ቃልሲ ኤርትራ ክዕረ ኣለዎ ዝብል ኤርትራዊ ኩሉ፡ ብተገዳስነት ኣብ ናይ ምዕራይ ስራሕ ክዋፈር ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዘዘለዎ ቦታ ኮይኑ ውድባዊ ኣተሓሳስባ ፈላልዩና ከምዘሎ ምፍላጥ እቲ ቀዳማይ ነገር ኮይኑ፡ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጅመር ንውድባት ዝፈላልየን ዝነበረ፡ ካብ ኣፍልጦ ምጉዳል ድዩ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ግድን ኣብ ጎንጺ ኣትዩ ክጻረየሉ ዝግባእ ካብ ቀረባ እዋን ድዩ ካብ ነዊሕ ዝተበገሰ ከባእስ ዝኽእል እሞ ብሰላማዊ መንገዲ ዘቲኻ ክፍታሕ ዘይክእል ምኽንያት ኔሩዎ ኢዩ፡ ብጭቡጥን ንጹርን ኩልና እወ እንብሎ መልሲ ክርከበሉ ኣለዎ። ዕሩይ ነገር ኣብ ሃገር ከተስፍን ንሕሉፍ ተሞክሮታትካ መልሲ እናረኸብካሉ ምስእትኸይድ ጥራይ ኢዩ።

እናበርሃልና ንክኸይድ፡ ከም ትዕዝብተይ ህዝቢ ኤርትራ ብምንም ዓይነት ነንሕድሕዱ ከባእስ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ዘይነበሮን፡ ኣብ ታሪኻዊ ጉዕዞኡ ብሃይማኖት ይኹን ብኣውራጃ፣ ወይ ብኻልእ ካብኡ ዝንእስ ድዩ ዝዓቢ ምኽንያታት ካብ ባዕሉ ተበጊሱ ተባኢሱ ዘይፈልጥ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ብጊዜ እንግሊዝ ተፈጢሩ ዝነበረ ፈላላዪ ኩነታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋ ስለዝነቕሓሉ ኣቡንን ሙፍትን እውን ከምዘይቅጽል ስለዝገበሩ ፈሺሉ። እቲ ፈላላዪ ኩነታት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተበገሰ ኣይነበረን። ስለ’ዚ እቲ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘባእስ ዝነበረን ክሳብ ሕጂ’ውን ህዝብና ንከይትኣማመን ምኽንያት ኮይኑ ዘሎን፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስትውዓልን ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ብዝጎደሎም ጠቕመ ፈሊጣውያን ስለእተመርሐ ጥራይ ኢዩ። እዚ ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ዝበዝሕ ኮይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ እቲ ዝነበረ ካልኣዊ ግርጭት ናብ ቀዳማይ ብምስጋር እቲ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ሰዓርን ተሳዓርን ኮይኑ ስለእተወድኤ፡ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ፍረኣልቦ ኮይኑ ተሪፉ። ብሰሪ እቲ ኣሉታዊ ውጽኢቱ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስቓይን መከራን ወዲቑ ይነብር ኣሎ።

እዞም ጠቕመ ፈሊጣውያን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም መሕኮሪ ናብ ስልጣን ተጠቒሞም ብዘይ ሓልዮት ኣቃቲሎሞ ኢዮም። ሕጂ’ውን እንተኾነ መላኽን ተመላኽን ክሳብ ዝፋለጡ ኮለል የብልዎ ኣለዉ። እዞም ክዕረይ ዘይክእል ባህርያትን ተሞክሮን ዘለዎም ኣካላት፡ ሓድነት ጌሮም ኩሉ ህዝቢ ዝደልዮ ሓድነት ክዉን ክገብሩ ምጽባይ፡ ምስ ክውንነት ዝላዘብ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን'ሞ ክሕሰቦ ዝግባእ ኢዩ።

ብመጀመርታ ህዝቢ ኤርትራ ዕግበት ክረኽበሉ ዝኽእል ሕገ መንግስቲ ብንጹር ሓንጺጹ፣ ብኸምዚ ንኽንምራሕን፣ ከምዚ ዝመሰለ መንግስቲ ክህልወናን ንደሊ ኢሉ ንጹር ማኒፈስቶታት ክዝርግሕ ኣለዎ። ብድሕሪኡ ህዝብና ይቃለስ ድዩ ኣይቃለስን ክርኤ። ምኽንያቱ ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዕግበት ስለዘይብሉ ካብ ቃልሲ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ህዝቢ ብዙሕ ኢዩ። ብዛዕባ'ቲ ክህልወና እንደልዮ መንግስቲ፡ ብቋንቋ ትግረ፡ ትግሪግኛን ካልእን እናተገልጸ፡ ማለት መላእ ህዝብና ብዝርድኦ ቋንቋታት እናተጻሕፈ ኣብ ኩሉ ከምዝባጻሕ ጌርና ብምዝርጋሕ፣ ኩሉ ህዝቢ ምሉእ ኣፍልጦ ናይ’ቲ ዝትከል ስርዓት ክህልዎ ከምዘለዎ ክንገብር ኣለናን ይግባእን። ብከምዚ ጥራይ ድማ ኢዩ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ክበራበር ዝኽእል። እቲ ዲሞክራሲ ዝበሃል ጥዑይ ኣማሓዳድራ፡ መሰል ህዝቢ ዘኽብር፡ ህዝቢ ውሑስ ህይወት ከም ዝህልዎ ዝገብር ምዃኑ ንኹሉ ህዝቢ ብዝርድኦ መንገዲ ምብራህ ኣድላይነት ኣለዎ። እቲ ሓጋጊ ኣካል ዝበሃል ባይቶ ኤርትራ ክህሉ ኣለዎ። እቶም ኣካላት ባይቶ ከካብ ከባቢኡ ህዝቢ ባዕሉ ዝመረጾምን ኣካላቱን ኣጸቢቑ ዝፈልጦምን ክኾኑ ኣለዎም፡ ክንብል ኣለና። ባይቶ እታ ሃገር እቲ ዝልዓለ ስልጣን ዘለዎ ስለዝኾነ፡ ወታሃደራት ፖሊስን፣ መላእ ሰራዊት እታ ሃገርን ብባይቶ ይምእዘዙ እቲ መራሕ መንግስቲ፣ ባይቶ ብዘየጽደቖ መንገዲ ዓበይቲ ሃገራዊ ስጉምቲ ተንከስ ኢሉ ክወስድ ኣይግብኦን። ብጀካ በቲ ብባይቶ ዝጸደቐ ቅዋም ተመሪሑ ሃገር ካብ ምምሕዳር ሓሊፉ፡ ካልእ ስልጣን የብሉን። እዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ ውዱእን መጽናዕቲ እተኻየዶን ዘይኮነ ''እቲ ክንተሓሓዞ ዘለና ስራሕ ኣበይ ዘትኾረ ክኽውን ኣለዎ፧'' ንዝብል ንምዝኽኻር እሞ ብዕቱብ ባዛዕባ ክህልወና ዝግባእ ባይቶን፣ ካልእ ንመንግስታዊ ቅርጻ ዝምልከትን፣ ብዛዕባ ክህሉ እንደልዮ ሕግን ስርዓትን ዘትኮረ ስራሕን ዘተን ክንሕዝ ኣብዝብል ከነትኩር ኣለና ካብ ዝብል ኢየ።

ሎሚ እቲ ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ኣካል ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰላማዊ ሰልፊ ድዩ ብኻልእ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ። ስለ’ዚ እቶም በብዘለዎምም ዓቕሚ ዝጽሕፉ ይኹን ዝዛረቡ ዘለው ከይተሓለሉ ቃልሶም ይቐጽሉ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ፣ ብሰንኪ እቲ ክልወጥ ዘይክእል ባህርያት ዘለዎ ጎዳኢ ስርዓት፣ ሽግር ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ስፍሓት እናወሰኸ ንኹሉ ይትንክፍ ስለዘሎ፣ መንእሰያት ኤርትራ እውን ምረቱ ኣርኪቡሎምን ተረዲእዎምን ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ እቶም ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ስርዓት ስለዝኾኑ፡ ነቲ ቃልሲ ባዕሎም ክታሓሓዝዎ ኢዮም። ግን ተቓሊስካ ነቲ እተካይዶ ቃልሲ ኣብ መሳብሮኡ ምስ ኣብጻሕካዮ ከምዚ ኣይመሰለናን ዋይ ኣነ ካብ ምባል ዘድሕን እቲ እትቃለሰሉ ዘለኻ ስርዓት እንታይ እንተመሰለ ኢዩ ኩሉ ዝሕጎሰሉን ዘየጣዕስን ዝኽውን ኢልካ ከምቲ እትደልዮ ንኪኸውን ምጽዓር ጥራይ ኢዩ ካብ ጣዕሳ ዘድሕንን ኣወንታዊ ውጽኢት ዝርከቦን።

ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ክግንዘቦ ዘለዎ፡ ኣገባብ ኣንፈት ናይ ቃልሲ ምጭባጥ ተሳኢኑ፡ ቃልስና ቅልጡፍ ስጉምቲ ዘየርእየሉ ዘሎ ምኽንያት፡ እቲ ንዕኡ(ንህዝቢ ኤርትራ) ፋሕብትን ከብል ዝህቅን ዝተፈላለየ ሕቡእ መጋበርያ ናይ በተንቲ፡ ሱር ሰዲዱ ስለዝጸንሐ ጥራይ ኢዩ፡፡ እምበር ቃልሲ ህዝቢ ከም ወትሩ ዘይፈሽልን ተዓዋታይን ኢዩ። ስለ’ዚ እቲ ዝንበይ ይነበይ፡ እቲ ዝሰርሕ ይስራሕ፡ ኩሉ ከኣ ዘዘለዎ ጥራይ ይበላሓት፡፡ እምበር መወዳእትኡ ኩሉ ተኣኪቡ ፍረ ከምጽእ ኢዩ። ድሕሪ ሕጂ ራኢ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓቂ ዘይልወጠሉ ምኽንያት ኣይክህሉን ኢዩ። ኩሉ ጸኒዑ ክቃለስን ክመልኩ ንዝፍትኑ ክጥንቀቐሎምን ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። ሰናይ ቅነ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

በላይ መስፍን ካብ ጀርመን

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...