ኣብ ሃገራዊ መዝሙር ዘሎ ሓረግ ንመልከት?

“….ሕድሪ ኣለና ግምጃ ክንስልማ….? ሓቂ ድዩ?”

 

መጋረጃ ይቅንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ

ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ

ክንደይሻዕ ኽንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ

ይኣክል ናይ ብርዒ ይገለጽ ኣስማቱ።

 

“…ሕድሪ ኣለና ግምጃ ክንስልማ..መዝሙረ!”

ግምጃ ክንስልማ ሃገራዊ ዝማረ

ህዝቢ ሓቅነቱ ብዙሕ ከይመርመረ

ሃገሩ ዘፍቅር ብዙሕ ዝጸዓረ

ሓቂ መሲልዎ ብዙሕውን ገዓረ

መቐረት ዘብይሉ ካብ ዕረ ዝመረረ

እዚ ድዩ? እቲ ግምጃ መዓንጣ ሰብ ዘሕረረ።

 

ደሚርካ ኣጉዲልካ ዘይተረኽቦ ጥረ

ኣርቢሕካ መቒልካ ዘይብሉ ሓደ ፍረ

መንነት ዜጋታት ኣብ ሕቶ ኣሕደረ

ቁሊሕሊሕ ተበልካ ብዙሕዩ ጥርጣረ

ውዒሉ ሓዲሩ ሓድነት ቀሓረ፡

ኣይጽገንን ልቢ ምስ ተሰብረ

ግምጃውን ርኢናዮ ህዝቢ ምስ ደከረ።

 

ኣበይ ኣሎ ንግምጃ ዝኹሉ ዝማረ

ዝተወልደ ቖልዓ ኣብ ጋህሲ ካብ ተቀበረ

መዓስ ኣብዚ ጠጠው ኢሉ ኣብ ሲናዊን ተቐብረ

ወላዲ ጸምይዎ ከይደቀሰ ሓደረ

ንብዓቱ ተወዲኡ ዓይኑውን ዓወረ

ስልማት ናይ ግምጃ ህዝቢ ምብራረ።

 

ህዝቢ ተበደል ኣይረኸበን ዳኛ

ብገዝእ ሃገሩ ኮይኑ ገለልተኛ

ወዲሰብ ይእሰር ይምቛሕ ብዘይዳኛ

ሃገርይ እንተበል፡ ተባህለ ወረኛ

ኣብ ጥራሕ ከብዱ ተባህለ ጽጋበኛ፡፡

 

ህግደፍ ሓንቂቕካ ኣንታ በላዕተኛ

ጽጋብ ሰርነቐካ ነውራም ገበነኛ

ንደቀባት ገርክዮ  ስደተኛ

ግምጃ ኣህሲስክዮ ኣንታ ደረቐኛ።

 

ግምጃ ሃገርና ቅሓር እዩ

እንተ ተጎምጎምካዮ ቁሪ እዩ

ንኸይትሕዞ ጓህሪ እዩ

እንተ ቀርብካዮ ሕማም እዩ

እንተ ርሓቕካዮ ጸገም እዩ

ኣይ ወዲ ኣይ ጓል ጭደል እዩ

መፍትሒ ዘይብሉ መርገም እዩ

ኣቦ ሃገር ክጠልመካ ንቕለት እዩ

ስልማት ግምጃና እዚ ድዩ?።

 

ወዲ ሃገር ስደት ዝመረጸ

ዝብላዕ ኣብ ሃገር ዝቐርጸጸ

ዝስተ ዘይብሉ ብጀካ ዝመጸጸ

ዓቕሉ ጸበቦ ልቡ ምስ ተሃወጸ

ሃገሩ ገዲፉ ናብ ስደት ሃጸጸ

ካብ ኣሻኽ ግምጃ ንክርሕቕ መረጸ

ስልማት ግምጃ ኣብዚ እንሆ ውርጻጸ

ንብረቱ ገዲፉ ከደ ተቓበጸ

ንሂወቱ ጥራሕ ንኸድሕን መረጸ።

 

ርኣናዮ ግምጃ ህግደፍ ሓቅነት ዘይብሉ

ጉርሒ ደቂ ኣስመራ ኩላቶም ጎሓላሉ

ድልይ በል እንተበልካ ዝበዝሑ ዓዋሉ

ንጥልመት ንክሕደት ተኣኪቦም ዝምሕሉ

ሃገርና እንዳ ዓነወት ይብሉና ማዕቢሉ።

 

ዝገበሩ ገይሮም ዝብሉ ኣሉ

ዘርኢ ሰብ ዘይኮኑ ተዃሉ

ሸፋቱ፡ ኣብ ሃገር ባንደራ ዝሰቐሉ

ሓሶት፡ ዝድራሮም ዝምሕሉ ዝጥሕሉ

ግምጃ ክንስልማ ኢላቶም ዘዕልሉ

ረኺቦም ህዝቢ ብቐሊል ዝታለሉ

ሃገርና ኣብረስዋ እናገማጠሉ

ተፈታሕካ ጥራሕ ቑጻር ዝትሓዝ ዘይብሉ።

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ስውኣትና ይዘከሩ

 

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊ ኢንድያና

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...