑ ፈርፈር የብሎማ’ሎ።  … ዘይረኣይዎ’ፍጠረሎም!

ደሓር ከኣ በላሕትን መራሕትን ዝወድቁ’ኮ ብታህዋኽ ሸታሕ ኢሎም ወይ ድማ ብጸሓይ ብብርሃን ዘይወድእዎ ዕዮ ምእንቲ ክዛዝሙ፡ ለይቲ ምድሪ ብጸልማትን ወርሕን ደርገፍገፍ እንኪብሉ ዘየ’ስተባሃሉሉ እምኒ ኣዓንቂፉዎም ጥራይ ዘይኮነ’ሲ፡ ከከም እዋኑ ጨው ቀትሪ ብዙሃን ዝዕንድሩሉ ጎደና መመሪጾም ዞኽ-ዞኽ ክብሉ ብምምራጾም’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ስለ’ዚ እንዳ ዝናን ባህታን እምበኣርከስ ኩስቶን-እገሌን ዘይብሉ፡ ኤርትራውያን ብሓባር ሆ! እናበልና ዝቐብቀብናያ ዓፍራ (ባብል) ሰማይ ምስሰቐለቶም’ዮም ክሳብ ሎሚ ባይታ ምርጋጽ ኣጊሙዎም ኣብ ኣየር ዘንሳፉፉ ዘለዉ።

ዝገደደ ድማ  መስርሕ ገድልን ምግዳልን ብዓቢኡ፡ ምስቃል’ምበር ምውራድ ከይተዓለመ’ዩ ዓዲ ኣትዩ። እወ እንዳ ዝናን ባህታን እምበኣርከስ ኣብ’ታ ዝሰቐልናዮም፡ መዋርዶ ዝኸውን መሳልል ዘይተቐረበትላ ናይ ስልጣን ጸድፊ ተንጠልጢሎም’ዮም ዐማሕ! ዝብሉ ዘለዉ።

ምናልባት ንሳቶም ኣንጻር ህቦቡላን ጣቒዒትን ናይ ብዙሃን ጠጠው ኢሎም ንሕማቕ መዓልቲ ዝኸውን ናይ ለውጢ ኣማራጺ ኪኹስኩሱ ዘይፈተኑ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ቅቡል እንተኾይኑ ግን ቅድሚ ኹሉ ስልጣን-ዘውዲ ብዙሃን ዘጣቕዕሉ ቅርዓት ደኣ’ምበር ህርኩታት ዝብህግዎ ዓውዲ መባልዕታ’ይኮነን። ብተወሳኺ ድማ ናይ ትሕዝቶ ሕቶ’ውን ከጠያይቕ ይኽእል’ዩ።

ትሕዝቶ

ማለት’ሲ  መስርሕ ገድልን ምግዳልን ኣብ ጉዕዝኡ ብዝያዳ ዝጸቐጠሉ ሜላ፡

1. ሽግር ንምፍታሕ …. ዝግበር ቃልሲ’ዩ ኣብ ዝብል ሂወት ዘለዎ ዝኹስኮስ ዝምዕብል ዝቕየር ዝመሓየሽ ናይ መሰል ትምህርቲድ’ዩ ኔሩ ወይስ፡

2. ጸላኢ ንምስጓግ ኣንጻር ጸላኢ ዝካየድ ብረታዊ ዕጥቂ’ዩ ……. ብዝብል ናይ ህልኽ ፕሮፓጋንዳ’ዩ ተዓፊኑ ኔሩ ዝብል ዛዕባ’ውን ከከራኽር ይኽእል’ዩ።

ካብ ቃላት ሓሊፉ ብግብሪ ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ከምዝተመስከረ ድማ፡ ኣብ ፖለቲካ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ጸላእን ኢትዮጵያን ዝብላ ቃላት ተመሳሰልቲ  መሲለን’የን ዝንጸባረቓ ዘለዋ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ከም ርኢቶይ ገዚፍ ክፋል ናይ’ዚ ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ፍሕት-ምባል ከሊኡና ዘሎ ጸገም፡ ኣብ’ዚ ብስምዒት ዝተዓብለለ ናይ ቂምታ ፖለቲካ’ዚ’ዩ ተደጊፉ ዘሎ ዝብል ርኢቶ’ዩ ዘለኒ ኣነ።

ምኽንያቱ እንዳ ዝናን ባህታን’ሲ ብዘይምግናን፡

1.   ብሓንቲ እግሮም ኢትዮጵያ ዝበሃል ጸላኢ’ለና፡

2.   በታ ሓንቲ እግሮም ድማ ናጽነትና ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍላይና ብዘሎ ርሕቀት’ዩ ዝዕቀን፡ ዝዓይነተን ናይ በረኻ ኣሳእን ወድዮም’ዮም ዝዕንድሩ ዘለዉ።

እቲ ዘሕዝን ድማ፡ ምእንቲ ለውጥን ዕርቅን ነዘን ኣሳእን’ዚአን ናብ ስካሪኮ (እንዳ ጎሓፍ) ናይ ቤት ገርግሽ ተብጽሕ ናይ’ንዳ ሙኒቺፕዮ መኪና ጎማ ዝነፈሳ’ያ ትመስል ዘላ። ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽበን ደኣ’ምበር እንተዝርከብ ግን፡ ነዘን ኣሳእን እዚአን ብሰንደል ቀይሩ ንእንዳ ዝናን ባህታን ናይ ጡረታ መሰል ከፊቱ፡ ዓዲ ዘውዕሎም ናይ ትምህርትን ሓበሬታን ጸጋ’ዩ ዘድሊ ዝነበረን ዘሎን።

ብንጹር ኣብ ባይታ ከምዝተራእየ ድማ ገድልን ምግዳልን ብዝያዳ ኣብ’ታ ጽልእን-ጸላእን ትብል ዝምባሌ ስለዘድሃቡ፡ ንምምሕዳርን መንግስትን ዘብቅዕ ምቅርራብ ከየብሰሉ’ዮም፡ ወዮ ጸላኢ ዝተባህለ ካብ ኤርትራ ወጺኡስ፡ ልቦም ኣብ በረኻ ጠንጢኖም፡ እግሮም ኣስመራ ናይ ምእታው ዕድል ዝረኸቡ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ሓደ-ኽልተ ፈተናታት ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ  ምሰ’ጋጠሞም፡ ብቐትሩ ጸልሚትዎም፡ ናብ’ታ ልቦም ዝረስዑላ በረኻ ተመሊሶም፡ በቲ ብላይ ሜላኦም እናተዓሻሸዉ’ዮም፡ ምስ ጃህረኦም ከም ጽምብላሊዕ እናረኣዩ ናብ እሳት ዝተጠብሱ።

ናጽነትን ሱቕታን ድማ እና’ረኣያን እና’ሰምዓን ኣብ’ታ ዝለመደኣ ጢና ተወቲፈን ጣቕዒተን ቀጺለን። እዚ ክልተ ገጽ ዘለዎ ናይ ታሪኽ ዕሙሙ ድማ’ዩ ዓድን ዓውድን ዝበታትን ዘሎ። እወ! ብዘይምግናን እንዳ ዝናን ባህታን’ሲ፡ ምስ ምውጻእ ናይ’ቲ ጸላኢ ዝተባህለ ኣካል ጉዳይና ተዛዚሙ’ዩ ብምባል፡ ኣንጻር ደርግን ንጉስን ዘካየድዎ ኲናት ብቪድዮን ተለቭዥንን እና’ረኣዩ ንነብሶም ከድንቑን፡ ጥልያን ንዝሃነጾ ኣረጊት ጎደና ናይ ኮምቢሽታቶ ክዓጥኑን እንከለዉ’ዩ መሬት ዝዓረቦም። …. ወይ’ዞም ዓጠንቲ።

ብኻልእ ኣበሃህላ ሰዓቶም ባተርያ ከምዝወድአት፡ ሓዲሽ ኣንፈት ምስፋልን ምስ እዋን ምውሳእን ኣጊሙዎም፡ ዕውፍውፍ እናበሉ’ዮም ናብ ኢድ’ቲ ንሕስያ ዘይብሉ፡ ዝሓሸን ዝብላዕን መመሪጹ ምምንጣል ዝኣመሉ ንጉስ ዓለም ዕዳጋ ዝወደቑ።

…. ሓዲሽ ኣንፈትን ባተርያን ዘለዎ ንግድን-ዕዳጋን ይፍጠረሎም።

ናይ ኢዶም ውጽኢት ኣብ ባይታ ይርአ ከምዘሎ ድማ ነዚ ኩነታት’ዚ፡ ማለት ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ሓዲሽ ኣንፈት (New direction) ምስኣን ዝተዓዘባ ጎረባብትና፡ እንዳ ዝናን ባህታን ዝጎሓፍዎ ሽሻይ ክሓፍሳ በብመዳየን ተጓይየን። ማለት’ሲ ከንያ ጂቡቲ ሶማል ሱዳን፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን - ኢትይጵያን ዝተፈጥረ፡ ምብጥጣስ ዝምድና ንግድን ዕዳጋን ንምሽፋን ተቐዳዲመናሉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ መልክዕ ናይ’ታ ቅድሚ ኲናት ናይ ባድመ ዝነበረት ኤርትራ ተቐይሩ። ዓሰብናን ባጽዕናን’ሲ መዓልልቲ ኣዱሊስን ዙላን ክኾና ኣብ ኣፍ ደገ መቓብር ተኸስ ናብ ዝብላሉ ደረጃ፡ እነሆ ይወስደና’ሎ እዚ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ናጽነትን ሱቕታን ሂር ዝበለ ጓይላ።

ዘይሰምዐ እንተ’ሎ ምእንቲ ክሰምዕ ዓሰብን ባጽዕን’ሲ ከም ኣዱሊስን ዙላን ዓዲ ኽውዕላ!! ይበሃላ’ሎ’የ ዝብል ዘለኹ።

እወ ብዘይ ምግናን ኣብ’ዛ እዋ’ናን ኣብ ቅድሜናን ሓዲሽ መድረኽ ተፈጢሩ ንርኢለ’ና። ሕጂ ድማ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ዝሓለፈ ሓሊፉ’ዩ፡ መደረኽ’ውን ተቐይሩ’ዩ። ትናንት ዛሬ ኣይደለም፡ ይብሉ ወያኔ። እቲ ቐደም-ቀደም፡

1.  ንጉስ ሃይለስላሰን ደርግን፡ ኤርትራ ፍንጫሕ መሰንገለናን ጎሮሮ ናይ ምዕባለናን’ያ። ስለ’ዚ - ኣንድነትና ብፍቶት ይኹን ብሓይሊ ክምለስ ኣለዎ ክብሉ፡

2.  ገድልን ምግዳልን ድማ ካብ ኣንድነት ክሃድሙ ዝዓረበ መሬት’ዩ ንልቢ ወያኔ ፈጢሩ ዘሎ።

ምኽንያቱ እዛ ናይ ወያኔ ኢትዮጵያ፡ ብኢትዮጵያውነቱ ዝሓፍር ኢትዮጵያዊ ኣየድልየናን’ዩ እናበለት’ያ ሓዲሽ ናይ ታሪኽ ጎደና ሃኒጻ ዘላ። እዛ ብኢትዮጵያውነቱ ዝሓፍር ኢትዮያዊ ትብል ኣበሃህላ ድማ ካብ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣትሒዛ ክሳብ ኢሳያስ ንብዙሓት መራሕቲ መስርሕ ገድልን ምግዳልን በብመጠኑ ትጸሉ ሓባሪት መግለጺት’ያ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

ዝኾነ ኾይኑ ኣብ’ዛ ሓዳስ ናይ ታሪኽ ጎደና’ዚኣ ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ ከምዝምስክሮ ድማ ኢትዮጵያውያን …. ክብርና፡ ሃገራዊ ረብሓናን፡ ህላዌናን …. ዝረጋገጽ ደድሕሪ ኣንድነት ብዝግበር ኲናት ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ድኽነት ብዝግበር ናይ ስራሕ ወፈራ’ዩ ዝዕቀን ዝብል በሊሕ ተበግሶኦም’ዩ ንደለይቲ ሰላምን ምዕባለን ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ናብ ንግድን ዕዳጋን ናይ ኢትዮጵያ ዓዲሙ ኣብ ናይ ስራሕ ወፈራ ዘሳትፍ ዘሎ። …. የስምረሎም።

ስለ’ዚ ወዮ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪር ኲናትን ህልኽን ተወዲኡስ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ኤርትራ ናጽነታ ረኺባ ተባሂሉ፡ ትርጉም ናጽነት ከኣ ብምፍልላይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመኸነ መሲሉ፡ ጠጠው ኢሉ ይርአ’ሎ። ኢትዮጵያ ድማ ብሰሪ ናጽነት ኤርትራ ጎሮሮ ዝበትኽ ናይ ምዕባለን ናይ ህላወን ሓደጋ ከጋጥማ ከምዘይክእል ተረጋጊጹ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ብመልክዕ ናጽነት ዝባህረሩ ኤርትራውያን፡ ያያእ! ሕጂ’ውን ገና! ሓርነት ትበሃል መጻምዲ ናጽነት ተሪፋትና’ላ ዝዓይነቱ ሓዲሽ ናይ ስራሕ ኣንፈት ዘለዎ ቃድራ ክጸግኡ፡ ናይ ግንቦተ ሰነ ዝናም ጡብ! ጥፊፍ! ክብለሎም ዝምህለሉ’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ።

ምስኡ ተተሓሒዙ ግን ዘገም እናበለ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ይቕልቀላ’ሎ። በብቑሩብ ናይ ኲናትን ምቅትታልን ስምዒታት ይዝሕሉ’ለዉ። ርትዓውነትን ሚዛናዊነትን ዘለዎ ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ ይምዕብላ’ሎ።  እዚ ዓቢ ተስፋ’ዩ። …..  ይመልኣዮ።

ኣብ’ዛ መድረኽ’ዚኣ፡  እቲ ኣዝዩ ዝገርም ድሕሪ’ዚ ኹሉ ለውጢ፡ ገና ሕጂ’ውን ብፖለቲካ ናይ ኣንድነት ዝሰግእ ኤርትራዊ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ’ዩ። ብኣንጻሩ ዘሎ ዝምባሌ እንተተራእዩ ግን፡ ከም ቀደም ደድሕሪ ኣንድነት ዝተሃላለኽ ኢትዮጵያዊ  የለን’ኳ እንተዘይተባህለ ኣዝዩ እናወሓደ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።  ምናልባት ካብ’ቶም ኣለና ዝብሉ ናይ ኣንድነት ተዋራዘይቲ እቶም ድሙቓት ድማ፡ ኣብ ኮምቢሽታቶ’ዮም ምስ እንዳ ዝናን ባህታን ቡን ምስ ዕጣኑ ዝድክሩ ዘለዉ እንተ በልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

ስለ’ዚ እምበኣርከስ ንመጻኢ ኣብ ምቕያስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብፍላይ ብሸነኽ ኤርትራውያን መንእሰያት ነዚ ለውጢ’ዚ ዝግብኦ ኣድህቦ ብምሃብ፡ ምስ’ቲ ማዕቢሉ ዘሎ ሓዲሽ መድረኽ ንምውሳእ ብቑዕ ምቅርራብ ምግባር ከድሊ’ዩ። ምኽንያቱ እንዳ ዝናን ባህታን ሓዲሽ ሓሳብ ይኹን ሓዲሽ ኣንፈት ስለዘይብሎም መጻኢ ዕድልና ብኻልኦት እናተበልዐ ቅጭጭ ከይበሎም’ዮም ኣብ ናይ ህልኽ መንገዶም ዝቕጽሉ ዘለዉ።

ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ “ጸላኢ” ትብል ቃል ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ ናይ ኤርትራውያን ክትወጽእ ኣለዋ። በብቑሩብ ናይ ቂምታን ቅርሕንትን ፖለቲካ ሃሲሱ፡ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ምእንቲ ክዕምብብ ብዙሕ ጻዕሪ ከድሊ’ዩ። ካልእስ ይትረፍ ኣብ ባድመ ንታሪኽ መንእሰያት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መዘከርታ ዝኸውን፡ ናይ ሰላም ሓወልቲ ዝህነጸሉ ሓሳብ ንኢትዮጵያውያን ምቕራብ’ውን ንቕድሚት ዝኣንፈተ ንቑሕ ተበግሶ (progressive) ደኣ’ምበር ተምበርካኽነት ኣይኮነን።

ራህዋን ቅሳዝነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...