ሃግራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብኢ-መይል ናብ ሰባት ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብኸፊል ከምዚ ይብል፣

 “ብሓባራዊ ቃልሲ ዝኣምኑ ኩሎም ጉደሳት ኤርትራውያን፡ ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ሃገራዊ  ጉባኤ ምእንቲ ንክሳተፉ ... ወርሓዊ ውጽኢት ክኸፍሉን ምስ ኣብቀረብኦም ዝርከብ ኣባል  ኮምሽን ክራኸቡን ክዋሱኡን ሽማግለ ውደባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብትሕትን  ይጽውዕ፡፡
 ወርሓዊ ክፍሊት፡ ንውልቐ ሰባት U$25 ዶላር ንስድራ ቤት $30 ዶላር ወይውን ተመሳስሊ  መጠን ሽርፊ ምዃኑ ንሕብር፡ ኣብ ቀጻሊ ብኸመይ ኣገባብ ወርሓዊ ገንዝባዊ ውጽኢት  ንኮምሽን ከምዚስደድ ሓበሬታ ከነውጺእ ምኻንና ንሕብር፡፡”

ዝኾነ ንሰባት ወኪሉ ዝሰርሕን፡ ምእንቲ ረብሓኦም ዝንቀሳቐስን ጉጀለ ንዝገብሮም ወጻኢታት መካየዲ ዝኾኖ ገንዘብ ምሕታት ግቡዕ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ከም ዝኾነ እዩ ዝፍለጥ። በዚ መሰረት ከኣ፡ መበገሲ ናይ እቲ ብሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞከራሲያዊ ለውጢ ዝሕተት ዘሎ ገንዘብ ኪርድኣና ይኽእል። ይኹን’ምበር፣ ገንዘብ ኪእከብ እንከሎ ንምንታይ ዕላማን፡ ክንደይ ዝኣክልን ምዃኑ ምሕታት ድማ ንመጠን ናይቲ ዝሕተት ዘሎ ገንዘብ ንምፍላጥ የኽእል። ስለ’ዚ፣ እቲ ንመካየዲ ስራሕ ኢሉ ገንዘብ ዝሓትት ዘሎ ኣካል ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዘድልዮን፡ እቲ ገንዘብ ድማ ንምንታይ ዕላማታት ኪውዕል ምዃኑን ብግልጺ ከቐምጥ ይግባእ። ከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ፡ ድሒሩ ንዝግበር ቁጽጽር ስለዝምችእ፡ ግድን ኪተኣታቶ ዘለዎ ኣገባብ ኢዩ፤ ምኽንያቱ ፡ ገንዘብ ኣሰሓሓቢ ጉዳይ ከም ምዃኑ መጠን፣ ሓሜታን ጥርጣረን ዝውገዱ ግሉጽን ስጡምን (ጋግ ዘይብሉ) ኣገባብ ምስ እንኽተል ጥራይ ኢዩ።

ኮይኑ ግን፡ እዚ ብሃገራዊ ኮምሽን ዝሕተት ዘሎ ገንዘብ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዘበግስ ኮይኑ ኣሎ፤ ገለ ካብኣታቶም ንምጥቃስ ድማ፦

• ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (ሃ/ኮ/ዲ/ለ) ኣብ’ቲ ዓሚ ዝተኻየደ ጉባኤ ንሓደ ዓመት ዝተመዘዘ ኮሚሽን ኢዩ፤ በዚ መስረት ድማ፡ ስራሑ ኣብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ንኸካይዶ ወጢንዎ ዘሎ ጉባኤ የብቅዕ። ኣብ 29 ነሓሰ 2010 ኣብ ዝወጸ ሕታም ዓዋተ፡ “ኤርትራ፡ ሃ/ኮ/ዲ/ለ ናይ ሰንዓ ፎሩምን” ብዝብል ኣርእስቲ (Eritrea, N.C.D.C. and the Sana’a Forum, Gedab News, August 29, 2010) ገዳብ ኒውስ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ናይ’ዚ ኮሚሽን’ዚ ስራሕ ንድፊ ቅዋም ምርቃቕን ጉባኤ ምክያድን ኢዮም። በዚ መሰረት ከኣ ናይ ስልጣኑ መበገስን መለክዕን እቲ ጉባኤ ኢዩ፤ ካብ’ቲ ጉባኤ ዝሃቦ ስልጣን ወጻኢ ኪሰርሕ’ውን ኣይክእልን ወይ እውን ኣይግባእን። ምእንቲ’ዚ ድማ፡ ስልጣኑ ዘየሻሙን ዘይሽረፍን ኪኽውን ኣለዎ። ምናልባት ኣብቲ ስላጣን ዘይተጠቕሱ ኣገደስቲ ስራሓት ምስ ዘጋጥሙን፡ ተኣፈፍቲ ምስዘይኮኑን፡ ብሓላፍነት ናይቲ ዝምዘዝ ኣካል (ወይ ኮሚሽን) ይፍጸሙ እሞ፣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ንኪጸድቁ ይሕተት። ስለዚ፣ እቲ  ኮሚሽን ገንዘብ ንኪእክብ ብጉባኤ ተፈቒዱሉ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፡ ዝብለ ሕቶ ኮምለሽ ይግባእ። ተፈቒዱሉ እንተድኣ ኮይኑ፣ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ፡ ነየኖት ዕላማታትን፡ በየናይ ኣገባብን?

• መጠን ናይቲ ዝእከብ ገንዘብ (ማለት ፍቓድ ተዋሂቡ እንተኾይኑ) ዕላማታቱን ኣገባቡን ኣገደስቲ እዮም፣ ምኽንያዩ ሕጂ’ውን ንቑጽጽር ኣድለይቲ ነገራት ስለዝኾኑ። ብዝተረፈ ከምቲ ህ/ግ/ደ/ፍ ዝገብሮ ስቕ ኢልካ 2% ምእካብ ጥራይ ኢዩ። ሓደ ካብቶም ንሓደ መንግስቲ ዲሞክራሲያዊ ዘብሉ ጉዳያት፡ ማዕረ-ማዕረ ናይቲ ዝስልዖ ቀረጽን ግብርን ዝኸይድ ባጀት ኣዳልዩ ንውሳኔ ናብ ባይቶ ምስ ዘቕርብ እኮ ኢዩ።  ብተመሳሳሊ ድማ (ሐጂ’ውን ፍቓድ እንተልዩዎ) እቲ ኮሚሽን ዝእክቦ ገንዘብን ዕላማኡን፡ ከምኡ’ውን እቲ ገንዘብ ዝእከበሉ ኣገባብን ብንጹር ከቐምጥ ይግባእ። ብዝተረፈ፡  ‘ካብ ውልቀ ሰባት U.S.$ 25 ካብ ስድራ-ቤታት ድማ U.S.$30 ኣብ ወርሒ’ ኢልካ ምእዋጅ ብውሑዱ ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው ሕቶታት ዝምልሽ ኣይኮነን። ስለምንታይ ኢዩ’ኸ ከምኡ ተባሂሉ? ‘እቲ ህዝቢ ዝተባህሎ ኢዩ ዝገብር’ ዝብል ትምክሕታዊ ኣረኣእያ ስለዘሎ ድዩስ ወይስ ካልእ ምኽንያት ኣሎ?

• መጠን ናይቲ ዝሕተት ዘሎ ገንዘብ፡ በብወርሑ ካብ ውለቀ-ሰባት 25 ዶላር ካብ ስድራ-ቤታት ድማ 30 ዶላር ኢዩ። መቸም ኣብዚ ጊዜ’ዚ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስራሕ-ኣልቦ ምዃኖም ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኮነን፣ መብዛሕትኡ ካብቲ ዝሰርሕ’ውን አብ ትሕት ዝበሉ ስራሓት ዝተዋፈረ ኢዩ። ስለ’ዚ ምናልባት ሓደ ሰብ ሓደ ጊዜ ኪኸፍል ይኽእል ይኸውን፣ ኣብ ወወርሑ ኪኽፍል ግን ዓቕሚ ዝረክብ ኣይመስለንን። ግዳ ናብቲ ሕቶ ንምምላስ፣ እዚ ውርሓዊ ውጽኢት’ዚ ምዓስ እዩ ከብቅዕ?

• ካልእ ኣገዳሲ ሕቶ፣ ስለምንታይ ኢዩ እቲ ክፍሊት ምስ ኣብቲ ኣኼባ ናይ ምስታፍ መሰል ተተሓሒዙ ቀሪቡ ዘሎ? እቲ ኮሚሽን ንኹሉ እቲ ኣብቲ ጉባኤ ኪሳተፍ ዝደሊ ኤርትራዊ ወዲ ላምን ወዲ ጤልን ኢሉ ኪፈሉ መን መሰል ሂብዎ? እዚ ዘተሓታትት ዩዳይ ኢዩ፤ መሰል ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ክሳብ ምግፋፍ ዝበጽሕ ብምዃኑ ድማ፣ ይትረፍ ንሓደ እዋንን ንሓደ ዝተወሰነ ስራሕን ዝተመዘዘ ኣካል’ሲ፡ እቲ ጉባኤ እነተኾን’ውን ከምኡ ዝኣመሰለ ውሳኔ ናይ ምሕላፍ ስልጣን የብሉን። ስልጣን እኮ፡ ኣብ ስልጣን ስለዝተቐመጥካ ዝልፈፍ ነገር ኣየኮነን፤ ዋላ ቅዋም’ውን ዘይትነክፎም መሰላት እኮ ኣለዉ። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ወሸለ ወጻኢታቱ ሸፊኑ ናብ ኣዲሰ አብባ ይብጻሕ እምበር፣ ኣብቲ ጉባኤ ናይ ምስታፍ መሰሉ ዝተሓለወ ኢዩ። ኮሚሽን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ስልጣን የብሉን፣ ንውሳኔኡ ድማ ብዝቐልጠፈ መረምታ ኪገብረሉ አለዎ።

• ካልእ ምስዚ ተተሓሒዙ ዝለዓል ሕቶ ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝካየዱ ዝነበሩ ጉባኤታት ብኸመይ እዮም ዝካየዱ ነይሮም ዝብል ኢዩ። መቸም ሎሚ ናይ መጀመርታ ጉባኤና/ኣኼባና ኣይኮነን፣ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት፡ ወጻኢታት ዝሓቱ ኣኼባታትን ጉባኤታትን ተኻዪዶም ኢዮም። ነዚኣቶም ብምፍታሽ ኪርከብ ዝኽእል ብልሓት ከም ዝህሉ ከኣ ኣይስሓትን። ናይ ገንዘብ ውጽኢት ኪግበር ምስ ዝድለ ድማ በወለንታ እምበር በስገዳድ ኪኸውን ኣይግባእን። ኣስገዳድ ኢዩ ዓድ ሃገር ኣስፊሩና ዘሎ።


21/06/2011
በረኸት-ኣብ ሃበተማርያም
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

 

 


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...