ገዲፍካዮ ዘይትኸይድ፡ ገዲፍካዮ ኣይትጉየይ እዩ ነገሩ:: ንዕለት 9-10 ሕዳር ኣብ ብረስልስ በልጅም ብገለ ጉዱሳት ኢና በሃልቲ  ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ኣኸባ ክካየድ ከም ዝኾነ ብ29-10-2009 ኣብ መፍተል ሓበረታ ዓወተ ተለጢፉ ይርከብ:: ነዚ ኣኼባ እዚ ኣብ ምድላው ኢድ፡ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ዝበሃል ጉጅለ ኤርትራውያን ከም እተሓወሶ`ውን ወስታ ኣለዎ::

መድሃኒት ዘይብሉ ሕማም ኣንነት: ንዓይ-ንዓይ ኣብ ኣእምሮ ኢደወነናውያን ሰብ ብረት ኤርትራውያን ጥራሕ ኣይኮነን  ሰሪቱ ዘሎ:: ኣብ`ቶም ብትምህርቶም ዝንየቱ  ኤርትራውያን እውን ጥጁእ እዩ::  ወድ-ሰብ ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝፈልዮ: ፍሉይ ብልሒ ኣእምሮ ስለ ዝተዓደለ እዩ::  ኮታ ክሓስብ:  ክመሚ: ዝሓለፈን ዘሎን ኣዛሚዱ ሕሉፍ  ጌጋታቱ ኣሪሙ ብዛዕባ ዝመጽእ መደብ ከሊሱ ከውጽእ ዝኽእል ኣእምሮ ስለ ዝተዓደለ ንኹሎም እንስሳታት ይበልጾም::  ዝተመሃረ ወዲ-ሰብ ከኣ ዝያዳ ብልጫታት ኣለዎ:: ኩሉ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ብተግባር ዝተኻፈሎን ወዘተ እርይ ቁጽር ኣቢሉ መስርዑ ኣትሒዙ: ኮታ ዕለቱ: ቦታኡ ብንጹር መዝጊቡ ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ መሊሱ ይዝርግሖ: ህዝቢ ከኣ ይመሃረሉ:: ዝሓለፈ ጌጋታቱ ኣሪሙ ማሕበራዊ መነባብሮኡ ኣመሓይሹ ከጣጥሕ ይእንፍት:: ኮታ ምጣነ ሃብታዊ: ማሕበራዊ: ጸጥታዊ ወዘተ ሃለዋቱ ሰሪዑ ብሰላም ክነብር ይህንድስ::

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ:  ብጌጋ ከይትርዱኡኒ ሓደራ!!  ትምህርቲ ክብል ከለኹ ብሓፈሻኡ ንህሉው ማሕበረ-ፖለቲካዊ  ኩነታትና ኣዛሚዱ  ዘንጻላለወ ደኣ`ምበር  ውሽጢ-ሊጡ ናይ ትምህርቲ  ኣይኮንኩን::  እዚ ኮነ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ሳላሳ (30) ዓመታት ዝወሰደ: ብዋጋ ክሽነን ዘይኽእል ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ  ከፊሉ: መሪር ተጋድሎ፡ ሰጊሩ  ጎይታ መሬቱ ካብ ዝኾነሉ ንደሓር: ምሁራት ኤርትራውያን እንታይ ግደ ተጻዊቶም??? ንህዝቦም ዘበርከትዎ እወንታዊ ኣስተዋጽኦኸ እንታይ ኣሎ??   ኢደወነናዊ ሃብሮማይ ፕረሲደንት ኣቶ ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ምቕራብ ከሊእዎምዶስ: ቦታ ስኢኖምዶስ: እንታይዶስ እናበልካ ዓጀውጀው ምባል ንነብስኻ ምትዕሽሻው እዩ::  ብሓቂ ብህዝቦም ዝግደሱ እንተዝነብሩ ካብዚ ናይ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢምዎ ዘሎ ጸበባ ዝኸፍእ ተጋኒፍዎ ኣይፈልጥን:: መጽሓፍ ድጊ ግፉዓት ትብል ብኣባ ተወልደብርሃን ጸጋይ ዝተደረሰት ምንባብ እኹል እዩ::  ምስጋና ይብጻሕኩም ኣባ ተወልደብርሃን ጸጋይ!!

ልቢ በሉ ብህዝብኹምን ሃገርኩምን ትግደሱ፡፡ ብዙሓት ክጽሕፉን ክዛረቡን ከለዉ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ሓይልታት ህዝባ ዝወቀበት ሃብታም ሃገር እያ ክብሉ ሰጋእ ኣይብሉን:: ብፍላይ ከኣ እቶም በትሪ ጎራሓት ክኾኑ ዝመረጹ:: በትሪ ጎራሓት ክትከውን እንተደኣ መሪጽካ ብተግባር ስንኩል ኢኻ::  ሓቂዶ ሓሶት? ብሓፈሻ ተምኩሮና ድሕሪ ነጻነት: ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ኩናት ኢሳይያስን መለስን ኩነታት ምሁራት ኢና በሃልት ኤርትራውያን ኣስተብሂልናሉዶ ንፈልጥ?  ናይ ቅድም ስሕታን ናይ ሎሚ ግን ዕብዳን ይበሃል::  ብጂ13 ነብሶም ዝጸውዑ ነንሕድሕዶም ተዓዳዲሞም ኣብ ጀርመን ኣኸባ ጌሮም ናብ መዋፈሪኦም ኢደወነናዊ ሃብሮማይ ኢሰያስ ተመሊሶም ንብሱል ኩነታት ኣበርዒኖም ንግዳያት መፍተቱ ከም ዘሳጥሕዎ ናይ ትማሊ ተዘክሮ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ:: ንጂ15`ውን ሕማቕ ኣሰር ኣንጺፈሙሎም ነናብ መሕበኢኦም ተመሊሶም:: ብሓጺሩ ንተንኮል ፍሕሶታት ኢሰያስ ኣራጉዶም ንጂ15 መለገጫኡ ንኸውዕሎም ሓጋዚ ታራ  ከም እተጻወቱ ዘይምፍላጦም ዘብኪ እዩ:: ሎሚ ከኣ ኮር-ተገልበጥ ምስ ገለ ሽርሓኛታት ከም በዓል ኣና ጎመዝ ዝኣምሰሉ ኤውሮጳውያን ኮነ  ኣመሪካውያን ተማሻጢርካ: ሰብ ዋኒን ደቂ ሃገርካ ጠንጢንካ ላዕሊ ታሕቲ ሸለብ-ገለብስ ንመን ጠቕሚ ኮን ይኸውን? ኣቱም ህዝቢ ዓገብ ይግበር ኣሎ:: ካብ ዝሓለፈ ጌጋታቱ ዘይመሃር ምሁር ከም ምሁር ክትገልጾ ዘሰክፍ እዩ::

ካብቲ ዘስደምም ግን ኣብ ክልተ ባላ ተሰቐል እቲ ሓደ እንተተሰበረስ ኣብቲ ሓደ ክትጥልጠል ዝዓይነቱ ጉዕዞ ጽብ-ጽባሕ ተደጋጊሙ ብልጭ ብልጭ ክብል ከሎ እዩ:: ዝቐደመ መፍትሒ ኣየምጸአን:: ብኣንጻሩ ንኹነታት ንድሕሪት ጎቲትዎ ሃምን ቀልብን ህዝቢ ረሚሱ:: ኣብነት ንምጥቃስ ካብ ምሕዝነት ናብ ኪዳን ዝብል ስም  ዝተሰጋገሩሉ ወቕቲ ዝተጠቐምሉ ሜላ: ንሓደ ኣንጺልካ ንኻልኣዩ ምሕቃፍ ኣሉታዊ ሳዕበናት ጥራሕ ፈርዩ::  ነቶም ሽዑ ዘዋሰኑዎም ተመሊሶም ሓቑፎም ከሰራስርዎም ሰገጽ ኣይበሉን:: ጊዜ መጢጦም: ኣቓልቦ ህዝቢ ኣላሕሊሖም: ብሽግረ-መከራ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ተጻዊቶም:: ትዕድልቲ ብልሒ ኣእምሮ ብጉብእ እንተዘይተጠቒምናሉ ካብ እንስሳ ብምንታይ ንፍለ? ዝብእስ ዝብላዕ ተረኺቡ ምስ በልዎ ኣበይ ከይበለ ንቕድመኡ ይጎይ ኮይኑ:: 

ኪዳን ንህዝቢ መደናገሪ ዝጥቀምሉ ትካል ምኻኑ ካብዚ ዝኸይድ ዘሎ መጻወድያታት ክምዘን ይከኣል:: ብሓቂ ንዕለት 9-10 ሕዳር 2009 ክግበር ተወጢኑ ዘሎ ኣኸባ ብራስልስ ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዘማዕደወ እንተደኣ ኮይኑ: ስለምንታይ እቲ ናይ ሓባር መሪሕነት ኢሎም ዘቐሙዎ ናይ ኪዳን መሪሕነት ዘይተኻፈሎ??? ክውዒ ብማንካ ክዝሕል ብኢድካ ዝኾነ ከይዲ ላግጺ ፖለቲካ ዝበሓቶም ኣካላት ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሽግረ-መከራ ህዝቢ ኤርትራ  ኣይንታዮም  እዩ:: ዘሕዝን ናይቶም መድረኽ መጸ ዝወዛወዙ መራሕቲ እና በሃልቲ ኣይኮነን: ናይቶም ደድሕረኦም ተገሪዞም ዝዕንድሩ ዓገብ ክብሉ ድፍረት ዝሰኣኑ መሰረታት ዝበሃሉ እዩ:: ስለዚ ንኢደወነናዊ ሃብሮማይ ፕረሲደንት ኣቶ ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ነጺልካ ምኽሳስ ንህዝቢ ኤርትራ ካሕሳ ኣይኮነን::  ሕሰም መነባብሮ  ህዝቢ ኤርትራ ዘናውሕዎን ዘስብሕዎን ዘለዉ  ብስም ተቓውሞ ዘዋጣውጡ ኮነ ገለ ተማሂርና  ብማለት  ዝንየቱ  ዝዋፈር እዩ::  እዚ ሓፈሻዊ ሕማም ኤርትራውያን ክሳብ ዘይተፈወሰ ስቕያት ውርደት ህዝቢ ኤርትራ ቀጻሊ ምኻኑ ካብ በቢእዋኑ ዝቕልቀሉ ተርእዮታት ክትመሃር ይከኣል::

ብዙሓት ሰባት ንፋስ ናብ ዝነፈሶ ዝንህሉ ኣለዉ:: እዚኣቶም ከኣ ንባዕላቶም ተደናጊሮም ንህዝቢ ኤርትራ ይሃስዩዎ ምህላዎም ጌና ኣይተረደኦምን:: መምስ ዝተቐልቀለ ትርእዮ ተለኪምካ ምዕንዳር ገበን እዩ:: ሓደ ሰብ ኢዱ ኣብ ጋንቲ ወድዩዋን ከይወደያን ፍልልይ ዘለዋ ኣይመስለንን:: እታ ኢዱ ወትሩ ኢዱ ምኻና እያ::  እዞም ሰባት ብምቁር ቃላት ላዕጢጦም ዘምጽእዎ ለውጢ ዘሎ ኣይመስለንን:: ይመጽእ ነይሩ እንተዝኸውን ዝተፈላለየ እዋናት ፈቲኖም ዘምጽእዎ ፋይዳ ግን ኣይተራኣየን:: ብኣንጻሩ ዘይቁዱስ ህልኽ ኣማዕቢሎም: ቂምን ቅርሕንትን  ኣራጉዶም:  ጉጅለታት ከኣ ኣራቢሖም:: በዚ ኣገባብ መስርሕዚ ህዝቢ ኤርትራ እንተይ ተጠቒሙ??? ስለዚ ካብ ዝሓለፈ ጉጉይ ተመኩሮኹም እንተተማሃርኩም ይሓይሽ::

ስቶክሆልም

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...