“ኣዳም እብ በላ በለው መይት ህላ”
ኣብቲ እዋን እቲ ተ.ሓ.ኤ. “ኣንጻርና እዩ”፣ “ሓስዩ” “ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ነጊሩ” እናበሉ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ብሕጊ ዘይኮነስ ብናይ ውድብ “ፍርዲ” ዝገበርዎ ናይ ቅትለት ስጉምቲታት ኔሩ እዩ። እዚ ታሪኽ እዩ።
ጽንሕ ኢሉ ድማ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብኸምዚ “ተባሂሉ” “ኢሉ” “ሓስዩ” ብምባል ክንደይ ሰብ እዩ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ተቐንጺሉ? ኣስቴር በዓልቲ ዋና ናይ ዕምባባ ገዛ ጥቓ ሲኒማ ኣስመራ ከም ኣብነት። መን እዩ ንውድብ ፈራዳይ ዝገበሮ? ካልኦትከ ጌና ኣበይ ከምዝኣተዉ ዘይፍለጡ ብህ.ግ.ሓ.ኤ. ጠፊኦም እንድዮም። ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ብ1980 ኣቢሉ ካብ ኤርትራ ስለዝወጸት ታሪኻ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት ኣብቂዑ እዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ግን ካብ 1970 ክሳብ ሎሚ ጌና ዘይብቀዐን ዝቕጽልን ዘሎ ናይ “ዒም ዝበለ” ምፍርራሕን ነቲ ሕብረተ ሰብ ኣብ ጥርጠራን ዘይምትእምማንን ኣብጺሖሞ እዮም።
ብ2002፣ ሓደ ከም “ዘገንፎ” ዝዓይነቱ ሰብ “ኣድጊ ብምንታይ ትጠፍእ? ብመንደፍ፣ ሕዝቢ ኤርትራኸ ብምንታይ ይጠፍእ? ብህ.ግ.ደ.ፍ.፣” ይብል ኔሩ። ነዚ ሰሚዖም ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣሲሮም ምስኣውጽእዎ፤ “ኣድጊ ብምንታይ ትጠፍእ? ብመንደፍ፤ ሕዝቢ ኤርትራኸ ብምንታይ ይጠፍእ? ብሃተፍተፍ” በለ ይበሃል።
ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ደቅ ሰብ ኣለዎም ዝበሃል መሰላት እምበኣር ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል እዩ። እዚ መሰል እዚ ብባህርይን ብፍጥረትን ዝተለገሰሎም ኮይኑ ግን ኣብ ዓለማዊ ኣገባብ ኣብ ብዙሕ ቅዋማት ጸዲቑ ይርከብ። ኩሉ ሰብ ገበን ፈጺሙ ተባሂሉ ክሳብ ብኣገባብ ተጻርዩ ዝፍረድ ከም ንጹሕ እዩ ዝቑጸር ዝብል ኣብ ኩለን ምዕራብውያን ሃገራት ዘሎ ኣገባብ እዩ። ሓደ ሕብረተ ሰብ ኣብ ናይ ኣኽብሮት ውልቀ ሰብን ናይ ደቅ ሰብ ክብሪ ድማ ኩሉ ዜጋ ንኣስተግባረ ሕጊ ክሳተፍን ክዕንግልን ክዕቕብን ተኽእሎ ክህልዎ እዩ ዝሓይሽ። መዘከርታ ንጋዜጠኛታትን ነጻ ማዕከን ተኸላኸልትን።