ቀለም
እወ: ትቕረጽ
ትውቀር
ትለሓም
ትላገብ
ትፍተል
እወ: ከመይ ደኣ ዘይትልቀም
ከም ማይ ከኣ: ትወርር
ኣንቱም ሰባት!
ፊደላት ሰሪዓ: ቃላት ክትቁንን
ክትሽብልል: ተር ከም ዓተር
ትውሕዝ ኮታ: ከተናዲ ከውሒ
ክትፍልፍል: ኣብ ቆጽለ መጽሊ
ኣብ መሬት ለምለም: ክትዘርእ ዘርኢ
ብሕብሪ ጀሚራ: ኣብ በዓቲ
ስጊራ ናብታ ጸሓይ: ድርቕቲ
ብኣ’ቢላ ናብ ፈልሲ: ተኽሊ
ትሕንጽጽ ፊደል: ኣብ ዝነቐጸ ቖርበት
ጽላል ክሳብ ትዓርፍ: ኣብ ወረቐት
እዋናት ይሓልፍ
ከም ቂሐ ጽልሚ::ብቕናት ሰማይ ትሃፍፍ:
ኣብ ሓሳብ: ክሳብ ትሰርጽ
ብኡ’ቢላ ክሳብ ትብል: ግይጽ
ገብሪኤል ጓንጉል
17 ጥሪ 2012