ጸሃይ! 

ጸሃይ ጽብቕቲ: ልእልቲ ጓል-ዓበይቲ
ፈራዪት ናባይት ከም ኮኸብ ድምቕቲ
ስልማትኪ ዕንቊ ርእስኺ ቁንንቲ።
 
ካብ’ኖኺ ብዝወረስክያ ዕጥቂ ምክሕቲ 
ግርማኺ ዕልልቲ፡ ወላ ኣብ ቤተመንግስቲ
ስረኦም ኣፍቲሓ ንመኳንንቲ
ስርሕ-ፍንጥሕ፡ ዕጽፍ ዝርግሕ’ያ 
ተብሎም ወላ ነቶም ምኩሓት መሳፍንቲ።
 
ጸሃይ ውቅብቲ
ኣዒንትኺ ክፈርያ ከክንድ’ዛ ዑሙኽቲ
ጸግዐን ሸፋሽፍቲ ጎረባብተን ምዑጉርቲ
ንናይ ንእስነት ጉያ ዝገብራ ሓሙኽሽቲ።
 
 መስተንክር’ያ ናተን ሞያ
የብለንን ንሕስያ ከም ቃሕተአን’የን 
ላዕላይ ገዛን ታሕታይ ገዛን ዘበራርይ
እንተደለያ ከስሕቓ እንተደለያ’ውን ከብክያ።
 
ሕሉፍ ሓሊፍወን፡ ጭራሽ ልዕሊ’ቶም ጠበብቲ
ፈላጣት ሊቃውንቲ
 ቀላጽም ሓጻውን ዓጸፍቲ፡ ዛንጣ መዓናጡ ጠዋወይቲ
ዝስራዕ’ዩ ናትኪ ምስጢራዊ ትዕድልቲ። 
 
ጸሃይ ጉልብብቲ
 ደርጊ ስና ውቅጥቲ
ንገለ መርገም ንገለ ግን ምርቓ’ዩ እግሪእግርኺ ዘታቲ።
 
ከመይ’ሲ ናይ ቀደም ዛንታኺ ላዕሊ
ውሻጠኺ ሕዛእቲ ልብኺ ንዳእቲ፡
ትሕዝትኡ መዓር-ጠስሚ፡ ስልማቱ ቂሐ-ጽልሚ፡
 እንዳ መሶብ ውንጥጭሕቲ፡ መኾምብያ ሞኽባዕቲ
ኣብ ድርኲዂቱ ዘለዎ ዳገት፡ ዋሕስ መዕገቲ
ኣብ መጽሓፍ ዘይሰፈረ ትካል ናይ ዓበይቲ
እንተኾነ ግን፡ ሰበ’ባትር ዘይሰግርዎ ትእምርቲ።
 
ማለት’ሲ ወላ’ቶም ሰብ ቀደም፡ ኣንበሎት-ደበልቲ
 ምእንቲ ለውጢ ግምባራት መፍረስቲ
ኣብኣ በጺሖም’ሲ ብወግዒ ተቐየድቲ።
 
ሎሚ ግን እንድዕልኪ 
ሓዲርኪ እንክትውዕሊ
እዋን ብቕትሩ፡ ዝመሰየኪ ኢኺ ትመስሊ።
 
ኣብ’ንዳኺ ረጊእኪ 
ምስ ጠለባት’ዛ ዓለም ዕዳጋ ክንዲ ትላዘቢ፡
 ብዙሕ ተንጸርጽሪ፡ 
ሰፈርክን ድላይክን ከምትቕይሪ ድማ
 ወንኺ ምስ ማዕበል ናይ ባሕሪ 
ዝመጣጠር’ዩ ዝመስል ዘነቓንቕ ኣዕኑድ ሰማይ-ምድሪ
ክሳብ ዝህወጽ ምድርቤት’ንዳ ፈጣሪ
ዘብዛሕክዮ ትመስሊ’ለኺ ምሒር ትደነገሪ።
 
እሞ ካብ በልክስ ጸሃይ፡ ይኹነልኪ’ስኪ ደሓን
መንገድኺ ይጠቕልሎ ከም መጽዓን።
 
 ንምዃኑ ግን ኣቦኺ ድዮም እኖኺ ዘውጽኡልኪ ጸሃይ 
ባህጎም ድዩ ምስልኺ ዝምስክር ንዳሕራይ?
እንታይ ኮን’ኸውን ዘስፈረኪ ሰማይ? 
እሞ በሊ ሕራይ፡ 
እንተተረኺቡስ እዛ ጉዳይ!
እዋና ሓልያ ክሳብ ትጻረ ብማእከላይ
 ኣነ’ውን ኣሰር’ቶም ከማይ
 ጥዒመዮ’የ ኣብ ዕትሮኺ ዘሎ ማይ።
 
 ምሒለ’የ ብኣኺ እናበልኩ ስጋኺ 
ጸሃይ ሓዊ-ዓይና ይግበረኒ ቅድመኺ። 
 
ምግናን መኣስ ኮይኑ፡ ከም ዓይነይ’ተኾይኑ
ንቋሕታኺ ፋናኡ ረመጽ’ዩ ኣሰሩ
መርገጺ ዘይብሉ።
 
ከም ትምኒቶም ንቐዳሞት እንተኾይኑ ግን
ቀትሪ ይኹን ለይቲ ዘይትጠፍእ መብራህቲ፡
ጸሓይ ትመስሊ’ዮም ዝበሉኺ
 ካብ ፍጥረታት ኩሉ ከም ትደምቂ ንስኺ።
 
ኣብ ሎሚ በጺሑ ግን እንታይ ፈሊጠሉ
ከም ዘመኑ፡ ኣሰርኪ ክስዕብ ልበይ ኣብ ምንቃሉ
ቆለ-መልኣኸይ ደዊኑ
ኣንገብጊቡ’ንገብጊቡ ጸሓይ-ጸሓይ ዘጽሉ
ገዛ-ገዛ ገዲፉ፡ ሕጓ-ሕጓ ዘዕነኑ
 ጽልዋኺ! ጽልዋ ጸሃይ’ዩ ክበሃል እንተኾይኑ?
 
ናይ እቶንኪ ሃልሃልታ
ዝሓፈረ’ዩ ዝመስል ንቑሪ ንዛዕዛዕታ
ጸሃይ እናበለት ልበይ ካብ ተሓቝነት 
ጨው ቀትሪ በ’ሳሒታ እሔው እንካብበለት
ሃየ በሊ’ሞ ጸሃይ ግበሪ ደሃይ
መኣስ ከምትደምቂ፡ ተማሙቒ ከም ጸሓይ
ይጽበዩ’ዮም ዘለዉ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ
ሕንጦ ምስ ዕንዳይ።
 
04/18/2015
 
 
 
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...