ሕጂ'የ ዝደልያ
ሓርነት ርሒቓ ብዙሕ ደንጉያ
ድሕነት ስኢነ ናበይ'ያ ተኣልያ
ንገርኒ ስኒት ኣርእየኒ ኣርኣያ።
መዓስ'ያ ተመጸኒ ደንጉያትኒ
ደቂ ዓድና በጃኹም ሓግዙኒ
ገለ እንተሰሚዕኩም ደሃይ ሃቡኒ
ገለ እንተሪእኹም ግደፉ ኣዋጅሁኒ።
ሓርነት ካን በቃ ርሒቕክኒ
ድሕነት ስኢነ እምቢ ኢልኪ ኣቢኽኒ
ንጨቆንቲ ፈሪሕክስ ንዓይ ክትፍለይኒ
ንሰብ ሓይሊ'ዩ ኢልኪ ሓቀይ ከሊእክኒ።
ይኹን'ምበር ኣነስ ኣይገድፈክን
ንዓይ ገዲፍኪ ናብ ዓመጽቲ ኣይትኸድን
ንጨቆንቲ ክትኮነ ልበይ ኣየፍቅድን
ንዓመጽቲ ኮንክስ ፈጺመ ኣይድቅስን።
ደቂ ዓድና በጃኹም ርድኡኒ
ሕጂ'የ ዝደልያ ሓርነተይ ኣማጽኡኒ
ሕጅ'የ ዝደልያ ድሕነተይ ይሃቡኒ
ሕጂ'የ ዝደልያ ጭቆንቲ ኣየከላብቱኒ
ሕጂ'የ ዝደልያ በጃኹም ሰንዱኒ።
Maazin Abdul Qhany
08-May-‘11