በሎ'ም ሰምስሞምየ  እንታይ ከይሕሞም
ይብሉ ነይሮም ቀዳምት  ኣብ ኲናት እንተገጢሞም
ድሕር ከይበሉ ንጸላእቶም ኣድኪሞም
እነሆ ጻምኦም ብዓወት ዛዚሞም
****
ሓላፍነቶም ንሓዲስ ወለዶ ኣሰኪሞም
መስኪኖት ደቅና ጻማ ወለዶም ተሓሪሞም
ብጭም ከይብሉ ኣፎም ተዓሚሞም
ወስ ዝበሉ'ውን ብሓይሊ ተደርዒሞም
ኣካለ ስንኩላት ከይተረፉ ብጥይት ተሃሪሞም
ክንደይ ኣብ ጎዳጉዲ ማእሰርቲ ኣእዛኖም ጸሚሞም
*************
መንእሰይ ሃገርና ተስእ ተበራበር
ሓንቲ ኢድ ኩን ኣይትፈላለ ሕበር
ምእንቲ ሃገርካ ገለ ነገር ግበር
ብሓይሊ ህግደፍ ብዙሕ ኣይትሸበር
****
ቦኹባዅ ሓይሉ ብቅልጽምካ ስበር
ንስኻ ኢኻ ተስፋ ህዝቢ ተስፋ ሃገር
ካብ ኣብ ስደትን ከርተትን ኣብ ገዛእ ሃገርካ ንበር
ብናይ ህግደፍ ሽጣራታት ፈጺምካ ኣይትጠበር
****
ንጸሊም ታሪኹ ኣፍርስ ንዲክታቶር ቅበር
ኣይዞኻ ኣይትፍራህ ኣይኮነካን'ዩ ኣበር
ሓግሕጎ ንውልቀ መላኺ ግበሮ ብዘይ ኣሰር
ኣብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ደርብዮ ኣስምዮ መራሒ  ነበ'ር
****
ተስእ ተበራበር ሓዲሽ ስርዓት ፍጠ'ር
ሱቅ ኢልካ ኣይትተዓዘብ ህዝብኻ ክሽገር
ሱቅ ኢልካ ኣይትርአ ወላዲኻ ክእሰር
ተስእ ተበራበር ህዝብኻ ክኽበር
****
ሱቅ ምባል ኣይጽቡቅን ህዝብኻ ክሓስር
ኣርክብ ብእዋኑ ሀገር ከይንኸስር
ተስእ ግጠሞ ንህዝብኻ ኣበስር
ተስእ ቅያ ግበር ህዝብኻ ኣሰራስር
****
መንእሰይ ሃገርና ተላዓል ድፈሮ ንመራሒ ህግደፍ
ይገለል ይደርበ ኣብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ
ሓዲሽ ታሪኽና ብብርዕኻ ጸሓፍ
ኩሉ ኣብ ቅድሜኻ ዝዕንቅፍ ኣይትግደፍ
****
ንህግደፍ ኣልጊስካ ጽቡቅ ታሪኽ ግደፍ
ብጽቡቅ ክትዝከር ሞት ዘይተርፍ
ህዝብኻ ክሕጎስ ብዛዕባኻ ክደርፍ
ንዲክታቶር ክፈርድ ከዋርድ ክጸርፍ
****
ሓይልታት ምክልኻል ሰልምታይ ይብጻሕኩም
እንታይ ትጽበዩ እንዳ ተበሳበሰ ህዝብኹም
ካንዶ! ተዓንዲኩም ወይስ ተገዲድኩም?
ንብዙሕ ዓመታት መስተንክር ርኢኹም
****
ተለዓሉ ኣንጻር ዲክታቶር ምእንቲ ህዝብኹም
ዋሕስ ነጻነትና ንስኹም እንዲኹም
ሃየ ተላዓሉ ኣይትጥለሙ ሓደራኹም
ውልቂ መላኺ ኣይኮነን ጐይታኹም
ምስ ህዝብኹም ደው በሉ ንሱ'ዩ ሕቊኹም::
****
ዓወት ንኹሎም ተቃለስቲ ምእንቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ
ውድቀት ንውልቀ-መላኺ
ዝኽርን ክበርን ንስውኣትና
ኣንቲ ኤረይ ኩሕሎ
ራህዋኺ ቀሪቡሎ
ወዲ ኣፎም ክዕሎ

ወድ ዓድ ካብ ስደት 2 መጋቢት 2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...