መበል 13 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኣብ ኤረትራ እንታይ ይውረሎ
ተቓውሞ ይልጠፍ ኣብ ኣንጎሎ
ኪዳን ዶንጕዮም ይባሃል ኣሎ።

ዓቕሉ ጸቢብዎ ይጽበሎ ህዝቢ
ኪዳን ቅልቅል እሞ በሉ ንኸባቢ
ብትብዓት ክስዕበኩም ንእሽቶ ምስ ዓቢ
ኣብ ከተማታት ክልሕም ህዝባዊ ናዕቢ።

 ያኣክል ሎሚ ጽባሕ
ኣዋሃሂድካ ምምራሕ
ኣዲቢኻ ምጽናሕ
ንስለያ ህግደፍ ምባል ፋሓ
ሽግር ህዝቢ ኤረትራ ክፍታሕ
ኪዳን  እዚ ዩ ናታትኩም ስራሕ።

ህዝቢ ኤረትራ ተላዓል ተሪፉ ናትካ ግደ ዕጫ
መራሒኻ ክትመጽ ከም ዓለምካ ብምርጫ
ስርዓት ህግደፍ ጸሪግካ ክትጸግብ ሃንዛ ምስ ቅጫ
ኣብ ኤረትራ ደስደስ ክኸውን ስዋ ክስተ ብዋንጫ
ኤረትራ ሃገርና ለሚዓ ክትከውን ቀጠልያ ብጫ።

ነጻነት ኮይኑ ንዉሑዳት ጠቕሚ
ኣይተተግበርን ናይ ህዝቢ ሕልሚ
ብቃልሲ ይትግበር ከም ዓሚ
ተግባራዊ ምዃን ካብ ቆዛሚ
ተባህለ እንዳብልካ ደጋሚ።

ሓላወሰን ናብ ገጠራት ተቓላቐል
ክፈርስ እዩ ቲ ዘይፈርስ ዝመስል
ህግደፋዊያን ክብሉ ሕርር ቁምስል
ህዝቢ ምስ ዝላዓል ኩሉ እዩ ቀሊል
ስርዓት ማፍያ ፋሕ ፋሕ ክብል።

ኤረትራዊ መንእሰይ በዚ ዝሓለፍካ
ካብ ሳሃራ ካብ ውቂያኒስ ዝዳሓንካ
እንተ ብዕጫኻ ውይ ብምርቓ ስድራኻ
እስከ ካሓተካ እንታይ ድዩ ምውጺኢኻ።

ኣብ ዝብጻሕ ምስ በጻሕካ
ብተቓወምቲ ተሓጊዝካ
ወረቐትካ ምስ ሕዝካ
ብሰንኪ ህግደፍ ሃዲምካ
መውጺኢኻ  ረሲዕካ
ንህግደፍ ምቅዋም ኣቢኻ
ናብ ህግደፍ ተጸጊዕካ።

ስለምንታይ ዲኻ
ዓዲ ዝሓደግካ
ኣብ ጽርጊያ ወጺኻ
ኣብ ጎኒ ኣያታትካ
ንሓርነት ዘይትገብር እጃምካ
ዘይተእዊየሎም ንመሳቱኻ
ምስ ወግሔ እንታይ ክትብል ኢኻ።

መንእሰያትና ግበሩ ዓቕሊ
ክወግሕዩ ከም ናይ ትማሊ 
ብጽንዓት ምቅላስ የድሊ
ክንዕወተሉ ነቲ ከጽንተና ዝደሊ።

ሓርነታዊ ቃልሲ ኣይዕገትን
ከምቲ ናይ ሰብዓን ሓሙሽተን
ከባቢ ምስ ደየበ ሓላው ወሰን
ኤረትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን
ተዋሃሂዱ ብደገን ብውሽጥን
ንስለያ ህግደፍ የብሎም ፋሕብትን።
ሹዑ ናይ ዘለኣለም ሰላም ይኸውን።

ስርዓት ህግደፍ ይኸውን ኦሮማይ
ፍርዱ ይቕበል ቲ ጣልማይ
መልሓሱ ያዓጽፍ ቲ ከዳማይ
ህዝቢ ሕነ ይፈዲ ገሩ ሕርሕራይ።

ይቕጽል
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን







Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...