ሓው ሳልሕ ካብ ጽሑፋትካ ብዙሕ ኣንቢበ ኢየ፡ ካብቲ ንጽሑፋትካ ከንብብ ዘገደደኒ ምኽንያት ዘለካ ናይ ቃላት ኣሰዃዃዓ ክእለትን ከምኡ’ውን ከየተንፈሰ ነዊሕ ዝጓዓዝ ሙሉእ ሓሳብ ብዘየሰልችው መንገዲ ምጽሓፍካ ኢዩ። ምምላኽ ቋንቋን ናይ ቃላትን ሓሳብን ኣጋጣጥማ ዓቕሚ ምውናን ካኣ ንማንም ጸሓፋይ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ንበይኑ ግን ተደላዪ ጸሓፊ ክገብረካ ስለዘይክእል ካልእ ምስኡ ክማላእ ዘለዎ ሮቛሒታት ኣሎ። ቕድሚ ናብቲ ዝድለ ዘሎ ዝርዝር ምእታው ግን እቲ ዘቅርቦ ስነ-ጽሑፋዊ ነቐፌታ ኣብ ቦቱኡ ክህሉ ተስፋ እናገበርኩ እቲ ዝዓበየ ተስፋይ ካኣ ሓው ሳልሕ ነቲ ቁሩብ ክገልጾ ደልየ ዘለኹ መእረምታ ብምግባር ናይ’ቲ ደስ ዘብል ክእለት ኣጸሓሕፋኻ ኣስተማቐርቲ ኮይና ክንቅጽል ንኽትገብር ኢዩ።

ካብቲ ማንም ጸሓፊ ከማልኦ ዘለዎ ሮቛሒታት፡
1. ናይ ሓበሬታ ርጉጽነት፡
2. ኣብ ዝኾነ ጽሑፍ ብፍላይ ማሕበራዊ ብፍላይ ብፍላይ ካኣ ግላዊ ጉዳያት ብዝምልከት
ኣመልካቲት ኣጻብዕቲ ኢድ ዘይምጥቃም፡
3. ንሓደ ፍሉይ ተርእዮ ንሓደ ፍሉይ ተረኽቦ ንኣብ ሓደ ዉሱን ቦታ ብካብ ዉሱናት ሰባት ዝተዋህለለ ተረድኦን ዘስተባሃልካሉ ጉዳያትን ከም ሓፈሻዊ ኣብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ዘገልግል ሓበሬታ ወይ ኣብነት ጌርካ ክትወስዶ ብኡ መሰረት ካኣ ሓሳብ ክትነድቕ ጌጋ ምዃኑ፡ ብተወሳኺ ናይቲ ትጽሕፎ ጉዳያት ስእሊ “እዚ ዶ ይኸውን እቲ” ዘየብል ንጹር ምግባር
ንሕስያ ዘይግበሮ ኣገዳሲ ጉዳይ ምዃን፡

ኣብ ዝርዝር ክኣቱ፡
 

1. ናይ ሓበሬታ ርጉጽነት፡

ብፍላይ ኣብ ሓደ ብዙሕ ናይ ምንባብ ባህሪ ዘይብሉ እቲ ዝርካቡ ኣንባቢ ርእሲ ርእሱ ዓጺዱ ዝሓልፍ እቲ ዝበዝሐ ኻኣ ካብ ኣንባብካ መወከሲ ዘለዎ ሓበሬታ ምስናቕ ካብ ኣፍ ሰብ ኣብ ዕላላት እንዳሻሂን ገዛውትን ዝዕለል ሓበሬታ ገፊጥካ ምኻድ ንዝቆሎ ሕብረተ-ሰብ ዝኾነ ዝዋሃብ ጌጋ ሓበሬታ ብምሒር ምንባብ ብኡንቡኡ (Automatically) ናይ ምእራም ዕድል ስለዘይብሉ ናይ ከምዚ ዓይነት ሕብረተ-ሰብ ጸሓፍቲ ካብ ካልእ ጸሓፊ ንላዕሊ ናይ ሓበሬቶኦም ጽርየት ከረጋግጹ ይግባእ።

ከም ኣብነት (ቀዳማይ)፡

ኣብቲ “ንሳተን ባህለን ከሲረን….” ዝብል ሓተታኻ ንመውስቦ ብዝምልከት ኣልዒልካ ክትገልጽ እንከለኻ፡ “ ኣብ እስልምና ግን ኣይኮነን’ዶ ኣብ መንጎ ኣስላም ነሕዋትና ክርስትያንን የሁድን’ውን እንተኾነ ድሕሪ ምምስላም ክዋሰብ ሓላል ኢዩ” ኢልካ። ቅድም ቀዳድም እቲ መውስቦ ምስ ካልኦት ሃይማኖት ንወዲ ተባዕታይ ዝምልከት ምዃኑ ብሩህ ኣይገበርካዮን።

ብተወሳኺ እታ ንኣስላማይ እትምርዖ ክርስትያን ወይ የሁድ ብእስልምና ክትኣምን ወይ ሃይማኖታ ክትቅይር ዘገድዳ ሕጊ የለን። እቲ ዝድለ ጉቡኣ ኣማሊኡ ብሕጊ ክምርዓዋ ከምዘለዎ ኢዩ ዝሕብር። ብሓጺሩ ሓደ ኣስላማይ ንሓንቲ ብእንጅል (ወንጌል) ወይ ተውራት (ኦሪት) እትኣምን ክምርዖ ከምዝኽእል ካብዚ ሓሊፉ ንሓንቲ ብህላዌ ፈጣሪ ዘይትኣምን (ነገራዊት) ክምርዖ ኣይፍቀድን ኢዩ ወይ ሓንቲ ንጸሓይ እተምለኽ። ኮታ እታ ክምርዓዋ ዝኽእል ኣስላመይቲ ወይ ክርስትያን ወይ ኣይሁዳዊት ክትከውን ኣሎዋ።


ካልኣይ ኣብነት፡

ኣብቲ “ብተግባርሲ የለናን ……” ዝብል ሓተታኻ ብዛዕባ ሰልፊ ናህዳ ኣብ መርበብ ሓበሬቶኦም ትግርኛ ዘይምጥቃሞም (ዓረብኛ ጥራይ ምዃኑ) ነቒፍካዮም። ግን እቲ ዝበጻሕካዮ ናህዳ ዝብል መርበብ ሓበሬታ ናይ ሰልፊ ናህዳ ኣይኮነን።

2. ኣብ ዝኾነ ጽሑፍ ብፍላይ ማሕበራዊ ብፍላይ ብፍላይ ካኣ ግላዊ ጉዳያት   ብዝምልከት ኣመልካቲት ኣጻብዕቲ ኢድ ዘይምጥቃም


ከም ኣብነት፡


ኣብቲ “ንሳተን ባህለን ከሲረን…..” ዝብል ሓተታ እከለ’ዃ እንተዘይበልካ ነቲ ዝርዝር ኩነታት ምግላጽካ ዋላ’ኳ ነቲ ካብቲ ዝጠቐስካዮ ቦታ ርሒቑ ዘርከብ ሰብ ብዛዕባ መን ይዝረብ ከምዘሎ  እንተዘይ ኣስተባህለሉን ዘይተገደሰሉን ነቶም ኣብ’ቲ ጉዳይ ዝተፈጸመሉ ቦታን ከባቢኡን ዝርከቡ ግን ብመን ትዛረብ ከምዘለኻ ፈሊጦም ኣለዉ። እዚ ኻኣ ናይ ኣመልካቲ ኣጻብዕቲ ኢድ ምጥቃም ተግባር’ዩ። በቲ ከሕድሮ ዝኽእል ጽልዋን ተጻይ መልስን ካኣ ነቲ ክመሓላለፍ ዝተደልየ ኣስተምህሮ ብዓብዩ ፋይዳ ዘይብሉ ይገብሮ። ብሕጊ ዘሕትት ጉዳይ ኣብ ምዃን ደረጃ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ’ውን ኣለዎ።


ስለዚ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት እቲ ካብቲ ጸሓፊ ዝድለ ነቲ ተርእዮ ተገንዚቡ ኣጽኒዑ ዘስዕቦ  ማሕበራዊ ባህላዊ ፖሎቲካዊ ሃሰያታት ተረዲኡ ጸሚቕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ምቕራብ ጥራይ ኢዩ። ልክዕ ንማሕበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽም፡ ንምፍልላይ ዝዕድም፡ ንቕርሕንትታት ዘሳውር ኣብ ልዕሊ ካሎኦት ስነ-ምግባራውን ኣካላውን በደላት ዝፍጽም፡ ንወገንነት ዘባኹዕ፡ ብቐጥታ ክዝረበሉን ክህረምን ኣለዎ። ግን ጓሉ ኣመርዕዩ ንእገለ ኸሊኡ ንእገለ ሂብዋ ኣዝዩ ግላዊ ጉዳያት ኢዩ። ማዕጾ ኣገፍቲንካ ትታሓማመየሉ ክኸውን ይኽእል ይኸውን ኣብ ጽሑፍ ዝሰፍር ግን ኣይኮነን።


3. ንፍሉይ ተርእዮ ንፍሉይ ተረኽቦ ኣብ ዉሱን ቦታ ብዉሱናት ሰባት ተፈጺሙ ዝተዋህለለ ተረድኦን ዘስተባሃልካሉ ጉዳያትን ከም ሓፈሻዊ ኣብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ዘገልግል ሓበሬታ ወይ ኣብነት ጌርካ ክትወስዶ ብኡ መሰረት ካኣ ሓሳብ ክትነድቕ ጌጋ ምዃኑ በተወሳኺ ናይቲ ትጽሕፎ ጉዳያት ስእሊ “እቲ ዶ ይኸውን እዚ” ዘየብል ንጹር ምግባር ንሕስያ ዘይግበሮ ኣገዳሲ ጉዳይ ምዃኑ፡

ንኣብነት (ቀዳማይ)፡
ኣብቲ “ብተግባርሲ የለናን…” ዝብል ሓተታኻ ኣስላም ከምቲ ዝድለ ይቃለሱ የለዉን ኢልካ፡  (በየናይ ኣሃዛዊ መጽናዕቲ)። ካብዚ ኹሉ ንምድሓን “ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኣስላም …. ኢልካ ምዝራብ ምተመርጸ”። ምኽንያቱ ኣብ ካልእ ቦታ ካልእ ሓቂ ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ናይ ግድን።

ካልኣይ ኣብነት፡

ኣብ ገጽ 4 ናይ ኑኡስ ኣርእስቲ 4ይ ምዕራፍ፡

መጋበርያ ህግደፍ ኢልካ ትገልጾም ዘለኻ ውልቀ-ሰባት ድዮም ወይስ ከም ጀበርቲ ተጠርኒፎም  መጋበርያ ዝኾኑ? ውልቀ-ሰባት’ዮም እንተልካ ከምቲ ኩሉ ውልቀ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ክንርኦዮም ንኽእል። እዚ ኻኣ ኣብ ኩሉ ዘሎ’ዩ፡ ዘዛርብ ኣይኮነን። ግን ተመሊስካ ኻኣ ምስ ካልኦት ብሄራት ዝገብርዎ ዘለዉ (ቁም ነገር) ኢልካ ምንጽጻር ክትገብር ምፍታንካ ካብ ናይ ምንጽጻር ሕጊ ወጻኢ ኬድካ ምህላውካ የረድእ፡፡ ወይ ካኣ ብውልቀ-ሰባት ኣይኮንኩን ብሄር ምስ ብሄር ኢየ ዘነጻጽር ዘለኹ ክትብል ኣለካ። ሽዑ ሓደ ክልተ እናበልካ ይረአ።

ስዒቡ ኣብ ዘሎ ምዕራፍ፡


“…..ንዑ ዳኣ ክሳብ መዓስ ካለኦት ዝተሰዉኡሉን ዝተቆረጽሉን ሃገር ከተውደኽዱኹ…..” ንመን ተመልክት ከምዘለኻ ቡሩህ ኣይኮነን። ነቶም መጋበርያ ህግደፍ ዝበልካዮም ድዩ? ነቶም ካብ ፖሎቲካ ነጻ ኢና ዝበሉኻ ወይስ ንኹሉ? ቡሩህ ኣይኮነን። “ክሳብ መዓስ” ክትብል እንከለኻ ነዛ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ናጻ ዝወጸት ሃገር ቅድሚኡ’ውን ሓንሳእ እናተገዝኤት ሓንሳእ ናጻ እናወጸት ዝመጸት ሃገር ኣምሲልካያ። ኣብ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ሓደ መድረኽ ኢዩ፡ ታሪኹ ኻኣ ኣለዎ። እዚ ሕጂ ዘሎ መድረኽ ካኣ “ሓርነታዊ” መድረኽ ኢዩ፡ እዚ’ውን ታሪኹ ኣለዎ።


ብዛዕባ’ቶም ተጸንቢርካዮም ዝነበርካ ማሕበር ጀበርቲ ኣብ ፖሎቲካ ዘይግደሱ ምዃኖም፡ ግን ኣብቲ ወጽዓ ናይ ጀበርቲ ኣነጺሮም ብሕጊ ዑቕባ ናይ ካናዳ ክርኽቡ ምኽኣሎም፡ ነዚ’ውን እትንእዶ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጽካ። (ብወገነይ እዚ ንባዕሉ ፖሎቲካዊ ዕዮ’ዩ)። እቲ ዘዛርብ ግን እዚ ኣይኮነን፡ ዘይፖለቲካዊ በርገሳዊ ማሕበር ኢና ንኽብሉ’ውን ዝኽልክሎም የለን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብ (ንዓይ ስምዑ) ክንርሕቕ ኣሎና። ንናይ ካልኦት ርእይቶ ኻኣ ንፍተዎ ንጽላኣዮ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ከነኽብሮ ኣሎና። ክሳብ ንናይ ካለኦት ክብርን መሰልን ዘይምግሃስ።


ብዝተረፈ ኩሉ ኣቅልቦና፡

1. ነዛ ብዙሕ ቋንቋን ባህልን እምነትን ዝጾረት ሃገርና ዝበቅዕ ኣእሙሮ ኣብ ምዕባይ፡
2. ንምእንቲ መሰሉን መሰል ካልኦትን ዝስዋእ መንእሰይ ኣብ ምምልማል፡
3. ኣብ ሃገርና ንጉዳይ ፍትሒ ከም ማይን እኽልን ተደላዪ (ተጠላቢ) ምግባር። ኣብ ዝኣመሰሉ
ጉዳያት ዘድሃበ ክኸውን ኣለዎ።

ምስ ናይ ሰናይ ትምኒተይ

ኣወልኼር ዓብዱልሓፊዝ
ስዑዲ ዓረብያ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...