Abraham Afewerki

ኣብ ሰዊት ዕድሜኡ ኪኢላ ሃገራዊ ብስም ኤርትራ ዝዘመረን ንደቂ ዓዱ ዘሰሃየን ዘይተዘከረ መን’ዩ ክዝከር? ዕረፍቲ ይሃቦ መንግስተ ሰማይ ድማ የዋርሶ። እቲ ሕጂ ክጽሕፍ ዘገድደኒ ዘሎ ብዛዕባ ዝሞተ ሰብ ንሱ ክምልስ ኣብ ዘይክእለሉ በቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ናቶም መልእኽቲ ንምርዋይ ዝጥቀሙሉ ንዝደልዩ ንምቅላዕ እዩ። ፍሉይ ዕርክነትን ሕውነትን ምስ ኣብርሃም ኣፈውርቂ ስለዝነበረኒ ድማ ከምቲ ንሱ ክቐርብ ዝደልዮ ጌሩ ከቕርቦ ውልቃዊ ሓላፍነት ኣሎኒ። እዚ ስለዝኾነ ድማ በዘን ዝስዕባ ሕቶን መልስን እቲ ሓቅታት ክብርሆ እየ።

1) መጅመርያ ኣብርሃም ኣፈውርቂ መንዩ ኔሩ? ከምቲ ኣቶ መዋእል መብራህቱ ዝበልዎ “ድክታቶር ምርኡይ ኣይፈቱን እንታይ ድኣ ዩኒፎርሚቲ (uniformity) እዩ ዝፈቱ።” ኣብርሃም ኣብ ሰነጥበብ ኤርትራ ጋሻ ኣይነበረን። ብዛዕባ ሙዚቃን ደርፍታት ትግርኛ ዝምዕብለሉ መንገዲ ዘናዲ፡ ሙዚቁኡ ካብ ካልኦት በሊጹ ክርአ ዝደሊ ፈታው ውድድር እዩ ኔሩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብርሃም ነጻነቱ ዘፍቅርን ኣብ ሞያ ሙዚቃ ትእዛዝ ዘይቅበልን ነብሱ ዝኸኣለ ሞያዊ እዩ ኔሩ። ከም ኩሎም ድምጻውያን ዝና እናገበረ ኣብ ዝመጸሉ ጌዜ ድማ ኣታዊ ሙዚቃ ከዕቢ ይደሊን ሓያል ኣማኒ ናይ ብሞያኻ ናይ ምኽሳብ ጠባይ ነበሮ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ብዙሕ ዕላላትና ገንዘባዊ ኣታዊ ሙዚቃ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ብኣብርሃም ኣፈወርቂ ጥራይ ክውሰን ኣለዎ ይብል ኔሩ። እዚ ሞያዊ ሂወቱ ኮይኑ ኣብ ውልቃዊ ሂወቱ ግን ከምቲ ኣዲኡ ዝበልኦ ኣብርሃም ለጋስ፡ ዝተሸገረ ሰብ ዝረድእ፡ ክሕግዝ ዝደሊ ፈቃር ሃገራዊ ኣዩ ኔሩ።

2) ኣብርሃም ፖለቲካዊ ኣረኣኣያ ኔርዎዶ?
ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ዝተራእየ ዘገርም ነገር እንተሎ ተራ መንግስቲ ኤርትራን ህግደፍን እዩ። ብሕጽር ዝበለ ብሞት ኣብርሃም ተጠቒምካ ፖለቲካዊ መኽሰብ ምንዳይ እዩ ኔሩ። ከመይ ትብሉ ትኾኑ? መንግስቲ ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑሉ ኣብ ዘሎ ጊዜ ንዝናን ሽምን ኣብርሃም ክሳብታ ናይ መውዳእታ መዓልቱ ተጠቒሙ ንስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እናደገፈ ሞይቱ ንምባል እዩ።

እቲ ሓቂ ግን ህግደፍ ካብ ዓዲ ጥልያን ክሳብ ኣሜሪካ ተጻባእቲን ጸላእትን ኣብርሃም እዮም ኔሮም። ኣብርሃም ምርኡይ እዩ ኔሩ። ኩሉ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምርኡይነት ኣየፍቅድን እዩ። እዚ ስለዝኾነ ስርዓት ኢሳያስ ነዚ ምርኡይ ስነጥበባዊ ምስ ህዝቡ ክስራዕ ኣለዎ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘይገበርዎ ተጻብኦ የለን። ስርዓት ህግደፍ ድማ ዩኒፎርሚቲ (ተር በል ከም ስኒ ኣድጊ) ዝሓትት ስርዓት እዩ። እዚ ስለዝኾነ ከም ኩሎም ሰነ ጥበባውያን ኤርትራ ንኹሉ ተጻብኦታት ህግደፍ ሰጊሩ ብሓይሉን ክእለቱን ዝነብር ዝነበረ ሞያዊ እዩ። ነዚ ናይ ህግደፍ ተጻብኦ ህያው ንምግባር ሕልፍ ሕልፍ ኢለ ኣብነታት ከቕርበልኩም።

 

  • ድሕሪ ውግእ ምስ ወያነ ንኣብርሃም ኣፈወርቂ ካብ ኣስመራ ንኸይወጽእ ከልኪሎሞ፡ ንኽትወጽእ ሳዋ ከተገልግል ኣለካ ምስበልዎ፡ ዜግነተይ ናይ ጥልያን ኢሉ ከም ዝወጽእ ጌሮሞ።
  • ኣብ መጀመርታ ተስዓታት ባህላዊ ጉዳያት ንኣብርሃም ንምጽላም ሙዚቓኻ ናይ ኣምሓርኛ ዝዘንበለ እዩ ብምባል ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣርባዕተ ሕታማት ጺሒፎምሉ። ኣብርሃም ግን በዳሂ ስለዝኾነ ሓሙሽተ ጊዜ ኣብ ጋዜጣ ኤርትራ “ሙዚቃ ኣብ ዓለም ተወራራሲ እዩ” ብምባል ነቲ ናይ ሽዑ ጽጌረዳ ገብረኣምላኽ ናይ ሎሚ ብጻይ ዓሊ ዓብዱ በዲህዎ።  
  • ኣብ ኣሜሪካ ብጉጅለ ህግደፍ ካብ መጀመርያ ዝመጸሉ ዓመታት “እቲ ገንዘብ እዩ ዝፈቱ፡ ኣይትኺድዎ” እናተባህለ ዘይተገብረ ጻዕሪ የለን። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ ናይ ኣብርሃም መደባት ኩሉ ብውልቂ ዝተኻየደ ብህግደፍ ዘይተደገፈ (not endorsed) ዘይተገብረ ነበረ።

ኣብርሃም ትኩር ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ብህግደፍን ኮራኩሮምን ዝተኻየደ ዘመተ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብብሕቲ ፖሊቲካዊ ኣረኣእያኡ ይገልጽ ኔሩ። ከም ኤርትራዊ መጠን ንተግባራት ህግደፍ ኣብ ርእሲኡ ንዝተፈጸመ ረሲዑ፡ ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ዝወርድ ዝነበረ ግፍዕን ዓመጽን ደቀንስትዮ ዝሓትት ዝነበረ ግዱስ ኤርትራዊ እዩ። ኣብርሃም ተመሊዅ በዚ መሰረት ድማ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዘየገልግሎም ምስ ፈለጡ ምስኡ ምስራሕ ክጽዕሩ ፈቲኖም። ኣብርሃም ምኽሪ ብዙሓት ኣዕሩኽቱ ብምቕባል ንህግደፍ ከም መድረኽ ተጠቒሙ ነቲ መልእኽቱ ብስነ ጥበባዊ ክእለቱ የመሓላልፍ ኔሩ።

3) ቅንእን ምርኡይነትን

እንተተስተብሂሉ ብጀካ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካልእ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ (ሞያኡን ሽመቱን ክእለቱን ተመክሮኡን) ብዘየገደስ ዋላ ንሓንቲ ሰዓት’ውን እንተኾነ ኣብ ዓይኒ ሰብን ዓለምን ክረአ ዘየፍቅድ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ እዩ።

4) ኣማውታ ኣብርሃም ኣፈወርቂ
ኣብ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት እንተ ብፖሊቲካዊ ኣረኣእያኻ እንተ ብንግዲ እንተ ብሞያ ዝና ዝፈጠረ ኤርትራዊ ሞይቱ ክብሃል እንከሎ የዋህነት ጥራሕ እዩ። ከመይ ትብሉ ትኾኑ። እዚ ዘሎ ስርዓት ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ዝና ዝፈጠረ ሰብ ምእዙዝነቱ እንተዘይድኣ ተረጋጊጹ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ እዩ። ናይዚ መርኣያ ድማ ኣብ ታሪኽ ኢሳያስ ብዙሕ ጌዜ* ተራእዩ እዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ብደም ዝጠልቀየ ውልቀ-መላኺ እዩ። እዚ ምስ ኣብርሃም ብኸመይ ይተኣሳሰር ትብሉ ትኾኑ። ኣብርሃም ካብ ኣሜሪካ ንኤርትራ ቀንዲ መኸዲኡ ዝነበሮ ስነጥበባዊ ስርሓት ንምዕባይ ንዝነበሮ ህቡብነት ንምምዕባልን ቀጻልነት ዝንኡ ምርግጋጽ ስለዝነበረ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ጌዜ ብዕሱባት ናይ ኢሳያስ ኣብ ኣሜሪካ ብዙሕ ተጻብኦታት ይግበረሉ ኔሩ እዩ። ድሕሪ’ዚ ናይ ኣስመራ ዑደቱ እቲ ህቡብነት ናይ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ክውስኽ ድኣምበር ክንኪ ከምዘይከኣል ስለዝተረድኡ፡ ፖሊቲካዊ ተኣማንነት ህግደፍ ስለዘይብሉ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ዘለዎ ስነጥበባዊ ክእለት ተጠቒሙ፡ ንስርዓት ኢሳያስ ክምክት ስለዝኽእል ከም ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝተራእየ ክዓብስዎ መሪጾም።

እቲ ዘገርም ቲቪ ኤረ ሞት ኣብርሃም ድሕሪ 6 መዓልቲ ብወግዒ ምንጋሮምን እቲ ኣማውታ ኢሎም ዘርእይዎ ቪድዮን ብኣቶ ሰይፉ (ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ብጥብቒ ምስ ህግደፍ ዝሰርሕ ነጋዳይን) ብኣቶ መኮንን (ተጋዳላይ ነበር ህ.ግ.ን ሎሚ ናይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ኣብ ኣስመራ ናይ ሎጂስቲክስ ሓላፊ) ዝሃብዎ መግለጺ እዩ። ንሳቶም ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጸመ ድኣ እዮም ተዛሪቦም እምበር ብርግጽ “ኣብርሃም ብኸምዚ ብኸምዚ ሞይቱ” ኣይበሉን። ብወሰን ወሰን “ኣነኳ ብዙሕ ሓምቢሰ ኣይክእልን እየ …ግን….ኣብቲ ከባቢ…ሑጻ ኔሩ….ወዘተ እናበልካ እዩ እቲ ቃለ መጠይቕ ተኻይዱ። እቲ ክቢ ናይ ስእሊ ካሜራ ኣብ ኣብርሃምን ሮበልን ጌርካ ነቲ ካብኦም ፍንትት ኢሉ ዝነበረ ……ዝበሃል ኣብ ቀብሪ ዝተገብረ ቃለ መጠይቕ ኣርእዮም።

ከም ሰብ መጠን ኣብርሃም ኣፈወርቂ ህያው ኮይኑ ክነበር ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት ኣብርሃም ብባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ኤርትራ ክመውት ኣይክእልን እዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብርሃም ብዙሕ ጌዜ ተመላሊሱን ነቢሩን እዩ። ከምእውን ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ሮማ ዓብዩ ካብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማዕበል ንላዕሊ ዘለዎ ቦታትት ክሕምብስ ተራእዩ እዩ። ስለዚ እዚ ምስጢራዊ ኣማውታ ኣብርሃም ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ምሉእ ትርጉም ኣይህብን። ኣብርሃም ፖሊቲካዊ ግዳይ ናይ ምርእዩነቱ እዩ። ማለት ብኢዱ እኳ እንተዘይኮነ ብኢድ ኣዙር ግዳይ ናይ ብደም ዝጠልቀየ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኣይኮነን ኢልካ ምሕሳብ ከምቲ ኢሳያስ ባዕሉ ዝብሎ “የዋህነት” ጥራሕ እዩ።
ድሕሪ ሞቱ ድማ እንሆ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ገንዘብ መእከቢ ኾይኑ ተሪፉ ኣሎ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ http://www.negarit.org/index


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...