ሓበሬታ፥ እዚ ጽሑፍ’ዚ ብ 29 ጥቅምቲ: 2006 ኣብ ዋሺንግቶን ዲ.ሲ. ኣብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተነበ ግን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢንተርነት ዘይወጸ ኾይኑ፣ ኣገዳስነት ትሕዝቶኡ እዋናዊ ብምዃኑ፣ ገለ ምምሕያሻት ብምግባር እንደገና ንህዝቢ ዝቐርብ ዘሎ ጽሑፍ ኢዩ። ፍረ ኪህሉዎ ኸኣ ተስፋ እገብር።

“ዘተ ሓቢርካ ናይ ምሕሳብ ጥበብ ኢዩ።” (William Isaacs, ON DIALOGUE)

“ ኣብ መንጎ ክልተ ሰብ ነገር: ሓደ ነቲ ኻልእ ብኽርክር ከእምኖ ዝረኣኹሉ እዋን ፍጹም የለን።” (ቶማስ ጀፈርሰን)

**************************************

{autoremote linkfromdisplay="false" shuffle="false" autostart="true" width="320" height="20"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-THEIMPORTANCEOFDIALOGUEINSOLVINGTHEDILEMMAOFNATIONALPR953.mp3{/autoremote}

ኣብዛ ዓለምና: ወናኒ ህይወትካን መሬትካን ኴንካ: ብመንፈስን: ብኣእምሮን ብኣካልን ዝተወሃሃደ: ኣብ ብርሃን! ምሉእ ሓርነት: ናይ ራህዋን፣ ሰላምን፣ ህይወት ምንባር፣ ሎሚ ኣዚዩ ውሑድ ኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ኸኣ ፈጺሙ ተባሕጒጉ ዘሎ እቲ ዝዓበየ ጸጋ! ደቂሰብ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ቅድስቲ ህይወት እዚኣ ብዕቱብ ደልዩዋ። ድሕሪ’ቲ መሪርን ነዊሕን ፋሺስታውን ዓሌታውን መግዛእቲ ጣልያን ኸኣ፣ ኣብ መንጽር ሃሳዪ ውሽጣዊ ጸገማት: ብሓድነት ልዕሊ 50 ዓመታት ናይ ምስትንፋስ ዕረፍቲ ዘይነበሮ መሪር ቃልሲ የሕሊፉን ዘይተኣደነ መስዋእቲ ከፊሉን ረኺቡዋ። እቲ ነዊሕን ተሪርን ዓቐበት ወዲኡ ሰጣሕ ጐልጐል ኪኾነሉ ዝተጸበዮ ግን: ብሰሪ ውሽጣዊ ፋሺስታዊ ጥልመት: እቲ ዝኸፍአ ጸድፊ ኮይኑ ረኺቡዎ። መደምደምታ ናይ ሓሳር መግዛእታዊ ህይወት: ኣብ ክንዲ ናይ ሓርነት ህይወት ዝኾነሉ፣ ብቑዕ መግለጺ ቃላት ዘይርከቦ ጸልማት ግርምቢጥ ኣጋጢሙዎ፣ ካብ ዝኾነ እዋን መግዛእቲ: ዝኸፍአ ስቓይን ሓሳርን፣ ውርደትን ሞትን የሕልፍ ኣሎ።

ሎሚ: ኤርትራ ብምልእታ ናብታ ኣቲኻ ዘይትወጸላ ናዅራዊት ዳስ ሓውያ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐዪራ፣ ህዝቢ ኤርትራ: ህይወቱን: መሬቱን: ጕልበቱን: ብሃፋ ጻማኡ ዘጥረዮ ንብረቱን፣ ንብረት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ሸፋቱ ጃንዳኡን ኮይኑ፣ ሰሪሑን ሓሪሱን ከይኣቱ፣ ውላዱ ልኢኹ ከየዕርፍ፣ ኣብ ብጽምዋ ዝተዋሕጠ ቤቱ: ብዓጸቦን ብስእነት ሕክምናን ይሳቕ ኣሎ። መንእሰያት ኤርትራ: ፍልጠት ከም ማይ እናጸምኦም: ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተዀሊፎም፣ ኣብ በረኻታት ብኣፈሙዝ ብረት እናተሓለዉ: ብወፍሪ ባርነት ተጸሚዶም ይነብሩ ኣለዉ። ካብዚ ሲኦል’ዚ ከምልጡ ዝፈተኑ መንእሰያት: ገሊኦም ብተመልከተለይ ድራር ጥይት ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ይጠፍኡ፣ ካብዚ ዘምለጡ: ግዳያት ምድረበዳዊ እሳት ኮይኖም ይዅለፉ፣ ገሊኦም ኣብ ቀይሕ ባሕርን መዲተራኒየንን ሰጢሞም ይጠፍኡ፣ ነዚ ዝሰገሩ ኸኣ: ካብተን ዝኣተዉወንን ሰብኣዊ መሰላት ክረኽቡለን ዝተተስፈዉለንን ሃገራት: ናብታ መሪሩዎም ዝሃደሙላ ሃገሮም በስገዳድ መሊሰንኦም ንሞትን ስቓይን ይፍረዱ፣ እቶም ካብዚ ኩሉ ዘምለጡ ከኣ: ብዘይካ’ቶም ኣብተን ሰብኣዊ መሰላት ዝኽብረለን ሃገራት ኪኣትዉ ዕድል ዝረኸቡ፣ እቶም መብዛሕትኦም ትስፉው ህይወት ኣብ ዘይርእዩሉ ፈቐዶ መደበር ስደተኛታት ይበልዩ፣ ዋላ’ውን እቶም ኣብ ኢጣልያ ዝኣተዉ: ንጸላኢኻ ዘይትምነዮ ህይወት ሓሳርን መከራን የሕልፉ ኣሎዉ። ክንደይ ኢዩ’ሞ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብዘይተራየ ህልቂት ሃለዋቱ ከይተፈለጠ ጠፊኡ ዘሎ መንእሰይ ሃገር? እዚ ኹሉ ኸኣ ሕድሪ ኣቦታቱን ኣያታቱን ተቐቢሉ: ብልዑል ትምህርቲ ተዀስኲሱ: ንሃገሩ ምስ ምዕቡላት ሃገራት ኪሰርዕ ዝኽእል ዝነበረ ላህመት ሃገር ኢዩ ኔሩ!

እቲ ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር: ንዘዀለሳኦ ኣጻብዕ ነኺሱ ዘድሚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ: ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎዎ ጽልኢ ዕምቈቱ ብመጽዓን ዝዕቀን ኣይኮነን። እትው ከይበለ: ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐረባብቱ ሃገራት ኣናቚቱ ኣብ ዘይሓዊ ጽልኢ ክሸምም፣ ንሱ ቀሪቡዎ ዘይፈልጥ ባርዕ: ረጊጹዎ ዘይፈልጥ ረመጽ ኲናት ወሊዑ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ብኣረሜናዊ ጭካኔኡ ከም ዚሃልቁ ብጽፈጾሞ ገበን፣ ወለዶምን ሃገርን ንዓኣቶምን ንሳቶም ኪፈርዩዎም ዝነበሮም ወለዶታትን ከም ዝስእኑ ብምግባር፣ ኣብ ምዕባለ ሃገር መምዘኒ ዘይብሉ ስምብራት ናይ ምጽልማት ጕድኣት ኣስዒቡ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራን ጐረባብቱን ግን ነባሪ ሰላም ድኣ’ምበር ነባሪ ጽልኢ ከም ዘይደልዩ ብግብራዊ ትዕግስቶም ኣረጋጊጾም ኢዮም። እዚ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ነቲ ገዲፉዎ ኪሓልፍ ዝሓልሞ ዘይሓዊ ስምብራት ጽልእን ኲናትን ዘበርዕነሉ ተርእዮ ስለ ዝኾነ፣ ካልእ መርዚ ክጥጅእ ግድን’ዩ። ኮይኑ ኸኣ: ንህዝቢ ኸበሳ ካብ ዓድታቱ በርቊቑ ናብ ባርካ በስገዳድ ናይ ምግዓዞም ተግባር ክፍጽም ይርከብ። እዚ ድርብ ብልሒ መላጸ ተንኰሉ ብሓደ ወገን ባህልን ኒሕን ህዝቢ ከብርስ: በቲ ሓደ ወገን ከኣ ኣብ መንጎ ደቂ ኸበሳን ደቂ ባርካን ዘይፍወስ ጽልእን ቅርሕንትን ንምትካል ኢዩ። እንተ ኾነ ግን: ነዚ’ውን ሓንቲ መዓልቲ ህዝቢ ኤርትራ ብልቦናዊ ማዕበል ሓድነት ከም ዝብድሆ ኣየጠራጥርን።

ፋሺስትነት ህግደፍ ናይ ስታሊን፣ ናይ ማኦን ሂትለርን ጭካኔ ኣብ ሓደ ገንኢ ጠጂኡ ንህዝቢ ይረግጽ ብምህላዉ፣ ካብ ጐረቤት ሓሊፉ: ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ከይተረፈ: ስኒትን ሓድሕዳዊ ምትእምማንን ጠፊኡ፣ ህዝቢ ሓሳብ ንሓሳብ ከይለዋወጥ ተዓቢሱ ይነብር ኣሎ። ሕፍ ሓሊፉ: እቲ ዝኸፍአ ግርምቢጥ ዘሎ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ እውን ከይተረፈ: ርእይቶኡ ብናጻ ክገልጸሉ ኣብ ዝኽእል ዝሓሸ ደሞክራሲያዊ ሃዋህው እናሃለወ፣ ብገዛእ ፍቓዱ ብፍርሃት ተቐዪዱ፣ ምልዛብን ምምይያጥን ተሪፉስ፣ ተጋቢኡ ብሰላም ኪከራኽርን ኪካታዕን ኣብ ዘይኽእለሉ ኩነታት ወዲቑ ምህላዉ ኢዩ።

ንዝኾነ ዓይነት ሽግር ካብ ሱሩ ንምምሓው፣ ሱር ናይ ጠንቁ ብግቡእ ምርዳእ ይሓትት። በዚ ኣትኵሮ ኪረአ ኸሎ: ናይ’ዚ ሎሚ ዓብሊሉ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ምጽልማትን ስቓይን ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ከም ዝጀመረ፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ብጭብጢ ግልጺ ኮይኑ ኣሎ። ሜዳ ኤርትራ ክልተ ተጻረርቲ ባህርያት ዝሓቘፈ ኢዩ ኔሩ ኪበሃል ይከኣል፥ እቲ ሓደ ባህሪኡ በቶም ናጽነት ሃገሮምን ሓርነት ህዝቦምን ምእንቲ ኸረጋግጹ ህይወቶም ብፍቕሪ ዘወፈዩ: ኣብ ክልቲኡ ግምባራት ብዝነበሩ ሓፋሽ ተጋደልቲ ኪግለጽ ከሎ፣ እቲ ኻልእ ባህሪ ኸኣ በቲ ህይወቱ ዝበቐቐ፣ ብዘይካ ስልጣን ካልእ ሕልምን ዕላማን ዘይነበሮ፣ ምእንቲ ሓርነት ህዝቢ ዘይኮነ: ምእንቲ ስልጣኑ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ኪኽፈል ዘይግድሶን፣ ስልጣን ካብ ኢዱ ከይትመልቆ ዝኾነ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ከይብል ዝወሰነ፣ ናይ ክልቲኡ ግምባራት ዝተበከለ መሪሕነት ምንባሩ ይፍለጥ።*

ናይዚ ዝለዓለ ኣብነት ዝኾነ: እዚ ሕጂ ብስም ህግደፍ ንሃገር ዘዕኑን: ንህዝቢ ዘሳቕን: ንመንእሰያት ዘጽንትን ዘሎ፣ ኣብ ግዜ ናጽነታዊ ቃልሲ ብመሪሕነት ህግሓኤ ዝፍለጥ፣ ስልጣኑ ከይትንከፍ ምእንቲ ንሓፋሽ ተጋዳላይ ናይ ርእይቶ መሰል ሓርነት ፍጹም ነፊጉ፣ ንዝበድሁዎ ተጋደልቲ ኸኣ ኣብቲ ብ“ ሓለዋ ሰውራ” ዝፍለጥ ብልክዕ ግን ሓለዋ ፋሺስታዊ ስልጣን ዝነበረ፣ ኣሽሓት ንጹሃት ሓርበኛታት ዳጕኑ ዘማሰነን ዘሕቀቐን፣ ካብ ንጕሆ ቃልሲ ጀሚሩ ደሞክራሲያዊ ህይወት ፍጹም ዝባሕጎጐ ጠም ሃገርን ህዝብን ጕጅለ፣ ሎሚ ንሓርነት ህዝቢ ፍጹም ብምጽልማት ዕርቃኑ ዝወጸ ፋሺስታዊ ስርዓት ምዃኑ፣ ሕልና ዘሎዎ ኤርትራዊ ዜጋ ክወላወለሉ ኣብ ዘይኽእል ደራጃ ይርከብ ኣሎ።

እንተ ኾነ ግን: እቲ ክሳብ ሎሚ ክንገጥሞን ብግልጺ ክንዛረበሉን ዘይደፈርና ዝዓመቘ ሓቂ እዚ ኣይኮነን። ማሃትማ ጋንድሂ ንናጽነት ህንዲ ይቃለስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: “ህዝቢ ዝበቕዖ መንግስቲ ኢዩ ዚረክብ” ኪብል ከም ዝተዛረበ ብታሪኽ ይፍለጥ። እዚ ዘነጽሮ ሓቂ ኸኣ: ህዝቢ ንሕማቕ ኩነታት ኣብ እዋኑ ብሓደ ድምጺ ምስ ዘይቃወምን: ልኡላውነት ስልጣኑ ብደሞክራሲያዊ መንገዲ ምስ ዘየረጋግጽን፣ መለኽቲ ዚዕንድሩሉ ጥጡሕ ባይታ ኪፍጠር ዝህሉ ተኽእሎ ገፊሕ ምዃኑ ኪሕብር ከሎ፣ ኤርትራ ኸኣ እዚ ተኽእሎ’ዚ ብግብሪ ዝተረጋገጸላ ተካል መሬት ኮይና ምህላዋ የነጽር። ኮይኑ ድማ: ኤርትራ ኢሳያስን ኰረኵሩን ኩሉ ሰብኣዊ መሰላት ገፊፎም: ናይ ዕንወትን ጥፍኣትን ተግባሮም ዝፍጽሙላ ዓባይ ናዅራ ክትከውን: ብእንታይ ገዲሱንን ብዕሙት ስምዒትን ዕድል ዝሃብና ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ምዃና፣ ሎሚ ብርእሰ ምትላል ኪኽወል ዘይኽእል መሪር ሓቂ ኾይኑ ኣሎ። ኣብ እዋን ናጽነት ኣብ ቅድሜና ዝተፈጸመ ውልቀ ምልካዊ ግፍዕታት፣ እቲ ናይ ኣእምሮ ስምብራቱ ዘይሓዊ ነቶም ምእንቲ ሓርነት ህዝቦምን ናጽነት ሃገሮምን ተበጂዮም ዝሰንከሉ ጀጋኑ: መሰሎም ስለ ዝሓተቱ ብጥይት ምስሃሎም ዝፈጸሞ ፋሺስትዊ ተግባር: ንህዝቢ ከነድር ዝግብኦ ዝነበረ ፋሺስታዊ ግፍዕን ገበንን፣ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓለም ከይሓፈረ እወ ኣነ ኢየ ጀሚረዮ ብምባል ዝተኣመነሉ: ክሳብ ከንቱ ኲናት ወሊዑ ንኣሽሓት መንእሰያት ዘጽነተ፣ ንልዕሊ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ዘዛናበለ፣ ንሃገር ብኣካልን ብመንፈስን ዘዕነወ፣ ገለ መስተውዓልቲ ለባማት ኣቦታት “ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየሕደረናን” እኳ እንተ በሉ፣ ዝተረፍና ህዝብስ ካብ ምጥቓዕን ናይ ጁባና ጓሕጒሕና ካብ ምሃቡን ሓሊፍና: ለባም ምስትውዓል ኣየዘውተርናን፤ ስለምንታይ ኢልና ኣይሓተትናን፤ ንጻማ መስዋእትና ዝድምስስ ሓሳብን ግብርን ኣይንቕበልን ኢልና ሓያል እምቢታ ኣየስማዕናን ወይ ኣየርኣናን። ቅዋም ተደርቢዩ ግዝኣተ ሕጊ እናፈረሰ፣ ፍትሒ እናተጋህሰ፣ ሰብኣዊ መሰላት እናተረግጸ፣ ህይወት ሰብ ሓሲሩ እናተኻላበተን ብኸንቱ እናጠፍአን ብስቕታ ምሕላፉ፣ ንጸልማት ምልካዊ መግዛእቲ ዝዕድም፣ ኒሕካ ናይ ምዕባር: ክብርኻ ናይ ምጥፋእ ዝሕብር ዓይነታዊ ሞራላውን: ስነ-ምግባራውን ባህላውን ብልሽውና ህዝቢ ምዃኑ ኪበርህ ይግባእ። ስለ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ: ከም ሳዕቤን ናይዚ እንታይ ገዲሱንን ዕሙት ስምዒትን ህዝቢ፣ ሃገር ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ ናይ ገምገም ፍጹም ጥፍኣት ፈተነ ጠልጠል ኢላ ትርከብ ዘላ። እዚ ኸኣ: ሓርነት  ካብ ኣብ ምምጻኣስ ምስ መጸት ኣብ ምሕላዋ ዝህሉ ሓላፍነት ኣዚዩ ከም ዝኸብድ ኢዩ ዘረድኣና። ብመጠን እቲ ንምምጻኣ ዝተኸፍለላ ዘይተኣደነ ዋጋ: ኣብ ምሕላዋ ዝለዓለ ትኩርነት ከነዘውትር ይግብኣና ኔሩ፣ ግን ኣይገበርናዮን። ረመጽ ረጊጽካ እናነደድካ: እሾኽ ዓጋም ተጸጊዕካ እናተሳቐኻ: ኣብ ብልሒ መላጸ ኮፍ ኢልካ እናደመኻ ትም ኢልካ ካብ ምንባር፣ ነቲ ጠንቂ ምእላይ እቲ ኪኸውን ዝግብኦ ቅኑዕ ኣማራጺ ኢዩ። እንተ ዘይኮነ ግን: ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ዓጽምናን ደምናን ሓመድናን ስምብራቱ እናዓመቘን እናሰፍሐን ዚኸይድ ኩሉ መዳያዊ ኲናት እናተኻየደልና ምስ ዘይንባራበር፣ ናይ ርእሰ ጥፍኣትና ፍርዲ ከም ዘሕለፍና ኢዩ ኪረአ ዝከኣል። እንታይ መጠን ጥፍኣት ምስ ወረደና ኢና ድኣ’ሞ ብምሉኣትና እንበራበር? ነዚ ባዕላትና ዝፈጠርናዮ ሕንቅል-ሕንቅሊተይከ መን ኪፈትሓልና ኢዩ ትጽቢትና?

ደቪድ ቦህም  ዝተባህለ ናይ ፊዝክስ ስነ-ፍልጠት ሊቅ: ኣብ “ብዛዕባ ዘተ(On Dialogue) ዚብል መጽሓፉ ብዛዕባ ርክብ (Communication) ኪገልጽ ከሎ: “ዛጊት ብዝተበጽሐ ናይ ተክኖሎጂ ምዕባለ ተዘርጊሑ ዘሎ መርበብ ርክብ: ካብ ሓደ ኵርናዕ ዓለም ናብቲ ካልእ ኲርናዕ ዓለም ብቕጽበት ርክብ ንምግባር ተኻኢሉ” ከም ዘሎ ይጠቅስ። እንተ ኾነ ግን: “ምስ’ዚ ኹሉ ተበጺሑ ዘሎ ንምሉእ ዓለም ብቕጽበት ናይ ምርኻብ ምዕቡል ተኽእሎታት: ርክብ ህዝቢ ዓለም ብዓይነቱ መዘና ብዘይብሉ ደረጃ ይበታተኽ ምህላዉ” ኸኣ ይሕብር። “ዝተፈላለየ ቁጠባውን ፓለቲካውን ስርዓታት ኣብ ዘሎወን ሃገራት ዝነብሩ ኣህዛብ ከይተበኣሱ ኪዘራረቡ ምኽኣል ስኢኖም ኣሎዉ” ኸኣ ይብለና። ኣብዚ እቲ ዘይገለጾ ዝኸፍአን ዝመረረን ሓቂ ግን፣ ኣብ ሳልሳይ ዓለም: ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ: ህዝቢ ፍልልዩ ብመንገዲ ስልጡን ልዝብ ምፍትሑ ተሳኢኑዎ፣ ምዝርራቡ ናብ ጐንጺ ቐዪሩ: ብበትርን ብብረትን ንሓድሕዱ ይፋለስ ምህላዉ ኢዩ። ከም ሳዕቤን ህውከትን: ንድየት ግዝኣተ-ሕግን ሓላፍነታዊ መንግስትን ኸኣ: ብሕማምን ብዓጸቦን ዝሳቐን ዝመውትን ዘሎ ሚልዮናት ህዝቢ ምጥቃስ ይከኣል። ኣርሒቕና ከይዳህሰስና: ኩነታት ኤርትራ ሃገርና እኹል ኣብነት ኢዩ።

ርክብ ሓባራዊ ምትግባር ከስምዕ ከሎ: ብዘይ ቅርሕንትን (prejudice/bias) ብዘይ ምጽልላው ሓድሕዳዊ ጸቕጥን: ንዝዝረብ ጽን ኢልካ ምስማዕ (listening) ይሓትት። ርክብ ብኸምዚ ምክብባር ዝዓሰሎ ኣገባብ ናይ ጽን ኢልካ ምስማዕን ብልዝብ ምዝታይን ምስ ዚካየድ ኢዩ ኸኣ እቲ ዝድለ ግብራዊ ውጽኢት ኪርከብ ዝከኣል። ኣብ መኣዲ ዘተ: እቲ ወሳኒ ረቓሒ ኣብ መትከል ረጊጽካ ብኣእምሮን ብልብን ምርኻብ ኢዩ። ኾይኑ ድማ: ኤርትራውያን ነዚ ወሳኒ ረቛሒ ናይ ኣእምሮን ልብን ምውህሃድ ካብ መንጎና ስለ ዘርሓቕናዮ፣ ብሓባር ዘቲና ንህዝብና ዝጠቅምን ንሕልናና ዘቕስንን ውጽኢት ምፍራይ ተሳኢኑና ኣሎ።

እቲ ናይ’ዚ ዓምዲ’ዚ ቀንዲ መዛረቢ፣ ድሕሪ ናጽነት: ፍጹም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንድየት ፍትሓዊ ግዝኣተ-ሕግን እቲ መሪር ዕጫ ህዝቢ ኤርትራ ኾይኑ ምህላዉ ኢዩ። እዚ መሪር ዕጫ’ዚ ብንቕሓትን ብምሉእ ሓድነትን ህዝቢ ይብዳህ እንተ ዝህሉ ኣይምሓሰመን። ከምቲ ዝሓለፈ መሪር ቃልሲ: እዚ’ውን ሓሊፉ መስተርሆ ናይ ምምጻእ ድሙቕ ተስፋ ምሃለወ። እንተ ኾነ ግን: ኣብ ፈቐዶ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ኣብቲ ደሞክራሲያዊ መሰላት ህያው ኣብ ዝኾነሉ ሃገራት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፣ እቲ ኣዚዩ ዝለዓለ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ መንጎ ህጣሙ ኣጥፊኡ ኣጽቂጡ ዝዕዘብን ወይ ምስቲ ፋሺስታዊ ስርዓት ህግደፍ “ሆ” ዝብልን ብምዃኑ፣ ንህላዌ ሃገርን ህዝብን ዝፈታተን ኩነታት: ኣርሒቕካ ከይተማዕዱ ዝጋርደካ ጽልሙት ደመና ብምዃኑ የሻቕለካ። እዚ ህዝቢ’ዚ ዶ’ምበር እቲ ንዓለም ብዘገረመ ጽንዓትን መስዋእትነትን ምስ ውሑድ ቍጽሩን ንዋታዊ ዓቕሙን ተቓሊሱ ዝተዓወተ ህዝቢ ኢዩ ኔሩ! ኢልካ ምስ ነፍስኻ ክትተሓታተት የገድደካ። ከመይ ኢሉ ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ሓደ ወለዶ ሓደ ህዝቢ ባህሉን: ንያቱን: ኒሑን ክሳብ ክንድ’ዚ ብግመ እንታይ ገዲሱንን ብስስዕቲ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመንን ተዓፊኑ ክሳብ ምርኣይ ምግጋይ ኮይኑ ምርካቡ ይድንጽወካ። ሃገር ኣብ ርእሲ’ቲ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጀመረ ባህሪያዊ ኣካባቢያዊ ምብራስ፣ ናይ መንእሰይ ሓደገኛ ምብሕጓጕ የጋጥማ: ስለዚ ኸኣ ሃገር ብኹሉ መዳያት ትባድም እናሃለወት፣ ካብ ከብዳ ዝወጸን ሓመዳ ልሒሱ ዝዓበየን ዜጋ ከመይ ኢሉ ክሳብ ክንድዚ ይጭክን የሰንብደካ። እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ተካል ካሕዳይት እዋን ሓድነቱ ዓቂቡ ክሰግራን፣ ናብቲ ንቡር ሰብኣዊ ህይወት ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን፣ ራህዋን ሰላምን ኪኣቱ እንተ ድኣ ኾይኑ፣ ግዜ ከይበልዐ ብዕቱብን ብሓባርን ነፍሰ ዳህሰሳን ንስሓን ኪገብር ምርጫ ዘይህብ ጉዳይ ምዃኑ ኪበርህ ይግባእ።

ጠንቂ ሽግር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓደ ጸላኢ፣ እንኮ ድልየት ህዝቢ ኸኣ ሓርነትን ፍትሕን ክነሱ፣ ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ መትከል ሓርነት: ሰብኣዊ መሰልን ፍትሕን ረጊጹ፣ ብእምነት ግዝኣተ-ሕጊ ተኣሲሩ፣ ብልዙብ መኣዲ ዘተ ንባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ህያው ንምግባር ክንዲ ዝጓየ፣ ኣብ ዓሰርተታት ውድባት ተጓዛዚዩ: ናይ ምምራሕ ዕድሉ ኣማሲኑ: ንተስፋ ህዝቢ ኣብ ጽልግልግ የእቲዩ ብምጐዓዝ፣ ጩራ ተስፋ ዘይረኣየሉ ካልኣይ ዓቢ ወጥሪ ኮይኑ ምጽንሑን ምህላዉን እውን ዘተሕሳስብ ኢዩ። ናይ ርእይቶ ፍልልያት ኪህሉ ባህሪያዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣብ መስርሕ ምዕባለ እውን ኣዚዩ ኣገዳሲ ተራ ኣሎዎ። ኣብ ሕቶ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን፣ ኣብ ጕዳይ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ግን ፍልልያት ኪህሉ ፍጹም ኣይግባእን። ህዝብኻ እናተሳቐየ ኣብ ጸብሪ ጸቢብ ፍልልያትን ስሱዕ ህርፋን ስልጣንን ተሸኺልካ ኰለል ምባል፣ ብሰሩ ኸኣ ስቓይ ህዝብኻ ምንዋሕን ዕንወት ሃገርካ ምፋሕን ሃየንታ ዝህልዎ ክቱር ነውሪ ኢዩ።

ካብዚ ዝገድድ ከኣ ህዝባኻ እናተሳቐየን ሃገርካ እናዓነወትን እናደሓረትን፣ መፍትሒ ኣብ ክንዲ ምንዳይ “ናጽነት ኤርትራ እቲ ዝተኸፍሎ ዋጋ ዝግብኦ ዲዩ ኔሩ?” ዝብል ሕቶ ኣልዒልካ መደምደምታኡ -ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኹሉ መስዋእቲ ምኽፋልስ ምስ ኢትዮጵያ ምጽናሕ ምሓሾ- ዝዓይነቱ: ኢሳያስን ቅንጅትን ዝሓልሙዎ እኩይ ሕልሚ፣ ንታሪኽ ዝኽሕድ መእሰሪ ዘይብሉ ናይ ጽሑፍ ኰለል ከተንብብ ከለኻ እውን ንሓዘንካ የራጕዶ። እዚ ልቦና ዝረሓቖ ሃተውተው መሰል ናይ ርእይቶ ሓርነት ምጕት ከም ዝጥቀም ኣየጠራጥርን። መግዛእታዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ: ብዓይኒ ፍትሒ ምስ ዚረአ ምስተን ከምኣ መግዛእትታት ጣልያን ዝነበራ ሃገራት ሊብያን ሶማልያን ብናጽነት ኪዛዘም ምተገብኤ ኔሩ። ግን ኣብ ዓለም “ሓይሊ ኢዩ ቅኑዕ” (Might Is Right) ዝብል ናይ ምስፍሕፋሕ ፍልስፍና ስለ ዝዕብልል: ኤርትራ ተዘሪያ። እዚ መባእታዊ ታሪኽ ኢዩ። ሃገር ፓኪስታን ብታሪኽ ኣካል ሃገር ህንድ ኢያ ኔራ፤ ህዝባ ተፈልዩ ናጻ ሃገር ከቕውም ስለ ዝመረጸ ግን: መሰሉ ኮይኑ ረኺቡዎ። ብሰንሰለታዊ መግዛእቲታት ዝሰምበረት ኤርትራ እምበኣር ዓጸፋኡ ናጻን ሓራን ክትከውን ግቡኣ ኢዩ። *

ኣብ ርእሲ’ቲ መዋጥራዊ ኩነታት ኤርትራን ህጣሞም ዝጠፍአ ምሁራታን፣ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ ምሁር፣ ንምዃኑ: እቲ ግቡእ ተራን ቅኑዕ እንታይነትን ምሁር እንታይ ኢዩ ዝብል ሕቶ ከም ውዑይ ሃፋ ኣብ ገጽካ ሃፈጽ የብለካ። እቲ ናይ ብሓቂ ምሁር ከመይ ዝበለ ኢዩ? ዕላማ ትምህርቲ’ኸ እንታይ ኢዩ? መቸም ኣብ ህይወት እቲ ዝለዓለ ብርሃን ካብ ተመክሮ ዝቕሰም ልቦና ምዃኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ነዚ ንምርግጋጽ ሃብታም ሓድጊ ኣቦታት ሕጊታት እንዳባ ምውካስ ኣኻሊ ኢዩ። ዕላማ ትምህርቲ እምበኣር ነዚ ናይ ልቦና ሰፊሕን ዓሚቝን ኣረኣእያ፣ ሞያዊ ክእለታት ወሲኹ ንህይወት ዝያዳ ተባሃጊት ንምግባራ ክሕግዝ ዝግባእ ኢዩ። እቲ ናይ ብሓቂ ምሁር ሰብ ከኣ: ነቲ ብልዑል ትምህርቲ ዝቐሰሞ ሞያ: ብፍርሃት ወይ ብግዜያዊ ጥቕሚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወ፣ ኣብ መትከል ሓርነት: ፍትሒ: ሰብኣዊ መሰል፣ ኣብ ምትሕልላይን: ምትሕግጋዝን: ስነ-ምግባርን፣ ጽኑዕ እምነት ዝህልዎን ኣብ ተግባራቱ ዝምርሓሉን ምስ ዚኸውን ኢዩ። ዕርቃን ልቦና ዘሎዎ ስሩዕ መደብ ትምህርቲ ግዳይ ጸቢብ ኣረኣእያ ብምዃን: ካብ ማሕበራዊ ጥቕሙ ጕድኣቱ ኪዛይድ ከም ዝኽእል ዝኣክል ናይ ታሪኽ ኣብነታት ኣሎ። ኣብዚ ቅኑዕ ትርጉም ስልጣኔ ምጥቃስ: ንዕላማ ትምህርቲ ምንጻር ዝሕግዝ እመስለኒ።

ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ካብ ዝጅምር ንነጀው፣ ንነገራዊ ህይወት ደቅሰብ ዘገልግሉ ኣዚዮም ብዙሓት ጠቐምቲ ምህዞታት ተገይሮም ኢዮም። ግን ኣብ ጐድኒ ጠቐምቲ ምህዞታት ከኣ ንጃምላዊ ህልቂት ዘቃላጥፉ፣ ካብ ንፍገትን ስስዕትን ዝብገስ ናይ ዓለም ባህሪያዊ ጸጋታት ንምቍጽጻር: ዝተራቐቑ ኣጽዋር ኲናት እናተማህዙ ሚልዮናት ኣህዛብ ጠፊኦም ኢዮም፤ እዚ ንሓቀኛ ትርጉም ስልጣኔ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ፍጻሜ ኸኣ ገና ይቕጽል ኣሎ። ርእሲ ኹሉ ቀንዲ ትርጉም ስልጣኔ ባህልኻን ቋንቋኻን ምኽባርን ምምዕባልን ኢዩ። ነዚ ከየማላእካ ብመንነተይ እዀርዕ ኢየ ምባል ኸኣ፣ ካባ ምስሉይነት ለቢስካ ብትዕቢት ኳዕነን ከም ምባል ኢዩ ዝኸውን። ስልጣኔ ኣሎ ኪበሃል ዝከኣል: ህይወት ምስ ናይ ሰላም ተክኖሎጂኣዊ ምዕባለ፣ ብትብዓት ሓቅነትን መንፈሳውነትን፣ ብጽኑዕ መትከላዊ እምነት ሓርነትን ማዕርነትን: ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን: ባህሊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ሃብታም ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ።

ኣማኢት ዓመታት ቅድሚ መግዝእቲ ጣልያን ምትእትታዉ፣ ኣቦታት ብጸጋ ልቦናዊ ኣረኣእያ ልኡላውነት ግዝኣተ-ሕጊ ተረዲኦም: ሕጊታት እንዳባ ብምድንጋግ፣ ብሕጊ እናተገዝኡ: ተወሃሂዶም ብማዕርነት ናይ ምንባር ስልጡን ባህሊ መስሪቶም ብሰላም ዝካየዱ ህዝቢ ኢዮም ኔሮም። እቲ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት ዝዕድሜኡ መሰረት ዶሞክራሲያዊ ስርዓት ዝኾነ ሕጊታት እንዳባ: ብሰሪ ሰንሰለታዊ መግዛእትታት ተዀሊፉ ብምጽንሑ፣ ኣብዚ ወለዶ’ዚ ብስርዓት ህግደፍ ከም ዘይነበረ ኾይኑ ኪዝረበሉ እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ማህሰይቲ ኪበሃል ይከኣል። ኣቦታት ኪግዝቱ ከለዉ ዝባን መንግስቲ ዘይኮነ ዝባን ሕጊ ኢሎም ኢዮም ዝዓግቱ ኔሮም። እዚ ዘረድኣና ኸኣ ህዝቢ ብማዕርነትን ብምክብባርን: ብስኒትን ብሰላምን ዘንብሮ ብግዝኣተ-ሕጊ ምስ ዚምራሕ ጥራይ ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ ኢዩ። ሎሚ ኣብ መበል 21-ዘመን: ድሕሪ’ቲ ኹሉ ዝተኸፍለ ከቢድ መስዋእቲ፣ ግዝኣተ-ሕጊ እቲ ዝዓበየ ድኽነት ኤርትራ ኾይኑ ምህላዉ ኢዩ። በዚ መርኣያ’ዚ: እቶም ብልቦና ተመሪሖም ምስ ግዜ ዘይሃስስ ደሞክራሲያዊ ሕግታት እንዳባ ዝሓደጉ ቀዳሞት ኣቦታትን ኣዴታትን: ካብዞም ሎሚ ብጸጋ ስሩዕ ትምህርቲ እንምካሕ፣ ግን ኣብ ሓደ መኣዲ ኮፍ ኢልና ጽን ኢልና ብምስማዕን ብምክብባርን: ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ክንላዘብ ዘይንኽእል ዘሎና ናይ ሎሚ ወለዶ ኣዚዮም ዝሰልጠኑ ከም ዝነበሩ ዘየካትዕ ሓቂ ኢዩ። እምበኣር ካብ ቀዳሞት ኣቦታት ትምህርቲ ደሞክራሲ ሃሰስ ብምባል ንናይ ሎሚ ዕርቃንና ክንፍውሶ ንብዓትን ኣውያትን ህዝብና ይጽውዓና ኣሎ።

ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ መግዛእታዊ ብድሆታት፣ ኣብ መንጽር እቲ ደግሲ ናይ ኣብ ምብሓት ስልጣን ዝተሓጽረ ህልኽ ብዝፈጠሮ ውሽጣዊ ክሕደት ካብ ንጕሆኡ ተበዲሉን፣ ኣዕኑድ ማእከልን እምኒ ኵርናዕን ደሞክራሲያውነቱ ፍጹም ማህሚኑን ከሎ ናጽነቱ ከም ዝጨበጠ: ሎሚ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ኣሎ። እዚ ብተውሳኽ ውሽጣዊ ክሕደት ኣዚዩ ዝኸበደ መስዋእቲ: ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ብዝተዓጻጸፈ ደረጃ ድኣ ግቡእ ይገብሮ እምበር: ብኻ እባ ናጽነት ምተረፎስ ፍጹም ኣየብልን። ኣቦታት ኪምስሉ “ሻራኻ በዀረ ማሕበርካ ተሳዕረ ኣይበሉኻ” ይብሉ። እምበኣር መጀመርያ: መሰል ሓርነት ሓደ ህዝቢ ብዓቐን ናይ ዝኽፈሎ መስዋእቲ ተሚንካ ዝልገስ ወይ ዝንፈግ ጸጋ ኣይኮነን። ሓርነት ብዘይ ብኣኣ ህይወት ደቅሰብ ትርጉም ኪህልዎ ስለ ዘይከኣል፣ ዋጋኣ ክትዕቅኖ ዘይከኣል ባህሪያዊት ጸጋ ብርሃን ህይወት ምዃና: ኣብቲ ንምምጻኣ ብመሪሪ ቃልሲ ዝተመኰርናዮን፣ ከምኡ’ውን ካብቶም ብዛዕባ ሓርነት ኣዕሚቖም ዝጸሓፉ ፈላስፋታት ዓለም ዝተመሃርናዮን ሓቂ ብምዃኑ፣ ን ሓርነት ዝኽሕዱን ባህሪያታ ዝዝንግዑን ምሁራት ኤርትራውያን ክትዕዘብ ከሎኻ: ንህዝቢ ኤርትራ ድኣ መን ኢዩ ዝጣበቐሉ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ድርብ ሓዘን ይጸዓነካ። የርህዎ! ክትብል ከኣ ትግደድ።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዋጋ ክቡር መስዋእቱ ሓርነት ስኢኑ ጸልሚቱዎ፣ ኣብ መዘና ዘይብሉ ስቓይ ፍጹም ግህሰት ሰብኣዊ መሰሉ እናነበረ፣ ብጫሌዳ ዘረባታት ክንቋየቝ ግዜና ብኸንቱ ከነጥፍእ ኣይግባእን። ብሰሪ እዚ ዘይምስምማዕ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ኣብ ዕድመ ሃገር ሳሕቲ ግዜ ጥራይ ዚቕልቀል ምቹእ ኩነታት ብተደጋጋሚ ከም ዘምለጠናን: ነዚ ዘሎ ጽልሙት ህይወት ከም ዝወለደን ብዕትበት ታሪኽና ምስ እንድህስስ ክንርድኦ ዝከኣል ኢዩ። ከም ህዝቢ ሰሚርና ድኽመታትና ብግቡእ ምስ እነለሊ ጥራይ ኢና ኸኣ: ንሽግራትና ግቡእ መፍትሒ ክንረኽበሉ እንኽእል። እዚ ምስ ዘይንገብር ግን: ሳዕቤኑ ሕማቕ ሓድጊ ንመጻኢ ወለዶታት: ሕማቕ ስም ኸኣ ንዓና ኢዩ ኪኸውን። እዚ ጠንቂ ሃገራዊ ጸልማት ኮይኑ ዘሎ ፋሺስታዊ ውልቀ ምልክን ናይ ውሑዳት ሽፍትነትን ተኣልዩ፣ ኩነታት ናብ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ኪቕየር፣ ራህዋን ሰላምን ኸኣ ኪሰፍን፣ ህዝቢ ኤርትራ: ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ስደት እንርከብ፣ ካብ ታሪኻዊ ጌጋታትና ተማሂርና፣ ብኽፉት ኣእምሮን ብንጹህ ልብን ክንዝቲ ክንክእል፣ ምቕሉል ናይ ሓባር ዓቕምና ኣወሃሂድና ንድሕነትን ምዕባለን ህዝብናን ሃገርናን ምውዳቡ ኣዚዩ ደንጕዩ ዘሎ፣ ኣማራጺ ዘይህብ ሓላፍነት ምዃኑ ብዕትበት ክንቅበሎ ይግባእ።

ሎሚ ከነስተንትኖን ከነስተውዕሎን ዝግባኣና ዝተጠልመ ሓቂ: ኤርትራ ነቲ ኹሉ መስዋእቲ ከፊላ ኣብ ’91 ናጽነታ ምስ ጨበጠት፣ ንልኡላውነት ህዝቢ ዘኽብርን ንምሉእ ሰብኣዊ መሰል ዝሕሉን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ተመስሪቱ: ደጊም ተመሃር ተማሃራይ፣ ሸቅል ሸቃላይ፣ ሕረስ ሓረስታይ፣ ንገድ ነጋዳይ፣ ድረስ ደራሳይ፣ ሓቂ ኣቓልሑ ማዕከን ዜናታት፣ ፍትሒ ሓልዉ ኣብያተ ፍርዲታት፣ ብግዝኣተ-ሕጊ ተገዝኡ ዜጋታት ተባሂሉ እንተ ዝነብር፣ ኤርትራ ኣበየናይ ደረጃ ምዕባለ በጺሓ ኮን ክትህሉ ምኸኣለት ዘብል ኢዩ። እምበኣር: ኩነታት ህዝብኻ ሲኦላዊ ህይወት: ኩነታት ሃገርካ ዕንወትን ድሕረትን እናኾነ፣ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ: ኣእዛንካ ለዂዅካ: ኣፍካ ዓቢስካ ምጽቃጥ ብፍጹም ክሕደት ህዝብን ሃገርን ዝምዘን ነውሪ ኢዩ”ሞ፣ ሃየ ብስቕታና ዘጸልመትናዮ ህይወት ሃገር: ብሓድነታዊ ቃልስና ነውግሓዮ።

ህይወት ብጸጋ ሓርነት ምሉእን ብቑዕን ትርጉም ኪህልዋን: ምእንቲ ወትሩ ብግዝኣተ-ሕጊ ኪትሕሎን፣ ብደሞክራሲያዊ መኣዲ ዘተ: ብመሰል ናይ ርእይቶ ሓርነት ኪትኵስኰስ ይግባእ። እዚ ምስ ዘይኸውን: ሕብረተሰብ ፈትሉ ከም ዝተበታተኽ ማእለማ ከም ዝኸውን ኣብ ቅድሜና ዘሎ መሪር ሓቂ’ዩ። ሃገር ብሰላም ዚዓብዩ ቈልዑ ምእንቲ ከተፍሪ: ኣብ ልቢ ህዝባ ወትሩ ሰላም ኪሰፍር የድሊ፤ ህዝቢ ምስትምቓር ራህዋን ሰላምን ነባሪ ዕለታዊ ህይወቱ ምእንቲ ኪኸውን፣ ናይ ኲናት ባህሊ ብናይ ሰላም ዘተን መንፈስ ሓድነትን ኪትካእ የድልዮ። ካብ ኵናት ነባሪ ሰላማዊ ፍታሕ ከም ዘይርከብ፣ ውጽኢቱ ሞትን ዕንወትን ጥራይ ምዃኑ መሪር ታሪኽና ዝኣክል ምሂሩና ኢዩ። ስለዚ: ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ልኡላውነቱ ተኸቢሩ ምእንቲ ኺነብር፣ ቅድም ሓርነቱ ጨቢጡ ምስ ጐረባብቱ ብሰላም ኪነብር ኪኽእል ኣሎዎ። ህዝቢ ኤርትራ: ብፍላይ ኣብ ወጻኢ እንርከብ፣ ናይ ንነብረሉ ሃገር ደሞክራሲያዊ ባይታ ተጠቒምና: ብጉዳይ ሃገርና ካብ ፍርሃትን ጸቢብ ኣረኣእያን ሓራ ኴንና፣ ብኽፉት ኣእምሮን: ብንጹህ ሕልናን ብምክብባርን ክንዝቲ ክንክእል ይግብኣና። ፍርሃት ጥልመት ዝወልድ፣ ስዕረት ዘስዕብ፣ ምስ ገዛእ ርእስኻ ዘባእስ፣ ረማስን ኣዕናውን ጸልማት ምዃኑ ነስተውዕሎ። ፍርሃት ኣብ መንፍስካ ሰሪጹ ኪነብር ክትሓድጎ ዘይግባእ ናይ ሕልና ሞት ኢዩ’ሞ፣ ደጊም ሓንሳብን ንሓዋሩን ፎእ ንበሎ። ለባማትን ጀጋኑን ኣቦታትናን ኣዴታትናን ዘየውረሱና ናይ ሕልፈት ባህሊ ንደቅናን ንመጻኢ ወለዶን ኣይንሕደገሎም። ምክያድ ልዙብ ዘተ ብትዕግስቲ ዝተሰነየ ናይ ሓባር ጻዕርን ድኻምን ከም ዝሓትት ክንዝንግዖ ኣይግባእን። ዝድለ ዕዉት ውጽኢት ምእንቲ ኪርከቦ፣ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ረቛሒታት ማለት: ጽን ኢልካ ምስማዕ፣ ምክብባር፣ ምውንዛፍ ቅድመ ፍርዲ ወይ ኣቐዲምካ ዘይምፍራድ (ካብ ቅርሕንቲ ሓራ ምዃን)፣ ብኽፉት ኣእምሮ ርእይቶኻ ምግላጽን ኪህሉ ይሓትት። እምበኣር: ደቂ ትሑት ባህሪያዊ ሃብቲ ዘሎዋ ንእሽቶይ ሃገርን ውሑዳት ህዝብን ከም ምዃና መጠን: ሰሚርናን ተጊህናን ኣንጻር ድኽነትን ድንቍርናን ክንቃለስ ይግባእ።

ሓንቲ ሽምዓ ወይ ጥዋፍ ንኣሽሓት ሽምዓታት ወይ ጥዋፋት ከተብርህ ከም እትኽእል መጠን፣ ብውሑዳት ዝጅመር መኣዲ ዘተ እውን ብጽኑዕ ተስፋን እምነትን ምስ ዝስነ፣ ናብ ሃገራዊ መኣዲ ማዕቢሉ: እቲ ባህጊ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ናይ ሓርነትን ፍትሕን: ናይ ራህዋን ሰላምን ህይወት ተረጋጊጹ ምርኣይ ርሑቕ ኣይኪኸውንን ኢዩ። እተን ንናጽነት መስዋእቲ ዝኸፈላ ሎሚ ብዘይ ድልየት ህዝቢ ቅርጸን ተቐዪሩ ዘሎ ትሸዓተ ብሄራት ዝሓቖፋ ኣውራጃታት ኤርትራ ሸሞንተ ኢየን፤ ከም ጽቡቕ ኣብነት ኪጥቀስ ዝከኣል: ኣብ ባህላዊ ኣሰራርዓ መኣድና: ከምዚ ሎሚ ገጽ ንገጽ ዘየረኣኢ በብያትኻ ሒዝካ ምምጋብ ከይተጀመረ፣ ኣብ ሓደ መኣዲ ዝስርዑ ቍጽሪ ሰባት ከኣ ሸሞንተ ኢዮም። እምበኣር ሓደ ህዝቢ ሓደ መኣዲ ምዃንና ዝሕብረና እዚ ዓቢ ልቦናዊ ትምህርቲ ኣብ ልብና ነሕድሮ፣ ኣብ ቃልስና ከኣ ወትሩ ካብ ሕልናና ኣይንፍለዮ። ጸሓይ ሓርነትን ፍትሕን መሊኣ ምእንቲ ኪትበርቕ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንጸልማት ህግደፋዊ ስርዓት ዝፈጠሩ ሕብረተሰባዊ ክርዳዳት ኣብ ምድሪ ኤርትራ ደጊም ቦታ ከይህልዎም፣ ብስዉኣት ደቁ ዘይጥለም ማሕላ ኪኣቱ ይግብኦ። ሰናይ እዋን ክመጸልና: ከምቲ ማሃትማ ጋንድሂ ዝበሎ: “እቲ ኣብ ዓለም ክንርእዮ እንደሊ ለውጢ ንኹን”።

ፍትሕን: ራህዋን ሰላምን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ክቡር ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

ዑቝባይ ገብረመድህን (8 ነሓሰ: 2009)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...