ወርሖ!

 
ሰፈርኪ ሰማይ ምሕዳርኪ ላዕላይ
 
ዕምቆቱ ውቅያኖስ ባሕሪ-ኸብዱ ቀላይ፡
 
ዓንቀጹ ገፍሖ ጋሕንትዕርብ ምስተረሖ
 
መስተንክር ተፈጥሮ ዘንቃዕረረ ዘይበጽሖ።
 
ስፍሕት ናይ ክዳንኪ ጠረፍ
 
ዘይዕቀን ብሜትሮ
 
እመት-ናጽነት ዘይጥርሮ።
 
ስለ’ዚ’ኮ’ዩ
 
በ’ድንቖት ብሃንቀውታ ንዝቛምተኪ ብማዕዶ
 
 ካብ ህድሞ ካብ ኣጉዶ፡ መጋርያ ካብ ዝተኣጉዶ
 
ንስኺ ሓንቲ
 
ከም መርዓት ጉልብብቲ፡
 
ብጾትኪ ድሙቓት ተላሃይቲ
 
 ኣእላፍ ከዋኽብቲ።
 
ኣብ መስርሕ ናይ ለውጢ ወደቕቲ ተንሳኣቲ
 
ምህርቶም ዘንጸባርቕ ከም መብራህቲ
 
 ንጸምጸም ናይ ለይቲ፡ ከምስሎ መዓልቲ።
 
ብማዕረ ከየዳ’ለ ከይለክዐ ብማይክዖ
 
ዝቃለስ ዝመጣጠር ንኹሉ ክበጽሖ
 
ንጸልማት ክብድሆ ከማዕርዮ ምስ ንግሆ።
 
ስለ’ዚ ናትኪ እማነት’ሲ ወርሖ
 
ንንቕሎ የንግሆ
 
ንመንገዲ የብርሆ።
 
ንኣይ’ኳ በታ ዘላትኒ ዓቕሚ
 
ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዘይትርስዓኒ፡
 
ማለት’ሲ፡ ብቖልዓይ ኣትሒዘ ክሳብ ዝዓቢ
 
 ጠለ-በጊዕ እንክናቢ፡
 
ከምገለ ብወዝቢ
 
ሕድሪ ተሰኪመ፡ እንተነቒለ ከብጽሕ መልእኽቲ
 
እዋን ወገግ ከይበለት የስፍል መንገዲ።
 
እሞ ምናልባት ደመና ተሸፊኑ
 
 ጽላሎት ኣብ ጎድነይ ክዓልብ እንተጀሚሩ፡
 
ኣቤት ዛ’ልበይ ትህወኾ!
 
 ምኽንያቱ ኣብ ጽልግልግ ዕጹው-ማዕጾ
 
 ዘይኮነስ
 
ሙግሓተይ ምስ ጽፍሒ ባናኺ’ዩ ወርሖ
 
ብርህለይ ጥራይ ድመቕለይ ከም’ቲ ልበይ ዝብህጎ።
 
04/08/2015
ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ 
 
 
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...