ሞት ሕጹይ
ዓው ኢሎም ከይበኽዩ
ኣዳዕዲዕካ ዘይትነብዓሉ
ሞት ሕጹይ ኮይኑዎም
ኣፎም ከይዓብሱ
ስግኣት ወሪርዎም
ምስ ዝተቐዘፈ ዝቕዘፉ
ምስትውዓል ድ’ዩ ውሒድዎም
ወይስ ልቢ ሓጺሩ
ንዝሓለፈ ገዲፎም
ንዘሎ ዘይነብዑሉ
ነቲ በዓል ተራ
ኮፍ ኢሉ ዘሎ ኣስመራ
ካብ ሕጂ ምቑዛም
ተላመዱ በልዎም
ክሳብ ሕጂ ምናልባት
ነብሶም እንተዘይነጊርዎም
ሃየ ደርጉሕሎም
መንዲል ቀርብሎም
ይኹዓቱ መቓብር
ይዳለዉ ንተስካር
ስብሃት ገ
ጥቅምቲ 20, 2011