ኩሉኹም ኤርትራውያን ከምቲ ትፈልጡዎን ከምትሰምዕዎን፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ክሊ ሃይማኖትና ኦርቶዶክስ ዓበይቲ ሽግራት ተኸሲቶም ኣሎዉ።


ንዓና ንኦርቶዶክሳውያን ተጠሚርካን ሓቢርካን እምነትካ ኣኽቢርካን፤ ብሓባር ናይ ምጉዓዝ፤ ሓቢርካ ጸገምካ ናይ ምፍታሕን የጸግመና ከም ዘሎ፡ ኣሉ ዘይባሃል ሓቂ‘ዩ።


ንሱ ኸኣ ብገለ ውልቀ ሰባት ዝብገስ ሕማቕ ሕማማት፡ ምፍልላይ ስምብራቱ ሕማቕ ንሓደ ህዝቢ፡ ናይ ደቂ ሓንቲ ሃገር፡ ጽቡቕ ሕብረትን ጥምረትን ንከይመጽእን ከይምስረትን ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኖም ኣሎዉ።


ሓሶት ኣብ ለዕሊ ሓሶት እንዳ ነዛሕካ፤ ዘይተገበረ ከምዝተገብረ፤ ዘይተባህለ ከምዝተባህለ መዓልታዊ ይንዛሕ ከምዘሎ ንኩሉና ስውር ኣይኮነን።


እገለ ከምዚ ይገብር፤ ምስ ከምዝይ ይራኸብ፤ ብኸምዚ ይምወል፤ እንዳበልካ ንሰባት ምጽላም ሓደ ካብቲ ብውልቀስ ዝንዛሕ ዘሎ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ‘ዩ።


ናይ‘ዚ ኹሉ ተሓታቲን መዋፈርን ኮይኑ ዘሎ ድማ ሓደ ሰራሕተኛ ኣባል ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት‘ዩ። (ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ናብ ሽማግለ ማሕበር ፍራንክፈርት ጀርመን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝተሰደ ጽሑፍ ኣብ ታሕቲ ተመልከት)።


ንምፍርራሕ ዝጥቀመሎም ሜላታት፡=
በቲ ሃይማኖታዊ ሕጊ ዘይኮነስ ነቲ ንሱ ዝህቦ መምርሒ እንተዘይተቐቢልካ፡ ናብ ሃገርካ ምእታው ጸገም ከምዘጋጥመካ፡ ንሃገርካ ዝኸሓድካ ኢኻ ዝብሉ እንዳለኣኸ ንሰባት የፋራርሕ። ንኹሉ ወዲ ሃገር ክሓቁፍ ከዋሃህድ ከጠራንፍን ዝግብኦ፡ ብኣንጻሩ ብፍላይ ኣብ ማእከል ኦርቶዶክስ ብምእታው ዓቢ ሽግር ይፈጥር ኣሎ።


ኩቡራት ኣመንቲ ብፍላይ መንእሰያት ሓደ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ንኸምኡ ኣማኒን ተኸታልን እምነት ኦርቶዶክስ፡=


ቀዳማይ ካብ እምነት ካልኣይ ካብ ኣባልነት ክሰጎ ዝኽእል የልቦን።


ከምተን ካልኦት ኣብ ሃገርና ዘሎዋ ሃይማኖታት ምስልምና፤ ካቶሊኽ፤ ከኒሻ ንሕና ከኣ ሃይማኖትና ብዘይ ኣፋላላይ ሓቢርናን ተጠርኒፍናን ብኣፍ ዘይኮነ ብግብሪ ንሰርሓላ። ነዞም ክፈላሉዩና ዝጽዕሩ፡ ጥርናፌናን ምዕባሌናን ዘይፈትዉ ሰባት፤ ዝዛረቡዎን ዝገብርዎን ነንበይኑ፡ ኣባና ሕማቕ ዝኣረገ ንዓና ዘየርባሓና ኣተሓሳስባ ዘተኣታትዉ ዘሎዉ ሰባት ነለልዮም።


ሃገር ናይ ሓባር‘ዩ! ሃይማኖት ከኣ ናይ ኣመንቱ!
ንጠርነፍ ከምቶም ቀዳሞት ኣቦታትና ንሽግራቶም ሓቢሮምን ዘትዮምን ዝፈትሕዎ፡ ንሃንደበታዊ ሓደጋ ኸኣ ታቱላ ወቒዖም ደወል ቃጪሎም ዝፈትሕዎ፡ ሕጂ ድማ ንሕና ሽግር ኣብ ሃገርናን ኣብ እምነትናን ጣልቃ ዝኣትውና ሓቢርና ኩሉና ንመክት።


ኣምላኽ ንህዝብናን ሃገርናን ራህዋን ሰላምን ምዕባለን ዘውርድ!


ካብ ኣባላት ኦርቶዶክሳኢት ቤተ ክርስትያን ፍራንክፈርትን ከባቢኣን

ዕለት 23/01/2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...