ብናይ ኤውሮጳዊ ናይ ወጻኢ አማከርቲ ዝተባህለ ትካልን ግዱሳትን ኢና ብሃልቲ ዝተዓደመ ዋዕላ ናይ ኤርትራውያንን ኤውሮጳውያንን አመሪካውያንን ዝተሳተፍዎ ንዕለት 9 ክሳብ 10 ወርሒ ኅዳር (Nov.9-10 2009) ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቡርስለስ በልጅዩም ክግበር ምዃኑ ተሐቢሩ አሎ። ተወሳኺ  ሓበሬታ፤- ዘይተዓደመ ሰብ ንክካፈል ከምዘይፍቀድ እውን ተነጊሩ)።

ክቡራን ዜጋታት ኤርትራ ዋዕላ ምግባር ትሕዝቶኡ ብዘየገድስ ውሁብ መሰል ደቂ ሰባት ምዃኑ ከነስምረሉ ንፈቱ። አብ መበል፤ 21 ክፍለ ዘመን እውን ከከም ዕላማታቶም ዘፍቅዶ ዝተፈላለዩ ዋዕላታት ብተካፋልነት ኤርትራውያንን አማካርቶምን ተካይዶምን ይካየዱን እውን አለዉ። ኲሉ ዋዕላታት ግን ብትሕዝቶኡ ክምዘን ናይ ግድን ኢዩ፤- እዚ ማለት ብዙኃት ዋዕላታት ዲሞክራሲያዊ መሰልቲ  ውሳኔታት ብዘይዲሞክራሲያውያን አካላት ክውሰን ተራእዩ ኢዩ፤- እንተኾነ ግን ዋዕላ ፤ ባይቶ፤ ብግቡእ መስርሑ ተከቲሉ ክከይድ እንከሎ፤ ያታዊ ኩርዓት ኢዩ እንተበልና ምግናን ዄይኑ አይስምዓናን።

ኣብ ልዕሊ ዋዕላ በልጂዩም ክስዕብ ዘለዎ ሕቶ ግና፤ እዚ ዋዕላዚ ሕጽረታት ዘለዎ ናይ ዝፋለጡ ዋዕላ እንተ ዘይዄይኑስ ፤- ብዛዕባ ኤርትራን ሕዝባን ዝምልኸት ዋዕላ ክኸውን እንተኾይኑ ጊዜ ተወሲድዎ ሰፊሕ ኤርትራዊ ዋዕላ ብተዓዛብነት አማከርቱ ዝግበር ክኸውን ነይሩዎ። ንሕጽረታቶም እውን እንተኾነ ካብ ተአፋፍነት መታን ክድሕኑ አገባባቶም ብዝምልከት ብሩህ መግለጺ ምስናይ ይቕሬታኡ ክህቡ ነይርዎም ። እዚ ብዘይምግባሮም ኢና ድማ እንታይ ብልሐቱ ዘብዘብ ንበልጂዩም ዝብል አርእስቲ አስፊርና ክንጽሕፍ ዝተገደድና። ብሕጽረታት እተሸፈነ ፈሊጣዊ ዋዕላ ትጽቢት ክግበረሉን፤- ከም ሐደ ዓቢ ዋዕላ ክርኤን ዘይብሉ ምዃኑ ጥራይ ኢና ነብርህ።

ብዝኾነ ይኹን ንዋዕላ ዝብል ክትዕዘቦ ከሎኻ አብ ክልተ ከፊልካ ይርኤ ንሱ ከአ፤-
• ጉጅላዊ ዋዕላ፤-
• ሀገራዊ (ሓባራዊ) ዋዕላ ኢልና ምስ እንከፍሎ።

እቲ ጉጅላዊ ዋዕላ ብደቂ መዛምርቱ ዝተሀንደሰ ንጥቕሞም ዝውክል ዋዕላ ዄይኑ፤ በቲ ጥርናፌኡ ከአ ጉጅላዊ ዝብል ስም ይውሃቦ። ካብ ሓደ ጉጅላዊ ዋዕላ ሀገራዊ ፍታሕ ክትጽበ ድማ ዕሽነት’ዶ አይኾነን።

ሀገራዊ ዋዕላ ግን ሓባራዊ ሕዝባዊ ጥቅሚ ዝውክል ዋዕላ ናይቲ ዋና ብዓል ቤት ዝኾነ ሕዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዋዕላ ኢዩ። እዚ ሓባራዊ ዋዕላዚ ብናይ ሓባር ሕዝቢ፤ ወከልቱ መዚዙ ዝካፈልዎ ዋዕላ፤  ሕዝባዊ ወይ ሀገራዊ ዋዕላ ኢዩ። እዚ ሓባራዊ ዋዕላ’ዚ ሕዝባዊ  ሀገራዊ ዋዕላ ተባሂሉ ከአ ይጽዋዕ። ንሕዝብን ሀገርን ኤርትራ ብዝለዐለ ተኸላኺሉ ሀገራዊ ውሳኔታት ንምሕላፍ ወይ ንምውሳን (ልዕላውነት) ኃላፍነት ዝተሰከመ ዋዕላ ሕዝቢ ይኹን ፖለቲካውን ሰብአውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ተጣበቕትን ዝጽበይዎ ዋዕላ ኢዩ።

ክቡራት ዜጋታት ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ዋዕላ ርእይቶ  ክትህቡሉ መሰል ናይ ኲሉ ዜጋ ስለ ዝኾነ ገለ ዜጋታት ነቲ  ብሕጽረታት ዝተዋሕጠ ዋዕላ ርእይቶኦምን ሚዛናቶምን ብምሃብ ዘቃልዕዎ ዜጋታት ፤ ስክፍታታቶም ክገልጹ ከለዉ አብቲ ዝግበር ዋዕላ ብዘይምኽፋላቶም ኢዮም እናበሉ ብዙሕን ሒዶትን ክዋጥዩ ክትሰምዕ ከሎኻ ክሳብ ክንደይ አታለልቲ ከም ዘለዉ ትዕዘብ።

ብሓጺሩ ግና ብዛዕባ ዝግበር ጉጅላዊ ዋዕላ በልጅዩም አፍኹም አይትኽፈቱ ምባል ካብ ዲሞክራሲያዊ ባህርያት ዝረሓቐ፤ ነቲ ገለ ውሁብ መሰላት ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን ምዕጋት ኾይኑ ብአፍ ጃንዳ ህግደፍ ወይ ናይ ጽባሕ ተደናገጽቲ ምዃኖም ኢዮም ዝገልጹልና ዘለዉ፤ እንተበልና እቲ ዝሓሸ ዄይኑ ይስመዓና። ዲሞክራሲያዊ አካል ተዛረብ ጊዜኻ እውን ሕጂ እዩ ።

አብ ዝሓለፈ ጊዜ ብስም ኤርትራውያን ዝተፈላለዩ ዋዕላታት ተኻይዶም ኢዮም።

  1. ወጻእተኛታት ዜጋታት ዝተሓወስዎ ናይ ፍሉያት አካላት (ውድባት) ዋዕላ በርሊን፤ ዋዕላ ሎንዶንን ተኻይዱ ኢዩ።
  2. ናይ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ወዘተ እውን ተካይዱ ኢዩ።
  3. ናይ ውድብ ህግሐ.ኤ፣ (ህግደፍ) „መንግሥቲ“ ኤየ ብሃላይ ጃንዳ እውን እንተኾነ ንዕኡ ዝጠቕም ዋዕላ አካይዱስ፤ እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ጸገንቲ ኣብ ሰፊሕ ሕዝባዊ ዋዕላ ንምትግባር ባይቶና ተጠሊሙ ብምባል አፎም ኣብ ዝኸፈትሉ ጊዜ ከድዓት፤ ብዝብል ተጠቂኖም ክሳብ ሕጂ አብ ቤት ማእሰርትታት ከም ዝማስኑ ዄይኖም አለዉ።

ነዚ ዋዕላታት’ዚ ብጥልቐት ምስ እንምርምሮ ጉዳይ ሕዝብን ሀገርን ኤርትራ ብኢድ ካልኦት ዝዝወር ምዃኑ ንርዳእ። ንሕና ኤርትራውያን ብዘይ ኢድ አእታውነት፣ ብዘይ ካልኦት፣ ነፍስና ክንመርሕ አይከአለናን ማለቶም ድዩ? ንተደናገጽቲ መሰልቲ ብጉዳይና ክመኻኸሩ መንዩ ምስክርነት (ባልጃ) ሂብዎም? እምበአር ንሕና ኤርትራውያን ብነፍሰ ተአማንነት ምስ ዘይንሰርሕ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ሀገርን ኤርትራ ብውዲታት ተንጠልጢሉ ዘሎ ውጡናዊ ደበና ብምዕራባውያን ኃይልታት ዝተመኽረ፣ ብጃንዳ ህግደፍ ዝተላዕጠጠ፣ ብኃይሊ ዕምማ (ዋዕላ በልጅዩም) ናብ ዝኸፍኤ ምሥጢራዊ ጋህሲ ንክአቱ ይቐላጠፍ አሎ።

ተሞክሮ ሕዝቢ ኤርትራ ከም ዝሕብሮ ባዕዳውያን ገዛእቲ ነበር፤ ንዘመናዊ ስዉር መግዛእቲ ንምስፍሕፋሕ ዝጥቀምሉ ሜላታት ሐለይቲ ሕዝቢ ተመሲሎም ጻዕዳ ካባ ተጐልቢቦም ኢዮም ግዝአቶም ዘስፋሕፍሑ ዝነበሩን ብሕጂ እውን ዝሕልንዎ ዘለዉን። ጸላኢኻ ምሒር እንተፈተወካ ጠቕሙ አይገድፍን ኢዩ።ሓልዮት ሕዝብን ሀገርን ኤርትር  እንተዝነብሮም ነይሩስ ኣብቲ ዝሓለፈ 18 ዓመታት ብኲሉ መዳያት ንሕዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝዳኸም አበይ ነይሮም? እንተኾነ ግን ዋዕላ በልጅዩም ንመሰል ሕዝቢ ጊሂሱ ዝግበር ዘሎ  ዋዕላ ጸረ ሕዝብን ሀገርን ኤርትራዶ አይኾነን?። ዋዕላ በልጅዩም ኣብ ተቐባልነቱ ካብ ዋዕላ በርሊን መለሳ የብሉን።

ክቡራት ዜጋታት፤ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ክዓኩ ዝግብኦም፤- ተሓታትነትን ግሉጽነትን ብቀንዶም በሪሆም ንሰብአውን ዲሞክራስያውን መትከላት ደው ክብሉ ይግባእ። እዚ ብምሥጢር ዝዕየ ጉዳያት ክብቕዕ አለዎ። ነንበንኻ ወይ መምስ ጉጅለኻ  እትዓዮ ጉዳይ ብሓታዊ ዄይኑ ፤ ካብ ጥቅሙ ጉድአቱ  ኣብ ሕዝቢ ዓለም ዘኸተለ፤  ፍልልያትን ድኽነትን አስዒቡ ብሓፈሻኡ ኣብ ሕዝቢ ዓለም፤ ብፍላይ ኣብ ሕዝብን ሀገርን ኤርትራ ከአ   ሽግርን ግህሰት  ሰብአዊ መሰላትን ድኽመታትን አተአታትዩ ኣብ ዝርከበሉ ጊዜ፤-  ጻዕርታትና (ቃልስና) ክኸውን ዘለዎ እንኮ መፍታሕ ምስ ሕዝቢ ኤርትራ መኪርካ ማይን ጸባን ዄንና ብሓባር ንመሠረታዊ  ለውጢ ንምምጻእ ክኸውን አለዎ።

ንሕና ሀገራውያን ዜጋታት ተቐበልቲ ሕድርን አሰጋገርቲ ድልድልን ንሓዲሽ ወለዶ ከም ምዃንና መጠን ሀገራዊ ኃላፍነትናን ግቡእናን ፈሊጥና ወከልትና ዝኾኑ ጊዜያዊ መሰጋገሪ ማእከልነት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዝተወሀሃደ አገባባ ንትግባሬኡ፤ ትማሊ ቀልጢፍና፤ ጽባሕ ከአ ደንጒና፤ ሎሚ ኢዩ ጊዜኡ ንምህናጽ ዲሞክራሲያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ እናበልና፤ ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ ጸዋዒትና ነቕርብ።

ኲሉ ሀገራዊ ዜጋ ኣብ እትቕመጥሉ ሀገርን ከተማን ካብ ውልቃዊ ኃላፍነትን ግቡእን ተበጊስኹም ናይ ሓባር አረአእያን አተሓሳስባን ዘዋሀህድ መድረክ ከፊትኹም ዲሞክራሲያዊ ክትዕ ንኸተካይዱ  ነተሓሳስብ።

ንሕዝባዊ ሀገራዊ ዋዕላ ንምግባር ድልውነትና ነረጋግጽ።
ሀገር ናይ ብዙኃት፤ ብዙኃት ንሀገር
ኤርትራዊ ማኅበር ተጣባቂ መሰል     E-mail This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ዕለት 8.11.2009/

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...