ብረት ዓጢቑ: ተጎንቢሑ ክስዕስዕ
መሲሉዋ ዝፈለጠ ዶስ ተማሂረ: ኢሉ ከብቅዕ
ብረት ዓጢቑ: ተጎንቢሑ ክስዕስዕ
ካብኡስ ያኢ: ገዓት ጠስሚ ክበልዕ
ኣይገዓተ: መሬት ኣይሓረስ
ክግዕት: ግዳ ንቡር ኣፍሪሱ መስሓል ክልሕስ
ናብዝን ናብትን እናበለ: ነገር ከካውስ
እቲ' ምህሮስ ኣበይ ሃፈፈ
እቲ ኣእምሮኸ: ኣበይ ነጸፈ
ኣይብላዕ ኣይስላዕ: ዓዲ መሰርገፈ
ኣይ ኣብ ከተማ: ረጊኡ ናብራ ከይገብር
ዓዲ ሰፊሩ: መሬት ከይግብር
ላንጋ ላንጋ ተረፈ: ተመሲሱ ካብ ሱር መሰራውር
ገብሪኤል ጓንጉል