ትጽቢትና ንኽትግበር እንታይ ንግበር
ካልኣይ ክፋል
ህዝቢ ኤርትራ ባይቶኡ ምስ ተበተነን እታ ዝነበረት ባንዴራኡ ወሪዳ ብናይ ባንዴራ ኢትዮጵያ ምስ ተተክኤትን ኢዩ ብብረት ክቃለስ ተገዲዱ ድሕሪ ሒጂ ዘሎ ኩሉ ግን ብዘተ ጥራይ ዝፅረ ኢዩ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክንነብር ንቃለስ ስለ ዘለና ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብሕጋዊ መንገዲ ሓደ ክፅምጾ ዝኽእል ኣካል ከምዘየለ ጌሩ ክርድኦ ኣለዎ፡ ክንጥንቀቐሉ ዘለና ግን ንሓደ ኣነ ክውስነልኩም ዝብለና ኣካል ጥራይ ኢና፡ ኣብ ዝመጽእ ወይ ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ብባይቶ ዝግዛእ ሓራ ህዝቢ ኢዩ ዝኸውን ጊዜ መላገጽቲ ተወዲኡ ኢዩ፡ ንተሞክሮና ረሲዑ ክቕሽሸና ዝፍትን ወይልኡ፡፡
ሃገራዊ ባይቶ መን ሒዙዎ ኣሎ ብዘየገድስ ብጀካ ምፅራዩን፡ ከምቲ ኩሉ ናይ ዓለም ባይቶታት ምግባሩን ካልእ ኣማራጺ የለን፡ ምኽንያቱ ካብ ስልጣን ወጻኢ ንዝሓስቡ ካብ ሓዲሽ ምጅማር ዝተጀመረ ምፅራይ ከም ዝቐልል ርዱእ ኢዩ ፡ ሓደ ንስልጣን ዝሓስብ ግን ካብታ ንስልጣኑ ተውሕስ መገዲ ውጻኢ ዝሓስብ ኣይኮነን ፡ ስለ እዚ ካብ ፍተውቲ ስልጣንን ፈተውቲ ገንዘብን ዝኮኑ ስሱዓት ምጥንቃቕ የድሊ፡ ብቐዳምነት እቲ ክቡር ባህልናን እንታይነትናን ኣብ ቦትኡ ንምምላስ ክንቃለስ ጥራይ ኢዩ ዘለና።
ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ንሕና ዓለም ናጽነትኩምዶ ትደልዩ ምስ ኢትዮጵያ ንዝብል ሕቶ ኣቦታትና ተዓዊቶሙሉ ኔሮም ኢዮም፡ ነቲ ፈደረሽን ኣታሓሕዝኡ ስለ ዘይካኣልናዮ ስምምፅ ጌርና ኣብ ጠቕምና ክውፅል ከምዘለዎን ስለ ዘይገበርናዮ ግን ብምስምስ እዛ ሃገር እዚኣ ነብሳ ኣይትኽእልን ምስ ኢትዮጵያ ከም ትሕወስ ይኹን ተባሂሉ፡ ብመልክፅ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ተሓዊሳ፡ ንብሳ ምእንቲ ከይትኽእል ካኣ ነቲ ኩሉ ምንጪ እቶት ንኢትዮጵያ ከም ዝውሃብ ተጌሩ፡ ይኹን እምበር በቲ ዝነበራ ትሑት ትሕዝቶ ካኣ ነብሳ ኪኢላ ትነብር ኔራ ኢያ፡ ኣብ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተሓወሰትሉ ክሳፅ ልፅሊ ሰላሳ ሚልዮን ብር ጸኒሑዋ ኢዩ ዝብሃል።
ስለ'ዚ ሎሚ እውን ከምቲ ብሕጊ ዝተረኽበ ናጽነት ናብ ዋጋ ፅዳጋ ተሳጊሩ ኣብ ክንዲ ናብ ናጽነት ንሰግር ናብ መግዛእቲ ኣቲና እዚ ኩሉ ሽግርን ስቓይን ዘሕለፍና ሎሚ ካኣ ነዚ እናተቓለስካ ብዘተ ጥራይ ክሕለፍ ዝኽእል ነገር ብህልኽ ኣንጻር ጠቕምና ከኸውን ከምዘይብሉ እናተቓለስካ ኣብ ሞንጎ ዘጋጥም ናእሽቱ ነገራት ካኣ ብኣኸባታትን ብዘተን ናብ ዝሓሸ ከም ዝሰግር ምግባር ጥራይ ኢዩ ዘድሊ ነዚ ናተይ ኢልና ክንሕዞ ኣለና።
ምኽንያቱ ካልእ ካብዚ ወጻኢ ኩሉ፡ ንቐጻልነት ናይ እቲ ተቓሊስካ ዝቐውም መንግስቲ ዝሕግዝ'ውን ኣይኮነን፡ ሕማም እንዳኣከብካ ትጓዓዝ ስለ ዘለኻ ነንሕድሕድካ ተሳማሚፅካ ንህዝቢ እውን ኣሳማሚፅካ ከተማሓድር ዓቕሚ የብልካን ፓርቲ ኣለካ ማለት እኮ ኣካል ናይቲ ዝትከል መንግስቲ ኢኻ ፡ ስለ'ዚ ዝኾነ ተቓላሳይ ኣብ'ዚ እዋን እዚ ኣብ ጉፅዞኡ ትሕትናን ምጽውዋርን ሓደ ሓቂ ዝሓዘ ርጡብ ናይ ኣሰራርሓ ክእለትን ከጥሪ ጥራይ እዩ ዝጥለብ፡ ብምጽውዋር እናሰራሕካ ካኣ እቲ ዓቕሚ ብጉፅዞ ክጥረ ዝኽእል ኢዩ፡ ኣብ እዚ ምእንቲ ሃገር ነብስኻ ምስራፅ የድሊ ኣሎ፡ ካልእ ኩሉ ሽግር ዘስፅብ ጥራይ ኢዩ።
ኩሎም ዝተጋደሉን ነቲ ዝካይየድ ዘሎ ኩነታት ዝፅዘቡ ዘለውን ለባማት ሃገራውያን ክጽውዑን ነቲ ጉዳይ ናቶም ስለዝኾነ ኣብ ምድልዳል እቲ ስርዓት ተራ ክጻወቱን በቲ ኩነታት ክግደሱን ክሰርሑን ክዝትዩን ኣለዎም፡ኩነታት ሃገርና ብዘይካ እዚ ሓቅታት እዚ ክፅረ ዝኽእል ኣይኮነን፡ ኣብዚ ዘሎ እዋን እዚ ኩሉ ይቃለስ ኢየ ዝብል ብዛፅባ ናይ'ዚ ሽግር ኣፈታትሓ ይኹን ኣታሕሕዛ ናይ ስልጣን ዘለዎ ዓቕሚ ኣዝዩ ድሩት ኢዩ፡ ከምኡ ስለ ዝኾነ ጌና ስምምፅ ኣብ ሞንጎ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኣይተረኽበን ዘሎ።
እንተዳኣ ንኹሉ ትዓሚትካ ትኸዶ ኮንካ ካኣ ናብ ጌጋ ክወስደካ ይኽእል ኢዩ ስለ እዚ ቅድሚ ኩሉን ልፅሊ ኩሉን እቲ ዘድሊ ገምጋም ምግባርን ነቲ መደብ ምጽፋፍን ከም ዘድሊ ክንፈልጥ ይግባእ፡ ነዚ ዝፈልጡ ካኣ ክንደይ ሊቃውንቲ ኣለውና፡ ግን ኩሉ እቲ ዝቃለስ ንናይ ርእሱ ጠቕሚ ኣብ ዝላዓለ ቦታ ኣቐሚጡ ኩሎም ደቂ ሃገር ብገፊሕ ኣብ ቃልሲ ኣትዮም ስልጣን ከይጫረቱ ናይ ምክልኻል ስምዒት ዝዓብለሎም ኣካላት ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ኢዮም፡፡
እዚ ካኣ ኣብ ክንዲ ለውጢ ውልቃዊ ጠቕሚን ስልጣንን ምቕዳም ኢዩ፡ ስለ'ዚ ስልጣን ካብ ኩሎም ሃገራውያን ብምኽርን ብዘተን ንሓደ ብቑፅ ሰብ ዝውሃብ ዳኣ እምበር ካብ ባፅልኻ ሓሲብካ ወይ ብኢድ ወነንካ ዝምጠል ስልጣን የለን ፡ ማለት ሓደ ናብ ስልጣን ዘደይብን ካብ ስልጣን ዘውርድን ህዝብን ባይቶን ጥራይ ኢዮም።
ምኽንይያቱ እዚ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ከፊልና ንህዝብና ስልጣን ከነጨብጦ ኢና ዝብል ናይ ሓሶት መብጽዓ እናነዝሐ ንህዝብና ኣስኪሩ፡ ግደ ድኻምን መስዋእትን ስለ ዝገበሮ፡ ንህዝብና ሎሚ ንኻልኣይ ጊዜ ምትላሉ ዝካኣል ኣይኮነን፡ ንሕና ከም ኤርትራ ውያን ሓደ ስልጣን ከይወስድ ክንክልክል ዘይኮነ ስልጣን ክሕዝ ዝኽእል ብቕዓት ዘለዎ ሰብ ብቐትሪ ላምባዲና ወሲኽና ሃሰስ ክንብል ኢዩ ዝግባኣና ምኽንያቱ እቲ ኣውራ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ጎዲሉዎ ዘሎ፡ መንግስቲ ናይ ምቛም ዓቕሚ ኢዩ፡ ኢሳያስ እንተከይዱስ እዛ ሃገር እንታይ ክትከውን ኢያ ኢሎም ዝሓስቡ እውን እኮ ኣለው፡ እዚ እቲ ዘገርምን ከምቲ ዘበነ ገበል ኔሩ ዝብሃል ጊዜ ከለና፡ እቲ በላዒና ገበል ኣይቀተል ማለት ኢዩ።
ስለ'ዚ ጥንቃቐ ዘድልዮ መድረኽን ኩነታትን ኢና ዘለና፡ እዚ ብመገዲ ቃልሲ ኣብ ዝልዓለ በጺሑ ዝርኣየና ሰባት እንተሊና ንየማን ንጸጋም ግልጽ ክንብል ኣለና ከመይ ዝበለ ኩነታትን ማሓንቖን ዝኾነ ደረጃ ቃልሲ ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግባእ፡ ካልእ ክርድኣና ዘለዎ ነዚ ስርዓት እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢ ብልቡ ምሳና እምበር ምስኡ ኣሎ ክብሃል ኣይካኣልን ኢዩ፡ ግን ትብዓት ወኒኑ ምስ ተቓለስቲ ክሳማማፅ ምስ ጀመረ ኢዩ ደንበ ተቓውሞ ክሕይል ዝጅምር፡ እቲ ጉዳይ ናይ ኩልናን ንኹልና ዝጽበ ዘሎን ኢዩ ምኽንያቱ እቶም ምስቲ ስርዓት ዘለው እቶም ኣውራ ግዳይ ናይቲ ስርዓት ኢዮም።
ብሓጺር ኣዘራርባ ህዝብና ስኣን ምስትውዓል ኣብ ትሕቲ ወጽዓ ዝነብር ዘሎ እምበር ዝኾነ ይኹን ረብሓ ዝረክብ የለን፡ እቶም ተረባሕቲ እቶም በጻብፅ ኢድ ዝቑጸሩ ኣብቲ ዝልዓለ ጽፍሒ ዘለው ጥራይ ኢዮም፡ ስለ'ዚ ምስትውዓልና ክብ በለ ማለት ሳዓርና ኢዩ ማለት ብዝኾነ መንገዲ ሎሚ ኩሉ ነገራት ብንኹሉ ወይ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዝርድኦ ቋንቋ ይጽሓፍን ይዝረብን ስለ ዘሎ፡ ሎሚ ዝኾነ ኤርትራዊ ዋላ ናይ ምግላጽ ሕጽረት ይሃልዎ ንፖለቲካዊ ትሕዝቶ ኤርትራ ኣጸቢቑ እናፈለጦ ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ እንተ ፈሊጥካ ድማ ኣብ ሕማቕ ክትወድቕ ኣይትኽልን ኢኻ፡፡
ስለ'ዚ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ኣንፈት ናይ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ቃልሲ ከምዘይ ተታሕዘ ብንጹር ክፈልጥ ወይ ከለሊ ክኢሉ ኣሎ፡ በዚ ካኣ ኢዩ ሃንደፍ ኢሉ ኣብ ዝኾነ ደንበ ተቓውሞ ክኣቱ ዘይደሊ ዘሎ፡ ብሓፈሽኡ ግን ዳርጋ ብምሉኡ፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ንዘሎ ኩነታት ኣብ ንቡር ንምምላስ ታዓጢቑን ሆይሉን ኣይተበ ገሰን ዘሎ እምበር ካብዞም ዘለው መለኽቲ ንሱ ብብዙሕ ይሕይል ፡ ዋእ ህዝቢ ኤርትራ ሆይሉ እንተ ነቒሉ ዳኣ ኣሽንኳይ ሓደ ጉጅለ ምስ ጭፍርኡ ዝዓበየ ሓይሊ ስዒሩ እኮ'ዩ ነታ ነጻነቱ ብመስዋእቱ ኣረጋጊጹዋ፡ እቲ ጌና እዚ ስርዓት እዚ ከም ዘይሓልፍ እናዳሃኾ ስቕ ክብል ገዲዱዎ ዘሎ ምኽንያታት ብዙሕን ዝተፈላለየን ኢዩ፡፡
ኣብዚኣ ክትበርሃልና ዘለዋ እቶም ንቃለስ ኣለና ንብል ዘለናን እቶም ናይዚ ስርዓት እዚ ፅድመ ከናውሑ ፡ ዝደልዩ ወይ እዚ ዘሎ ስርዓት ይሕሸና ዝብሉን ቁጽርና ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ፡ ልክፅ ኢዩ እቶም ኣብ እዚ እዋን እዚ ወጽዓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእትው ይበዝሑ እቶም እዚ ዘሎ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ጌጋታት እናተረድኦም ዝመጹ ዘለው ነቶምተቓለስቲ ኣብ ሓቀኛ መስመር ከም ዘለው እዚ ስርዓት እዚ ከየልገስካ ዝኾነ ቅሳነት ከምዘይርከብ ነገራት እናበርሃሎም ይመጽእ ኣሎ፡ እዚ ኣብ ቃልሲ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ኢዩ።
ብኸምዚ ናትና ድሕሪ ብዙሕ ወረድ ደይብ ዝፅወት ቃልሲ ካኣ ብሱልን ዘይዳግምን ውጽ ኢት ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ፡ ከም ኤርትራውያን ህውኻት ኢና እቲ ኩነታት ባፅሉ ስለ ዝዓገተና ግን እቲ ነገር ይበስልን ምስትውዓልና ይዛይድን ኣሎ፡ ካብ ሎሚ ንድሓር እቲ ንፅወተሉ ጊዜ ኣይክነውሕን ኢዩ፡ እዚ ስርዓት'ዚ ካብ ልክፅ ዝሓለፈ ጌሩ ነዚ ዘይንዓቕ ጅግና ህዝቢ ስለ ዝነዓቖ መገዱ ስሒቱ ውድቀቱ በጺሑ ኢዩ፡ ይኹን እምበር እቲ መላእ ህዝቢ ንዘሎ ኩነታት ተረዲኡ ምስቲ ንለውጢ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ኣይተጸንበረን ዘሎ።
እቶም ኣብ ቦታ ትዓዘብቲ ኮይኖም ነቲ ጉዳይ ዝፅዘብዎ ዘለው ግን ብዙሓት ኢዮም እቲ ዝፈልጡዎ እውን ብዙሕ ኢዩ፡ ግን ካኣ እቲ ኩነታት ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ ክጻውሮ ዘይ ክእል ደረጃ ይድይብ ስለ ዘሎ ንነዊሕ ኣይክጽመሙዎን ኢዮም፡ በየናይ መልክፅ ብዘየ ገድስ ኣብ ቀረባ ጊዜ ነዚ ደንበ ተቓውሞ ከም ዝጽንበሩዎ ፍሉጥ ኢዩ፡ ደቂሶም ዝብል ሓሳብ ከጥቅዓና የብሉን ብሃገሩን ህዝቡን ዘይሓስብ ፍጡር የለን እሞ ንብሎ ንፍለጥ።
። ይቕጽል ።
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና