{autoremote linkfromdisplay="false" shuffle="false" autostart="true" width="320" height="20"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-TesSpeechSept19BostonMA994.mp3{/autoremote}

ኩልና ደቂ ሰብ፡ ኣብዛ ዓለም ነበርቲ ኣይኮንናን፡፡ ህይወት ውሱን ዓመታት ጥራይ እትንበር፡ ሓጻር ህያብ እግዝኣብሄር’ያ፡፡ ኣብ ልዕሊ ምሕጻራ እንኮን ዘይትድገምን ኢያ፡፡ ካልኣይ ልደት ይኹን ካልኣይ ህይወት የብላን፡፡

ህይወት ዋላ’ኳ  እንኮን ሓጻርን እንተኾነት፡ እቲ ንመሬት ዝሕምብባ፡ ንጸሓይ ድማ ኣብሪቑ ዘዕርባ፡ ምስጢራት ጥበቡ ብምልኣት ክፍለጥ ዘይከኣል መስተንክር ሓይሊ፣ ኩሉ ነገራታ ብዘድንቕ ውሕልነት ኣብ ዝተዋደደት ጸጋዊት ምድሪ ስለዘቐመጠና፣ ላዛ ህይወት ኣስተማቒርና ክንሓልፋ፡ ዘጸግም ኣይኮነን፡፡

እቲ ምንታይ፡ መሬት፡ ኣይኮነንዶ መማዕደዊ ዓይኒ፡ መጸናጸኒ እዝኒ፡ ዓታሪ ኢድን መናዒ ቅልጽምን፡ መንቀሳቐሲ ብርክን ኣድማዒ ጉልበትን ዝተዓደለና ንሕና ደቂ ሰብ፣ ብጠጠዎም፡ ኣብ ስድሪ መሬት ዝነብሩ ኣትክልቲ'ውን እንተኾነ፡ በቲ ንሓሰኻን ባልዕን እናተኸላኸሉ፡ በቲ ድማ፡ ንቡር ህይወቶም እናቐጸሉ፡ ሰራውሮም ሰዲዶም፡ ኣቑጽልቶም ዘርጊሖም፡ ብቀሊሉ ሽሻዮም ዝረኽቡላ፡ ሃያብ ኣደ ኢያ፡፡

ንሕና ደቂ ሰብ'ሞ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ዓይነ ብርኪ፡ ብተፈጥሮ ምሳና ዝውለድ፡ ብሓልዮት ኣቦን ኣደን ምሳና ዝዓቢ ሓሳቢ ቀልቢ፣ ምስ ዕድመ ዝስስን፡ ካብ ጌጋ ዝመሃር፡ ብተመኩሮ ዝሰሓል መስተውዓሊ ልቢ፣ ዕድል እንተረኺቡ ድማ፡ ተበላሒቱ ተኣምር ዝሰርሕ ተመራማሪ ኣእምሮን ኣሎና፡፡ ብጻዕርና፡ ብርሃጽና፡ ሽሻይ መሬትናን ሃብቲ ባሕርናን እናተቛደስና፡ ጸጊብና ክንነብር፣ ካብ ምብላዕን ምስታይን ሓሊፍና ድማ፣ ብተበላሕትነትና፡ ሃሪ ለቢስና ክንከይድ'ውን፡ ምሉእ ኣካላዊ ብቕዓትን፡ ኣኺሉ ዝተርፍ ስፍሓትን ጸጋታትን መሬትን ኣለና፡፡ 

ከቢድ ስለዘይኮነ ድማ፡ ብዘይካ እዛ ብስስዐ ገንዘብን ህርፋን ስልጣንን ሕልንኦም ዝዓወረ ምስሉያት ደቃ፡ ምትንፋስ ዝኸልኡዋ ኣፍሪቃና፣ ብዘይካዛ መዋእሎም ብጓኖት ዘመሳምሱ ዕሩባት ንያት ዝመርሑዋ መስኪን ኣፍሪቃና፣ ብዘይካዛ ውግእን ወረ ውግእን ዝበረኸቶም ግናያት መራሕታ፡ ናብ ዓውደ ኩናት ቀይሮም፡ ኣደራሽ ስቅያት ዝገበሩዋ ኣፍሪቃና፣ ብዘይካዛ ኣርሒቑ ዝጥምት ኣእምሮ፡ ኣርሒቁ ዘቋምት ቀልቢ ዘይተዓደሎም ድዉያት ደቃ ዘመሓድሩዋ ኣፍሪቃና፣ ብዘይካዛ  ሕሩር ልቢ ኣዴታትን፡ ንብዓት ዕሸላትን ዘየደንግጾም፡ ኣስማቶም ክትጽውዖ ስግድግድ ዘብሉ ጨካናት ደቃ፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተቐሚጦም ከርሳን ጨጎራኣን ዝብትብትዋ ዘለዉ ኣፍሪቃናን፣ ብዘይካ ሓደ ክልተ፡ ዓለም ገዲፋቶም ዝኸደት ተረፍ መረፍ ኮሚንዝም ዘመሓድሩወን ውሑዳት ካልኦት ሃገራትን፡ ሰለስተ ርብዒ ህዝቢ ዓለምናሲ፡ ብዝብላዕን ብዝስተን፡ ከይተሰከፉ፡ ከብዶም መሊኡ፡ ዝባኖም ማሙቑ፡ መዕረፊ ጎድኖም ኣጣጢሑ፡ መቐረት ምንባር የስተማቕሩ ኣሎዉ፡፡  
 
ዝብላዕን ዝልበስን እንተደኣ ተረኺቡ ድማ፡  ዝተመራመረ ሓንጎል ደቂ ሰብ፡ ንጠፈርን ሰማይን፡ ጥጡሕ ጎደና፣ ንወርሕን ከዋኽብትን ቀረባ ገደና ከም ዝገብሮ፡ ምዕባለ ዘበንና ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ፡፡

እዚ ዕድል'ዚ ንክርከብ፡ ማለት ብዝብላዕ፤ ብዝስተን ብዝልበስን ነብስኻ ክኢልካ፣ ብጥበብካን ብተበላሓትነትካን፡ ጎደና ምዕባሌ ሒዝካ ንቕድሚት ክትውንጨፍ ግን፡ ቅድም ቀዳድም ክማልኡ ዝግብኦም መሰረታውያን ረቛሒታት ኣለዉ፡፡

1. ቅሱን ሃዋህው፡- ቅሱን ሃዋህው ማለት፡ ብዘይ ራዕዲ እትነብረሉ፣ ብዘይ ምሽቑራር እትቕመጠሉ፣ ክሳድካ ኣቕኒዕካ እትመላለሰሉ፣ ኣፍ ልብኻ ነፊሕካ ዊንታ ልብኻ እትገብረሉ ዓዲ ኣማን ኢዩ፡፡  እቶ ውጻእ ዘይብሉ፡ ብሰላም ሓዲርካ፡ ብሰላም እትውዕለሉ፣ ብሰላም ወፊርካ፡ ብሰላም ናብ ቤትካ እትምለሰሉ ሃገረ ደሓን ኢዩ፡፡ ውሕስነት ህይወትካን ህይወት ስድራ ቤትካን ዝተረጋገጸሉ፣ ኣብ ዝኸድካ ኬድካ ዘይትዕንቀፈሉ፡ እሾኽ ምድሪ ቤት ዘይብሉ፡ ሓንጎል ደቂ ሰብ፡ ብዛዕባ ራህዋ ክሓልም፡ ብዛዕባ ምዕባሌ ክሕልን ሓዲሩ፡ ኣማራጺታቱ ገምጊሙ፡ በቲ የርብሓኒ ዝበሎ ኣገባብ፡ ዝወጠኖ ክትግብር ዝውዕለሉ፡ ሃገረ ፍትሒ ኢዩ፡፡

ርግጽ ኢዩ፡ ገዛእን ተገዛእን ኣብ ዘይነበሩሉ ምዕሩይ እዋን ዘበን እኒ እኒ፡ ህይወት ደቂ ሰብ፡ ብውልቅኻ ዝውነን፣ሓርነት ድማ ምሳኻ ዝውለድ፡ ዘይገሃስ ህያብ ፈጣሪ ኢዩ ኔሩ፡፡ ብተፈጥሮ ድማ፡ ንዘልኣለም ከምኡ ክከውን፡ ከይተደፍረ፡ ከይተጋህሰ ክንበር ኢዩ ተዋዲዱ፡፡

ሃገርን መንግስትን ዝብሃሉ ነገራት ኣብ ዓለም ካብ ዝተቐልቀሉሉ እዋን ኣትሒዙ ግን፡ ወዮ ዕድሎት ፈጣሪ ፡ መንግስትኻ ጥዑይ እንተኾይኑ፡ እዚ ብሰብ ክገሃስ ዘይግቦኦ ህያብ ፈጣሪ’ዚ ብቀሊል ተረኺቡ ይስተማቐር፣ መንግስትኻ ሕሙም እንተኾይኑ ግን፡ ከም ማይ ቡምባ ከይፈነዉልካ ዘይርከብ፣ ከም ማና ሰማይ፡ ብዊንታ ሰበስልጣን ዝምጦ ህያብ ኮይኑ፡፡ ስለዚ’ዩ ከኣ
ቅሱን ህይወት ክትነብር ምእንቲ ከም ካልኣይ ረቓሒ፡ ጥዑይ መንግስቲ ክህሉወካ ዘድሊ፡፡

2፡ ጥዑይ መንግስቲ፡- ጥዑይ መንግስቲ ማለት ድማ፡ ህዝቢ ባዕሉ ንባህሉን ልምዱን ክብርታቱን ኣብ ግምት ዘእተወ ህዝቢ ብዘጽደቖ ቅዋም: ተማእዚዙ ዝኸይድ መንግስቲ ማለት ኢዩ፡፡ ከም መቐጸልታ ድማ፡ መንግስቲ ማለት፡ ስሙ ወላ እንተዓበየ፡ በቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውሑዳት ሰባት ዝውከል  ትካል ስለዝኾነ፡ ጥዑይ መንግስቲ ማለት፡ ልቦና ዝተዓደሎም፡ ሰብ ቅዱስ ሕልና ኣመሓደርቲ ማለት ኢዩ፡፡ መስተውዓልትን በላሕትን ሓለፍቲ መንግስቲ ማለት ኢዩ፡፡ ብዝያዳ ድማ፡ መስተውዓልትን በላሕትን ዝፈቱ፡ መላኻዕትን መቀባበልቲ ዘረባን ዝጸልእ፡ ሰብ ልቦና ዝመሓዙቱ፡ ኣርሒቑ ዝጥምት፡ ብጽኑዕን ብሱልን ኣፈታትሓ ግርጭት ሰላም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዘስፍን፡ ብውሕሉል ዲፕሎማስያዊ ክእለት፡ ሰላም ምስ ጎሮቤት ዘንግስ መራሕ መንግስቲ ማለት ኢዩ፡፡ 

እዚ ረቛሒታት'ዚ እንተተማሊኡ፡ ኣብታ ሃገር ጥጡሕ ናይ ስራሕ ባይታ ኣሎ ማለትዩ ፡  ክበጽሖ ኢየ ዝበልካዮ ኩሉ፡ ክብጻሕ ጸገም የልቦን፡፡ እቲ ምንታይ፡ ፍትሒ ኣብ ዘለዎ ሃገር፡ ሓልዮት ህዝቢ ኣብ ዘለዎ መንግስቲ፡ ስርዓተ-ምሕደራ ኣብ ዘለዎ ዓዲ፡ ደቂ ሰብ ንነብሶም ንክጥዕሞም፡ ንህይወቶም ከመቅሩ ክብሉ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕርን ምርምርን፡ ንብድሆታት ህይወትን ግድላት መነባብሮን፡ ከም ዓውዲ ከቢቦም፡ በብወገኖም፡ በብኩርናዖም፡ በብክእለቶም፡ በብዓቕሞም  ስለዝገጥሙዎ፡ ኩሉ መዳያት ቁጠባን መነባብሮን ጎድኒ ንጎድኒ እንዳመረሸ ክምዕብል፡ ግድን ኢዩ፡፡ እቲ ሕብረተሰብ ብምሉኡ ድማ፡ ብሓባር እንዳሰጎመ፡ ብፍልጠት፡ ብሳይንስን፡ ብቴክኖሎጅን ተሓጊዙ ከም ዝስልጥን ይኸውን፡ እዚ ሓቂ’ዚ ምዕባሌ ዘበንና ዘረጋገጾ ጭብጢ’ዩ፡፡

እዞም ረቛሒታት እዚኣቶም እንተዘይተማሊኦም ግን፡ ዓመጽ፡ ከም ኳዂቶ ኣብ ልዕሊ መሬት የሳፍሕ፡፡ ብዝኸድካዮ መርገጽ እግሪ ትስእን፡፡ ህይወት ትርጉማ ትቕይር፡፡ ከይሞትካ ምሕዳር ከም ጸጋ ይቑጸር፡፡ ከይተኣሰርካ፡ ከይተገፋዕካ፡ ከይተሳቐኻ ምውዓል፡ ተመስገን የብል፡፡

ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋህዉ ክነብሩ ዝተቐሰቡ ደቂ ሰብ፡ እታ እንኮ ህይወቶም ከይትግፋዕ፡ ከይትጠፍእ ክዕቅቡ ክብሉ፡ ባህርያዊ ድፍኢት ስለዘለዎም፡ ኣእምሮኦም፡ ኣብ ክንዲ ናብ ምህዞን ምርምርን፡ ናብ ነብሰ ምክልኻል ከተኩር ይግደድ፡፡

ግዜ እናነውሐ ምስ ከደን ህይወት ስግድግድ ክሳብ ትብሎም ዓርዒራ ምስ መረረትን፣ ምንባር ኣብ ክንዲ ሓጎስ፡ ከም ከቢድ መርገም፡ ዘይከኣል ጾር ምስ ኮነ፣ እቲ ተፈጥሮ ዝዓደሎም ብናጻ ናይ ምንባር መሰሎም፡ ብዊንታ ሓይሊ ዝደለቡ ሰባት ጥራይ ዝምጦ ፍሉይ ጸጋ ምስ ኮነ፣ ህይወቶምን ህይወት ፍቑራቶምን፡ ብኢደ ሰብ ክቕዘፍ፡ ክብረቶም ብሓይሊ ሰብ ክርገጽ ምስ ተዓዘቡ ግን፡- ምስ ነብሶም ይዛረቡ’ሞ ገለ መለክዒታት ይምህዙ፡፡

(1) ብዘይ ኣዛዚ ብዘይ ጓዕጻጺ ምንባር፡ ተፈጥሮ ዝዓደሎም መሰል ከም ዝኾነ ብምግንዛብ፡
(2) ብዘይ ፍታዎም ዝእዝዞም ሰብ፡ ነዚ ብተፈጥሮ ዝተዓደሉዎ መሰል ዝጻረር ከም ዝኾነን፣ ብናጻ ናይ ምንባር መሰል፡ ማንም ክግህሶ፡ ማንም ክትንክዮ ዘይግባእ ዝኸበረ ሃብቶም ከም ዝኾነ ኣረጋጊጾም ብምፍላጥ፣
(3) መሰልካ ምስ ተጋህሰ፡ ሰብኣዊ ክብረትካ ምስ ተቐንጠጠ፡ ክትንድርን ክትሓርቕን ባህርያዊ፣ ብልኡምነት ክትቅበሎ ግን፡ ስንፍና ከም ዝኾነ ብምእማን፣
(4) መሰልካ ብምግሃስ ሰብኣዊ ክብረትካ ንዝቐንጠጠካ ሰብ፡ ብዝጠዓመካ ኣገባብ ክትኣልዮ ኣድላዪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ፍትሓዊ ከም ዝኾነ ብዘየማትእ ብምርግጋጽ፡ ካብ ነብሰ ምክልኻል ሓሊፎም፡ ንህይወቶም ዘተዓራሪ ንጡፍ ስጉምቲ፡ ክብረቶም ዝመልስ፡ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ ተባዕ ተበግሶ ክወስዱ፡ ሰብኣዊ መፈጠሮም ይግድዶም፡፡

ከም ኤርትራዊ መጠን ኣብ ጉዳይና ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣተክዊረ ዘዳሎኹዎ ጽሑፍ ድማ እንሆ፡፡ 

ንሕና ኤርትራውያን ከም ኣካልን ኣምሳልን ናይዛ ዓለም እዚኣን ደቂ ሰብ ከም ምዃንና መጠን ድማ፡ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህይወት ኤርትራውያን ተቆጻጸርቲ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ፡ “ቀተሉና፡ ኣሰሩና፡ ገፍዑና፡ ደቅና፡ ነብስና!” ክንብል፡ ኣብ መኣድና ማእኮት - ኣብ ዓድና መስተርሆት ምስ ሰኣንና፣ ህይወት ምስ መረረና፡ መዋእልና ብስክፍታ ኣብ ክንዲ ንብላዕ፡ ብሻቅሎት ኣብ ክንዲ ንማስን፡ ክብረት ዘይብሉ ህይወት ኣብ ክንዲ ንነብር፣ ከምቲ ናይ ኣቦታትና፡ መነባበሪ ሕግታትና ባዕልና ሓንጺጽና፡ ከም ባህልና፡ ርትዒ ዝፈትዉ፡ ቅኑዕ ዝፈርዱ፣  ከም ያታና፡ ጻዕራም ዝፈትዉ፡ ስራሕ ዘፍቅሩ፣ ከም ውርሻና፡ ህዝቦም ዝሕብሕቡ ቅኑዓትን መስተውዓልትን በላሕትን ደቅና ኣለሊና፡ ብዝሓንጸጽናዮ ቅዋም መሰረት ንከመሓድሩና ሓላፍነት ሂብና ምንብባር ኣማራጺ ዘይብሉ ግድነት ከም ዝኾነን፣ንጨቆንትና፡ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ምስጓጎም፡ ፍትሓዊ ከም ዝኾነ ብምእማን፡ ሰብኣዊ ክብረትና ብሓይልና ክንመልሶ፡ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚርና፡፡

ናጻን ሓራን ኮይንና ክንነብር ዝነበረና ልዑል ሃረርታ ፍትሕን ቅሳነትን ብዘበገሶ ቅዱስ ህልኽ፡ ን30 ዓመታት፡ ዘይጽወር ተሰኪምና፡ ናይ መከራ ውሕጅ ሰጊርና፡ ዝያዳ ኩሉ ድማ፡ ህይወት ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ንእስነቶም ዘይጸገቡ ለይለይ መንእሰያት ደቅናን ኣሕዋትናን ንመስዋእቲ ብምውፋይ፡ ጥራይ ዘይኮነ፣ እቶም ንሳቶም ክፈርዩዎም ዝነበሮም ወለዶታት’ውን ብዓቢኡ ከሲርና፣ ነቶም ሩፍታ ህይወት ዝኸልኡና ባዕዳውያን ጨቆንትና ስዒርና ልኡላዊትን ነጻን ሃገር ተረኪብና፡፡

እዚ ግን እቲ ቀዳማይ ምዕራፍን መርገጽ እግሪ ወይ ጥጡሕ ባይታ ንሓርነትናን እምበር መወዳእታ ናይቲ ጉዕዞ ኣይነበረን።

ዕላማ ብረታዊ ተጋድሎና ኣስማቱ ከም ዝሕብሮ ተጋድሎ’ዶ ህዝባዊ ግንባርዶ ዝብል መፍለዪ ቃል ዋላ ይተሓወሶ’ምበር ሕመረት ኣስማተንስ “ሓርነት ኤርትራ’ዩ” ነይሩ። ዕላማናን ባህግናን ውን እንኮን ዘይቅየርን ሓርነት’ዩ ነይሩ። እዚ ማለት ድማ ስክፍታ ዘይብሉ ናጻን ሓራን ህይወት ንምስትምቓር እምበር ከምቲ ናይ ዘበን ገዛእቲ ስርዓታት “ክኣስሩና፡ ክቀትሉና ወይ ውን መሬትና ክራስይዎን ዘይብቑዓት ሰባት ከመሓድሩና” ማለትና ኣይነበረን። እታ ብቐደማ ንጹር ዶባት እትውንን ካብ ግዜ ጥልያን ክሳብ ደርጊ ካብ ኣቦታትና ዝተረከብናያ ኤርትራ ንሳ’ያ። ነበርታ ኩሉ ግዜ ንሕና ኢና፡ እክዋ ደኣ ኮር ተገምጠል ኮይኑ ድሕሪ ናጽነት ጎላጉል ባድመን ባዳን ጾረናን ዝተሸርመማ ጎደሎን ንደቃ ረመጽን ሃልሃልታን ዝኾነት ዝደኸሙላ ሞስኦም ዘይረኽቡላ ኤርትራ ኢና ንነብራ ዘሎና።

እዚ ኩሉ ከርተትን ሕሰምን ንሓርነት፡ ንራህዋ ፡ ንቕሳነት፡ ንሓጎስ  ካብ ኮነ ድኣሞ ኣብ መወዳእትኡ’ኸ፡ ፍረ-ጻማና ሓፊስናዶ ዝብል ረዚን ሕቶ ክለዓልን ክምለስን ዘሎዎ ይመስለኒ?
 
ከም ንቡር፡ ናጻን ሓራን፡ ንተመሳሳሊ ኩነተ ህይወት ዝውክሉ ተበራረይቲ ቃላት ኢዮም፡፡ ብሕጽር ዝበለ ድማ፡ ጨቋኒ ወይ ዓማጺ ዘይብሉ ህይወት፡ ማለት ኢዩ፡፡ ብዘበናዊ ፖለቲካዊ ትርጉሙ ግን፡ ናጻ ምዃን ማለት፡ ካብ መግዛእቲ ጓና ምግልጋል ማለት ኢዩ፡፡ ሓራ ምዃን ድማ፡ ጓና ድዩ ሓውካ ብዘየገድስ፡ ዝኾነ ይኹን ጨቋኒ ዘይብልካ፡ ህይወትካ ባዕልኻ ወኒንካ ምንባር ማለት ኢዩ፡፡ ዕላማ ብረታዊ ተጋድሎና ድማ፡ ንሱ ኢዩ፡፡ 

እሞ ኸ፡ ድሕሪ ተጋድሎ፡ ባህግና ሰመረ’ዶ?

ኣይሰመረን ብሓቂ ኣይሰመረን፡፡

መንግስቲ፡ ልክዕ ከም መንበሪ ኣደራሽ’ዩ ዝምሰል፡፡ መንበሪ ኣደራሽ፡ ሰራሒኡ ባዕልኻ ኩን ወይ ቁጹር መሃንዲስ ብዘየገድስ፡ ክንደይ ኣስታንሳ፡ በየን መደቀሲ፡ በየንከ ክሽነ፡ በየን እንዳ ቆልዑ በየን እንዳ መርዑ ኣዋዲድካ፣ ንፋስ በየን ይኣቱ፡ ብርሃን በየን ይኣቱ ኣጽኒዕካ፡ እኹል ምቅርራብ ምስ ገበርካ፣ ኣብ ድልዱል ባይታ ሰሪትካ፡ እኹል ጸዋሪ ዓንድታት ተኺልካ፡ ኣብ ሞንጎ ከይጉብጥ ከይዘጥጥ ብጥንቃቐ እናተኸታተልካ ክስራሕ ከም ዝግባእ፣ መንግስቲ ድማ፡ ጽኑዕ ቅርጺ፡ ድልዱል መሰረት፡ እኹል ጸዋሪ ዓንዲ ከም ዘለዎ ኣረጋጊጽካ ክህነጽ ዝግብኦ ትካል ኢዩ፡፡

እንተኾነ ግና፡ ኣደራሽና፡ ብዙሓት መስተውዓልትን በላሕትን ኤርትራውያን፡ “ኣመሰራርታኡ ኣይጠዓየን!” እናበሉ፡ ኣብ ሑጻ ዝተሰረተ ብምንባሩ፣ ድሕሪ ምስራት'ውን፡ ብዙሓት መስተውዓልትን ለባማትን፡ “ዓንዲ ጎዲሉዎ ኣሎ! በዚ ተጠውዩ ኣሎ!” እናበሉ፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ጉድለታቱ ዝተሃንጸ ሰንኮፍ ብምንባሩ፡ ወዮ በዕጽምቲ ጀጋኑ ነዲቕና፡ ብደም ሰማእታት ዝለሰንናዮ ብልጭልጭ ዝብል ሓድሽ ኣደራሽና፡ እትው ከይበልናዮ፡ ኣይዓመት ኣይዕለት፡ ኣንጠጥዩ፡፡ ሽዑ'ውን፡ እቶም ዘይሕለሎም ለባማት፡ “ሕጂ'ውን ዓንዲ ንትከለሉ! ሕጂ'ውን ነደልድሎ! በዚ ንፋስ ክኣትዎ ኢዩ፡ መዕበሲ ንግበረሉ!” እናበሉ፡ ባህጊ ሕሱም ንልቦናና ስለዝደፈኖ፡ ብሓጎስ ሰኺርና፡ በጥ ኢልና ደቂስና ንምኽሮም እዝኒ ኣይሃብናዮን።

ኣይደንጎየን ድማ፡ ኣደራሽና፡ ከም ወዮ ለባማት ዝበሉዎ፡ ራዕ ኢሉ ወዲቑ፡፡ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ባዕሉ ዝሰርሖ ኣደራሽ ተደፊኑ፡ ኣውያቱ ሰሚዑ ዝረድኦ ዘይብሉ፡ ቀለብ ዕለት ውን ጨኒቑዎ ትንፋሱ ብጎነጽ ክሳብ ትሓልፍ፡ መዋጽኦ ስኢኑ የዕለብጥ ኣሎ፡፡    


ብመንጽር እዚ ኣድማሳዊ ሓቂ'ዚ፡ ንህይወትና ምስ እንግምግሞ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ኣበየናይ ጉጅለ ንርከብ?

ላዛ ህይወት ምስትምቓር ማለት፡ ብዝብላዕ ብዝስተ፡ ብዝልበስ ክዳን፡ ብዝርገጽ ሳእኒ፡ ኣጉዶ ድዩ ህድሞ ድዩ መረባዕ ድዩ ብዘየገድስ፡ ብመንበሪ ገዛ ከይተሰከፍካ፡ ተሓጒስካ ምንባር ማለት ኢዩ፡፡ 

ዝብላዕ ዝስተ፡ ካብዛ ሓላል ምድሪ ብርሃጽካ ዝርከብ ፍረ መሬት ኢዩ፡፡ መዕቆብን መጽለልን፡ ክዳንን ሳእንን ድማ፡ ካብ ጸጋታት መሬት፡ ብጥበብ ደቂ ሰብ ብቐሊሉ ዝርከብ ነገራት ኢዩ፡፡


ምብላዕ ምስታይ፡ ኣብ ማሙቕ ምድቃስ፡ ጽቡቕ ምኽዳን ግን፣ ብህይወት ንኽትነብር ዘድልየካ፡ ከይትመውት ክትረኽቦ ዘለካ መሰረታዊ ነገር ዋላ እንተኾነ፡ ትርጉም ምንባር፡ ንሱ ኣይኮነን፡፡

ክንመውት ኣይንደልን፡፡ ስለምንታይ?

ከይንመውት እንደልየሉ ዝዓበየ ምኽንያት፡ ክንበልዕ ክንክደን ስለእንብህግ ድዩ፣ ወይሲ፡ ካብ እንፈትዎም ከይንፈላለ?

ኣደ ምስ ሓመመት፡ ኣቦ ምስ ቃዘነ፡ ዓቕልና ይጸበና፡፡ ቆልዓ ምስ ተወልደ፡ ካብ ሰማያት ኮኾብ ኣውሪድና ክንህቦ ንምነ፡፡

ኣዕሙቕ ኣቢልና እንተተመራሚርና፡ እዚ ኩሉ ናይ ህይወት ሃተምተም፡ ንክትበልዕ፡ ንክትለብስ ከም ዘይኮነ ንርዳእ፡፡ ክትበልዕ ክትሰቲ ካብ ዘይኮነ ድኣ፡ እቲ ብህይወት ንምንባር ዘብህገና ጉዳይ እንታይ ኢዩ?

ብህይወት ክንነብር ዘብህገና ምኽንያት፡  መበገሲ ናይ እዚ ኩሉ ኣብ ህይወትና ንገብሮ ላዕልን ታሕትን፡ ሃረርታ ሓጎስ ኢዩ፡፡  ሓጎስ፡ ናይ ምንባር ሻቅሎት ምስ ደቀሰ፡ ልዕሊ እንጀራ ዝብሃግ ዊንታ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንክንሰርሕ ንያት ዝህበና፡ ንድኻምና ጸይርና ጻዕርና ክንቅጽል ጽንዓት ዝህበና ሓያል ባህጊ ኢዩ፡፡

ማይ ዝሰኣነ ተኽሊ ቀልጢፉ ከም ዝሓርር፡ መግቢ ዝሰኣነ ሰብ፡ ከይደንጎየ ይማስን፡፡ ጸሓይ ዝሰኣነ ተኽሊ ቀልጢፉ ከም ዝምህምን ድማ፣ ሓጎስ ዝሰኣነ ሰብ፡ ኣይስራሕ ኣይድቃስ፡ ሰንፈላል ይኸውን፡፡ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ፡ ይርመስ ይምህምን፡፡ 

እቲ ሓጎስ ኣብ ህይወትና ልዑል ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ተፈጥሮ ድማ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓንቲ ኢድ፡ በብወገኑ ተደጋጊፉ ተሓጋጊዙ ኣጽኒዑ ዝዓትር፡ ብዘደንቕ ውሕልነት ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ኣጻብዕቲ ዝሃበና፣ ነቲ ኣብ ሃጓፋት ልብና ዝቕልቀል ሃረርታ ሓጎስ፡ በትን በዝን ጸሪሩ ብምልኣት ዘዕግበና ዝተፈላለየ ምንጪታት ፍቕሪ ዓዲሉና፡፡

ፍቕሪ ኣደ፡ መግለጺ ስለዘይርከቦ፡ “ኣብ ማሕጸን መሰረት ህይወት፣ ኣብ ዓለም ድማ፡  መኣዛ ነብስን ስጋን ኢዩ!” ኢልካ ምሕላፉ ይበልጽ፡፡ ኣደ እንተሓመመት ዓቕልና ዝጸበና ድማ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ፡፡ ፍቕሪ ኣደ እንተሎ፡ ትሕንቅቕ፣ እንተዘየሎ፡ ትዝኽትም፡፡ ፍቕሪ ኣቦ እንተሎ ትማሙቕ፣እንተዘየሎ ትቖርር፡፡ ፍቕሪ ሓው እንተሎ፡ ትሕበን፡፡ እንተዘየልቦ ትቓዝን፡፡  ፍቕሪ መሓዛ እንተሎ፡ ትስሕቕ ትዋዘ፡፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነት፡ ጭርጭርን ኣኹድርን ትጻወት፡ ትሕጎስ፡፡ ኣብ ግዜ ዕቤት ድማ፡ ትማኸር ትዛተ፡፡

እቲ ንኹሉ ኣብ ሓደ ዝጠምር፡ ካብ ኩሉ ጸብለል ዝብል ምንጪ ሓጎስ ግን፡ እቲ ተዋሲቡ ህይወት ዝፈጥር ምቅርራብ ኣዳምን ሄዋንን ኢዩ፡፡

ፍቕሪ ኣዳምን ሄዋንን፡ ንመንፈስ ስንቁ፡ ንልቢ ቀለቡ፡ ንሕልና ሓይሉ ኢዩ፡፡ ካብ ፍቕሮም ድማ፡ ሕነ ሞት ዝፈዲ፡ መተካእታኻ ዝኸውን፡ ውሉድ ይርከብ፡፡  ውሉድ ምስ ተረኽበ ድማ፡ ዘይወለደ ክግምቶ ዘይክእል፡ ወሰን ዘይብሉ ሓጎስ ተስተማቕር፡፡ 

ብሕጽር ዝበለ፡ መኽሰባ ንዓለም፡ ካብ ፍቕሪ ዝርከብ፡ ሓጎስ ኢዩ፡፡ ሓጎስ ድማ፡ ንቕሳነት ይወልዳ፡፡ ብዘይ ፍቕሪ፡ ሓጎስ፡ የለን፡፡ ብዘይ ሓጎስ፡ ቅሳነት የለን፡፡

ብህይወት ንምንባር ዘብህገና ቀንዲ ምኽንያት እዚ ኢዩ፡፡ መሰረታዊ ትርጉም ምንባር፡ እዚ ኢዩ፡፡ ሓጎስን ቅሳነትን ኢዩ፡፡ እዚ ኩሉ ናይ ህይወት ሃተምተም፡ ነዚ ኢዩ፡፡ ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ብጻዕሪ ህርኩታት፡ ብጥበብ በላሕቲ ኣእምሮ ዝተሰርሐ፡ በብዓይነቱ ነገራውን መንፈሳውን ሰብ ሰርሖ ምህዞታት ድማ፡ ነዚ ሓጎስ'ዚ ንምዝያድ ዘገልግል፡ መሳርሒ ኢዩ፡፡

ደቂ ሰብ ንኽግልገሉሉ ዝተማህዘ መሳርሒ ድማ፡ ፈለማ፡ ባዕልኻ ዝስራሕ እንተኾይኑ፡ ጉልበት ከይሓለፎ፡ ርሃጽ ከይፈሰሶ፣ዝዕደግ እንተኾይኑ ድማ፡ ሃብቲ ከይፈሰሶ፡ ከይተዓደገ፡ ብልጫታቱ ብጽጹይ ክፍለጥ ይግባእ፡፡

ክትግልገለሉ ምስ ጀመርካ ድማ፡ “ንዝበለጸ ናብራ፡ ንዝመቀረ ህይወት ዶ የገልግል ኣሎ? ወይስ፡ ንህይወት ደቂ ሰብ ይጻባእ ኣሎ?” ንምፍላጥ፣ ብንጹርን ቀሊልን መለክዒታት፡ መኽሰቡን ክሳርኡን ክግምገም፣ ጠቕሙን ማህሰይቱን ከንጸር፡ ቅኑዕን ኣድላይን ኢዩ፡፡

ካብዞም ንህወት ደቂ ሰብ ከመቅሩ ዝተማህዙ ብዙሓት መሳርሒታት ሓደ፡ መበገሲ ናይዚ ጽሑፍናን ቀንዲ ቁም ነገር መልእኽትናን ዝኾነ፡ መንግስቲ ኢዩ፡፡

ንሕና ኤርትራውያን፡ ብቐንዱ፡ ከም ደቂ ሰብ መጠን፡ ሓጎስ ዘለዎ ህይወት ክንነብር፡  ዕድሎት ፈጣሪና ኢዩ፡፡ ከም ኤርትራውያን መጠን ብፍሉይነት ድማ፣ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ፣ባዕልና ብግርህነትና ዝተቐቢልናዮ ንብረትና ኢዩ፡፡ 

መኣድና ማእኮት የብሉ፡ ዓድና መስተርሆት የብሉ፡ “ቀተሉና፡ ኣሰሩና፡ ገፍዑና፡ ደቅና፡ ነብስና!” እናበልና፡ ኣብ ትሕቲ ነጋውስኩም ኢና ኢሎም ዝመጹና ጓኖት፡ ብስክፍታን ሻቅሎትን ኣብ ክንዲ ንነብር፣ ከም ባህልና፡ ርትዒ ዝፈትዉ፡ ቅኑዕ ዝፈርዱ፣ከም ያታና፡ ጻዕራም ዝፈትዉ፡ ስራሕ ዘፍቅሩ፣ ከም ውርሻና፡ ህዝቦም ዝሕብሕቡ ቅኑዓትን መስተውዓልትን በላሕትን ደቅና ኣለሊና፡ ኣብ ውራይና ተዓጠቕቲ፡ ኣብ ዳስና ሳዕሳዕቲ፡ ኣብ ሓዘንና መላቐስቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ለባማት መሚና፡ “ይርሓሱና” ዝብል ቆጽሊ ኣውዲቕና፡ ብነብስና ክንመሓደር ዝነበረና ልዑል ሃረርታ ፍትሕን ሓርነትን ቅሳነትን ብዘበገሶ ቅዱስ ህልኽ፡ ዘይጽወር ተሰኪምና፡ ኣብ ዝሰገርናዮ፡ ኣመና ብዙሕ ንብረትን፡ ጉልበትን፡ ርሃጽን፡ ደምን ዝፈሰሶ ጽንኩር ናይ ሰላሳ ዓመታት ተጋድሎና፣ ህይወት ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ መንእሰያት ደቅናን ኣሕዋትናን ከፊልና ዝዓደግናዮ፡ ንብረትና ኢዩ፡፡ 

ንብረትና ስለዝኾነ ድማ፡ በብእዋኑ፡ “የርብሓና ዶ ኣሎ፡ ወይስ የኽስረና?” ክንፈልጥ ዝሕግዘና ገምጋም ክንገብር፡ ግድነት ኢዩ፡፡ ቃሕ ኣብ ዝበለና እዋን፡ “እዚ ንብረትናሲ፡ ይጠቕመና ዶ ኣሎ፡ ወይስ ይሃስየና? የገልግለና ዶ ኣሎ? ወይስ፡ ይግልገለልና ኣሎ?” ክንብል፡ ግቡእ ኢዩ፡፡
የርብሓና እንተሎ፡ ክጠቕመና ኢልና ክቡር ዋጋ ስለዝኸፈልናሉ፡ ግርም፡ ባህግና ሰመረ፡፡ የገልግለና እንተሎ፡ ትምኒትና ሰመረ፡፡ 

እንተኾነ ግና፡ መሳርሒ ዋላ’ውን ጽቡቕ ይጠቅም እንተሎ፡ ንዝበለጸ ረብሓ፡ ንዝያዳ መኽሰብ፡ ንዝበለጸ ህይወት፡ ምስ ግዜ ክጽገን ክመሓየሽ ስለዘለዎ፣ በብእዋኑ፡ “መንግስትና እንታይ ዝጽገን ኣለዎ? እንታይ ዝመሓየሽ ኣለዎ? እንታይ ጉድለት ኣለዎ?” ክንብል፡ ይግባእ፡፡

ኣብ ገምጋምና፡ ይሃስየና ከም ዘሎ፣ኣብ ክንዲ ዘገልግለና፡ ዝግልገለልና ከም ዘሎ እንተፈሊጥና ግን፡ ዋና ንብረት ብንብረቱ ክህሰ ስራሕ ዓያሹ ስለዝኾነ፣ መስሓቕ ሸራፋት ከይንኸውን፡ ብቐንዱ ግን፡ እዛ እንኮ ህይወትና ተጓዕጺጻ ግደ ሞት ከይኮነት፡ ናብ ንቡር ክትምለስ፡ ተቐላጢፍና፡ ማህሰይትና ከነጉድል ክንህቅን፡ ሰብኣዊ ባህሪና ይግድደና፡፡ ክጥዕመና ክንሕልን፡ ኤርትራዊ ኒሕና ይደፋፍኣና፡፡ ሓሪቕና ክንሕርን፡ ኣይግዛእን ክንብል፡ ነዚ መንግስቲ'ዚ ክንተክል ዝሰገርናዮ መከራን፡ ብህይወት ሰማእታት ዝኸፈልናዮ ክቡር ዋጋን ይግድደና፡፡

ካብዚ ሓፈሻዊ ሓቂ'ዚ ብምብጋስ፡ ነዚ ክጠቕመና ኢልና፡ ደም ሰማእታት ኣስቲና ዘጠጣዕናዮ ተኽልና፡ ነዚ ብዓጽሞም ኣብ ዝተሰርሐ ዙፋነ ዝደኮንናዮ ህንጻ ምምሕዳር፡ ካብ መፈለምታኡ ክሳብ ሎሚ፡ ክንግምግሞ፡ መኽሰቡን ክሳርኡን ከነነጽሮ፡ ቅኑዕን ግቡእን ኢዩ፡፡

ብመሰረቱ፡ መንግስቲ ማለት፡ ቅኑዕን ፍትሓውን መንግስትን እንተኾይኑ፡ ስሙ፡ ከም ስም ኣቦ፡ ከም ስም መልኣኽ፡ ዓቢይን ረዚንን ኢዩ፡፡ ዘይፍትሓዊ መንግስቲ እንተኾይኑ ድማ፡ ስሙ፡ ከም ስም ሽፍታ ከም ስም ሰይጣን፡ ዓቢይን ተፈራሕን ኢዩ፡፡  

ንስም መንግስቲ ዓቢ ዝገብሮ ረቛሒ፡ ንህዝቢ ስለዘመሓድር ኢዩ፡፡ ረዚን ወይ ተፈራሒ ዝገብሮ ድማ፡ ነቲ መንግስቲ ስልጣን ዝህቦ ሓይሊ ኢዩ፡፡

ሓርነት ዝተጎናጸፈ ህዝቢ ኣብ ዝነብረለን ሃገራት፡ ሓይሊ መንግስቲ፡ ብድሌት ህዝቢ፡ ብለባማትን መስተውዓልትን ዝረቐቐ፣ ብተሳትፎ ህዝቢ፡ ብዘተን ብርእይቶን ዝጸደቐ ቅዋም ኢዩ፡፡ ብድሌት ህዝቢ ዝጸደቐ ቅዋም ድማ፡ ነቲ መንግስቲ ድልዱል መሰረትን ገዚፍ ሓይልን ስለዝህቦ፡ ብርዱእን ቅቡልን ምኽንያታት፡ ስም መንግስቲ ዓቢይን ረዚንን ይኸውን፡፡ 

ኣብተን ህዝበን ብዊንታ ውሑዳት ሰበ ስልጣን ተማእዚዙ ዝነብረለን ሃገራት ግን፡ ሓይሊ መንግስቲ ጠበንጃ ኢዩ፡፡ ዝምዝዞም፡ ዝቕይዶም ቅዋም የብሎምን፡፡ ንሶም ዝደለዩዎ፡ ሕጊ ኢዩ፡፡ ዊን ዝበሎም፡ ቅዋም ኢዩ፡፡ ሕጊ የብሎምን፡፡ ሕጎም ጠበንጃ ኢዩ፡፡ ዳኛ የብሎምን፡፡ ደያኑ ባዕሎም ኢዮም፡፡ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዘይፍትሓውያን መንግስታት፡ ተፈራሕቲ ክኾኑ፡ ግድን ኢዩ፡፡

እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንቕመጥ፡ ንህይወት ህዝብና፣ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለና ድማ፡ ንህይወትና ንህይወት ደቅናን ስድራናን ምስ እንግምግሞ፡ እንታይ ንረክብ?

ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተጠቕሰ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ከም ብዙሓት ህዝብታት ዓለም፡ ንወለድና ኣብልዩ ናባና ዝሰገረ መንግስቲ የብልናን፡፡ ከም ህዝቢ ኣመሪካ፡ ወለድና ኣመሓይሾም ዘውረሱና መንግስቲ የብልናን፡፡ ከም ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ጓኖት ዝተኾቡልና ናጽነትን፡ ባዕዳውያን ዝተኸሉልና መንግስትን የብልናን፡፡

ናጽነትናን ሓርነትናን፡ እንተደሊና ከም ጋቢ ክንጉምጎሞ - ክንማሙቐሉ፡ እንተደሊና ከም ጋማ ክንዕመሞ - ክንውቅበሉ ኢልና፡ ክቡር ዋጋ ህይወት ዝኸፈልናሉ፡ ማንም ክትንክዮ፡ ማንም ክግህሶ ዘይግባእ፡ ዝለዓለ ሃብትና ኢዩ፡፡ ሓርነት ምንጪ ቅሳነትና፡ ቅሳነትና ትርጉም ምንባርና ኢዩ፡፡

እንተኾነ ግና፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንሰንለት ጭቆና ተሓይሩ፡ ዓጽመ ስጋኡ ብስእነት ማሲኑ፣ መንፈሱ ብራዕዲ ቆሪሩ፣ ብሰንኪ ከቢድ መስገደል ባርነት፡ ኣብ ሞንጎ ሞትን ስቓይን ተቐርቂሩ ይነብር ኣሎ፡፡ 

ኤርትራዊ፡ ደቁ ኣይውንንን ኢዩ፡፡ ዋንኦም ኣቶ ኢሳያስ ኢዩ፡፡ ህይወቱ፡ ኣይውንንን ኢዩ፡፡ ዋናታት ህይወት ሰብ፡ ህግደፍ ኢዮም፡፡ ሃይማኖቱ፡ መንነቱ ኣይውንን ኢዩ፡፡ ዋንኡ ኢሳያስ ኢዩ፡፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ኤርትራዊ፡ ኣቶ ኢሳይስን ውሑዳት መጋበርያታቱን፡ እንተደልዮም ሓሊኾም ከም ላም ዝሓልቡዎ፡ እንተደልዮም ቀይዶም ቃሕ ዝበሎም ዝልጥጡዎ ሕሱር ጥሪት መጽዓኛ ስለዝኾነ፡ ደቁን ነብሱን ተፈላልዩ፡ ብህይወቱ ኣይከበረ፡ ምስ ሞተ ኣይተቐብረ፡፡

ነዚ መንብሮ እዚ፡ ኣይኮነንዶ ናጽነት ክትብሎስ፡ ናብራ ከልቢ’ውን ክትብሎ ኣይከኣልን ኢዩ፡፡

ነዚ ህይወት'ዚ፡ ኣይኮነንዶ ሰላሳ ዓመታት ብጥርሑ ክትጋደለሉ፡ ናይ ሰላሳ ዓመታት ደሞዝ ከፊሎም፡ ኣብ ኣደራሽ ወርቂ “ንዓ ንበሮ” ክብሉኻ'ውን፡ ፈቲኻ ዘይንበር ገሃነም ኢዩ፡፡

ነዚ መንግስቲ'ዚ፡ ኣይኮነንዶ ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ መንእሰያት መስዋእቲ ከፊልካ ክትተኽሎ፡ ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ጀጋኑ ከፊልካ ክትነቕሎ ዝግባእ፡ ምህዞ ኣጋንንቲ ኢዩ፡፡

ኣብ መደምደምታ ናይዚ መእተዊና'ምብኣር፡ እዚ መዛረቢ ኣርእስትና ኮይኑ ዘሎ፡ ለባማትን መስተውዓልትን ዘይፈቱ፡ በላሕቲ ኣእምሮ ዘይፈቱ፡ ስሚ ፍልጠት፡ ስሚ ትምህርቲ፡ ስሚ መንእሰያት፡ ስሚ ሓዳር፡ ስሚ ህጻናት፡ ስሚ ወለዲ፡ ስሚ ኣረጋውያን፡ ስሚ ጸሎተኛታት፡ ስሚ እስላም፡ ስሚ ክርስትያን፡ ስሚ ደቂ ተባዕትዮ፡ ስሚ ደቀንስትዮ፡ ብሕጽር ዝበለ፡ እዚ ጠንቂ ውርደት፤ ስእነትን ስቅያትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፡ ብስንፍና መዳርግቲ ዘይብሉ፡ ኣብ ሞቕሎኡ ዝዓሰወ፡ ብማዕዶ ዝጨኑ ነቲሕ-ስርዓት ጎደሎ ቀልቦም፡ ብዝተፈላለየ ሸርሕታት ከጃጅወና’ኳ እንተፈተነ፡-
 
(1) ኣብ ኤርትራ፡ ካብቶም ርዒዶም ደኒኖም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ምስ ቅዱስ ህልኾም፡ ከም ድጉል ሓዊ ብውሽጢ ፈኸም ዝብሉ ዘለዉ ሰብ ንያት፡ ብሚእቲ ዕጽፊ ከም ዝበዝሑ፡ ምምርማር ዘየድልዮ ንጹር ሓቂ ከም ዝኾነ ብምእማን፣

(2) ናብ ዓወት ዘብጽሕ፡ ተር ዝበለ ንጹር መገዲ ሓርነት ኣብ ዝልለየሉ ህሞት፣ ኩሉ ኣብ ዓዲ ዘሎን፡ ኣብ ጎደና ስደት ዘሎን፡ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ናብራ ዝሰረተን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ጎድኒ ንጎድኒ ኮይኑ፡ ብየማንን ብጸጋምን ተጸናቢሩ፡ ኣንጻር ህግደፍ ክስለፍ ቅሩብ ከም ዝኾነ ብምርግጋጽ፣

(3) ኣብ ዝተፈላለያ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምንጪ ሓበሬታን፡ መጎሳጎስን፡ መዛተይን ኮይነን ዘገልግላ ዘለዋ፡ ብሓልዮት ፖለቲካዊ ውድባትን ማሕበራት ግብረሰናይን ዝምወላ መርበባት ኢንተርኔት፡ ብዝተፈላለዩ ደለይቲ ሰናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝመሓላለፍ ዘሎ፡ ክሳብ ሕጂ ክሰላሰል ንዝጸንሐ ዕማማት መጒሱ፡ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ጥበብ ክመሃዝ ዝምሕጸን ብዙሕ መልእኽትታት፣ ፖለቲካዊ ሻራናን፡ ውድብናን፡ ማሕበርናን ብዘየገድስ፡ ድሌት ኩላትና ኤርትራውያን ሓደ ከም ዝኾነ ብዘየማትእ ኣገባብ ብምንጻር፡ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ከይተደናጎየ ንኽመጽእ፡ ንኩላትና ኤርትራውያን ሓቚፉ፡ ብሓደ ስጉሚ ክንምርሽ ዘኽእለና ኣገባብ ቃልሲ ዝቕየሰሉ መድረኽ ከም ዝኣኸለ ዝእውጅ ነጋሪት ምዃኑ ብምስትብሃል፣

ግዜ ከይሓለፈ፡ ተወሳኺ ትንፋስ ከይሓለፈ፡ ንያት ከይሃፈፈ፡ መበገሲ ዝኸውን፡ ብርእይቶ ዝህብትም፡ ብመኣረምታ ዝቕየር፡ ብዘተን ምይይጥን ዝጻፈፍ እማመ ምቕራብ፡ መድረኹ ዝሓለወ ቅኑዕ ስጉምቲ ኮይኑ ረኺብናዮ፡፡

እማመና፡ ንዕላማ ብረታዊ ተጋድሎና ከም ዘይነቓነቕ መሰረት ብምግባር፣ ንሓርነት ዝኸፈልናዮ ክቡር ዋጋ ህይወት ብምዝካር፣ኣቦታትናን ኣዴታትናን ዘውረሱና ወረጃ ባህልናን፡ እንሕበነሉ ልምድናን ያታናን ኣዳቒቕና ብምፍላጥ፣ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዞም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክወራዘዩ ዘይሓፍሩ ምስሉያት ከይተወልዱ፡ ብህዝባዊ ቅዋም ዝምእዘዝ ስርዓተ ምምሕዳር ከም ዝነበሮን፡ ካብ ማንም ምህሮን ኣስተምህሮን ከምዘይጽበ፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ብምርግጋጽ፡-

(1) ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ኣነጺርና ብምፍላጥ፣
(2) ነቃውማ ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ብደቂቕ ብምጽናዕ፡
(3) ንሓይሉ ብምግምጋም፡ ምስ ድኽመት ህዝቢ ብምውድዳር
(4) ንድኽመታቱ ብምስትብሃል፡ ምስ ሓይሊ ህዝቢ ብምንጽጻር፡
(5) መድረኽ ዘቃልሖ ዘሎ ጻውዒት ኣሕዋትን ኣሓትን ብምግንዛብ፡

ብቅዱስ ባህጊ ዝተሓለነ ኢዩ፡፡


ስልትና ድማ፡
(1) ኣብ ልቢ ኤርትራውያን ዝግንፍል ዘሎ ሃረርታ ሓርነት ብምግንዛብ፡
(2) ሓቛፍን ኣሳታፍን ኣገባብ ቃልሲ እንተተቐይሱ፡ ኣብ ስደት ዘለና ኤርትራውያን፡ በብዓቕምና ተዘራሪና፡ ብንያት ዓርሞሸሽ፡ ብቁጠባዊ መለክዒ ዓርሞሸሽ ዝኾነ ሓይሊ ክንፈጥር ዓቕሚ ከም ዘለና፡ ኣነጺርና ብምፍላጥ፣
(3)  ብውሕሉል ኣገባብ ዝተቐየሰ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ኣሰሊፉ ብስኒት ዘመረሽ ሰላማዊ ቃልሲ ከም ዝተሓንጸጸ ኣብ ዘረጋገጸሉ እዋን ድማ፡  “ብግዳም ቁሪ፡ ብውሽጢ ረስኒ፡” ዘለዓዕል ምጥርናፍን ተበገሶን ብምውሳድ፡ ንስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይ ተኹሲ- ብዘይ ነውጺ፡ ሕማም ዓሶ ኣትሒዙ፡ ካብ ሱራ ነቓኒቑ መዓልታ ከሕጽሮ ከም ዝኽእል ብምርግጋጽ፡

(4) ኣብ ዓድን ኣብ ወጻእን ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣይኮነንዶ ነዛ ብዘይካ “ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ፡ ቀጥቅጥ ሸቃላይ፡ ኣጽንዕ ተመሃራይ” ዝብል ጥዕና ዘለዎ መንግስቲ፡ ዝጎደላ ዘይብላ፣ ልዑል ፍትወተ ስራሕን፡ ወሓለ ኢድን፡ እኹል መንቋሕቃሕታ ዘበናዊ ምዕባሌ ዓለምናን ዘለዎ፣ ብኣደቡን ብስነ ምግባሩን ዝልለ፣ ጉቦን ምጥፍፋእን ዝጸልእ፣ ዓመጽን በለጽን ዘይፈቱ፣ ኣስላማይን ክስታናይን፡ ተጸዋዊሩ፡ ተፋቒሩ ብስኒትን ብሓድነትን ዝነብር ወረጃ ህዝቢ ስለዘለዋ፡ ብቀሊሉ ክትምዕብል እትኽእል ንእሽቶ ኤርትራ ሃገርና፣ ንምልእቲ ኣፍሪቃ፡ ካብ ሕማማ ፈዊሶም ጎደና ምዕባሌ ከትሕዙዋ ዝኽእሉ፡ ምስትውዓልን ትሕትናን ዝተዓደሎም በላሕቲ ኣእምሮ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘለዉና ብምግንዛብ፣ 

(5) ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ስርሓትን ኢንዱስትሪታትን ዓለም ተዋፊሮም ካብ ዘለዉ ኣሕዋትና፡ ብዙሓት ብስርሖም ኣብነት ዝኾኑ፡ ንመንገድና ክቕይሱ፡ ብብቕዓት ከመሓድሩና ዝኽእሉ ሊቃውንቲ ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ብምርግጋጽ፣

(6) ኣብ ሞንጎና ኣብ ሞንጎ'ዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንነብር ዘለና ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ብስራሕ ዝላደዩ፡ ንሰብ ብኣብነቶም ናብ ጽቡቅ ዝመርሑ ኣቦታት፣ ኣብ ልዕሊ ብልሐን፡ ሰብ ዘፍቅራ፡ ካብ መርገጺአንን እምነተንን ፈልከት ዘይብላ ቅኑዓት ኣዴታት፣ እንጀራ ብስራሕ'ምበር ብዓዘፍዘፍ መልሓስ ዓሻ ከምዘይርከብ ዝፈልጡ ሰብ ተመኩሮ ወለድን፡ ንግፍዒ ክምብርከኹ ዘይብርሆም ኣሽሓት ሰብ ንያት መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ከምዘለዉ ብምግንዛብ፡

ነዚ ክሳብ ሕጂ ብውድባትን፡ ብማሕበራትን ብውልቅን ክሰላሰል ዝጸንሐ፡ ናብዚ ዘሎናዮ ኣተሓሳስባ ኤርትራውያን ኣዝዩ ጽቡቅ ኣንፈት ኣብ ዝሓዘሉ መድረኽ ዘብጽሐ ዝነኣድ ተበግሶታት እናሞገስና፣ ህዝቢ ኤርትራ እፎይ ዝብለሉ መዓልቲ ፍትሕን ርትዕን ንምምጻእ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ከይተደናጎየ ናብ ዓወት ንክበጽሕ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ሓቚፉ፡ ብሓደ ከሰጉሞ ዝኽእል ሓድሽ ቅዲ ቃልሲ ዝውደበሉ፡ ሓድሽ ኣገባብ ዝሕንጸጸሉ እዋን ከም ዝኣኸለ ንኣምን፡፡

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...