ሕቶ ንዶክተር መስፍን ኣርኣያ?

 

መጋረጃ ይቅንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ

ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ

ክንደይሻዕ ክንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ

ይኣክል ናይ ብርዒ፡ ይገለጽ ኣስማቱ።

ድምጺ ዶክቶር መስፍን ኣርኣያ ሰማዕና

ብምስቃትካ ገበነኛ ንገብረካ ኔርና

ትሓዝን ነበረት ቤተ ሰብካ ደኒና

ሻዕብያ ስለ ዝነበረ ታሪኽ መጋቢና

ህዝቢ ኤርትራ ተማሃር ከይበረሱ ጀጋኑና።

 

“ሞጣ ቐራንዮ ምነው ኣይታረስ

በሬሳልይ መጣሁ ከዝያም እስከዚህ ድረስ”

 

ኣብ ግዜ ሃጸይ ተድሮስ ዝተቐነየ ቅኔ!

ሕጂ ኤርትራ ከመይ ኣላ?

 

ዶክተር መስፍን ኣንታ በዓል ዛንታ

ወዲ ጸንዓ ደግለ ዓዲ ደግያት ባህታ

ወዲ ሰራየ ክብለካ ካብ ታኺታ

ወዲ ሓማሰን ኢኻ ብምልእታ

ዘርእኻ ሓበሻ ዘይብልካ መሰታ።

 

ዶክተር ነዊሕ ኮይኑ ኣፍካ ብዕብሱ

ሻዕብያ ተቓሊሶም ሽምካ ክድምስሱ

መንነትካ ኽጠፍኡ ገመድውን ፈሓሱ

ተዛረብ በብሓደ ገበነኛታት ክኽሰሱ

ምእንቲ ሓቂ ኢልካ ጣሻታት ክጠሓሱ

ኣዝንበልና እስከ! ታሪኽ ናብ ህዝቢ ይፍሰሱ

ክሕደት በዚሑ ሃገርና ፈሪሱ

መልክዕ ኤርትራ ርኣዮ ተድምሲሱ

መንእሰይ ኣብ ፎቀዶ ስደት ክሕበሱ

ወለዲ ስኢኖም፡ ለባማት ዝድብሱ።

 

ኣንታ ዶክቶር እስከ ንገረና

ኣብ ሰማይ ዝተቀትሉ ጀጋኑና

ዋልልኝ፡ ዮሃንስ፡ ማርታና

ኩሎም ብሓባር ስዉኣትና

ቃልሲ ተመሃሮ ኣብ ግዜና

ንስኻ ትመኽሮም ነርካ ኢሎማና

እስከ ንገረና መንዩ እቲ ገበነኛ

ቡስጣ ዝለኣኸ ናብ ሶስተኛ

ቅልዓዮ እትሓቂ ኣስምዓና

ብዙሕ ግዜ ተባህለ ንስኻ ገበነኛ

ይብሉኻ ሲ. ኣ. ኤ. ሓንሳብውን  ሶስተኛ

ኢሎም ኣውሮይልካ መራሕቲ ሃገርና

ኣየናይ እዩ እቲ ሓቂ በጃኻ ንገረና

ንህዝቢ ዳሕድሓሉ ንሱ እዩ ዳኛ

ሃገርና ጠፍኤት ብጠላማት ተመሪሕና

ንሓቅን ንፍትሕን ኣይንፈልጣን ዝብሉና

ቅንዕና ዘይብሎም መሪሕቲ ሃገርና።

 

መብዛሕትኡ ሙሁር ብምጽቃጦም ጠለመና

ሓሶት ክዝምሩ ጸሓይውን ኣዕረቡልና

ዘይኮነ ዝዛረቡ ዘይተገብረ ኣብ ታሪኽና

ሕግን ባህልን ዝነበሮ ሃገርና

ኣደንቖርዎ ንህዝቢ ኩላትና ዓሸና

እንሆ ይጸንት መንእሰይ ተካኢና።

 

ዶክተር መስፍን ንገረና በብሓንቲ

ዝበዝሑ ሙሁራት ሃገርና ተበልጽቲ

ሓቂ እናሰምዑ ማላገጽቲ

ስነ መጎተ ዘይፈልጡ መላገስቲ

ንባይቶ ዓደቦና መናኣስቲ

ዝፈልጥዎ ዘይብሎም ነዓቕቲ

ኣብ ክሕደት ዳስ መሳሰይቲ

ናይ ጥልመት ነጸላ ተዕተቕቲ

ኣብ ታሪኽ ሓተላ ሓምበስቲ

ሃገርና ኣእተዉዋ ናብ ዓዘቕቲ።

 

ሓቂ ዘይዛረቡ መላኻዕቲ

ሃገርን እናጠፍኤት መጣቖቲ

ዝወዓሉ ይመስሉ ወርቂውን ዃዓቲ

ያኢ ሲንጋፖር ብዘይ ትምህርቲ

ሕንኽ ዘይብሉ እዞም ወቀርቲ

ካህን ከሎ ንሳቶም ሰበኽቲ

ዘደናግሩ ኣብ ቅድሚ ታቦት መሓልቲ

ወርቂ ፈሲሱ እናበሉ መውረይቲ

ናይዚ ኣቶምስ ንበይኑዩ እቲ ትምህርቲ

ስን ስርዓት ዘይብሎም ጠለምቲ

ዓይኖም እናርኣየ ዘይርእዩ ክሓድቲ

ሞራል ዘይብሎም መታለልቲ።

 

ጸገም በርቲዑዎ መንእሰይ ኤርትራ

ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ዶብ ሃገሩ ሰገራ

ጠፍኤ ሃጸጸ ከድ ናብ ሳሃራ

ኣብ ራሻይድ ተዓፈነ ብሰብ ኻራ

ሲናይ ወሰድዎ ዝገደደ ካብ ናኹራ

ሽግር ተወሰኸ ከበደ መከራ

ኣብ ባሕሪ ጣሓለ ብሓበራ

ጭልቅዓት ኤርትራ ረኸብቲ መከራ

መብዛሕትኦም ሙሁራን ኣጽቀጡ ብሓበራ።

 

መንእሰይ ፋሕ እናበለ ከም ደቂ ዛግራ

ሙሁራን ኤርትራዊ ኣፎም ተኣሲራ

ከይበኽይሉ ንዓለም ኣሕፊርዎም ምንጋራ

መገሻ ከይተርፎም ናብ ኣስመራ

ያኢ ዓበይቲ ክበሃሉ ኣብ ኤርትራ

ዓገብ ማለት ከም ድፍረት ተቖጺራ

ዘንባዕ ዝትምህርቶም ጎደሎ ዕባራ

መብዛሕትኦም ኣካዳሚክስ ደቂ ኤርትራ

ንሓዎም መሕረዲ ዘብልሑሉ ኻራ

ሕነ ዘይፈድዩ ናይ ኣህባይ ጭፍራ

ዓንቀፍቲ ንሃገሮም ኸይትወጽእ ሓራ

ሃገሮም እናጠፍኤት ብህግደፍ ሓሪራ

መሰል ህዝቦም ሸይጦሞ ዝበልዑ ንሻራ

ንዓኻትኩም ዝወለደት ኣደ ብዙሕ ቆሪራ።

 

ዶክተር ኣጋልጽ ትፈልጦ ዘልካ

ንገርና በብሓደ ደጋጊምካ

ዝቐደምን ዝደሓረን ከይገደፍካ

መሳቱኻ ኮኑ ኩሎም መማህርትኻ

ኣብ ዒራዒሮ ዘልዉ መታዓብይትኻ

ቀዲሞም ዝተቐዝፉ ዝሓለፉን ብጾትካ

ታሪኽ ሃገርካ ጽሓፈልና ደብተር ገናጺልካ

ብሓባር ናይ ኹሎምቶም ዋላቶም  ዘኽፍኡኻ

ትምህርቲ ክኾኖ መሬት ዓደቦኻ

ምድሪ ከይጸልምተ ጽሓፎ ቀልጢፍካ

ስለ እቶም ዝሓለፉ ስዉኣት ህዝብኻ

ንስኻውን ታሪኽኛ ኢኻ፡ ታሪኸኛ ኢኻ።

 

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

29 ግንቦት 2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...