ስርዓት ባራ
ዝኸፈልካ እንተኸፈልካ: ኣብ ስርዓት ረኪስካ ባራ
ዝኣመነ ዝኸሓደ: ንኹሉ ብሓደ ኻራ
ይብሉኻ ደኣ: ገና ትእወድ
ትልቃሕ ድማ: ንብረትካ ከይውሰድ
'ታ ሩሕ ባዕላ: ከይትብል በድበድ
ንበይኑዶ መሲሉኩም: ዝሕሽሽ
ነብሱ ትዓሽዩ: ኣማኒ ዝቕሽሽ
ሸቃጢ ፍርሒ: እምነት ሰብ ዘጠፍሽ
ስራሕ ሽፍታ ደኣ: መዓስ ኣዝዩ ይፍለ
ካብ ከምዚ እከይ: ዝኣመሰለ
ጓና ከይተረፈ: ሓውን ሓፍትን ዘጸለለ
ኣየደቅስ ኣይድቅስ
ስርዓት ተመሲሉ: ካብ ዘንግስ
ባራ በሎ ሕጅስ: ተንስእ ተበራበር
ገና ፋሕፋሕ ከይበልካ: ከይወረድካ ንመደበር
ገብሪኤል ጓንጉል
19 ጥሪ 2012