ካብ ተሓቢእካ ዕረቑኒ

በለና ብደወይ ቅቦሩኒ

 

እዚ ኹሉ ብድዐ እዚ ኹሉ ንዕቐት

ተቐሚጡሎ ኣብ ደብተር ወረቐት

ዘይርሳዕ ዝበደልካዮ ንዓና ንጎረቤት

ኣቃጪጭካ ንዓበይቲ መንግስታት

 

ሓለቓ ዓዋሉ ዝራሓቖ ስነስርዓት

ምስ ሸ.ራኣት ሰዓብቱ ዘይዉጁሃት

በላዕቲ በይኖም ኮለስቲ ሱሱዓት

ጥዑይ ዘይመኽሩ ብዘይካ ክፍኣት

ንወራዙት ዘጸልሙ በዳዕቲ ስድታት

 

ደብዳበ ንፕ. ኦባማ ደብዳበ ንኢጋድ

ንዓያሹ ኣዳህሊልካ ተሓቢዕካ ምስጋድ

መልሓሱ ሜትሮ ለዛ ዘይብሉ ጀልጋድ

ብማዕዶ ዝመስል ጅና ሒዙ ዘይሰድድ

ተተዓዘብካዮስ ሓሳዊ ተግባሩ ሕንግድ

 

ይዋኣዮም በዚ ዝታለሉ ኣሕዋትና

ዝበሎ ዘይዝክር ጽሉል መራሒና

ትጽርፍ ውዒሉ ንጽባሑ ናብ ለመና

ነዚ ዘይትዕዘቡ ተደንግጹ ደቅዓድና

 

ህግደፍ ዝኣዘዘን ምስ ኣረጋ ክምሸጣ

ዘይ ሳዕሲዒት ካልእ ከም ዘይፈልጣ

ካብ ሰብ ናብ ኣራዊት ከም ዝልወጣ

ሃገርና ኣጽኒተናኣ እናረአያ እናፈለጣ

 

ክንዲ ሓዘን ቁኖ ሽልማት ተራእዩወን

ደቀን ባሕሪ ናሰጠሙ ወርቂ ተኾሊዐን

ጨካናት ኣረገውቲ ሕልና ዘይብለን

ከም ደቂ ሂዋን ማህጸንዶ ይህልወን?

 

ዲዕዲዕክን ዕብዳንምበር ጥዕናይኮነን

ሓኪም ተረኣያ ከይበርትዐ ሕማምክን

ክንጽሊየልክን ምሕረት ተውረደልክን

ክትሓውያ ከይትሓውያ ጽባሕ ንሪአክን

 

ጓይላ ህግደፍ ኣይኮነን ሓልዮት ንሃገር

ወርቂ ንምርኣዩ ናይ ገላጥም ውድድር

ሰብኡተን ኣያየ ወርቂ ሰዓቱ ንምጅሃር

መዋእለ ፊልመ ደስነት ዘመን ድሑር

ጌና ዘይማዕበሉ ኮምፒዩተሮም ኣባትር

 

ንጀርመን ኣንቂሉ እንዳኩኡ መሲልዎ

ዝሓሰቦ ብወግዒ ብዓጀባ ከቕበልዎ

ሕትት እንተበለስ ብሓላፍነትካ በልዎ

ሃጽሉዩ ዝበለ ብቑጣዐ ሽኩሽኻ ሒዝዎ

 

ዘይሓፍር ዘይኮነ ነገር ዝዝምር

ህዝቢብጡሙዩ ብሓሶት ዝጀሃር

ልቢ ሰብ ደፊኑ ኣዒንቱ ዘዕውር

ዕቡድ ከልቢ ዝተዛረቦ ዘይዝክር

ህዝቡ ኣዋሪዱ ነውራም ዘይሓፍር

 

ኣነ ዝገርመኒ ናይቶም ዝኣምንዎ

ክሕሱን ክልኽብጥን እናሰምዑዎ

ሰሪዩዎም ኣይፋልካን ንኸይብልዎ

ጋብር ዶርዓንቶ ተሓጸቡ ንኽትደፍርዎ

 

ኣንታ ኣበየለዉ ቶም ምዑታት ጀጋኑ

ካብ ብዙሓት ሓደ ወስ ዝብል ተሳኢኑ

ነዚ ፈርካሽ ስርዓት ብድሆ ኢሉ ዘዕኑ

ብዓዲዩ ተስፋና ኣብዚ የለዉን ዝጭክኑ

ኣትሪርኩም ተቓለሱ ንደገ ኣይትእመኑ

 

ህግደፍ ኣብቂዓ ከም ጨው ሓቒቓ ቂሂማ

ደጊም ኣኺሉዋዩ የለን ዝጥግና ዘልሕማ

ብተንኮል ስለ ዝተባዕጠት እንሆ ሰጢማ

መሰረቱ ዘይጠዓየ መወዳእትኡ ኣልቦ ጻማ

 

ካብ ተሓቢእካ ዕረቑኒ

በለና ብደወይ ቅቦሩኒ

ኤረና ኩሑሎ

ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

18/10/2011 Norway

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...