ኣብ ኤርትራ፡ ሓለፋ መከራን ስቓይን ዝረክብ ብዙሕ ኣሎ። ሓለፋ ጠቕሚ ዝረክብ ህዝቢ ግን የለን። ምኽንያቱ እዚ ስርዓት እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ብጠቕላላ የሳቕዮን የጥፍኦን ኣሎ እምበር ንዋላ ሓደ'ኳ ኣይጠቐመን። ስለምንታይ ደኣ ኢዮም ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ንሓደ ዘይጠቓሚኦም ብሓደ ዓይኒ ከምጸላኢኦም ዘይርእይዎ፧ ኣብ ክንዲ ነቲ ስርዓት ዘትርሩስ ኩሎም ሓደ ኮይኖም ምስ'ቶም ብዝከኣሎም ነቲ ስርዓት ክልውጡ ሒዂ ዝብሉ ዘለው ዘይደናገጹ እሞ ፍታሕ ተረኺቡ ሃገር ካብ ጥፍኣት፡ ህዝቢ ከኣ ካብ ሽግር ዘየድሕኑ፧ ንዝጎድኣካን ንህዝብኻ ንዝጎድእን ክትድግፍ ግርንቢጥ'ዶ ኣይኮነን!ንሕና ኤርትራውያን ኣቦታትና ብሕጊ እናተመርሑ ብልቦናን ብምስትውዓልን ከካይዱና ንመዋእል ነይሮም ኢዮም። ስለ'ዚ ሕጊ ሎሚ እንመሃሮ ሓዲሽ ነገር ወይ ተርእዮ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ከኣ ዓለም ብሕጊ ኢያ ትምራሕ ዘላ። ንሕና ድማ ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ኢና። ሕጊ ይብጻሓና ኢዩ። ብሕጊ ድማ ኩሉ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

 

ወዮ ደኣ ቃልሲ ኤርትራ ተገላቢጡን እቲ ቃልሲ ኣብ ምጀማሩ ካብ ገለ ዓበይትን ምሁራትን ዝስማዕ ዝነበረ ጽቡቕን ዘዋጽእን ገዲፉ ሓደ ንህዝቢ ዘየርብሕን ግርምቢጥ ዝኾነን መገዲ ሒዙ እምበር፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምሁራት እሞ ንዘድሊ ፍታሕ ብቐረባ ኣብ ዓለም ኣቕሪቦም፣ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዲዩ ንበይንና ክንነብር ንደሊ ዝመረጽናዮ ክሳብ ንውስን ብሕቡራት መንግስታት ተፈቒዱልና ዝነበረ ፈደራላዊ ውዑል ተበጊሶም ጉዳይና ኣብ ዓለም ቀሪቡ ክስማዕ ከምዘለዎ ክግበር ዝደልዩን ክገብርዎ ዝኽእሉን እኮ ኔሮምና ኢዮም። ግን ስማዒ ኣይረኸቡን።

ብዙሓት ካባኻትኩም ሰሚዕኩምዎ ከምትፈልጡ ፍሉጥ ኢዩ። ከም በዓል ኣቶ ወልድኣብ ወልደ- ማርያምን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን እኮ እዚ ዝመስል ወርቃዊ ሓሳባት ዝውንኑን፡ እቲ ዘዋጽእ ከምኡ ምግባር ምዃኑ ደጋጊሞም የተምብሁን ከምዝነበሩ ብዙሓት ዝፈልጥዎ ኢዩ። አረ ክገርመኩም ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ፣ ብፋሺስቲ ጥልያን ዝተደፍረትሉ እዋን ብሕጊ ንመንግስታት ዓለም ይጥራዕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኤርትራውያን ኢዮም ንንጉስ ኣብ ምሕጋዝ ተራ ዝተጻወቱ፣ ኣፍልጦ ኤርትራውያን ንጠቕምና ኮይኑ ኣይፈልጥን እምበር፣ እንታይ ዘይንሰርሕ፧ ሕጂ’ውን እንተኾነ ፈላጣት ዘይብልና መዓስ ኰይንና፡ ግን ከመይ ጌርና ሓድነትና ሓሊናን ተዋሃሂድናን ኩሉ ፍልጠትና ምስ ኩሉ ዘለና ዓቕሚ ኣብ ጠቕምና ብምውዓል ምስ ዓለምና ንስራዕ ኢዩ እቲ ክኽውን ዘለዎ እዋናዊ ሕቶ።

እቶም ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርዝትራ ካልእ ዕላማ ዝነበሮም፣ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ኣሕዋትና ግን ነቲ ብረታዊ ሓይሊ ብላዕለዋይ ኢድ ስለዝሓዝዎን፣ ንልቢ ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ካብ ዘለካ ሓይሊ ተሲእካ ጥራይ ኢያ ነጻነት ትረጋገጽ ብምባል ከገርህዎ ስለዝኸኣሉን ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘይወጽእ ዝመስል ኩነታት ከምንሽመም ኰይንና።

ግን እቲ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ኣቶ ውልዳኣብ ወልደማርያምን፡ "ህዝብና ውሑድ ህዝቢ ኢዩ እሞ ፊት ንፊት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥሚያ ኣእቲኻ ከተራጽሞ ኣይጽቡቕን ኢዩ፡ እንታይ ዳኣስ ማዕረ ማዕረ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ጽቡቕ፣ ወይ ኣድማዒ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ እናካየድና ዓለም ከም ዝሕግዘና ክንገብር ኣለና" ዝብልዎ ዝነበሩ፡ እሞ ህዝቢ ቅኑዕነቱን፣ ፍሉዩነቱ ካብቲ ብብረታዊ ቃልሲ ናይ ክስዕብ ዝኽእል ዕንወትን ጥፍኣትን ኣለልዩ ካብቲ ዝተገብረ ኣሰቃቕን ነዊሕን ኩናት ኣብርእሲ ዘይምድሓኑ ኣብ'ዚ ዘለናዮ ባርነት ዘእተወናን ነዚ ንርእዮ ዘለና ኣሰቃቒ ኩነታት ዝወለደን ኣተሓሳስባ ብምኽታል፣ እቶም ብረታዊ ሓይሊ ዝወነኑ ንቓልሲ መኣዝኑ ከም ዝስሕት ገይሮም፡ ኣብዚ ኩሉ ኣውዲቖምና።

ሕጂ እውን እንተኾነ ገና ሓርነታዊ ቃልስና እቲ ዘድሊ መኣዝን ወይ ኣንፈት ኣይሓዘን ዘሎ። እንተኾነ ሕጂ ከምቲ ኣቐዲሞም ኣቶ ወልድኣብን፣ ኣቶ ሳልሕ ሳበን ዝበልዎ ናብ መሰረት ናይቲ ነገር ተመሊስና ብመገዲ ሕጊ ንጉዳይና ኣብ ንቡር ክንመልሶ ዘድሊ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ስለ እዚ ምሁራት፡ ብመገዲ ሕጊ ንሃገር ኣብ ምድሓን ተራ ክጻወቱ ከምዝኽእሉ ናይ ግዲ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ግን ምሁራት ኣድላይነቶም ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብሩህ እኳ እንተኾነ ኣብ ኩነታትና ንምዕራዩ ክትደኽመሉ ዘድሊ ዓቢ ጸገም ኣሎ።

እዚ ስርዓት እዚ ካብ ዝፍጠር ጸረ ምሁራት ኢዩ። ንምሁራት ቀቲሉዎም ኢዩ፡ ንኩላቶም ወዲኡዎም ኢዩ። እንተደኣ ንሓደ ምሁር ብሂወት ገዲፉዎ፡ ድሂሉ ከም ምሁር ከምዘይሓስብ ገይሩ ኣደንዚዙ ኢደቤዛ ክጥቀመሉ ከም ሓደ ኣጋሰስ ኣብ ደምበ ዓጽዩ ዘቐመጦ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።

ነዚ ሰብ እዚ ከም ሓደ ተላኣኣኺ ዝጥቀመሉ ኢዩ። ካብ ምስ ኢሳያስ ዘሎ ምሁር ገለ ክንጽበ እንተኾይኑ፡ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ሰብ ካብ ዘለዎ ራዕዲ ነጻ ምስ እነውጾ ጥራይ ኢዩ። ቅድሚኡ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለን ኣብ ኤርትራ ዘሎ እኮ ምሁር ይኹን ዘይምሁር ኩሉ እሱር ኢዩ።

እዚ ስርዓት እዚ ንምሁራት እናጥፍአ እንከሎ’ውን ካልእ ዝተጠቕሞ ሜላ ኣሎ። "ተበለጽቲ ምሁራት ኣይጠቕሙን ኢዮም፡ ንህዝቢ ኣይሓስቡን ኢዮም፡ ንጠቕሞም ጥራይ ኢዮም ዝሓስቡ" እናበለ’ውን ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ከምዘይረኽቡ እናገበረ ምሁር ዝብሃል ኣብ ኤርትራ ብሕልፊ ኣብቶም ነቲ ስርዓት ዘምልኹ ከም ካልኣይ ዜጋ ከም ዝቚጸር ኮይኑ ኢዩ። እዚ ብሱሩ ኣረሜንነትን ዝገርምን ኢዩ። ምሁር ዘየድሊ እንተኾይኑ ንምንታይ ኣብ ሓደ ሃገር ንትምህርቲ ዝለዓለ ባጀት ይውጽእ፧ ኣብ ኤርትራ ግን ዩኒቨርሲቲ ይዕጾ! እዚ ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘሎ ኢዩ።

ስለ’ዚ፡ እዚ ስርዓት እዚ እቲ ንምሁራት ምጥፋእ፣ ኮነ ኢሉ ንኤርትራ ዋናን ዝሓስብን ኣካል ዘይብላ ኮይና ምስ ተረፈት፡ ከም ድላዩ ንኽገብራ ዘካይዶ ዝነበረ ስርሒት ምዃኑ፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ዳርጋ ንኹሉ እቲ ልክዕ ዝሓስብ ህዝቢ በሪሁሉ ኢዩ። ንሱ ከኣ ከምቲ ዝመደቦ ኮይኑሉ ንህዝብና ከም ናይ መጓሰ ጥሪቱ፡ ንሃገር ከኣ ከም ናይ ብሕቱ ደንበ ጌሩ ወኒኑዎም ኣሎ።

ሕጂ ኤርትራውያን ኣየናይ ኣማራጺ ንውሰድ፧ እቲ እዋናዊ ሕቶ ኢዩ። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ እቲ ብማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ዝተረኽበ ሃገራዊ ነጻነት ድሕሪ ምርግጋጽ ወሪዱና ዘሎ ዕንወትን ኣሰቃቒ ኩነታትን ከይኣክል! ኣብ ሓድሕድና ዘይንሰማማዕን፣ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ተቐባልነት ዘይብለናን ህዝቢ ከምንኽውን ኰይንና ኣለና። እዚ ብኸቢድ ክሕሰቦ ዝግባእ ክውንነት’ዩ።

ስለ’ዚ እቲ ውጽኢት ብረታዊ ቃልስና እንተደኣ ተረዲእናዮን ብግቡእ ገምጊምናዮን ናብ'ቲ በዓል ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ኣቶ ወልድኣብን ዝብልዎ ዝነበሩ ክንምለስ ዘድሊ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ሎሚ ውሑዳት ሓሳባትና በቲኖም ከም ዘይንሳማምዕ ብምግባር ኢዮም፡ከምቲ "ገረብ ብሓኽላ" ዝብሃል ነንሕድሕድና እናታሃራረሙ ዝገዝኡና ዘለው። ሓያል ገዛኢ የብልናን። ግን በዚ ዘሎ ሕሱም ስርዓት ስለ እተበታተናን ኩሉ ስለእተበተነናን፣ ኩሉ ዘይከኣል ኮይኑ፡ ይራኣየና ኣሎ። ስለ’ዚ ስምምዕና ወሳኒ ምዃኑ ክንርዳእ ኣለና።

ብሓጺሩ፡ ውህደት ናይ ኩሎም ሃገራውያን ደቂ ኤርትራ የድሊ ኣሎ። ነቲ ዘሎ ሕማማት ኣለሊኻ መንገዲኻ ምንጻር የድሊ ኣሎ። ኤርትራውያን ምሁራት ካብ ኩሉ ብሄራትን ኣውራጃታትን ተወላዶ ዝኾኑ፡ ዝጥርነፉሉ መንገዲ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ የድሊ ኣሎ። እኩብ ተጣባቒ ሓይሊ ክቐውም ከምዘለዎ ምግባር የድሊ ኣሎ። ከምኡ’ውን ንዝዕንቅፉን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንዝዘርጉን ምልላይ የድሊ ኣሎ። ብተወሳኺን ኣውራን ንጉዳይ ኤርትራውያን ወኪሉ ዝንቀሳቐስ ሽማግለ ከነቕውም የድሊ ኣሎ። እዚ ንምግባር "ኣነ ኣበየነይቲ ውድብ፣ ወይ ኣበየነይቲ ተቓላሲት ኣካል ክኣቱ ኣለኒ፧" ዝብል ሕቶን ካልእን ምልዓል ኣየድልን። ኣብ ዘዘለኻዮ መምስ ዝመስሉኻ እናመኽርካ መዋጽኦ መንገዲ ምድህሳስ ኢዩ ዘድሊ ዘሎ። ሽዑ እቲ ሃገር ንምድሓን ኣብዘዘልዎ ዝተጠርነፈ ኣካል እናተዋሃሃደ፡ ነታ ኩሉ ክቕበላ ዝኽእል ሽማግለ ኣዋሃሂድካ ምሉእ ሓላፍነት ብምሃብ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኩሎም ናይ ዓለም መንግስታት ክትንቀሳቐስ ከምዘለዋ ምግባር ኢዩ፡ እቲ ሃገርን ህዝብን ከድሕን ዝኽእል ወሳኒ ተግባር።

ስለ’ዚ ክቡራት ኤርትራውያን እዚን ክንድዝን ካብ ኮነ እቲ ክንድሕነሉ እንኽእል መንገዲ፡ ንሓደን ሓደን ከይተጸበና ስራሕና ዘይንጅምር፧ ጊዜ እናነውሐ ህዝብና እውን ብኡ መጠን ጥፍኣቱን ወጽዕኡን እናዛየደ እኮ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ስለ’ዚ ጊዜ ከይወሰድና እቲ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን’ውን ኣብ ክዕረ ዘይክኣለሉ ደረጃ ከይደየበ፡ ካብ ሎሚ ጀሚርና ብኸመይ ከነዋሃህዶ ከም ዘለና ንዘቲን፡ ንምትግባሩ ኣብ ስራሕ ንእቶን። ሰናይ ቅነ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!

ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና!

በላይ መስፍን ካብ ጀርመን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...