ካምቼ ኔረ

እቲ ጸሊም ማልያኦምን ግብሮምን ናይ " camicie nere" ወይ "Blackshirts ዛንታ ከምይ ኢሉ ከምዘዘከረኒን፤

ኣብቲ ብዕለት19 June ኣብ ዋሽንተን ዝተኻየደ "ይኣክል ሕጅስ ፍጹም ይኣክል" ዘርእስቱ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻፊለ ኔረ። ሓደ ካብቲ ዕዉት ኔሩ ዘበለኒ፣ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈልየ ብዙሓት መንእሰያትን ኣንስትን ስለ ዝተኻፈልዎ እዩ። እቲ ሰልፊ ከም መደቡ ንሓደ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ኣብ ፊት ንፊት ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ቆይሙ ብስነ ስርዓት ዝመልኦ ኣገባብ ቅሬታኡ ብጽሑፍን ብድምጽን ኣስሚዑ እዩ።

እምበኣር እቲ ቀንዲ ነዚኣ መጽሓፊ ዝኾነኒ ኣብቲ ኣብ ፊት ኤምባሲ ብዝነበርናሉ ግዜ ብዝተዓዘብኩዎ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ትርኢት ስለ ዝረኣኹ እየ ። እዚ ከኣ ብዛዕባቶም ኣብ ኣፍደገ እቲ ኤምባሲ ጠጠው ኢሎም ብቪድዮን ካመራን ዝስእሉና ዝነበሩ 4/5 ዝኾኑ፣ ከክንዲ ጣዕዋ ዝኾኑ ፣ ሓለውቲ ማዕጾ (bouncers ዝመስሉ) እዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሰብኡት፣ ነዚ መንግስቲ'ዚን በዚ ግዜዚን ምግልጋሎም ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ለቢሶሞ ዝነበሩ "YPFDJ” ዝብል ጽሑፍ ዝሓዘለ ጸሊም ማልያ ምስረኣኹ ኣስደሚሙኒ። ነቶም ኣብ ጥቓይ ዝነበሩ ብጾት "ንምዃኑ እዚኦምሲ እንታዎት እዮም ?" ኢለ ሓቲተ ካብ ዝተረዳእኩዎ፤ ናይ ህግደፍ ኣባላት ዝኾኑ፣ ግን ንኸታልሉ ነዚ ናይ መንእሰያት (young) ብዝብል ናይ ምድንጋር ስም ዝጥቀሙ ሰባት እዮም በሉኒ፤ ቀጺሎም ከኣ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማኦም ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኤሪትራ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ኤምባሲ ኮነ ህግደፍ ኮይኖም፡ ዘፈራርሁን ዝድህሉን ጉጅለ ምዃኖም ኣረዲኦምኒ። ሽዑ እየውን እቲ ግብሮምን እቲ ማልዮኦምን ርእየ፣ ነቶም ናይ ሙሶሊኒ "Camicie Nere” or ”Blackshirts” ብዝብል ስም ንህዝቢ ኢጣልያ ኣብ ክንዲ ሙሶሊኒ ኮይኖም ዘናዕብዎ ዝነበሩ ዘንበብኩዎ ዛንታ ትዝ ምስ በለኒ፥ ለከስ "ካምቼ ኔረ" ዝበልኩ። እዚ ዓይነት ስርርዕ'ዚ ኣብ ናይ ሂትለር ግዜ ኣብ ጀርመንን ኣብ ካልኦት ብዲክታተራት ዝምርሓ ሃገራት እውን በብግዜኡ ከም ዝተዘውተረ ጽሑፋት ኣሎ።

ናይ "ካምቼ ኔረ" ስራሕን እንታይነትን ብቐሊሉ ኣብ google ኣቲኻ'ዃ ክፍለጥ ዝከኣል እንተኾነ፣ ብሓጺሩ እቲ መለለይኡ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ኔሩ፡

  1. ፋሺዝም ዝተባህለ ብሕሉፍ (ዕዉር) ናይ ፖለቲካዊ ኣኽራርነት ዝተመስረተ ሃገራዊ ስምዒት ንምፍጣር፤ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ብሓንቲ ወሳኒት ፓርቲን ብሓደ ፈላጭ ቆራጭ ዲክታቶር እትምራሕ ሃገር፣ንምምስራት ዝዕላምኡ ኮይኑ፤
  2. እቲ ቀንዲ መለለይኡ ግን፣ እቲ ጭካነ ዝመልኦ ኣጋባብ ኣታሓሕዛ ነቶም ተቓወምቶም (ኣንጻር ፋሺዝም) ዝነበሩ ሰባትን ናይ ፖለቲካ ፓርቲታትን እዩ። ብግዜ ሙሶሊኒ ኢጣልያውያን ኩሎም፣ ህዝቢ ኮነ ተቓወምቲ ፓርቲታት፣ ንሙሶሊኒን ንፋሺስት ፓርትን ክእዘዙ ኣሎዎም ዝብል ትእዛዝ ኔሩ እዩ። ነዚ ትእዛዝ'ዚ ናይ ምትግባር ስልጣን ነቶም "ካምቼ ኔረ" ዝተባህሉ፣ ብሕም ንዝበለ ብምፍርራህን ብምድሃልን ብሓይልን ዝጥቀሙ ዝነበሩ ጉጅለ እዩ ተዋሂቡዎም። ስልጣን ናይ ሙሶሊኒ እንዳዓበየ ብዝከደ መጠን ከኣ እቲ ናይ ሽበራ ተግባር ናይዚ ጉጅለ'ዚ እንዳገደደ (እንዳጨከነ) ከደ ይበሃል።

እምበኣር ኣብ ጉዳይ ኤርትራና እንተተመለስና፣ ካብቲ ናይ ዋሽንተን ሰልፊ ጀሚረ ክሳብ ሎሚ ካብ መንእሰያት ማሕበርተኛታትን (YPFDJ) ገለ ወለድን፣ ካልኦት ሰባትን፣ ብዛዕባ እቲ ማሕበር ካብ ዝረኸብኩዎ መረዳእታ፣ እቲ ምድንጋርን ተንኮልን ናይ በዓል ኣቶ ኢሳያስ ክሳብ ክንደይ ሱር ሰዲዱ ከም ዘሎ ክግንዘብ ክኢለ። ወለድና "መለበምን ኣይግበርካ መለበሚንከ ኣይኽላእካ' ከም ዝበልዎ፣ እቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ቝ. 1ን 2ን ተጠቒሱ ዘሎ፣ ንሙሶሊኒ ብኢሳያስ፣ ነቲ ፋሺስት ፓርቲ ብህግደፍ፣ ነቶም "ካምቼ ነረ" ከኣ ብYPFDJ እንተተካእናዮም፣ ምግናን ኣይኮነን።

ኣብ ናይ በዓል ኣቶ ኢሳያስ ስርዓት ናይ ዝኾነ ይኹን ነጻ ሕብረት ምቛም ክልኩል እዩ  እምበኣር እቲ ብስም " YPFDJ” ኣማኻኒካ ዝቐውም ዘሎ ማሕበር ናይ ተንኮልን ሽርሕን ምዃኑ፣ ቀሪቡ ንዘስተብሃለሉ፣ ኩሉ ግሉጽ እዩ ዝኸውን። ንኣብነት ከምቶም ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ዝሕልዉ ዝነበሩ ኣሰር ናይ መንእሰይነት ዘየብሎም ጠላዓት ደቂ 40/50 ዓመት ሰብኡት፣ ዘይግብኦም መንእሰያት(young) ዝብል ቅጽል-ስም ምሃብ ንምድንጋር ዝተማህዘ፣ ኣሽካዕላል ለግጺ እዩ። እዚ ነቶም ናይ ብሓቂ መንእሰያት ዝኾኑ፤ ዝበዝሑ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ወይ ዝዓበዩ፣ ከምኡ'ውን ሓደስቲ ካብ ዓዲ ዝመጹ፣ ገርህታት፣ ከምኡ'ውን ደቂ ገርሂ-ልባ ወለድታቶምን፣ ንምትላል ዝወሃብ ስምን ዝግበር ናይ ምድንጋር ስያሳን እዩ። እዚ ተግባራት እዚ ንመን ንኽጠቅም ንመንከ ንኽጐድእ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ንዝተገደሰሉ ብቐሊሉ ክፍለጥ ዝከኣል እዩ።

ናይ ኤርትራ 'ካምቼ ኔረ" ማለት YPFDJ ብበዓል ኣቶ የማነ ገብረኣብ ማንኪ ዝበሃሉ ዝቖመን ዝምራሕን፣ ቀንዲ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመደበሩ ብውሑዳት ዝተታለሉ መንእሰያትን "ሓለውቶም ዝኾኑ" ዓበይቲ ደቂ 50 ሰብኡትን ኣንስትን ዝካየድ ኣንጻር ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝሰርሕ ማሕበር ምዃኑ ፍሉጥ እዩ ። ናይ YPFDJ ቀንዲ ዕላማኡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣቶ ኢሳያስ ናይ ፋሺስታዊ ዓይነት ጨካን ኣገዛዝኣ ኣብ ኤርትራ ንምስፍሕፋሕ ኣብ ዘካይደሉ ግዜ ከም ሽፋን (cover up) እሕግዝ እዩ ተባሂሉ ዝዳሎ ዘሎ ናይ ህግደፍ ንኡስ ማሕበር እዩ።

ኣሕዋት ዘገም ኢልና'ሞ ንርኣዮ፣ እንስሳ ዘቤት ጥራይ ኢዩ መሕረዲኡ ካራ እንዳተሳሕለን እንዳረኣየን ከሎ ምንም ዘይርድኦ። ህዝብና'ውን በዚ ግዜ'ዚ ናብ እንስሳ ዘቤት ዝተለወጠ እዩ ዝመስል ዘሎ። ህግደፍ ናይ ብሓቂ ብቕንዕና ንመንእሰያትና ናይ ሰላም ናይ ፍቕሪ ናይ ባህሊ ናይ ትምህርቲን ናይ ምዕባለን ማሕበር ከዳልወሎም መዲቡ እንተዝኸውንስ ክንደይ ጽቡቕን ዝተቐደሰን ተበግሶ ምኾነ ኔሩ። ብቐሊሉ ብጉጅለታት ከይፈለየ ንኹሎም ኤርትራውያን መንእሰያትውን ብዘያፋላላይ ምኣከበ ኔሩ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝጠቐስኩዎ ግን ብመጀመርያ ናይ ህግደፍ ዕላማ፣ ናይዚ ማሕበር እዚ፣ ንፍቕርን ንሰላምን ዘይኮነስ፣ ንጽልእን ንቕርሕንትን ንሽበራን ዝመሃዝዎ እዩ። ነስተውዕሎ'ሞ፣ ነዊሕ'ውን ከይከድና፣ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ጉጅለ ብሓቂ ንመንእሰያት ኤርትራ ዝሓልን ዝኣምንን እንተኔሩስ ነቶም ኣብ ዓዲ፣ ኣብ ትሕቲኡ፣ ከርተት ዝብሉ ዘሎዉ መንእሰያትናንዶ ኣይምራህረሀን፣ ኣይምሓብሓበን ወይስ ኣይምኣኻኸበን ። ሓቂ ዘየብሉ ናይ ተንኮል ተበግሶ ምዃኑ ንዝግድሶስ እዚ መረዳእታ'ዚኳ ምኣከሎ፤ እዚ እንተዘይኣከሎ'ውን ብቐሊሉ ናይቶም 30000 ኣብ ሽመልባ (ትግራይ) ተዓቝቦም ዘሎዉ ናይ ሓቂ መንእሰያት  ዝኾኑ ኤሪትራውያን ደቅና'ውን ክጥቀስ ይከኣልዩ።

ብጾት ነስተብህለሉ'ሞ፣ ኣቶ ኢሳያስ ብዝሃቦም ስልጣን ህግደፍውያን፣ ንህዝብና ኣብ ሃይማኖቱ ከይተረፈኳ ጣልቃ ብምእታው፣ ኣብ ሞንጎ ኣመንቲ፣ ናይ ኢሳያስ ደገፍትን ተቓወምትን እንዳበሉ፣ ፍልልያት ብምክያድ፣ ኣብ ብዙሓት ቤተክርስትያናት ሽግርን ባእስን ይፈጥሩ ኣሎዉ። በዚ ምኽንያትዚ ከኣ ብስም ደገፍትን ብስም ተቓወምትን ዝፍለጣ ቤት ጸሎታት ኣብ ብዙሓት ከተማታት ክፍጠራ ንርኢ ኣሎና። "ኣብ ርእሲ ወሓደንስ ተቖርመምኒ" ከም ዝበሃል፣ ህዝብና ኣብ ርእሲ ምውሓድናስ ምፍልላይና የሕዝን። እከያት ህግደፋውያን ግን ነቶም ዓበይቲ ወለዲ ብቐሊሉ ፋሕፋሕ ብምባሎም ተታባቢዖም፣ ሕጂ ከኣ ነታ ዝተረፈቶም፣ ናይ ደቅና ናይ መንእሰያትና ፍቕሪ ንምብትታን እንሆ በዛ YPFDJ ትብሃል ናይ ምድንጋር ጉጅለ ኣቢሎም፣ ንኸተግብሩ ውራይና ኢሎም ሒዞሞ ኣለዉ።

ንኣብነት በዚ ግዜ'ዚ፣ ህግደፍ እቲ ሓደ ከም ስልቲ ጌሮም ዝሰርሕሉ ዘሎዉ፣ ነዞም ናይ ዲያስፖራ መንእሰያትና ኣበየ ዞባታት 'ዎርክ ሾፕ' 'ሲምፖሲዩም' ወዘተ እንዳበሉ ንገለ መዓልታት ካብ ስድርኦምን ገዝኦምን ፈልዮም ምእካብን እከይ ምምሃርን እዩ። እቲ እከይ ዘበለኒ፣ ነቲ እዞም መንእሰያትና ዝመሃርዎ ትምህርቲ፣ነቶም ዘስተምህርዎም ዓይነት ሰባት ርእየን ተገንዚበን እየ። ንኣብነት ታሪኽ ኤርትራ ብ1991 ከም ዝተጀመረ፤ ቅድሚ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ካልእ ሃገራዊ፣ ካልእ ጅግና ተጋዳላይ፣ ካልእ ሰልፊ፣ ከምዘይነበረ ኣብ ኣእምሮ እቶም መንእሰያትና ንምቕራጽ ዝዓለመ ናይ ሓሶት፣ ናይ ፈጠራ፣ ናይ ጽልኢ ትምሀርቲ ከም ዘስተምህርዎም ካብቶም መንእሰያት ባዕሎም ስለዝተረዳእኩ እየ። ከምኡ'ውን እቲ ኣብ መንጎ ናይቶም ናይ ኣቶ ኢሳያስ ተቓወምቲን ደገፍትን ብዝብል ጉጅለታት ዝነበረን ዘሎን ፖለቲካዊ ፍልልያት፣ ኣጋኒኖም፣ነቲ ፖለቲካዊ ፍልልያት ከም ናይ ግላዊ ጽልኢ ንኢሳያስ ከምዝኾነ ኣምሲሎም፣ ንዝደለይዎ ኮሓሒሎም፣ ንዝጸልኡዎ ከኣ ኣጸሊሞም፣ ጽልኢ ኣብ ልቢ እቲ መንእሰይ ንኽሰርጽ፣ እሞ ቂምታ ንኸይጠፍእ፣ ነቲ ድጉል ረመጽ ላምባ ንምፍሳስ ዝዓለመ ትምህርቲ ከም ዝኾነ ስለዝፈለጥኩ እዩ።

እዚ ተበግሶ'ዚ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ብኮሙኒቲ መልክዕ ተኣኪቡ ንሕብረተ ሰቡ ዝሕግዘሉን ዘካይደሉን ሃዋህው ምፍጣር ተቓዋምን ደጋፊን እንዳበልካ እቲ ዘይምርድዳእን ምፍልላይን ካብቶም ስድራ ሓሊፉ ናብቶም መንእሰያት ንምውራስ ዝዓለመ እከይ ተበግሶ ናይ ህግደፍ እዩ። ኣነ ብዝፈልጦኳ፡ ኣብ ሓደ ሰፈር ዝዓበዩ ደቂ ሓትኖታት፣ ኣቦታቶም ሓደን ተቓዋሚ ሓደን ደጋፊ ተባሂሎም፣ እቶም ደቂ ደጋፊ ኣብቲ ማሕበር (YPFDJ) ንኽኣትዉ ክዕደሙ ከሎዉ እቶም ደቂ ተቓዋሚ ተባሂሎም ዝተጠቀኑ ግን ክይተዓደሙ ዝተረፉ ኣሎዉ። እቲ ናብ YPFDJ ዘይምዕዳሞም ጽቡቕ ኔሩ፣ እቲ ዘሕዝን እቲ ናይ ምፍልላይ ጋግ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ካብ ንእስነቶም ክጅመር ክትርኢ ከሎኻ እዩ። ነዚ ዘካይድ መንግስቲ ወይ መራሒ ንህዝቢ ወይ ንመንእሰይ ይሓሊ እዩ ኢልካ ክትጣበቐሉ ከሎኻ ሕሉፍ ዕሽነት፣ ወይ ርኡይ ተበላጽነትዶ ኣይኮነን?

ዋዛ'ውን ከይመስለኩም፣ ብሕልፊ እቶም መንእሰያት ደቂ ዘሎዉኹም ስድራ ቤታት ክትጥንቀቑ ኣሎኩም። ንምዃኑ ካብ መዓስ እዩ ክርዳድ ዘሪእካስ ስርናይ ዝተሓፍሰ? እሞ ካብ መዓስ ደኣ እዩኸ ሳዋ ናይ ጽቡቕ ተግባር መርኣያ ዝኾነ? ዘገርም እዩ መንእሰይ ካብ ሳዋ ይሃድሙ ካልኦት ደቂ ዓይኒ መዓር መንእሰያት (YPFDJ ዝበሃሉ) ከኣ ከም ፋሽን ተቖጺሩ ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን እንዳኸዱ ንሰሙን ንወርሒ ተዓሊሞም ይምለሱ ኣሎዉ ይበሃል። "እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ" ከምዝበሃል ስድራታት ተጠንቀቑ! እንታይ ዓይነት ታዕሊም ኮን ይኸውን ኢልኩም እስከ ኣጥቢቕኩም ሕተቱ። ዝወዓለ ይንገርካ ከም ዝበሃል፣ ካብቶም ኣቶ ኢሳያስ፣ ንእስነቶምን ህይወቶምን ዘባላሸወሎም ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘሎዉ፣ ኣሽሓት ናይ ሳዋ ስደተኛታት መንእሰያት (ናይ ግድን ኢዩ ኣብ ጥቃኹም'ውን ክህልዉ'ሞ) እስከ ጽግዕ ኢልኩም ኣዛርብዎም። ፕሮፓጋንዳ ዘይኮነስ እቲ ሓቁ ሽዑ ካብ ኣፎም ክትረኽብዎ ኢኹም። 90% ካብዞም ሓደስቲ ናይ ወጻኢ (ደቂ-ዓይኒ-መዓር) መንእሰያት YFPDJ፣ ቱሪስም በልዎ ትምህርቲ በልዎ ቀሲሞም (እንተወሓደ'ውን ሳዕስዒት ሃገሮም ተዓሊሞም) ይምለሱ ይኾኑ እኳ እንተበልና፣ እቶም ዝተረፉ 10% ግን ብፍሉይ ክፍሊ ጸጥታ መንግስቲ ህግደፍ ተመልሚሎም እከይ ተማሂሮም ከምዝምለሱ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ወለዲ ንቕሑ፣ ብዝዕባቶም ደቂ ሶማል ካብ ሚነሶታ ዝበሃል ክ/ሃገር ኣመሪካ፣ ናብ ዓዶም ሶማልያ በጺሖም (ጸኒሖም) ምስ ተመልሱ ዘጋጠሞም ሓደጋ ብዛዕባ እንታይን ከመይን ከምዝነበረ ጠይቑ፣ መርምሩ፤ ደቅኹም'ውን ምእንቲ ኣብ ከምኡ ዝመሰለ ሓደጋ ከይወድቁ።

ምስዚ ዝተተሓሓዘ ኣዝዩ ዝተሃሳስብ ጉዳይ ኣሎ። እቶም ንኣቶ ኢሳያስ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ክዛረቡ ከሎዉ፣ ኣብ ርእሲ'ቲ ሒዙዎ ዝነበረን ዘሎን ናይ ስልጣን ህርፋን ሕማም፣ ሎሚ ድማ ዝኸፍኤ ናይ በዓል ኣቶ መለስን ኣመሪካን ናይ ኤውሮጳን ግላዊ ጽልኢ ስለ ዝተሓወሶ ፣ እቲ ሕማሙ ናብ ጥፍኣት ዘብጽሕ ዓይነት ጋኔን እዩ ተለዊጡ ዘሎ ይብሉ። ነዞም ጸላእቱ ዝበሎም ሰባትን መንግስታትን፣ ሒነ ምፍዳይ እቲ ዝለዓለ ናይ ለይትን መዓልትን ሕልሙን ቃንዛኡን እዩ'ውን ይብሉ። ሒነ ንኽፈዲ ንናይ ኤርትራ ህዝብን መንእሰይን ሃብትን ዘዕነወ እንተዕነወ ፍጹም ኣየገድሶን እዩ። ብዓይኒ ኣቶ ኢሳያስ ሕዝቢ ኤርትራ ኮነ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዘሎ ኣልዩ ንዕኡ ንኸገልግል እንተዘይኮይኑ ካልእ ዋጋ የብሉን ኢሉ እዩ ዝኣምን። ስለዚ ነቲ ንሱ ዝምነዮ ዘሎ ሕነ ንኸተግብሮ፣ እንተዝኽእል ዋላ ንምሉእ ሃገር መሰለፈ። "ኣምላኽ ንተመንሲ ግብራ ፈሊጡ እግሪ ከልኣ" ከም ዝበሃል ግን፣ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ሓይሉን ክእለቱን፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንምጭቛንን ንምጭፍላቕን ደኣምበር ኣብ ደገ ንዘሎዉ ጸላእቱ(ዋላ ንወያነ) ዘሰለፈ እንተኣሰለፈ፣ ጽንጽያ ዓይኖም ከንፍረሎም ከም ዘይክእል ተረዲኡዎ ኣሎ። ቀጺሎም እቶም ዝፈልጥዎ ከም ዝብልዎ ከኣ ካብዚ ብስጭትዚ ዝተላዕለ እዩ ነታ ካብ ንኤርትራ ምጭቛን ዝተረፈት ንእሽቶ ሓይሊ ናብ ጅቡቲ ናብ ሶማል ኬድካ ናብ ምጽያቕ ዝጥቀመላ ዘሎ። ግን ንሳውን እንተኾነት እቲ ጉድኣታ ንምስኪኖት ደቂ ሶማል ካብ ምብትታን ሓሊፋ፣ ንኣመሪካን ኤውሮጳንሲ ይትረፍ፣ ንኣቶ መለስን'ውን፣ ከተርክበሉ ኣይከኣለትን።

እምበኣር ኣብ ናይ ኤርትራ YPFDJ ወይ "ካምቼ ኔረ" እንተተመለስና፣ ከም ዝረኣናዮ፣ እታ ቀዳመይቲ ተልእኮኦም ህዝብናን መንእሰያትናን ኣብ ምክፍፋልን ምርዓድን ምርባሽን ኮይኑ፣ እታ ካልኣይቲ ተልእኮ ብተዛዋዋሪ ነቲ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ጽልኢን ሕነ ምፍዳይን ከይኮነት ኣይክትተርፍን እያ። እቲ ዝፍራህ ዘሎ እምበኣር፣ ኣቶ ኢሳያስ ባዕሉን በቶም ፍሉጣት( ዕድሜኦም ዋላ ደፊኡ ከሎ ብስም መንእሰያት ተወዲቦም ዘሎዉ) ዕሱባቱን፣ ነዘን ጸላእተይ ዝበለን ሃገራት ከርክበለን ስለ ዘይኽእል፣ በቶም ገሊኦም ንጹሃት ናይ ሓቂ መንእሰያት፣ ክጥቀም ከይፍትን የፍርህ እዩ። ንፍለጦ ደኣ፣ ሓንጎልን ኣታሓሳስባን ናይ ዲክታቶራት ኖርማል ስለ ዘይኮነ፣ እዚ ፍርሂ'ዝስ ዘይመስል እዩ ወይ ዘይከውን እዩ ኢልና ሻላ ክንርእዮ የብልናን። ከምኡ ከም ዝተገብረ ብዙሕ መረዳእታታት ኣሎ፣ ንኣብነት ብሊብያ ዝተፈጸመ ናይ ፓንኣም ኣይሮፕላን ሓደጋ ይዝከር። ኣብ ላዕሊ ከምዘተምባህኩዎ ገለ ካብዞም ኣብ ሳዋ ተዓሊሞም ዝተመልሱ መንእሰያትና፣ እንታይ ከም ዝተዓለሙ፣ ክሳብ ክንደይ ሓንጎሎም ከም ዝተሓጽቡን ብዝርዝር ኣይፈለጥ እምበር፣ እከይ ከም ዝተዓለሙስ ምስጢር ኣይኮነን። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ኣብተን ዝተወልዱለንን ዝዓበዩለንን (እውሮጳ/ኣመሪካ) ሃገራት ከምቲ ህዝበን ኮይኖምን መሲሎምን ስለ ዝነብሩን ዝረኣዩን፣ ካብ ካልእ ዝያዳ ዝጥርጠሩሉን ዝፍተሹሉን መገዲ የለን። እምበኣር ኣቶ ኢሳያስ፤ ይተዓወት ኣይተዓወት ብዘየገድስ፤ ካብቲ ክቱር ጽልኡ ተላዒሉ ሒነ ንኽፈድዩሉ ነዞም ምስኪኖት፣ ተመሊሱ ዘይረድኦም፣ እዃድኣ ኣብ ሓደጋ እንተወዲቆም ዝኽሕዶም ቆልዑት፣ ኣብ ዘይሽግሮም ከይከቶም (ከየረክሶም) ዓቢ ስክፍታ ኣሎ።

ካብዚ ተበጊሰ እየውን ኣነ ብወገነይ፣ ነቶም መንእሰይ ኮነ ንወለዶም፣ እንታይ ገዲሱኩም ኣብ ዘይደምኩም ኣብ ዘይጽልእኹም ትኣትዉ ዝብሎም። ደጊመውን፣ ምስ ዝዓበደዶ ትዓብድ ኢኻ? ኣይፋልን፣ ሕሰብሉ ደኣ ዝብሎም። ንደቅኹም'ውን እቲ ዘሎን፣ እቲ ክበጽሖም ዝኽእል ዘፍርህን ዘተሓሳስብን ሓደጋታት ተረዲእኩም ኣረድእዎም፤ ጽባሕ ከይትጠዓሱ እንዳበልኩውን እምሕጸኖም። "ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ" ከም ዝበሃል እቶም መንእሰይ በቲ ዘሎዉዎ ዕድመ ዝገብሩዎ ብዙሕ ስለ ዘይፈልጥዎ፣ በቲ ክቱር ናይ ሓንጎል ምሕጻብ (brain washing) ተገዲዶም ይኹን፣ ጅግንነት መሲሉዎም፣ ዓቢ ጌጋ ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ እቶም ወለዲ ንደቅኹም ክትብሉ፣ ነገር ናበይ ይኸይድ ከም ዘሎ ተመራመሩ፣ ተረዲእኩም ከኣ፣ ኣብ ሽግር ከይኣትዉ ደቅኹም ምዓዱ እብል።

እቶም ኣብ YPFDJ ዘሎኹም መንእሰያትውን፣ ተረድኡኒ  ሕብረት መንእሰያት ኣድላዪ እዩ፣ ዓቢ ጠቓሚ ረቛሒታት'ውን ኣሎዎ እየ ዝብል፡፡ ባዕልኻትኩም መሪጽኩም ነጻ ዝኾነ ናይ መንእሰያት ማሕበራት ከተቑሙ ፈትኑ። ግን እዛ YPFDJ እትብሃል ብመንግስቲ ዝቖመት፣ ብስምኩም ንናይ ኤርትራ ሰላምን ምዕባለን ዘይኮነስ ንናይ ኣቶ ኢሳያስ (ምስ ውሑዳት ሰዓብቱ) ስልጣን ንምንዋሕ እተፈጥረት ጉጅለ ምዃና እየ ክትፈልጥዎ ዝደሊ ዘሎኹ፡፡ ብዝዕባ ዝሓለፈ ታሪክን ሕጂውን ዝካየድ ዘሎን ኩነታት ሃገርና፣ ክዉንን ዘይክዉንን እንዳውረዩ፣ ሓንጎልኩም እንዳበረዙ፣ ዘታልሉኹም ዘሎዉ ነቲ ዝወጠንዎ ሕጊ-ኣልቦ ስርዓት ፈጢሮም ንሰብኣዊ መሰላት ናይ ህዝብና ንምርጋጽ ተሓባበርቲን መሳርያን ንኽትኮኑዎም ስለ ዝደለይኹም እዩ። ብሓጺሩ YPFDJ፣ ናይቲ ሕሉፍ ጨቛኒ ዝኮነ፣ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ምልካዊ ግዝኣት ንምንዋሕ ንኽትሕግዝን ንኸተሳልጥን ተባሂላ ብተንኮል ዝተጠንሰት ተበግሶ ምዃና ፍለጡ። በዓል ሙሶሊኒ ሂትለርን ካልኦት ዲክታቶራት'ውን ጽሓይ ኣብ ምዕራባ፣ ካብ ሞትን ስዕረትን ዘድሕኑዎም መሲሉዎም camicie nere, Blackshirts, brown shirts ወዘተ እንዳበሉ ይምልምሉ ኔሮም እዮም። ኣቶ ኢሳያስ'ውን ምናልባት ነቶም ኣብ ድፋዓት ሓይሩዎም ዘሎ፣ ብከንቱ ንእስነቶም ዘባኽነሎም ዘሎ ካብ 300 ክሳብ 400000 ዝግመቱ መሳኪን መንእሰያት ስለ ዘይኣመኖም፣ እንሆ ንዓኻትኩም'ውን፣ እንዳኣዳናገረ ናይ ሓዘንን ናይ ሽበራን ጸሊም ማልያ ኸዲኑ፣ ብኣኹም ንክሽቅጥ የርክበልኩም ኣሎ፤ ተጠንቀቑ ።ለብሙ ሽጣራ ናይ በዓል የማነ ማንኪን፣ ናይቶም ሞራል-በተኽ ዝኾኑ ዕሱባት ፕሮፈሶራትን መማህራንን ፍለጥዎ፤ መሳርሒኦም ከይትኾኑ።

ናይ መወዳእታ ጸሎተይ፣ ተስፋ ኤርትራ ካብ መንእሰያታ ስለዝኾነ፣ ብኣንጻሩ ግን ዘሎ መንግስቲ ኣንጻሮም ካብ ዓጠቐስ፤ ፈጣሪ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ኣብ ስደትን ኣብ መከራን ንዘሎዉ ኩሎም መኒሰያትና፣ ባዕልኻ ካብ'ዚ ሰይጣን'ዚ ሓልዎም፣ ኣብ ሰናይ ምርሓዮም፣ ነቶም ወለድን ዓበይቲን ከኣ ብዝከኣለና ክንሕግዞም ክንበቅዕ ናይ ኣቦታትና ሓቅን ትብዓትን ምለሰልና፣ እዩ ዝብል።

እዚ ወደሓንኩም።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...